ሰፊሕ ኲናት ወይ ዘየቕስን ዕርቂ - ድሕሪ መጥቃዕቲ ሊባኖስ ዝተፈጥረ ሃዋሁ እንታይ ይመስል?

ድሕሪ መጥቃዕቲ ሊባኖስ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ወጥሪ ተሸሚሞም ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ጐደናታት በይሩት - ርእሰ ከተማ ሊባኖስ፡ ዝዀነ መጥቃዕቲ ከየጋጥም ዝሰግኡ ነበርቲ ሞባይላቶም ብጭንቀት ይከታተሉ። ሓቂ’ዩ ከኣ ኣብቲ ከባቢ ዘሻቕል ሓደጋ ስግኣት ምስኣንጸላለወ እዩ። ኣብ መንጐ እስራኤልን ሕዝቡላህ ሊባኖስን፡ ደጋፊቱ ኢራንን ኵሉ መዳያዊ ኲናት ኣንጸላለዩ ዘሎ።

ትማሊ ሰሉስ ኣብ መላእ ሊባኖስ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣብ ኤለክትሮኒካዊ መራኸቢ ዝተጻወዱ ንኣሽቱ ነተጕቲ ድሕሪ ምፍንጃሮም 37 ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 2600 ድማ ቆሲሎም።

ንጽባሒቱ ረቡዕ’ውን ናብ ኣባላት ሕዝቡላህ ዘነጻጸሩ ካልኦት ነተጒቱ ተፈጂሮም። ዋላ’ኳ ዝዀነ ይኹን መረጋገጺ እንተዘይተረኽበ፡ ብድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ እስራኤል ከምዘላ’ዩ ዝጥርጠር።

ብረቡዕ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት "ሓድሽ ምዕራፍ ናይቲ ኲናት" ከምእተጀመረ ኣፍሊጡ። መራሒ ሕዝቡላህ ሓሰን ነስራላህ፡ ነቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነታጒ "ንዅሉ ቀይሕ መስመራት ከምዝሰገረ" ብምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተሪር ግብረመልሲ ከምዝወስድ ኣጠንቒቁ።

ቀጺልና ኣብ ሊባኖስ ከጋጥም ዝኽእል ተኽእሎታት ክንርኢ ኢና።

በዚ መጥቃዕቲ ሕዝቡላህ ተዳኺሙ እዩ ኢላ እትኣምን እስራኤል፡ ዝያዳ ዓወት ንምጉንጻፍ ዝያዳ ከተጥቅዕ ትኽእል እያ

ኣብዚ ኵሉ መዳያዊ ኲናት ከይውላዕ ዓቢ ስግኣት ተኸሲቱሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ሚኒስተር ጥዕና ሊባኖስ ፍራስ ኣብያድ፡ ሊባኖስ ንዝኸፍአ ኵነታት ክትዳሎ ከምዘለዋ ሓቢሩ። እቲ ሚኒስተር "ንዝኸፍአ ኵነታት ክንዳሎ ዘለና ይመስለኒ" ክብል ተዛሪቡ።

ዕላማ እቶም "ኣብዘን ክልተ መዓልቲ ዝተፈጸሙ ክልተ መጥቃዕትታት፡ እስራኤል ብዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ከምዘይትኣምን ዘርኢ'ዩ" ይብል።

ኣነ ከምዝፈልጦ፡ “ መርገጺ መንግስተይ ንጹር እዩ፤ ካብ ፈለማ ሊባኖስ ኲናት ከምዘይትደሊ ኢና ንኣምን።"

ገዲም ተንታኒ ጉዳያት ዓረብ ኤሁድ ያሪ፡ እስራኤል ብዘለዋ ብቝዕ ተመራሒ ሚሳይል ኣንጻር ሕዝቡላህ ፍሉይ ስጕምቲ ንኽትወስድ “ ፍሉይ ዕድል ፈጢሩላ’ዩ” ይብል። ብዙሓት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሕዝቡላህ ስለዝቘሰሉ፡ ስርዓተ ርክብ ናይቲ ጕጅለ ኣዝዩ ተዳኺሙን ካብ ስራሕ ወጻኢ ኰይኑን እዩ።

እቲ ተንታኒ ፖለቲካን ኲናትን ያሪ N12 ኣብ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ፡ “እዚ ህሉው ኵነታት ኣብ ቀረባ እዋን ኣይክድገምን’ዩ” ክብል ጽሒፉ ነይሩ።

“ብቐሊል ኣዘራርባ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ሕዝቦላህ ኣብ 2006 ካብ ዝተኻየደ ካልኣይ ኲናት ሊባኖስ ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ኵነታት እዩ ዝርከብ።”

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ፖል ኣዳምስ፡ እስራኤል፡ ዋላ’ውን ኲናት ቓዛ እናቐጸለ፡ ወተሃደራዊ ቆላሕታኣ ናብ ሰሜን ከምዝተሰጋገረ ይዛረብ። እስራኤል ነዚ ሳሕቲ ዝርከብ ወተሃደራዊ ዕድል፡ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ከም ዝሓሰበት ግን ንጹር ኣይኰነን።

ሕዝቦላህ ንእስራኤል ከጥቅዓ ይኽእል እዩ፤ እስራኤል ከኣ ናይ መሬት ወራር ብምክያድ ሕነ ክትፈዲ ትኽእል እያ።

መራሒ ሕዝቡላህ ሓሰን ነስራላህ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, መራሒ ሕዝቡላህ ሓሰን ነስራላህ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መራሒ ሕዝቡላህ ሓሰን ነስራላህ ድሕሪ’ቲ ተደጋጋሚ ምፍንጃር ነቶጒቲ መራኸቢታት፡ ብ19 መስከረም 2024፡ እስራኤል “ኵሉ ዓይነት ደረት ሕግታትን ቀይሕ መስመራትን” ሓሊፋቶ ኣላ ክብል ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ነቲ ዕጡቕ ጕጅለ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጉድኣት ከምዝበጽሖ'ኳ እንተተኣመነ ናይ ምእዛዝን ርክባትን ዓቕሙ ግን ከምዘይተበላሸወ ሓቢሩ። ነቲ ጉዳይ ዘጽንዕ መርመራ ተጀሚሩ ከምዘሎ እውን ወሲኹ ሓቢሩ ኣሎ።

እቲ ተግባር፡ “ገበናት ኲናት ወይ ኣዋጅ ኲናት ክበሃል ይከኣል’ዩ - ዝመረጽካዮ ስም ክትህቦ ግቡእን ምስቲ ተግባር ዝሰማማዕን እዩ፤ ዕላማ ጸላኢና ንሱ እዩ ነይሩ” ኢሉ።

ሓሰብ ነስራላህ፡ [ነቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ] ፍትሓዊ መቕጻዕቲ ክወሃቦ እዩ ክብል ቃል ኣትዩ። እቲ ምላሽ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ዝሕብር ምልክት ግን ኣይኣመተን።

ኣብ ቓዛ ተዅሲ እንተዘይተቛሪጹ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝካየድ ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕቲ ክቕጽል ምዃኑ ሓቢሩ። ኣብ ሰሜን እስራኤል ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ግጭት ካብ ቦታኦም ዝተመዛበሉ ነበርቲ ናብ ቦታኦም ንኽምለሱ ከምዘይፍቀደሎም ከኣ ገሊጹ።

ኣብ ቻታም ሃውስ ተሓጋጋዚ ፕሮግራም ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝዀነ ኣምጃድ ዒራቂ፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ብዝምልከት፡ እስራኤል ንሕዝቡላህ ትተዃትኾ እያ ዘላ፤ እዚ ከኣ ዝኸፍአ ዞባዊ ግጭት ንምቕስቃስ ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ ተዛሪቡ።

ሚስተር ዒራቂ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሕዝቡላህ ሕጂ ነገራት ንምትዕብባይ ጸቕጢ ኣብ ዝግበረሉ ኵነታት ኣትዩ ኣሎ። እዚ ድማ ብግደኡ ንሰራዊት እስራኤል ናይ መሬት ወራር ንኸካይድ ምስምስ ክህቦ ልዑል ተኽእሎ ኣሎ" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እስራኤል፡ "ኣብ ቓዛ ከምቲ ዝሓሰበቶ [ዒላማኣ ኣይሃረመትን] ኣይተዓወተትን" ዝበለ እቲ ተንታኒ፡ መንግስቲ እስራኤል "ኣብ ሰሜናዊ ግንባር ምስ ሕዝቡላህ ኣብ ዝግበር ግጥም ከረጋግጾ ከምዝደሊ የመልክት ክብል ርእይቶኡ የቐምጥ።

3. እቲ መጥቃዕቲ ንሕዝቡላህ ከዳኽሞን ግጭት ከጉድልን ይኽእል እዩ

ጋዜጠኛ ቢሲሲ ናፊሰህ ኮህናቫርድ ኣብ በይሩት ኰይና ንመደረ ሓሰን ነስራላህ ተኸታቲላቶ ነይራ።

እቲ መጥቃዕቲ ሓያል ጉድኣት ኣስዒቡሎም’ዩ ትብል - ነስራላህ፡ እቲ ጕጅለ ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ኣጋጢሙዎ ከምዘይፈልጥን “ፈታንን’ዩ” ክብል ገሊጹዎ።

እቲ ኩነታት ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ዘርኢ እዩ ክትብል ከኣ ትውስኽ። መብዛሕትኦም እቶም ዝተጐድኡ ኣካል ናይቶም ልዑል ስልጠና ዝወሰዱ ተዋጋእቲ ፍሉያት ጕጅለታት መንእሰያት እዮም። ሎሚ እውን እንተዀነ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ምልወዋጥ ተዅሲ ቀጺሉ ውዒሉ’ሎ።

እቲ ጕጅለ ተወሳኺ ስጕምቲ ንኸይወስድ ኣይክዓግቶን እዩ፤ ይዅን እምበር ጽልዋ ግን ኣሕዲሩ እዩ ክትብል ወኪልና ትገልጽ።

እቲ ቀንድን ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎን ሕዝቡላህ ንበይኑ ከምዘይኰነን መሓዙት ከም ዘለውዎን እዩ። እቶም መሓዙት ሕዝቡላህ ጥራይ ዘይኰነስ ሊባኖስ ንባዕላ እውን ቀይሕ መስመር ከምዝተሰግረ ገሊጻ እያ።

ንኣብነት፡ ኢራን፡ ዒራቓውያን ሺዓ ንኡስ ወተሃደራዊ ጕጅለታትን ናይ የመን ሑቲን መሻርኽቲ ሕዝቡላህ እዮም።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓደ ኣባል ንኡስ ወተሃደራዊ ጕጅለ፡ድሮ ኣብ ሊባኖስ ይኣትዉን ይወጽኡን ከምዘለውን ኦፕሬተራቶም ንሕዝቡላህ ይሕግዙዎም ከምዘለውን ጠቒሱ።

እዞም ጕጅለታት ኣብ ሶርያ ብሓባር ተሰሊፎም ስለዝተዋግኡ ሕጂ ድማ ሕዝቡላህ ደገፎም ክጽበ ይኽእል እዩ። ስለዚ እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ውጽኢታዊ'ኳ እንተነበረ፡ ሕዝቡላህ ከም ጕጅለ ግን ብዞባ ደረጃ ዓሚቚ ደገፍ ከምዘለዎ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ትዛረብ።

4. መጥቃዕቲ ፔጀር [ንሞባይል ዝመስላ ንኣሽቱ ኤለክትሮኒካዊ መራኸቢታት] ሊባኖስ ኣካል ሰፊሕ ስትራተጂ ኣይነበረን

ኣብ በይሩት ድሕርቲ ብዕለት 18 መስከረም 2024 ዘጋጠመ ናይ መራኸቢታት ነተጒቲ ፍንጀራ፡ ኣብታ ከተማን ካልእ ክፋል እታ ሃገርን ሰባት ደም ይልግሱ ኣለው

ምንጪ ስእሊ, EPA

ካልእ ክልሰ-ሓሳብ ድማ፡ ትካል ስለያ እስራኤል ሞሳድ፡ ኣብ ጐረቤት ሃገር ሊባኖስ ኵሉ መዳያዊ ግጭት እንተጋጢሙ፡ [ከምኡ ዝኣመሰለ] መሳርሒታት ናይ ምጥቃም ዓቕሚ ኣቐሚጡ ክኸውን ይኽእል ይብል ናይ ቢቢሲ ናይ ጸጥታ ሪፖርተር ጎርደን ኮረራ።

ይዅን እምበር ሕዝቡላህ ብዛዕባ እቲ ነትጕ መራኸቢታት ሞባይል ጥርጠራ ስለዘሕደረ፡ ሞሳድ፡ ከይተጠቀመሉ ክኸስሮ ስለዘይደለየ ቅድሚ እቲ ዝሓሰቦ እዋን ሰሉስ ነተን ‘ፔጀርስ’ ረቡዕ ከኣ በተን ንኣሽቱ ራድዮ መራኸቢታት ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞ ይግመት።

እቲ ግምታት ቅኑዕ እንተዀይኑ፡ ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ ካልእ ዝሰፍሐ ውጥን ኣሎ ድዩ የሎን ምሉእ ብምሉእ ንጹር ኣይኰነን ይብል ወኪል ቢቢሲ።

ኣምጃድ ዒራቒ ካብ ቻታም ሃውስ ብወገኑ፡ እዚ ፍንጀራ ፔጀርን ራድዮ ርክብን ናይ ምቕያር ስርሒት ብውሕዱ ወርሒ ካብኡ ሓሊፉ እውን ዓመታት ክወስድ ዝኽእል ነዊሕ ምድላው ዘድልዮ ከምዝዀነ ይገልጽ። እቲ ሕጂ ዝግለጸሉ ዘሎ ምኽንያት ግን ኣብ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ግምታት ክቐርብ ስለዝጸንሐ እዩ ይብል።

"ገለ ጸብጻባት ዜናን ማዕከናት ዜናን፡ ሕዝቡላህ እዞም መሳርሒታት ብገለ ምኽንያት ተበላሽዮም ወይ ተተንኪፎም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ግምታት እናበርሃሉ መጺኡ" ይብል ሚስተር ዒራቂ።

"ካልኦት ድማ እስራኤላውያን ኣብ ቓዛ ንዝገብርዎ ስርሒት ቀስ ብቐስ እናነከዩ ኣብ ዝኸዱሉ ዘለዉ እዋን፡ ሕጂ ናብ ሊባኖስ ገጾም የማዕድውን ይዳለውን ስለዘለው፡ ዝያዳ ስትራተጂያዊን ዝተዋደደን ጻዕሪ ከምዝዀነ” ትርጕም ይህቡዎ።