እስራኤል ዝዓጠቐቶም መከላኸሊ ሚሳይላት 'ኣይረን-ዶምን ኣረውን' እንታይ እዮም?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ እስራኤል ኣብ ቓዛ ካብ ዝርከብ ሓማስ፡ ሊባኖሳዊ ዕጡቕ ሕዝቦላህን ሑቲ የመንን መጥቃዕቲታት ሚሳይል በጺሑዋ’ዩ።
ነዚኦም ንምብርዓን ድማ፡ ስርዓተ-መከላኸሊ ሚሳይል ተጠቒማ።
እዚኦም፡ ካብቲ ንሓጺር ርሕቀት ሮኬታት ዘምክን ኣይረን-ዶም ክሳብ ኣብ ላዕለዋይ ከባቢ ኣየርን ጠፈርን ንዝርከቡ ባሊስቲክ ሚሳይላት ንምጥፋእ ዝተዳለወ ስርዓት ኣሮው ዘጠቓልሉ’ዮም።
እስራኤል ሓያሎ ስርዓታት መከላኸሊ ኣየር ዘለዋ ኰይና፡ ነፍሲ ወከፎም ካብ ዝተፈላለየ ብራኸን ርሕቀትን ንዝመጽኡ ሚሳይላት ንምዕጋት ዝተዳለዉ እዮም።
ካብ ዋልታታት ሚሳይል እስራኤል እቲ ዝያዳ ዝፍለጥ ኣይረን-ዶም’ዩ።
እዚ፡ናይ ሓጺር ርሕቀት ሮኬታትን፡ ካብ 4 ኪ.ሜ ክሳብ 70 ኪ.ሜ ርሒቑ ዝፍጸም ደብዳባትን ሞርታራትን ንምዕጋት ዝተዳለወ’ዩ።
ዴቪድስ ስሊን (David’s Sling) ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሮኬታት፡ ክሩስ ሚሳይላት፡ ክሳብ 300 ኪሎ ሜትር ዝበጽሕ ርሕቀት ዝውንጨፉ ስርዓታት ባለስቲክ ሚሳይል ማእከላይ ወይ ነዊሕ ርሕቀት ንምዕናው ዝተዳለወ እዩ።
ኣሮው-2 ከምኡ’ውን ኣሮው-3፡ ካብ ዝዀነ ይዅን ቦታ ክሳብ 2400 ኪ.ሜ ዝበጽሕ ርሕቀት ዝውንጨፉ ናይ ማእከላይን ነዊሕን ርሕቀት ባለስቲክ ሚሳይላት ይምክት።
ኣይረን-ዶም ብኸመይ ይሰርሕ?
ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ብሓማስን ካልኦት ዕጡቓት ጕጅለታትን ቓዛ፡ ከምኡ’ውን ብሕዝቦላህ ካብ ሊባኖስ ናብ እስራኤል ዝተተኰሰ ብዝሒ ሚሳይላት ስዒቡ፡ ኣይረን-ዶም ኣብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ኣብ ውግእ ዝተፈተነ ስርዓተ ምክልኻል ኣየር ክኸውን ክኢሉ’ዩ።
ኣብ መላእ እስራኤል ስርዓት ኣይረን-ዶም ተጻዊዱ ይርከብ።
ነፍሲ ወከፍ ካብዘን ጸረ-ሚሳይል ዝውንጭፋ ነፈርቲ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ጸረ-ሚሳይል ዝውንጨፍ ዘለወን ኰይነን ነፍሲ ወከፈን ክሳብ 20 ሚሳይላት ዝሓዛ እየን።
ንዝተወንጨፈ ሚሳይላት [ሮኬታት] ንምፍላጥ ራዳር ዝጥቀም ኰይኑ፡ እቶም ሚሳይላት ኣብ መንበሪ -ኣባይቲ ወይ ኣብ ሰጣሕ ሜዳታት ክዓልቡ ምዃኖም ኣቐዲሙ ናይ ምውሳን ዓቕሚ ኣለዎ።
ሰራዊት እስራኤል፡ ኣይረን-ዶም 90 ሚእታዊት ዒላማ ዝገብረን ሮኬታት ከም ዘዕነወ ይገልጽ።
ነፍሲ ወከፍ ሚሳይል እቲ ስርዓት፡ 50 ሽሕ ዶላር እዩ ዋጋኡ።
እዚ ስርዓተ ምክልኻል ሚሳይል ድሕሪ እቲ ብ2006 [ኣ.ኤ] ኣብ መንጐ ሕዝቦላህን እስራኤልን ዝተኻየደ ኲናት እዩ ማዕቢሉ።
ኣብቲ እዋን፡ ሕዝቦላህ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ሮኬታት ናብ እስራኤል ወንጪፉ ከቢድ ዕንወት ኣስዒቡን ብዙሓት ሰባት ሞይቶምን’ዮም።
እዚ ብሓገዝ ኣመሪካ ብ2011 ራፋኤል ኣድቫንስድ ዲፈንስ ሲስተምስን እስራኤል ኤሮስፔስ ኢንዱስትሪስን ብዝተባህሉ ትካላት ዝማዕበ ኰይኑ፡ ኣብታ ዓመት እቲኣ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ውግእ ውዒሉ።
እዚ ድማ፡ ካብ ቓዛ ዝተተኰሰ ሮኬታት ይዓግት ነይሩ።
ካብ ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ፡ ሚሳይላት ኣይረን-ዶም ብሓማስን ካልኦት ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ዕጡቓት ጕጅለታትን ከምኡ’ውን ብሕዝቦላህ ካብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝተተኰሳ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሮኬታት ከምክን ክኢሉ’ዩ።
ደቪድስ ስሊን ብኸመይ ይሰርሕ?
ብቋንቋ እብራይስጥ “Magic Wand” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ደቪድስ ስሊን፡ ክሳብ 300 ኪ.ሜ ርሒቑ ንዝመጽኡ ሚሳይላት ክዓግት ይኽእል።
እስራኤል፡ ኣብ መስከረም 2024 ሕዝቦላህ ካብ ሊባኖስ ዝተተኰሶሰ ባሊስቲክ ሚሳይል ንምውዳቕ ተጠቒማትሉ።
ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር፡ እዚ ብኢራን ዝተሰርሐ ቓድር-1 - ዝተባህለ ናይ ማእከላይ ርሕቀት ባለስቲክ ሚሳይል ካብ 700 ክሳብ 1000 ኪሎ ግራም ዝምዘን ተወንጫፊ ክሕዝ ዝኽእል ምንባሩ ይገልጽ።
ሕዝቦላህ እቲ ሚሳይል ኣብ ተልኣቪቭ ንዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሞሳድ ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ ይገልጽ። ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ግን ናብ ሸነክ መንበሪ ከባቢ ይኸይድ ከም ዝነበረ ሓቢሩ።
ሚሳይላት እዚ ስርዓት ምክልኻል፡ ናይ ሓጺር ርሕቀት፡ ማእከላይ ርሕቀትን ነዊሕ ርሕቀትን ባሊስቲክ ሚሳይላት ንምውዳቕ ዝተዳለው’ዮም።
ልክዕ ከም ኣይረን-ዶም፡ እዚ ስርዓት’ውን ዝተሃንጹ ከባቢታት ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ሚሳይላት ጥራይ ዒላማ ይገብር። ክልቲኦም ስርዓታት፡ ነፈርቲ፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ክሩዝ ሚሳይላትን ንምዕጋት’ውን ዝተዳለው’ዮም።
ነፍሲ ወከፍ ሚሳይል ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዶላር ይሽየጥ።
ኣብ ግንቦት 2023፡ ደቪድስ ስሊን ሓደ ካብቶም ኣብ ቓዛ ዝርከብ ዕጡቕ ጕጅለ ፍልስጤማዊ እስላማዊ ጅሃድ ናብ እስራኤል ዝተኰሶም ልዕሊ 1100 ሚሳይላት ንምምካት ተጠቒማትሉ’ያ።
እስራኤል 96 ሚእታዊት ካብተን ሓደጋ ዘስዓባ ሮኬታት ከም ዘውደቐተን ትገልጽ።
ሚሳይላት ስርዓት ኣረው ከመይ ይሰርሑ?
ኣረው-2፡ ሚሳይላት ሓጺርን ማእከላይን ርሕቀት ካብ መሬት ኣስታት 500 ኪሎ ሜትር ንላዕሊ ክውንጨፉ እንከለው ንምዕናው ዝተዳለወ እዩ።
እስራኤል፡ ድሕሪ’ቲ ብ1991 ዝተኻየደ ቀዳማይ ኲናት ወሽመጥ እዚ ስርዓት ክተማዕብል ጀሚራ።
ኣብቲ እዋን፡ ዒራቕ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ብሶቭየት ዝተሰርሑ ስኩድ ሚሳይላት ናብ እስራኤል ወንጪፋ።
ካብ 2000 ዓ.ም ጀሚሩ ድማ ነዚ መከላኸሊ ስርዓት ክትጥቀመሉ ጀሚራ።
ኣሮው-2 ካብ 500 ኪ.ሜ ርሒቑ ንዝመጽእ ሚሳይላት ከለሊ ይኽእል።
ብተዛማዲ ናይ ሓጺር ርሕቀት - ካብቲ መወንጨፊ ቦታ ክሳብ 100 ኪ.ሜ ርሒቑ ይዓግቶም።
ሚሳይላት እዚ መከላኸሊ ስርዓት፡ ብትሽዓተ ዕጽፊ ፍጥነት ድምጺ ዝጓዓዙ ኰይኖም ብሓደ ግዜ ክሳብ 14 ዒላማታት ክሃርም ይኽእል።
እስራኤል፡ ኣረው-2 ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 2017 ኣብ ውግእ ከም ዝተጠቕመትሉ ይንገር፤ እዚ ድማ ካብ ምድሪ ናብ ኣየር ዝኸይድ ሚሳይል ሶርያ ንምውዳቕ ከም ዝነበረ ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣሮው-3 ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 2017 ኣብ ጥቕሚ ክውዕል እንከሎ፡ ካብ ከባቢ ኣየር መሬት ወጻኢ፡ ኣብ ዝጓዓዙሉ እዋን፡ ነዊሕ ርሕቀት ዝጓዓዙ ባሊስቲክ ሚሳይላት ንምዕጋት ዝተዳለወ እዩ።
2,400 ኪ.ሜ ድማ ክጕዓዝ ይኽእል።
እዚ ኣብ 2017 ጀሚሩ ናብ ኣገልግሎት ክኣቱ እንከሎ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ 2023 ኣብ ውግእ ተጠቒማትሉ።
እዚ፡ ኣብ የመን ዝርከብ ጕጅለ ሑቲ ናብታ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ገማገም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ኢላት ዝተኰሶ ባሊስቲክ ሚሳይል ንምዕጋት ዝዓለመ ነይሩ።
ኣሮው-3 ብመንግስቲ ዝውነን ትካል ኤሮስፔስ ኢንዱስትሪስ ዝሰርሖ ኰይኑ፡ ኣመሪካዊ ኵባንያ ቦይንግ ሓገዝ ገይሩ’ዩ።
ኣብ ሚዝያዝያ 2024፡ እስራኤል ካብ ኢራን ዝተተኰሱ ሚሳይላትን ድሮናትን ንምምካት ኵሎም ስርዓታት ምክልኻል ሚሳይል ተጠቒማ።
እዚኦምን ካብ ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝመጽኣ ነፈርቲ ውግእን 300 ኢራን ዝተኰሰቶም ተወንጨፍቲ ሃሪሞም ኣውዲቘም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







