ቅትለት ያሕያ ሲንዋር፡ መወዳእታ'ቲ ኵናት ዶ ይኸውን?

ብእስራኤል ዝተቐተለ መራሒ ሓማስ ያሕያ ሲንዋር

ምንጪ ስእሊ, Getty

መግለጺ ስእሊ, ካብ 1990 ጀሚሩ ሕድሕድ መራሒ ሓማስ ብእስራኤል ተቐቲሉ’ዩ፤ ኩሉ ግዘ ግና ተተካኢ ኣሎ

ቅትለት ያሕያ ሲንዋር፡ እስራኤል ኣብቲ ኣብ ቓዛ ኣንፃር ሓማስ ዘካየደቶ ኵናት እቲ ዝዓበየ ዝተጐናፀፈቶ ዓወት እዩ።

ሞት ሲንዋር፡ ነቲ ኣብ ታሪኽ እስራኤል ዝዓበየ ስዕረት ዘውረደን ናብ ተቓላሳይ ሓይሊ ዝቐየሮን ሓማስ ድማ ከቢድ ፅፍዒት እዩ።

ያሕያ ሲንዋር፡ ብዝተዋደደ ስርሒት ፍሉይ ሓይሊ ኣይኰነን ተቐቲሉ፤ ከም ዕድል ኰይኑ ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ራፋሕ ምስ ሓይልታት እስራኤል ጐፍ ንጐፍ ተራኺቡ።

ኣብቲ ቦታ ዝተሰኣለ ስእሊ፡ ሬሳ እቲ ወተሃደራዊ ክዳን ዝተኸደነ ሲንዋር፡ ኣብ ፍርስራስ ብታንኪ ዝተደብደበ ህንፃ ወዲቑ የርእይ።

ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ንወተሃደራቱ ብምንኣድ፡ ቅትለት ሲንዋር ዋላ እኳ ዓብይ ዓወት እንተኾነ፡ መወዳእታ እቲ ኵናት ከም ዘይኰነ ኣነፂሩ ኣሎ።

“ሎሚመዓልቲ ነቶም ዝጐድኡና እንታይ ከም ዘጋጥሞም መሊስና ግልፂ ገይርና ኣለና። ሎሚመዓልቲ መሊስና ዓወት ፅቡቕ ኣብ ልዕሊ ክፉእ ንዓለም ኣርኢና ኣለና። ፍቱዋተይ፡ ግና እቲ ኵናት ገና ኣይተዛዘመን። ከቢድ እዩ፤ ብዙሕ ዋጋ እዩ ዘክፍለና ዘሎ ድማ።

"ሕዚ’ውን ኣብ ቅድሜና ዓበይቲ ፈተናታት እዮም ዝፅበዩና። ተፃዋራይነት፣ ሓድነት፣ ትብዓትን ፅንዓትን የድልየና። ብሓባር ክንቃላስ ኢና፡ ምስ ሓገዝ ኣምላኽ ድማ ብሓባር ክንዕወት ኢና” ኢሉ።

ኔታንያሁን እቶም ኣብ ቓዛ ይካየድ ንዘሎ ኵናት ዝድግፉ እስራኤላውያንን፡ ዓወት ኣድልይዎም ነይሩ።

መራሒ ሓማስ ሲንዋር ብምቕታሉ፡ እቶም ጂሆ ዝተትሓዙ ናብ ገዝኦም ንክምለሱ ዝጠልቡ ኣብ ቴልኣቪቭ ሰልፊ ዘካይዱ እስራኤላውያን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, መራሒ ሓማስ ሲንዋር ብምቕታሉ፡ እቶም ጂሆ ዝተትሓዙ ናብ ገዝኦም ንክምለሱ ዝጠልቡ ኣብ ቴልኣቪቭ ሰልፊ ዘካይዱ እስራኤላውያን

እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ንሓማስ ከም ወተሃደራዊ ኰነ ፖለቲካዊ ሓይሊ ምድምሳስን እቶም ጂሆ ዝተትሓዙ ናብ ገዝኦም ምምላስን፡ ናይቲ ኵናት ዕላማታቱ ከም ዝኾኑ ብተደጋጋሚ ገሊፁ እዩ።

እቲ ሓደ ዓመት ዝገበረ ኵናት ህይወት ብውሑዱ 42 ሽሕ ፍልስጤማውያን ካብ ምቕታልን ንቓዛ ካብ ምዕናውን ወፃኢ፡ ካብቶም ዕላማታተይ ዝበሎም ዋላ ሓደ ኣይተዓወተን።

እቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ግና ሓራ ኣይወፁን፣ ሓማስ’ውን ይዋጋእን ሓሓሊፉ ድማ ንወተሃደራት እስራኤል ይቐትልን ኣሎ።

ንሲንዋር ምቕታል እስራኤል ክትህንጠወሉ ዝፀንሐት ዓወት እዩ።

እንተኾነ ኔታንያሁ፡ እቲ ካልእ ዕላማታት እቲ ኵናት ከም ዝተሳኽዑ ክሳብ ዝገልፅ፡ ከምቲ ዝበሎ እቲ ኵናት ክቕፅል እዩ።

ብዛዕባ ያህያ ሲንዋር

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ያሕያ ሲንዋር ኣብታ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ትርከብ ኽሃን ዩኒስ ብ1962 እዩ ተወሊዱ። ኣብቲ ብ 1967 ዝተኻየደ ኵናት ማእኸላይ ምብራቕ፡ እስራኤል ካብ ግብፂ ክትቆፃፀሮ እንከላ፡ ሲንዋር ወዲ ሓሙሽተ ዓመት እዩ ነይሩ።

ስድርኡ፡ በቲ እስራኤል ነፃነታ ዝተጐናፀፈትሉ ኣብ 1948 ዝተኻየደ ኵናት ብሓይልታት እስራኤል ካብ ዓዶም ካብ መንጎ ዝተሰጐጉ ልዕሊ 700 ሽሕ ፍልስጤማውያን እዮም።

ስድርኡ ካብታ ኣብ ዶብ ሰሜናዊ ወሽመጥ ቓዛ ትርከብ ኣሽከሎን ትበሃል ከተማ እዮም መፅዮም።

ኣብ ክሊ ዕድመ 20ታት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንኣርባዕተ ፍልስጤማውያን ሰለልቲ ብምቕታል፡ ብእስራኤል ገበነኛ ተባሂሉ።

22 ዓመታት ኣብ ቤት-ማእሰርቲ እንተሕልፍ ቋንቋ እብራይስጥ ተማሂሩ፣ ንፀላእቱ ብምፅናዕ ድማ ብኸመይ ክቃለሶም ክሰርሕ ከም ዘለዎ ኣሚኑ። ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዝነበረሉ እዋን፡ እስራኤል ናይ ስኑ መዝገብን ቅምሶ ዲኤንኤን ነይርዋ ማለት እንትኸውን፡ በዚ ድማ ሬሳ ሲንዋር ከለልዩ ይኽእሉ እዮም።

ሲንዋር፡ እስራኤል ሓደ ጊላድ ሻሊት ዝበሃል ወተሃደራ ንክልቀቕ ኣብ 2011 ካብ ዝፈትሐቶም ልዕሊ ሓደ ሽሕ ፍልስጤማውያን ሓደ ኰይኑ ተፈቲሑ። ጊላድ ሻሊት፡ ብሓው ሲንዋርን ካልኦትን ተጨውዩ ንሓሙሽተ ዓመታት ከም ምሩኽ ኰይኑ እዩ ፀኒሑ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 07 ጥቅምቲ ሲንዋርን ወተሃደራቱን፡ ብጥንቃቐ ብዝተዋደዱ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝሓሰመን ስምባድኡ ክሳብ ሕዚ ብዕምቆት ዝስማዕን መጥቃዕቲ ኣውሪዶም።

ቅትለት ኣስታት 1200 እስራኤላውያን፣ ዝተወሰዱ ጂሆታትን ንዑ ስዒቡ ዝነበሩ ፅምብላትን፡ ብዙሓት እስራኤላውያን ንናዚ ሆሎካስት (ናዚ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳውያን ዝፈፀሞ ገበናት) ክዝክሩ ደሪኽዎም።

ሲንዋር ብምልውዋጥ እሱራት ንርእሱ ዝረኸቦ ልምዲ፡ ጅሆታት ምውሳድ ክንደየናይ ዋጋ ከም ዘለዎ ከየእመኖ ኣይተርፍን።

ኣብ ቴልኣቪቭ ስድራ ናይቶም ጅሆ ተታሒዞም ዝተረፉ ስድራቤታት፡ ፍርቆም ሞይቶም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይዛረቡ። እቶም ንሓደ ዓመት ኣብ ኣደባባይ ክወፅኡ ዝፀንሑ ስድራ ግዳያት፡ መንግስቲ እስራኤል ነቶም ጅሆታት ናብ ገዝኦም ንምምላስ ሓድሽ ስምምዕ ክገብር ይፅውዑ።

ወላዲት ማታን ዛንጋውከር ዝኾነት ኢናቭ ዛንጋውከር፡ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስር ትምሕፀን።

“ኔታንያሁ፡ እቶም ጅሆታት ኣይትቕበሮም። ሕዚ ናብቶም ኣሸማገልትን ህዝብን ወፂእኻ ሓድሽ ተበግሶ እስራኤል ኣውፅእ።

ንናህተይ ማታን ኰነ ንካልኦት ኣብ ገለርያታት ዘለዉ ጅሆታት፡ ግዘ የለን። ስእልታት ዓወት ኣለካ’ዩ። ሕዚ መደራደሪ ኣምፅእ!” ትብል።

ኢናቭ ዛንጋውከር: “ነዚ ህሞት እዚ እንተድኣ ዘይተጠቒምሉን ሕዚ ሓድሽ ተበግሶ እስራኤል ንምንፃፍ እንተዘይተላዒሉን፡ ዋላ ኵናት ብምውዳእ’ውን እንተኾነ፡ ነቲ ኵናት ንምንዋሕን ግዝኣቱ ንምድልዳልን ኣብ ዝገብሮ ፃዕሪ፡ ነቶም ጅሆታት ክገድፎም ወሲኑ ኣሎ ማለት’ዩ” ትብል።

“ኩሎም ክሳብ ዝምለሱ ተስፋ ኣይክንቆርፅን።”

እስራኤላውያን ንቅትለት ያሕያ ሲንዋር ባንዴራ ብምንብልባል ፀንቢለሞ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እስራኤላውያን ንቅትለት ያሕያ ሲንዋር ባንዴራ ብምንብልባል ፀንቢለሞ

ብዙሓት እስራኤላውያን፡ ኔታንያሁ በቲ ሲንዋርን ዕጡቓቱን ናብ እስራኤል ብምእታው መጥቃዕቲ ክፍፅሙ በሪ ዝኸፈተ ውድቀት ፀጥታ እስራኤል ንከይሕተት፡ ከምኡ’ውን መጋባእያ እቲ ብኸቢድ ብልሽውና ዝተኸሰሰሉ ዳግማይ ከይጅምር፡ ኵናት ቓዛ ክናዋሕ ይደልይ ኢሎም’ዮም ዝኣምኑ።

ንሱ ግና ነዞም ክስታት ብምንፃግ፡ እቲ ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ሓማስ “ሙሉእ ዓወት” ክንረክብ ኣለና ዝብሎ፡ ንደሕንነት እስራኤል ዝመልስ’ዩ ብምባል ይሙግት።

እስራኤል ከምቲ ንካልኦት ሚድያታት ዝኸልከለቶ፡ ንቢቢሲ’ውን፡ ብዘይካ ሳሕቲ ብቁፅፅር ሰራዊት ዝግበሩ መገሻታት ናብ ቓዛ ክኣትዉ ኣይትፈቅድን።

ኣብታ ትውልዲ ያሕያ ሲንዋር ዝኾነት ዝፈራረሰት ኽሃን ዩኒስ ዝርከቡ ኣብቲ ከባቢ ብዝርከቡ ነፃ ሞያውያን (freelancers) ቃለ-መሕትት ዝተገበረሎም ፍልስጤማውያን እምቢተኛታት ነይሮም። እቲ ኵናት ድማ ክቕፅል እዩ ኢሎም።

ዶክተር ራማዳን ፋሪስ፡ “ኩላትና ከም እንፈልጦን ንርድኦን፡ እዚ ኵናት ፅግዕተኛ ሲንዋር፣ ሃንየህ፣ ሚሻል ወይ ካልኦት መራሕቲ ኣይኰነን። ኣንፃር ፍልስጤማውያን ዝተወልዐ ኵናት ፅንተት’ዩ። እዚ ጉዳይ ካብ ሲንዋር ኰነ ካብ ካልእ ዝዓበየ’ዩ” ዝብል ቅዋም ኣለዎ።

ኣድናን ኣሹር፡ ገለ ሰባት ሓዚኖም ነይሮም ካልኦት ድማ ብዛዕባ ሲንዋር ዘይተገደሱ ነይሮም” ይብል።

“ደድሕሬና ጥራሕ ኣይኰኑን። ንመላእ ማእኸላይ ምብራቕ እዮም ዝደልይዎ። ኣብ ሊባኖስ፣ ሶርያ፣ የመን... ይዋግኡ ኣለዉ። እዚ ካብ 1999 ጀሚሩ ንልዕሊ 100 ዓመታት ኣብ መንጐናን ኣብ መንጐ ኣይሁዳውያንን ይካየድ ዘሎ ኵናት እዩ”

ሞት ሲንዋር ንሓማስ ይፀልዎ እንተኾይኑ ሕቶ ቀሪብሉ።

“ኣምላኽ እንተኢልዎ፡ ተስፋ እገብር ኣይፀልዎን። ሓማስ ሲንዋር ኣይኰነን... ጉዳይ ህዝቢ’ዩ” ዝብል ምላሽ ሂቡ።

ኵናት ቓዛ ይቕፅል’ዩ ዘሎ። ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ 25 ፍልስጤማውያን ብመጥቃዕቲ እስራኤል ተቐቲሎም ኣለዉ።

እስራኤል ንመዋፈሪ ሓማስ’የ ዒላማ ገይረ ትብል። ዶካትር ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሆስፒታል ግና፡ እቶም ዝሓከምዎም ቁስላት ሲቪላት ከም ዝኾኑ ይገልፁ።

ኣመሪካ፡ እስራኤል ምግብን ረድኤትን ክኣትው ንክትፈቅድ ምፅውዓ ስዒቡ፡ ሓገዛት ብፓራሹት ምብታን ቀፂሉ ኣሎ።

ካብ 1990 ጀሚሩ ሕድሕድ መራሒ ሓማስ ብእስራኤል ተቐቲሉ’ዩ፤ ኩሉ ግዘ ግና ተተካኢ ኣሎ።

እስራኤል ነቲ ንኢስማዔል ሃንየህ ብምትካእ መራሒ ሓማስ ዝኾነ ያሕያ ሲንዋር ብምቕታላ‘ኳ እንተፀንበለት፡ ሓማስ ግና ሕዚ’ውን ነቶም ጅሆታት ሒዙ ይዋጋእ ኣሎ።