ሊባኖስ፡ መራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ነስረላህ መን’ዩ?

ሓሰን ናስራላህ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መራሒ ዕጡቕ ምንቅስቓስ እስላማዊ ሺዓ ሕዝቦላህ ዝዀነ ሸኽ ሓሰን ነስረላህ ሓደ ካብቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ጸለውቲ ዝዀኑ ሰባት እዩ።

እስራኤል ኣብቲ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ልዕሊ በይሩት ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ንነስረላህ ዒላማ ከም ዝገበረት ይግለጽ ኣሎ።

ንሱ ብእስራኤል ከይቅተል ብዝብል ስግኣት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ካብ ዝርአ ዓመታት ኣቝጺሩ'ሎ።

እንተዀነ፡ ሕዝቦላህ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ መራሒኡ ሓሰን ነስረላህ ከም ዝሞተ ኣረጋጊጹ።

ምስ ኢራን ጥቡቕ ውልቃዊ ርክብ ዘለዎ ነስረላህ፡ ንሕዝቦላህ ናብዚ ሕጂ ዘለዎ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ደረጃ ኣብ ምብጻሕ ወሳኒ እጃም ተጻዊቱ’ዩ፤ ክሳብ ሕጂ ድማ ብደገፍቲ እቲ ጕጅለ ልዑል ክብሪ ኣለዎ።

ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ነስረላህ፡ ሕዝቦላህ ንፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ሓማስ ሓዊሱ ኣብ ዒራቕን የመንን ንዝርከቡ ምልሻታት ኣብ ምስልጣን ሓጊዙ፤ እቲ ሊባኖሳዊ ዕጡቕ ጕጅለ ድማ ኣንጻር እስራኤል ዝጥቀመሎም ሚሳይላትን ሮኬታትን ካብ ኢራን ረኺቡ።

ንሱ፡ ሕዝቦላህ ካብቲ ንሊባኖስ ዝወረሩ ወተሃደራት እስራኤል ንምምካት ዝተመስረተ ሚሊሻ፡ ካብ ሰራዊት ሊባኖስ ዝሓየለ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክኸውን ገይሩ’ዩ።

እዚ ድማ፡ ሕዝቦላህ ኣብ ፖለቲካ ሊባኖስ ወሳኒ ተራ ዘለዎ፡ ዓቢ ወሃቢ ጥዕና፡ ትምህርትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን፡ ከምኡ’ውን ወሳኒ ኣካል ናይቲ ኢራን ዞባዊ ልዕልና ንምርካብ እትገብሮ ጸቕጢ ክኸውን ኣኽኢሉዎ እዩ።

ሓሰን ነስረላህ መን'ዩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ነስረላህ፡ ኣብ 1960 እዩ ተወሊዱ፤ ኣብ ምብራቓዊ ከባቢ በይሩት ድማ ዓብዩ።

ኣቦኡ ዓብዱልከሪም ነጋዳይ ኣሕምልቲ’ዩ ነይሩ፤ ነስረላህ ድማ ካብ ትሽዓተ ቈልዑ በዅሪ እዩ ነይሩ።

ሊባኖስ ኣብ 1975 ናብ ኲናት ሓድሕድ ምስ ኣተወት፡ ናብ ምንቅስቓስ ኣማል ተጸንቢሩ።

ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኣብ ቅድስቲ ከተማ ናጃፍ ዒራቕ ሺዓ ክመሃር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ሊባኖስ ዳግማይ ናብ ኣማል ተጸንቢሩ።

እስራአል ብዕጡቓት ፍልስጤም ንዝፍጸሙዎ መጥቃዕቲ ግበረመልሲ ንምሃብ ንሊባኖስ ኣብ እትወረሉ እዋን፡ ካልኦት ኣባላት እቲ ጕጅለ ዝነበሩ ብ1982 ካብቲ ጕጅለ ተፈንጪሎም።

እቲ ሓድሽ ጕጅለ ‘እስላማዊ ኣማል’ ተባሂሉ፤ እዚ ካብ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ርኡይ ወተሃደራውን ውደባውን ደገፍ ረኺቡ።

ድሒሩ፡ ሕዝቦላህ ዝብል ሽም ብምሓዝ ካብ ዝቘሙ ሓያልን ኣድማዕን ሚሊሻ ሺዓ ኰይኑ ተቐልቂሉ።

ኣብ 1985፡ ሕዝቦላህ ኣመሪካን ሕብረት ሶቭየትን ቀንዲ ጸላእቲ እስልምና ምዃነን ዝገልጽ "ቅሉዕ ደብዳበ" ብምሕታም፡ ንመሬታት ኣስላም ሒዛቶ ኣላ ዝበላ እስራኤል “ክትድምሰስ” ከም ዘለዋ ኣፍሊጡ።

ነስረላህ፡ እቲ ትካል እናዓበየ ምስ ከደ ብመሳርዕ ሕዝቦላህ ኣቢሉ ናብ ላዕለዋይ ደረጃ መሪሕነት መጺኡ።

ተዋጋኣይ ኰይኑ ድሕሪ ምግልጋሉ ኣብ በዓልቤክ፡ ድሕሪኡ ኣብ መላእ ዞባ ባቓ፡ ስዒቡ ድማ ኣብ በይሩት ዳይረክተር እቲ ጕጅለ ከም ዝዀነ ይዝረብ።

ዓባስ ኣልሙሳዊ ብመጥቃዕቲ ሄሊኮፕተር እስራኤል ድሕሪ ምቕታሉ፡ ኣብ 1992 ኣብ መበል 32 ዕድመኡ መራሒ ሕዝቦላህ ኰይኑ።

ሓደ ካብቲ ቀዳማይ ዕማማቱ ድማ ሕነ ምፍዳይ ቅትለት ሙሳዊ እዩ ነይሩ።

ናብ ሰሜን እስራኤል መጥቃዕቲ ሮኬት ክፍጸም ኣዚዙ፤ በዚ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ተቐቲላ።

ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ እስራኤል ዝሰርሕ ሓላፊ ጸጥታ እስራኤል ድማ ብናይ መኪና ቦምባ ከም ዝተቐትለ፣ ኣብ ኣርጀንቲና ከተማ ቦነስ ኣይረስ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ እስራኤል ድማ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ቦምባ ተፈጺሙ 29 ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ።

ነስረላህ፡ ሓይልታት እስራኤል ኣብ 2000 ካብ ደቡባዊ ሊባኖስ ንኽስሕቡ እውን ገይሩ’ዩ።

ይዅን’ምበር፡ በዅሪ ወዱ ሃዲ ምስ ወተሃደራት እስራኤል ኣብ ዝተገብረ ውግእ ምስ ተቐትለ ከቢድ ሓዘን ኣጋጢሙዎ።

ድሕሪ ምስሓብ ወተሃደራት እስራኤል፡ ነስረላህ ሕዝቦላህ ኣንጻር እስራኤል ናይ መጀመርታ ናይ ዓረብ ዓወት ከም ዝረኸበ ኣዊጁ።

ብተወሳኺ፡ ንከባቢታት ሕርሻ ሸባ ሓዊሱ “ኵሉ መሬት ሊባኖስ ክምለስ ኣለዎ” ብምባል ሕዝቦላህ ዕጥቁ ከም ዘይፈትሕ ኣፍሊጡ።

ግጭት እስራኤልን ሕዝቦላህን

ክሳብ 2006 ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ተዛማዲ ህድኣት ነይሩ።

ድሕሪኡ፡ ዕጡቓት ሕዝቦላህ ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻሞም ሸሞንተ ወተሃደራት እስራኤል ተቐቲሎም ካልኦት ክልተ ድማ ተጨውዮም፤ እዚ ድማ ሰፊሕ ግብረ መልሲ እስራኤል ኣስዒቡ።

ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ኣብ ደቡብን ኣብ ደቡባዊ ከባቢታት በይሩትን ንዝርከቡ ዕርድታት ሕዝቦላህ ዒላማ ብምግባር ደብዳብ ክፍጽማ እንከለዋ፡ ሕዝቦላህ ድማ ኣስታት 4 ሽሕ ሮኬታት ናብ እስራኤል ተኲሱ።

ኣብቲ ን34 መዓልታት ዝቐጸለ ግጭት ድማ ልዕሊ 1,125 ሊባኖሳውያን፡ መብዛሕትኦም ሲቪላት፡ ከምኡ’ውን 119 ወተሃደራት እስራኤልን 45 ሲቪላትን ሞይቶም።

መንበሪ ገዛን ኣብያተ ጽሕፈትን ናስራላህ ብነፈርቲ ውግእ እስራኤል ዒላማ ተገይሩሉ'ኳ እንተነበረ፡ ንሱ ግን ብዘይ ዝዀነ ጉድኣት ብህይወት ተሪፉ።

ኣብ 2009 ናስራላህ "ፖለቲካዊ ራእይ" ሕዝቦላህ ንምጕላሕ ዝዓለመ ሓድሽ ፖለቲካዊ ማኒፌስቶ ኣውጺኡ።

ኣብቲ ናይ 1985 ሰነድ ዝሰፈረ እስላማዊት ሪፓብሊክ ዝብል መወከሲ ክገድፎ እንከሎ፡ ኣንጻር እስራኤልን ኣመሪካን ግን ተሪር መርገጺ ብምሓዝ፡ ሕዝቦላህ ኣብ ደቡብ ሊባኖስ ዕጥቂ ከም ዘይፈትሕ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

"ሰባት ይቕየሩ’ዮም። ኣብ ዝሓለፉ 24 ዓመታት ዓለም ብምልእታ ተቐይራ። ሊባኖስ ተቐይራ፤ ስርዓት ዓለም ተቐይሩ" ይብል ነስረላህ።

ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት፡ ሕዝቦላህ ናብ “ፍጹም ሓድሽ ምዕራፍ” ይኣቱ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ዕጡቓት ሕዝቦላህ ኣንጻር ብኢራን ዝድገፍ ፕረዚደንት በሽር ኣል ኣሳድ ዝተላዕለ ናዕቢ ንምቅላስ ዕጡቓት ሕዝቦላህ ናብ ሶርያ ልኢኹ።

“ናትና ውግእ'ዩ” ድማ በለ።

መራሕቲ ሱኒ ሊባኖስ ሕዝቦላህ ነታ ሃገር ናብ ኲናት ሶርያ ጎቲቱ ኣእቲዩዋ ክብሉ ከሲሶም። ቀስ እናበለ ድማ ኣብ መንጐኦም ወጥሪ ክጋደድ ጀሚሩ።

ኣብ 2019 ኣብ ሊባኖስ ዘጋጠመ ዓሚቝ ቍጠባዊ ቅልውላው ኣብ ልዕሊ እቶም ንነዊሕ እዋን ብብልሽውና፡ ብኽነት፡ ግጉይ ምሕደራን ሸለልትነትን ዝተኸሰሱ ፖለቲካዊ ኤሊት እታ ሃገር ተቓውሞታት ተላዒሉ።

ናስራላህ ኣብ መጀመርታ ነቲ ንጽገናታት ዝቐርብ ዝነበረ ጻውዒት ዘለዎ ድጋፍ ገሊጹ እኳ እንተነበረ፡ እቶም ሰልፈኛታት ነቲ ፖለቲካዊ ስርዓት ምሉእ ብምሉእ ክጽገን ክጠልቡ ምስ ጀመሩ ግን መርገጺኡ ቐይሩ።

ብ8 ጥቅምቲ 2023 - ድሕሪ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ- ኲናት ቓዛ ክለዓል ምኽንያት ኰይኑ፤ እቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጐ ሕዝቦላህ እስራኤልን ዝነበረ ምትፍናን ድማ ንክጋደድ ምኽንያት ኰነ።

ሒዝቦላህ ንፍልስጤማውያን ከም ዝድግፍ ብምግላጽ ሮኬታትን ሚሳይላትን ናብ እስራኤል ተኲሱ።

ናስራላህ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ መጥቃዕቲ ሓማስ “ብመዳይ ውሳነን ኣፈጻጽማን 100 ሚእታዊት ፍልስጤማዊ” ከም ዝነበረን፡ ኣብ መንጐ ጕጅለኡን እስራኤልን ዝተላዕለ ረጽሚ ግን “ኣዝዩ ኣገዳስን ትርጕም ዘለዎን” ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ጕጅለ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ ሸሞንተ ሽሕ ሮኬታት ናብ ሰሜናዊ እስራኤልን ብእስራኤል ዝተጐበጠ ኣኽራናት ጎላን ወንጪፉ።

ብተወሳኺ ጸረ ታንክ ሚሳይላት ናብ ድሩዓት ዕጥቃዊ መካይን ተኲሱን ንወተሃደራዊ ዒላማታት ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣጥቂዑን።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ነዞም መጥቃዕቲታት ሕነ ብምፍዳይ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ መደበራት ሕዝቦላህ መጥቃዕቲ ኣየርን ታንክን መዳፍዕን ይፍጽሙ ኣለው።

ነስረላህ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ እስራኤል ኣባላት ሕዝቦላህ ዝጥቀሙለን ብኣሽሓት ዝቝጸራ ፔጀርን ራድዮ ሞባይላትን ብምፍንጃር 39 ሰባት ክሞቱን ካልኦት ኣሽሓት ክቘስሉን ምኽንያት ከም ዝዀነት ብምኽሳስ፡ “ንዅሉ ቀይሕ መስመራት ሓሊፋ ኣላ” ብምባል እቲ ጕጅለ "ተራእዩ ዘይፈልጥ” መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሖ ተኣሚኑ።

ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህ ብእትፍጸዕሞ ዘላ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣስታት 800 ሰባት ሞይቶም ተቐቲሎም ኣለው።