ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ሃልሃልታ ብኸመይ ክሃድእ ይኽእል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
- Author, ፖል ኣዳምስ
- Role, ዲፕሎማስያዊ ሪፖርተር
ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ካብ ዘካይድ ዓመቱ ገይሩ’ሎ። ካብ ሽዑ ክሳብ ሕጂ ከኣ ሞት ብዙሓት ሰላማውያን ዘስዓበ ብዙሕ ዘስካሕክሑ ፍጻመታት ኣጋጢሞም ኣለው።
እስራኤል፡ ኣብ ታሪኻ ብኣሉታ ዝዝከር ብ7 ጥቅምቲ 2023 ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ሓማስ ምስ ኣጋጠማ ኣብ ቃዛ ኣዝዩ አዕናዊ ደብዳብ ከተካይድ ጀሚራ። እቲ ንዓመታት ካብ ኣቓልቦ ዓለም ርሒቑ ዝጸንሐ ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን ድማ ዳግም ተባሪዑ።
እዞም ተኸታተልቲ ፍጻመታት ዝተጸበዮም ሰብ ኣይነበረን። ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ እቲ ከባቢ ብተኸታታሊ ግጭታት ይናወጽ ኣሎ።
በቲ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ናይ ቃዛ ልዕሊ 41 ሽሕ ፍልስጤማውያን ሞይቶም፤ ክልተ ሚልዮን ቃዛውያን ተመዛቢሎም። ኣብ ሊባኖስ እውን ልዕሊ 2 ሽሕ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ድማ ተመዛቢሎም።
ኣብታ ሓማስ መጥቃዕቲ ዝፈጸመላ 07 ጥቅምቲ 2023፡ ልዕሊ 1200 እስራኤላውያን ተቐቲሎም። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ከኣ 350 ወተሃደራት እስራኤል ኣብ ቓዛ ተቐቲሎም ኣለዉ።
ኣብ ጥቓ ቃዛን ኣብቲ ዘይርጉእ ሰሜናዊ ዶብ ሊባኖስን ዝነብሩ ኣስታት ክልተ ሚእቲ ሽሕ እስራኤላውያን ከኣ ካብ ኣባይቶም ተመዛቢሎም።
ኣስታት 50 ወተሃደራትን ሲቪላትን ድማ ብሮኬታት ሕዝቦላህ ተቐቲሎም።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ግጭት ካብዚ ሕጂ ዝርከበሉ ኵነታት ናበይ ከምርሕ ይኽእል? እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ግጭት’ከ ብኸመይ ክሃድእ ይኽእል?

ኣብዚ ኣሽሓት ሰባት ዝሞቱሉን ከቢድ ዕንወት ዝወረደሉን ማእከላይ ምብራቕ ዝተፈለላዩ ኣካላት እውን ኣብቲ ግጭት ተጸንቢሮም ኣለዉ።
ኣመሪካ እቲ ቅልውላው ከይጋደድ፡ ፕረዚደንታዊ ዑደት ዝርከቦ ሰፊሕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ኣካይዳ። ሓያል ወተሃደራዊ ጸጋታት እውን ኣበርኪታ እያ። ይኹን እምበር እቲ ጻዕሪ ዛጊት ነቲ ቅልውላው ኣየህደኦን።
ካብ ዒራቕን የመንን እውን ናብ እስራኤል ሮኬታት ተወንጪፉ’ዩ።
ከም ደማውያን ጸላእቲ ዝጥቀሳ እስራኤልን ኢራንን’ውን ነንሕድሕደን ምትኹታኽ ይቕጽላ ኣለዋ፤ ተወሳኺ ምትኹታኽ ከምዝመጽእ’ውን ዳርጋ ርግጽ ይመስል።
ኣመሪካ ዘለዋ ጽልዋ እውን ዝነከየ ይመስል።
እቲ ግጭት እናገፍሐን ናብ ካልኦት ከባቢታት እናተዘርገሐን ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ መበገሲኡ እውን እናሃሰሰ ይኸይድ ኣሎ።
ዓለም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ “ኵሉ መዳያዊ ኲናት” ከይኽሰት ዝሰግኣሉ ዘሎ እዋን ቅድምን ድሕሪን መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ዝነበረ ህይወት ቃዛውያን ዳርጋ ይርሳዕ ኣሎ።
ኣብታ ተስካሕክሕ መዓልቲ ህይወቶም ዝተሓመሰ ገለ እስራኤላውያን እውን ብተመሳሳሊ ዝተረስዑ ኰይኑ ይስመዖም ኣሎ።
“ተረሲዕና ኣለና” ይብል፡ ሓደ፡ ወዱ ጅሆ ዝተታሕዞ የሁዳ ኮሄን። ንሱ ከምዝብሎ፡ ሚስተር ናታንያሁ "ንዅሎም ጸላእቲ ኣንጻርና ዘውፈረ ትርጉም ኣልቦ ኲናት" ተሓታቲ እዩ።
"እቲ ኣብ 7 ጥቅምቲ ዘጋጠመ ፍጻመ ናብ ተራ ፍጻመ ንምቕያር ዝካኣሎ ይገብር ኣሎ፡ ይዕወት ከኣ ኣሎ" ይብል።
ኵሎም እስራኤላውያን ግን ንኣረኣእያ ኮሄን ኣይኣምኑሉን። ሓያሎ እስራኤላውያን ነቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ብሓማስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንመንግስቲ ኣይሁድ ንምጥፋእ ዝካየድ ዘሎ ናይ ጸላእቲ ሰፊሕ ወፍሪ ገይሮም እዮም ዝርእይዎ።
እስራኤል፡ ነቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ንመጥቃዕቲ ሓማስ ብዘይምብርዓና ስኢናቶ ዝነበረት ስለያዊ ልዕልና ሕጂ በቲ እትሕበነሉ ስለያዊ ትካል ዝምራሕ ናይ ርክብ መሳርሒታት ብምፍጃር ዘካየደቶ ስርሒት ርእሰ-ምትእምማና ናብ ንቡር ዝተመልሰ ይመስል።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቤንያሚን ኔታንያሁ፡ “እስራኤል ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ክተትጥቅዖ ዘይትኽእል ቦታ የለን” ኢሉ ነይሩ።
ንሱ፡ ድሕሪ 7 ጥቅምቲ፡ ንሓያሎ ኣዋርሕ ኣብ መረጻ ትሑት ተቐባልነት እዩ ነይሩዎ። ሕጂ ግን ደረጃኡ ዝውስኽ ዘሎ ይመስል። እዚ ከኣ ምናልባት ዝያዳ ተባዕ ስጉምቲ ንኽወስድ ፍቓድ ዝህቦ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ኵሉ ግን ናበይ’ዩ እዩ ዘምርሕ ዘሎ?
ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ኢራን ነበር ሳይሞን ጋስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “እቲ ቅልውላው መዓስ ደው ከምዝብልን፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ኵሉ ሰብ ኣብ ምንታይ ኩነት ከምዝህሉን ዝፈልጥ የለን” ኢሉ።
ኣመሪካ ኣብዚ ጉዳይ ሕጂ እውን ትሳተፍ እያ ዘላ።
ይኹን’ምበር ሕጂ ፕረዚደንታዊ መረጻኣ ኣርባዕተ ሰሙን ጥራይ እዩ ተሪፍዎ ዘሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ጉዳይ ማእከላይ ምብራቕ ንሓደስቲ ተበግሶታት እታ ሃገር መበገሲ ዝኸውን ህሞት ኣይመስልን።
ኣብዚ እዋን እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ እዋናዊ ብድሆ ኵለ-መዳያዊ ሰፊሕ ዞባዊ ኲናት ንከይለዓል ምክልኻል ጥራይ እዩ።
ኣብ መንጎ መሻርኽቲ እስራኤል፡ ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብኢራን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ባሊስቲክ ሚሳይል ምላሽ ክትህብ መሰል ዋላ’ውን ግዴታ ኣለዋ ዝብል ሓፈሻዊ ኣተሓሳስባ ኣሎ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝሞተ እስራኤላዊ የለን፤ ኢራን እውን ኣብ ወተሃደራውን ስለያውን ዒላማታት ጥራይ ዘተኰረት ትመስል። እንተዀነ ግን ቤንያሚን ኔታንያሁ ተሪር ምላሽ ከምዝህብ ቃል ኣትዩ ኣሎ።
ድሕሪ ናይ ሳምንቲ ዘደንቕ ታክቲካዊ ዓወት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ዓቢ ድሌታት ዘሕደረ ይመስል።
ንህዝቢ ኢራን ኣብ ዘመሓላለፎ ቀጥታዊ መደረ፡ ኣብ ቴሄራን ናይ ስርዓት ለውጢ ይመጽእ ከምዘሎ ኣተንቢሁ’ዩ።
"ኣብ መወዳእታ፡ ኢራን ሓራ ምስ ወጸት፡ እዚ ህሞት ድማ ካብቲ ሰባት ዝሓስብዎ ኣዝዩ ቀልጢፉ’ዩ ክመጽእ፡ ሽዑ ኵሉ ነገር ዝተፈልየ ክኸውን'ዩ" ኢሉ።
ንገለ ተዓዘብቲ፡ መደርኡ፡ ነቲ ብኣመሪካውያን ኒዮ-ዓቃባውያን ኣብ 2003 ኣብ ወራር ዒራቕ ዘቕረብዎ ክሲ ዘቃልሕ እዩ።
ምስዚ ኵሉ ሓደጋ ህሞት ግን፡ ናእሽቱ ተስፋታት ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስቲ ኢራን፡ እስራኤል ዘይብሉ ዓለም ክትምነ ተኽእሎ ኣሎ። እንተዀነ ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ነታ ኣብቲ ዞባ እንኮ ልዕለ ሓያል ዝዀነት ሓያል ሃገር ንምስዓር ዓቕሚ ከምዘይብሉ ይፈልጥ’ዩ።
ኢራን ካብ እተስዕቦ ሓደጋ ክትገላገል ልዑል ድሌት ዘለዋ እስራኤል እውን፡ ነዚ ጉዳይ ንበይና ክትገብሮ ከምዘይትኽእል ትፈልጥ እያ።
ኣብ ኢራን ክህሉ ዝኽእል ናይ ስርዓት ለውጢ ኣብ ኣጀንዳ ጆ ባይደን ኣይተጠቓለለን፤ ኣብ ኣጀንዳ ምክትል ፕረዚደንቱ ካማላ ሃሪስ’ውን ኣይሰፈረን።
ናብ ዶናልድ ትራምፕ ክመጽእ እንከሎ ድማ፡ እቲ ሓደ ግዜ ንኢራን ከጥቅዕ ዝተዳለወ ዝመስል ዝነበረ ፕረዚደንት ነበር፡ (ዋላ'ኳ ንሓደ ላዕለዋይ ኢራናዊ ጀነራል ቃስም) ክቕተል ኣዚዙ እንተነበረ፡ ኣብ መወዳእታ ሓሳቡ ዝቐየረ ይመስል።
ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ማእከላይ ምብራቕ ናብቲ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ዝኸበደ ሓደገኛ ህሞት ይኣቱ ከምዘሎ ዝሓሰቡ ውሑዳት እዮም።
ይኹን’ምበር ምልስ ኢልና እንተርኢናዮ፡ እተን ዝሓለፋ 12 ኣዋርሕ ዘስካሕክሕ ስነ-መጐት ዝኽተላ ግዜ’የን ነይረን።
ፍጻመታት ድማ ገና ብዘሰክፍ ናህሪ እዮም ዝኸዱ ዘለዉ። ሓንጸጽቲ ፖሊሲ’ውን ምስ ኵነታት ማዕረ ክስጉሙ ይቃለሱ ኣለዉ።
እቲ ኣብ ቓዛ ዝተወልዐ ግጭት ናብ ካልኣይ ዓመት ኣብ ዝሰግረሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ግጭት ምስ ተዛዘመ ቃዛ ከመይ ክትሕደስን ክትመሓደርን እያ ዝብል ሓሳብ ተደሪቱ ኣሎ፤ ወይ ድማ ዝሰፍሐ ኲናት ከይዝርጋሕ ብዝብል ስግኣት ተዓብሊሉ ኣሎ።
ዝዀነ ትርጉም ዘለዎ ዘተ ሰላም ናይቲ ናብዚ ኵነታት ዘምርሐ ግጭት እስራኤልን ፍልስጤማን እውን ደው ዝበለ ይመስል።
ኣብ ዝዀነ እዋን፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓማስን ሕዝቦላህን እኹል ጉድኣት ከም ዘውረደት ምስ ትኣምን፡ እስራኤልን ኢራንን ሓሳበን ምስ ገለጻ፡ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ምስ ተወድአ፡ እቲ መፍትሒ ብዲፕሎማሲያዊ መንገዲ ክፍታሕ ተኽእሎ ክህሉ ይኽእል።
ኣብዚ እዋን ግን፡ እዚ ኵሉ ግብራዊ ዝኸውን ኣይመስልን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







