እስራኤል ንመራሒ ሓማስ ያሕያ ሲንዋር ብኸመይ ረኺባ ቀቲላቶ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወተሃደራት እስራኤል ነቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓንጺጹ ዘተግበረ መራሒ ሓማስ ያሕያ ሲንዋር ኣብ ቓዛ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ክሃድንዎ ድሕሪ ምጽናሕ ረኺቦም ቀቲሎምዎ።
ወዲ 61 ዓመት ያሕያ ሲንዋር፡ ምስ ሓለውቱን ካብ እስራኤል ብዝተታሕዙ ጅሆታት መከላኸሊ ተጠቒሙን ኣብ ትሕቲ በዓቲ ተሓቢኡ ከም ዘሕለፎ’ዩ ዝንገር።
ኣብ መወዳእታ ግን፡ ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ምስ ፓትሮል ዝገብሩ ዝነበሩ ወተሃደራት እስራኤል ሃንደበት ዝተራኸበ ኰይኑ ቍጽሪ ሓለዋኡ ውሑዳት’ዮም ነይሮም። ምስኡ ካብቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ኣይነበሩን።
ዝርዝር ሓበሬታ ገና ዝወጽእ ዘሎ ኰይኑ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ቅትለት ሲንዋር ዝፈለጥናዮ ግን እንሆ፤
ልሙድ ዳህሳስ
ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ካብ መበል 828 ብርጌድ ቢስላማች ዝመጸ ኣሃዱ ብረቡዕ ኣብ ከባቢ ራፋሕ ታል ኣል ሱልጣን ይቈጻጸር ከምዝነበረ ገሊጹ።
ሰለስተ ዕጡቓት ብወተሃደራት እስራኤል ምስተራእዩ ሽዑ ንሽዑ ተቐቲሎም።
ኣብቲ ደረጃ እቲ ብዛዕባ እቲ ውግእ ብፍሉይ ዘገርም ነገር ዝነበሮ ኣይመስልን ዝነበረ። እቶም ወተሃደራት ድማ ክሳብ ሓሙስ ንግሆ ናብቲ ቦታ ኣይተመልሱን።
እቶም ምዉታት እናተፈተሹ ከለዉ፡ ሓደ ካብቶም ሬሳታት ምስ መራሒ ሓማስ ኣዝዩ ምምስሳል ዘለዎ ኰይኑ ተረኺቡ። ካብቲ ዝጠርጠርዎ ሬሳ ገለ ክፋል ኣጻብዕቲ ተቖሪጹ ንምርመራ ናብ እስራኤል ተላኢኹ። ስዒቡ ድማ ሬሳኡ ናብ እስራኤል ተላኢኹ።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ዳንኤል ሃጋሪ፡ ሓይልታቱ "ኣብኡ ከምዘሎ ኣይፈለጡን ግን ስርሒትና ቀጺልና" ኢሉ። ሰራዊቱ ነቶም ካብ ገዛ ናብ ገዛ ዝጎዩ ዝነበሩ ሰለስተ ሰባት ኣለልዮም፡ ቅድሚ ምብትታኖም ድማ ወፍሪ ኣካይዶምሎም።
እቲ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ሲንዋር ተባሂሉ ዝተፈልጠ ሰብኣይ በይኑ ናብ ሓደ ካብቶም ህንጻታት ክጎዪ ዝተርኣየ ኮይኑ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ምስተርኣየ ድማ ተቐቲሉ።
ካብቶም ሲንዋር ከም መከላኸሊ ይጥቀመሎም ከምዘሎ ዝእመነሎም ጅሆታት ዋላ ሓደ ኣብቲ ቦታ ከምዘይነበረ ዝተገለጸ ኰይኑ ብዙሕ ሰብ እንከይፈለጦ ክሃድም ይፍትን ከምዝነበረ ወይ ድማ ብዙሓት ካብቶም ዓጀብቱ ከምዝቐትልዎ ይግለጽ።
ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት፡ "ሲንዋር ከም ኣዛዚ ዘይኮነስ እናተቐጥቀጠን እናተሳደደን እዩ ሞይቱ። ንነብሱ ከድሕን እናሃደመ እንከሎ እዩ ሞይቱ። እዚ ንዅሎም ጸላእትና ንጹር መልእኽቲ'ዩ” ኢሉ።
ትማሊ ሓሙስ ኣጋምሸት ብሰራዊት እስራኤል ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ድሮን፡ ሲንዋር ቅድሚ ምቕታሉ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ህሞታት ዘርኢ ምዃኑ ይግለጽ።
እቲ ቪድዮ ሓንቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብኽፉት መስኮት ናይቲ ዝዓነወ ህንጻ እትበርር ዝነበረት ዝተስኣለ ይመስል። እቲ ምስሊ ኣብ ቀዳማይ ደርቢ ናይ ሓደ ብፍርስራስ ዝተዓብለለ ገዛ ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ ርእሱ ዝተሸፈነ ሰብኣይ ይቐርብ።
እቲ ዝተጎድአ ዝመስል ሰብኣይ፡ ድሕሪኡ በትሪ ዝመስል ናብታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ይድርቢ እሞ እቲ ቪድዮ ይውዳእ።

ምንጪ ስእሊ, IDF
ሲንዋር 'ተኣልዩ'
እስራኤል ንመጀመርያ ግዜ ሲንዋር ኣብ ቓዛ ክቕተል "ተኽእሎታት ከምዘሎን ምርመራ ተካይድ ከምዘላን" ብሓሙስ ድሕሪ ቀትሪ ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ኣፍሊጣ።
እዚ ሓበሬታ ካብ ዝተገለጸሉ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ኣሳእል፡ ሬሳ ናይ ሓደ ምስ መራሒ ሓማስ ኣዝዩ ዝመሳሰል መልክዕ ዘለዎ ሰብኣይ ዘርኢ ኰይኑ፡ ኣብ ርእሱ ከቢድ ቁስሊ ኣጓኒፍዎ ዘርኢ’ዩ።
እቶም ምስልታት ኣዝዮም ኣሰንበድቲ ስለዝዀኑ ዳግማይ ንምሕታም ኣይከኣልን። ይዅን'ምበር፡ ሰበስልጣን "ኣብዚ ደረጃ'ዚ" መንነት ካብቶም ዝተቐትሉ ሰለስተ ሰባት ክረጋገጽ ከምዘይክእል ኣጠንቂቘም።
ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ምንጭታት እስራኤል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ መራሕቲ ከምዝቐተልዎ “ርእሰ ተኣማንነቶም እናወሰኸ" ከምዝመጸ ሓቢሮም። እንተኾነ እቲ ሞት ቅድሚ ምርግጋጹ ኵሉ ኣድላዪ መርመራታት ክግበር ኣለዎ ኢሎም።
እቲ ምርመራ ነዊሕ ኣይወሰደን። ክሳብ ሓሙስ ምሸት ተዛዚሙ እስራኤል ሲንዋር "ተኣልዩ" ክትብል ብወግዒ ኣፍሊጣ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ፡ እቲ “ሰይጣን” ዝበሎ ከምዝተወገደ'ኳ እንተገለጸ፡ ኲናት እስራኤል ኣብ ቓዛ ግን ከምዘይተዛዘመ ኣተሓሳሲቡ።
ሲንዋር ንዕኡ ብፍሉይ ዕላማ ኣብ ዝተገበሩ ስርሒታት'ኳ እንተዘይተቐትለ፡ ሰራዊት እስራኤል ግን፡ ስለያዊ ሓበሬታ ህላወኡ ኣብ ዘመልክትሉ ከባቢታት ንሰሙናት ክሰርሕ ከምዝጸንሐ ገሊጹ።
ብሓጺሩ ሓይልታት እስራኤል ሃለዋት ሲንዋር ናብ ደቡባዊት ከተማ ራፋሕ ኣጽቢቦሞ ስለ ዝነበሩ፡ ቀስ ብቐስ ንኽረኽብዎ ወፍርታቶም ቀጺሎም ነይሮም።
ሲንዋር ካብ ዝሃድም ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቝጺሩ ነይሩ። ካልኦት መራሕቲ ሓማስ ከም በዓል መሓመድ ደይፍን እስማዒል ሃኒየን ኣብ ዝተቐትሉሉ እዋን፡ ጸቕጢ እስራኤል እናዓበየ ይኸይድ ከምዘሎ ምግማቱ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሞት ሲንዋር ኲናት ቓዛ ዘብቅዕ ኣይኮነን
ንሲንዋር ምቕታል ንእስራኤል ዓቢ ዕላማ ኰይኑ ግን ነቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ኲናት ኣየብቅዖን እዩ።
ነታንያሁ “ነጥቢ ከምዘቝጸረ” እኳ እንተገለጸ እቲ ኲናት ክቕጽል ምዃኑ ግን ኣስሚሩሉ እዩ። እንተዀነ ነቶም ክሳብ ሕጂ ብሓማስ ተታሒዞም ዘለዉ 101 ጅሆ ንምድሓን ኣይኰነን።
"ንኽቡራት ጅሆ ዝተትሓዝኩም ስድራቤታት፡ እዚ ኣብቲ ኲናት ኣገዳሲ ምዕራፍ'ዩ። ኵሎም እትፈትውዎም ሰባት፡ ንፈትዎም ሰባት፡ ናብ ዓዶም ክሳብ ዝመጽኡ ምሉእ ሓይልና ክንቅጽል ኢና” ኢሉ።
ኣብ እስራኤል፡ ስድራቤታት ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት፡ ሕጂ ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ግዳያት ናብ ዓዶም ዘምጽእ ተዅሲ ደው ምባል ክግበር ከምዝኽእል ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጾም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







