ብዛዕባ ፈተነ ቅትለት ትራምፕን ጥርጡርን ክሳብ ሕጂ እንታይ ንፈልጥ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ብሰንበት 15 መስከረም 2024 ካብቲ ኤፍ.ቢ.ኣይ ርኡይ ፈተነ ቅትለት ክብል ዝገለጾ ህሞት ድሕሪ ምትራፉ ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዝ ተገይሩ።
እዚ ፍጻመ፡ ኣብ ባትለር ፔንሲልቨንያ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ተዅሲ ካብ ዝኽፈት ዳርጋ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ዘጋጠመ’ዩ፤ ኣብቲ እዋን ትራምፕ እዝኑ ቆሲሉ፤ ሓደ ደጋፊኡ ድማ ሞይቱ።
ብዛዕባ’ዚ ዳሕረዋይ ፍጻመን ብማዕከናት ዜና ኣመሪካ ራያን ራውት ክብላ ዝገልጻኦ ዘለዋ ጥርጡርን ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ገና ኣብ ምውጻእ’ዩ ዘሎ፤ ክሳብ ሕጂ እንፈልጦ ግን እንሆ።
እቲ ጥርጡር ብኸመይ ተራእዩ?
እቲ ፍጻመ ኣብ ዌስት ፓልም ቢች ኣብ ዝርከብ ‘ትራምፕ ኢንተርናሽናል ጎልፍ ክለብ’ ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ካብቲ ኣብ ፍሎሪዳ ዝርከብ መንበሪ ትራምፕ ማር-ኣ-ላጎ ኣስታት 15 ደቓይቕ ርሒቝ ይርከብ።
እቲ ዕጡቕ መጀመርያ ብኣባላት ኣገልግሎት ጸጥታ ተራእዩ። ንሳቶም እቲ ፕረዚደንት ነበር እናተጻወተ ነቲ ሜዳ ጐልፍ ቀቅድሚኡ እናመርሑ የጽርይዎ ነይሮም፤ መብዛሕትኡ ግዜ ቀቅድሚኡ ብምኻድ ዳህሳስ ጸጥታ ከምዝገብሩ ፖሊስ ይገልጽ።
ሽዑ ኣፍንጫ ናይቲ ከም AK-47 ዝዓይነቱ ሽጉጥ ምዃኑ ዝተገለጸ ዕጥቂ ኣብ ውሽጢ ቍጥቋጥ ተወጢሙ ተራእዩ። ኣብቲ እዋን ትራምፕ ካብቲ ዕጡቕ ካብ 272-557 ሜትሮ ኣብ ዝግመት ርሕቐት ከምዝነበረ ኣዛዚ ፖሊስ እታ ክፍለ ግዝኣት ሪክ ብራድሾው ገሊጹ።
ሓደ ኣባል ድሕነት ምስቲ ሽጉጥ ዝሓዘ ሰብ "ብቕጽበት ከምዝተፋጠጠ" ዝሓበረ እቲ ፖሊስ፡ ሽዑ እቲ ተጠርጣሪ ከምዝሃደመ ሓቢሩ።
"እቲ ምስጢራዊ ኣገልግሎት ብልክዕ ክግበር ዝግባኦ እዩ ገይሩ" ክብል ወሲኹ።
እቲ ጥርጡር ብኸመይ ተታሒዙ?

ኣባላት እቲ ኣገልግሎት ነቲ ዕጡቕ ምስ ረኣዩ ተዅሲ ብምኽፋት ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ዙር ጠያይቲ ተኲሶም።
ሽዑ እቲ ጥርጡር ነቲ ሽጉጥ ኣውዲቑ ብሓንቲ መኪና ከም ዝሃደመ ዝገለጸ ኣዛዚ ፖሊስ ሪክ ብራድሾው፡ ኣብ ክልተ ቦርሳታት ዝነበረ ኣጽዋር ከምኡ’ውን ንምዕላም ዝጥቀመሉ ስኮፕን ካሜራን ከም ዝገደፈ ጠቒሱ።
ሓደ ምስክር ዓይኒ፡ እቲ ሰብኣይ ካብቲ ቍጥቋጥ ወጺኡ ናብ ጸላም ኒሳን ዝዓይነታ ክሃድም ከምዝረኣዮ’ውን እቲ ፖሊስ ሓቢሩ። እቲ ምስክር ስእሊ ናይታ መኪና ሒዙ ንኣኽበርቲ ሕጊ ኣረኪቡ’ሎ።
እቲ ጥርጡር፡ ካብ ሜዳ ጎልፍ ትራምፕ ኣስታት 61 ኪ.ሜ ርሒቑ ናብ ዝርከብ ማርቲን ካውንቲ ድሕሪ ምብጽሑ ብፖሊስ ከምዝተትሓዘ ተፈሊጡ።
ምንጭታት ኣኽበርቲ ሕጊ ንኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ጥርጡር ራያን ዌስሊ ሩት ከምዝበሃል ገሊጾም።
ራያን ራውት መን እዩ?
ዝርዝር መረዳእታ ናይቲ ጥርጡር ቀስ ብቐስ ይምዕብል እዩ ዘሎ።
ወዱ ነቲ ጥርጡር ዝዀነ ኦራን ንማዕከናት ዜና ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ፈቃርን ሓላዪን ኣቦ" ክብል ገሊጽዎ።
"ኣብ ፍሎሪዳ እንታይ ከም ዘጋጠመ ኣይፈልጥን እየ። ነገራት ካብ ልክዕ ንላዕሊ ተጋኒኖም ክዀኑ ተስፋ እገብር። ምኽንያቱ ካብቲ ዝሰማዕክዎ ቅሩብ ነገር እቲ ኣነ ዝፈልጦ ሰብኣይ ከምዚ ዝበለ ዕብዳን ዝመልኦ ተግባር ዝገብር ኣይመስልን" ክብል ኦራን ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ቢቢሲ ምስቲ ስም ዝሰማማዕ ፕሮፋይላት ማሕበራዊ መራኸቢታት ረኺቡ ኣሎ። ራያን ሩት ዌስሊ፡ ወጻእተኛታ ተዋጋእቲ ናብ ዩክረይን ብምኻድ ኣንጻር ሓይልታት ሩስያ ክዋግኡ ከምዝጸውዐ ድማ ይሕብሩ።
ብተወሳኺ ንፍልስጤም ዝድግፍ፡ ንታይዋን ሓጊዙ ንቻይና ዝቃወም ትሕዝቶታት ከምኡ’ውን ኮሮናቫይረስ፡ “ባዮሎጂያዊ ውግእ” ቻይና ከምዝዀነ ዝገልጹ ክስታትን መልእኽትታትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ገጻቱ ኣለዉ።
ወተሃደራዊ ተመኵሮ ዘይነበሮ ራውት ድሕሪ ወራር ሩስያ፡ ካብቶም ካብ ጣሊባን ዝሃደሙ ወተሃደራት ኣፍጋኒስታን ንምምልማል ኣብ 2022 ብቕጽበት ናብ ዩክረይን ከምዝተጓዕዘ ኣብ 2023 ንጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን’ውን ኣብ ጻዕርታት ምልመላ ከምዝተሳተፈ ዘምስል መልእኽቲ ዘርጊሑ ነይሩ። ኣብ ሓምለ "ወተሃደራት በጃኹም ኣይትደውሉለይ። ሕጂ'ውን ዩክረይን ንወተሃደራት ኣፍጋኒስታን ክትቅበል ንጽዕር ኣለና። ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ገለ መልሲ ክንረክብ ተስፋ ንገብር። በጃኹም ትዕግስቲ ግበሩ" ክብል ኣብ ፌስቡክ መልእኽቲ ጠቂዑ።
ቅድም ክብል ዝወጽአ ጸብጻብ፡ ራውት መዝገብ ገበን ከም ዝነበሮ የመልክት። ብምንጭታት ሲቢኤስ ከምዘመልክትዎ ራያን ራውት ኣብ መንጐ 2002ን 2010ን ኣብ ሰሜን ካሮላይና ኣብ ዝርከብ ጊልፎርድ ካውንቲ ብብዙሕ ገበናት ተኸሲሱን ተፈሪዱን’ዩ።
እቶም ገበናት ከኣ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ምሓዝ፣ ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ከውዕሎ ከሎ ምቅዋም፣ ዝተሰረዘ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ሒዝካ ምዝዋር፣ ዝተሰረቐ ንብረት ምውናን ከምኡ’ውን ብሞተር ብሽክለታ ሓደጋ ኣብጺሕኻ ምህዳም ዝብሉ ይርከብዎም።
ትራምፕ እንታይ ኣጋጢምዎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትራምፕ ኣብቲ ፍጻመ ጉድኣት ኣይወረዶን።
እቲ ፍጻመ ብጕጅለ ጐስጓሱ ድሕሪ ምርግጋጹ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሰልፊ ሪፓብሊካን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ትራምፕ "ኣብ ከባቢየይ ተዅሲ ነይሩ። ወረታት ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ቅድሚ ምዃኑ ግን ነዚ ክትሰምዑ እደሊ፤ ውሑስን ጽቡቕን እየ ዘለኹ" ምባሉ ኣመልኪቱ።
ኣቕራቢ ዜና ፎክስ ኒውስ ሾን ሃኒቲ፡ ድምጺ ተዅሲ ምስተሰምዐ "ኣብ ውሽጢ ካልኢታት፡ ሚስጢራዊ ኣገልግሎት ነቲ ፕረዚደንት ከቢቦም ከምዝሸፈንዎ" ብምግላጽ ብሓጺን ዝተሸፈነት መኪና ናብ ውሑስ ቦታ ብቕልጡፍ ከምዝወሰደቶ ሓቢሩ።
ቀጺሉ እንታይ’ዩ ክኸውን?
ጀፍሪ ቨልትሪ ካብ ኤፍ.ቢ.ኣይ፡ ቢሮኡ ምስ ካልኦት ኣኽበርቲ ሕጊ ኰይኑ መርመራታት ይመርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ’ሎ።
"መርመርቲ ጕጅለታት፡ ኣባላት ግብረ-መልሲ ንቅልውላው፡ ቴክኒሻናት ቦምባታትን ኣባላት ጕጅለ ምጽራይ መርትዖታትን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ሓይልታት ኣዋፊርና ኣለና" ዝበለ ቨልትሪ፡ ዝተዋደደ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስን ብዛዕባ እቲ ፍጻመ መብርሂ ከምዝተወሃቦምን ትራምፕ ሓደጋ ከምዘይበጽሖ ምፍላጦም እፎይታ ከምዝፈጠረሎምን ዋይት ሃውስ ገሊጹ።
ሃሪስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ሎሚ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ብዝተፈጸመ ፈተነ ቅትለት ኣዝየ ተረቢሸ ኣለኹ” ኢላ።
መራሕቲ ናይቲ ብ13 ሓምለ ኣብ ፔንሲልቨንያ ዝተፈጸመ ፈተነ ቅትለት ንምጽራይ ዝተመስረተ ክልተኣዊ ሓይሊ ዕማም፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ጉድኣት ከይበጽሖ ምትራፉ ብምምስጋን "ግን ከኣ ጉዳይ ፖለቲካዊ ዓመጽ ኣዝዩ ከምዝሻቐሎምን ብዅሉ መልክዑ ከምዝዅንንዎን" ገሊጾም።
ኣባል ኮንግረስ ሪፓብሊካን ማይክ ኬሊን ዲሞክራት ጄሰን ክሮውን፡ እቲ ሓይሊ ዕማም "እንታይ ከምዘጋጠመን ጸጥታ ብኸመይ ምላሽ ከምዝሃበን" ንምርዳእ ካብ ምስጢራዊ ኣገልግሎት መብርሂ ክቐርብ ሓቲቱ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።
ራያን ራውት ሰኑይ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ትጽቢት ይግበር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







