ብእስራኤል ትሕመስ ኣብ ዘላ ሊባኖስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ከመይ ኣለዉ?


እስራኤል ብሰሉስ ኣብ ደቡባዊ ቤሩት መጥቃዕቲ ኣየር ኣብ ዝፈፀመትሉ ቦታ ዝተኣከቡ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, እስራኤል ኣብ ደቡባዊ በይሩት መጥቃዕቲ ኣብ ዝደብደበትሉ ከባቢ ዝተኣከቡ ሰባት

እስራኤል፡ "ወተሃደራዊን ፖለቲካውን መዋቕራት ሕዝቦላህ ዒላማ ዝገበረ" ኣመና ጽዑቕ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ሊባኖስ ተካይድ ከምዘላ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብሰንኪ'ዚ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ስግኣት ከም ዝርከቡ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ቢቢሲ ካብ ዘዘራረቦም ኢትዮጵያውያን ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ትነብር ትዝታ፡ ንሳ ካብ ትነብረሉ ርሕቕ ኢሎም ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት መጥቃዕትታት ይካየድ ከምዘሎ ትገልጽ።

ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ዝካየደሉ ኣብቲ ንሳ ትነብረሉ ከባቢ ከም ዝስማዕን ኣባይቲ ከም ዝነቓነቝን ወሲኻ ሓቢራ።

“ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝነብሩ፡ ንኣብነት፡ ኣብ ከባቢ ሱራ ዝነብሩ መውጽኢ መእተዊ ስኢኖም፡ ደቆም ሒዞም ኣብቲ ገማግም ዝሓድሩ ኢትዮጵያውያን ኣለዉ” ብምባል፡ መንገድታት ካብ መጥቃዕቲ ብዝሃድሙ ሰባት ከም ዘዕለቕለቐ ተብርህ።

ዓበይቲ ጐደናታት ሊባኖስ፡ እስራኤል ጽዑቕ ደብዳብ ካብ እተካየደሉ ግዝኣታት እታ ሃገር ንምውጻእ መኻይኖምን ካልእ ዝረኸብዎ መጓዓዝያን ተጠቒሞም ብዝሃድሙ ሰባት ኣዕለቕሊቘም ክረኣዩ ቀንዮም እዮም።

በዚ ድማ፡ ቅድሚ ሕጂ 20 ደቓይቕ ዝወስድ ዝነበረ መንገዲ፡ ሕጂ ካብ ሸሞንተ ክሳብ 16 ሰዓታት ከም ዝወስድ ትዝታ ትዛረብ።

ምክትል ዳይሬክተርን ትካል ገባሪ ሰናይ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሊባኖስ ‘እኛ ለእኛ በስደት’ ከምኡ'ውን ነባሪት በይሩት ዝዀነትን እኑ፡ እስራኤል ተካይዶ ዘላ “መጥቃዕቲ እናሓሰመ” ይመጽእ ከም ዘሎ ትገልጽ።

ቀደሙ’ውን ኣብ ሊባኖስ ኣብ ከቢድ ኵነታት ስራሕ ገዛ ዝነብራ ዝነበራ ኢትዮጵያውያን፡ ከምዚ ዓይነት ቅልውላው ዝያዳ ንጸገመን የጋድዶ።

ዓበይቲ ጐደናታት ሊባኖስ፡ እስራኤል ጽዑቕ ደብዳብ ካብ እተካየደሉ ግዝኣታት እታ ሃገር ንምውጻእ መኻይኖምን ካልእ ዝረኸብዎ መጓዓዝያን ተጠቒሞም ብዝሃድሙ ሰባት ኣዕለቕሊቘም ክረኣዩ ቀንዮም እዮም።

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ዓበይቲ ጐደናታት ሊባኖስ፡ እስራኤል ጽዑቕ ደብዳብ ካብ እተካየደሉ ግዝኣታት እታ ሃገር ንምውጻእ መኻይኖምን ካልእ ዝረኸብዎ መጓዓዝያን ተጠቒሞም ብዝሃድሙ ሰባት ኣዕለቕሊቘም ክረኣዩ ቀንዮም እዮም።
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እኑ፡ ዋላ’ኳ ደብዳባት እስራኤል እናበርተዐ እንተመጽአ፡ ንኢትዮጵያውን ግን ዝተገበረሎም ሓገዝ ከምዘየለ ትዛረብ።

ትዝታ ብወገና፡ ንመጥቃዕትታት እስራኤል ስዒቡ ኣብታ ሃገር ምርግጋእ ስለዝጠፍአ ወጻኣ ክትሰርሕ ከም ዘይከኣለትን ኣብ ገዛ ኰፍ ኢላ “ንዝኸውን ነገር ትጽበ ከም ዘላን” ሓቢራ።

ዝበዝሑ ሊባኖሳውያን ካብ መጥቃዕትታት ኣየር እስራኤል ንምህዳም ነዊሕ ሰዓት ተጓዒዞም ካብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ርሒቘም ናብ ዝርከቡ ከባቢታት ይኸዱ ኣለዉ።

ትዝታ ግን ኣብ ዘይትፈልጦ ሃገር ናበይ ክትከይድ ከም ዘለዋ ርግጸኛ ኣይኮነትን።

“ካብ ገዛይ ወጺአ፡ ን16 ሰዓታት ኣብ መንገዲ እንታይ ከም ዘጋጥመኒ እፈልጥ? ኣብዚ ኰይነ ኣምላኽ ዘምጽኦ ምጽባይ እሕሸኒ” ብምባል፡ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ዝፍጠር ነገር ብተስፋ ትጽበ ኣላ።

እስራኤል ዛጊት ከተካይዶ ብዝቐነየት ደብዳብ ነፈርቲ፡ መራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ነስረላህ ዝርከቦም መራሕቲ እቲ ምንቅስቓስ፡ ኣማኢት ሰላማውያን ሰባትን ከምዝቐተለት ይፍለጥ።

ኣብያተ ትምህርቲ እታ ሃገር መዕቈቢ ተመዛበልቲ ኰይነን የገልግላ ኣለዋ።

ኵነታት ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ተረድእ እኑ፡ “እቲ ኵነታት ኣመና ዘፍርሕ እዩ” ትብል።

መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ካብ ዶብ ናብ ማእከል በይሩት መጺኡ ብምባል፡ ብዛዕባ እቲ ዘሎ ኵነታት እናሻዕ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖም ትዛረብ።

ኣብ ርእሰከተማ በይሩት ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ድማ፡ “ኣብ ከቢድ ጸገም” ከም ዝርከቡ ኣረዲኣ።

መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት መጥቃዕቲ ካብ ዝተፈጸመሎም ከባቢታት ንዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት መጽለሊ ከም ዘዳለዉ ዝገልጻ እኑን ትዝታን፡ ንሳተን'ውን እዚ ሓበሬታ ንኢትዮጵያውያን ይሕብራ ከም ዘለዋ ጠቒሰን።

እኑ፡ “ንኣብነት ዳህየ ካብ ዝበሃል ከባቢ ናባና ዝመጹ ኢትዮጵያውያን ኣለዉ። ‘እዚ ከባቢ ክውቃዕ እዩ ተባሂሉ እየ መጺአ ዝኸደሉ ቦታ የብለይን’ ኢላ ዝመጽአት ኢትዮጵያዊት ከም ዘላን” ምስ ቆንስል ኢትዮጵያ ከም ዝተዘራረበትን ገሊጻ።

ኣብያተ ትምህርቲ እታ ሃገር መዕቖቢ ተመዛበልቲ ኰይነን የገልግላ ኣለዋ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣብያተ ትምህርቲ እታ ሃገር መዕቈቢ ተመዛበልቲ ኰይነን የገልግላ ኣለዋ

ዋላ’ኳ ኣብ በይሩት ዝርከብ ቆንስል ኢትዮጵያ መልእኽቲ ጥንቃቐ ብመገዲ ማሕበራዊ ሚድያ እንተዘርግሐ፡ “ዝረኸብናዮ ምላሽ ግን ዘሕጉስ ኣይኰነን” ኢላ።

“ ‘ንሕና ሓበሬታ ምዝርጋሕ’ምበር ሰባት ተቐቢልና ክነዕቁብ ኣይንኽእልን። ምኽንያቱ ኣየናይ ከባቢ ውሑስ ምዃኑ ኣይንፈልጥን’ ” ብምባል፡ ኣብ በዳሂ ኵነታት ከም ዝርከቡ ሓቢራ።

ቢቢሲ፡ ኣብ በይሩት ንዝርከብ ቆንስል ኢትዮጵያ ወኪሉ ይሰርሕ ከምዘሎ ንዝገለጸ በዓልስልጣን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝሓተተ ኰይኑ፡ “ኣብ ኣዲስኣበባ ንዝርከብ ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ኣዛርቡ” ብምባል፡ ሓበሬታ ምሃብ ሓላፍነቱ ከም ዘይኰነ ተዛሪቡ።

ኣብ በይሩት ዝርከብ እዚ ቆንስል፡ ኣብ ሊባኖስን ከባቢኡን ዘሎ ስግኣት ጸጥታን ውጥረትን “ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሐሰመ” ከም ዝመጽአ ብመገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ መጠንቀቕታ ገሊጹ።

እቲ መልእኽቲ፡ ኢትዮጵያውያን ዒላማ መጥቃዕቲ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ካብ ዝሕሰቡ ቦታታት ክርሕቑን፡ ብመንግስቲ ሊባኖስ ዝወሃቡ መምርሕታት ክትግብሩን ከኽብሩን ከም ዝግባእ ይሕብር።

እኑ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያውያን ዝበጽሐ ሞት ኰነ ጉድኣት ከምዘይረኣያ ተዛሪባ።

“ዝበዝሑ ዝሞቱ ሊባኖሳውያንን ሶርያውያንን ከም ዝዀኑ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ጉድኣት ዝወረዶም ኢትዮጵያውያን ምህላዎም ግን ክሳብ ሕጂ ኣይፈለጥናን” ኢላ።

ጐደናታት በይሩት ካብ ደቡብ ሊባኖስ ናብታ ርእሰከተማ ብናይ ዝሃድሙ ሰባት መኻይን “ተጻቢቦም” ትብል እኑ፡ ውሑሳት እዮም ተባሂሎም ዝሕሰቡ ካብ በይሩት ርሕቕ ኢሎም ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት፡ ዋጋ ገዛ ክራይ ከም ዝወሰኸ ገሊጻ።

ኣብያተ ትምህርትን ኣብያተ ጽሕፈትን በይሩት ከም ዝተዓጸዉ ዝገልጻ እኑን ትዝታን፡ ኣብ ኣንጐሎታት ብዝርከቡ መንገድታት ዝግበር ምንቅስቓስ እውን ከም ዝነከየ ተዛሪበን።

ትዝታ፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ዘዕቈቡ ተመዛበልቲ ኢትዮጵያውያን ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ብምግላጽ፡ “ትካል ስደተኛታት ዓለም ዘልዓላ ሰብ ከም ዘላ ሰሚዐ እየ። ቀሪበ ኣይረኣኹን’ምበር ካልኦት እውን ይህልዉ’የም” ኢላ።

ኣብ ሊባኖስ ዝበዝሓ ኣብ ስራሕ ገዛ ዝተዋፈራ ብብዝሒ ኢትዮጵያውያን ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እታ ሃገር ብሰንኪ ዘጋጠማ ቍጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ንዝተፈላለዩ ጸገማት ክቃልዓ ጸኒሐን እየን።