መራሒ ሓማስ ያሕያ ሲንዋር ኣብ ቓዛ ከምዝተቐትለ እስራኤል ኣረጋጊጻ

ያህያ ሲንዋር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ያህያ ሲንዋር

እስራኤል ነቲ ኣብ ቓዛ ንነዊሕ ክትሃድኖ ዝጽሐት መራሒ ሓማስ ያሕያ ኣንዋር ከም ዝቐተለት ኣረጋጊጻ።

ሰራዊት እስራኤል ሎሚ ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ዕጡቓት ዝዓለመ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ሓደ ካብቶም ዝተቐተሉ ሰለስተ ዕጡቓት ያሕያ ኣንዋር ከም ዝዀነ ሚኒስትር ጕዳይ ወጻኢ እስራኤል ካትዝ ገሊጹ።

ሲንዋር፡ ሃንዳሲ እቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዝተፈፀመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ሓማስ ከም ዝነበረ ይንገር።

ካብዚ ብዝብገስ ድማ፡ እስራኤል ንነዊሕ እዋን ሃዲና ከምተወግዶም ክትሕነየሎም ካብ መንጐ ዝጸንሑ መራሕቲ ሓማስ እዩ።

በቲ መጥቃዕቲ፡ ኣስታት 1200 ሰባት ከም ዝተቐትልሉን ካልኦት ልዕሊ 200 ድማ ጅሆ ከም ዝተወስዱን ይፍለጥ።

እዚ ድማ ነቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቑረጸ ኲናት ቓዛ መበገሲ ክኸውን ክኢሉ።

ስሞም ዘይተገለጹ ሰብስልጣን እስራኤል ሓላፊ ሓማስ የሕያ ኣንዋር ተቐቲሉ'ዩ ምባሎም'ውን ገለ ማዕከናት ዜና እስራኤል ገሊጸን።

ካትዝ፡ እቲ "ሃንዳሲ ጨፍጫፍን ግፍዒታትን" 7 ጥቅምቲ'ዩ ነይሩ ብምባል ዝዀነኖ ሲንዋር ብወተሃደራት እስራኤል ከም ዝተቐትለ ክገልጽ እንከሎ፡ "እዚ ንእስራኤል ኣገዳሲ ወተሃደራውን ሞራላውን ዓወት እዩ" ኢሉ።

ወሲኹ፡ "ምውጋድ ሲንዋር እቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ብቕልጡፍ ክፍትሑን ኣብ ቓዛ ካብ ቁጽጽር ሓማስን ኢራንን ወጻእ ዝዀነ ሓድሽ ኵነታት ክመጽእ ዝገብር መገዲ ዝኸፍትን ክኸውን እዩ" ክብል ተዛሪቡ።

ያሕያ ሲንዋር መን'ዩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ያሕያ ሲንዋር ድምጹ ካብ ዘይስማዕ ሓያለ'ዩ ኮይኑ። ሰራዊት እስራኤል ንያሕያ ሲንዋር ንምርካብ ዘይፈንቀልዎ እምኒ የለን።

ከም በረድ ማሕማሕ ብዝበለ ጻዕዳ ጸጉሪ ርእሱን ጸሊም ሸፋሽፍቲ ዓይኑን ዝልለ ያሕያ ሲንዋር፡ ጸሊም ጃኬት የዘውትር።

ንሱ መራሒ ፖለቲካዊ ክንፊ ሓማስ ኣብ ቓዛ ኰይኑ፡ ሓደ ካብቶም እስራኤል ብዕቱብ እትደልዮም ሰባት እዩ።

እስራኤል፡ ነቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ደቡባዊ ክፋል እስራኤል ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ሓማስ፡ ቀንዲ ተሓታቲ እዩ ትብል።

በቲ መጥቃዕቲ፡ ኣስታት 1200 ሰባት ከም ዝተቐትልሉን ካልኦት ልዕሊ 200 ድማ ጅሆ ከም ዝተወስዱን ይፍለጥ።

ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ሪየር ኣድሚራል ዳኒኤል ሃጋሪ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ "ያሕያ ሲንዋር'ዩ እቲ ኣዛዚ . . . ሞት ክኣ ኣይክተርፎን" ኢሉ ነይሩ።

እቲ መጥቃዕቲ፡ ፖለቲካ ማእኸላይ ምብራቕ ካብ ምቕያሩ ብዝሰገረ፡ ኣንፈት እስራኤል ምስ ሃገራት ዓረብ ዘለዋ ርክብ'ውን ክቕየር ዝገበረ'ዩ ምባል ይክኣል።

ኢታማጆር ሹም ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ሄርዚ ሃሌቭ፡ "እዚ ዘስካሕኽሕ መጥቃዕቲ ያሕያ ሲንዋር ዘዋደዶ'ዩ። ስለዚ ንሱን ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉን ኵሎም መራሕቲ ሞቶም ዘይተርፍ'ዩ" ክብል ፈኪሩ።

ማዕረ ማዕረ ሲንዋር፡ እስራኤል ብዕቱብ እትደልዮን ክሞተላ እትምነዮን ካልእ ኣገዳሲ መራሒ ሓማስ ድማ መሓመድ ዴይፍ እዩ።

ነዚ'ውን እስራኤል ከምቲ ዝፈከረቶ ቀንጺላቶ'ያ።

ንሱ፡ ወተሃደራዊ መራሒ ክንፊ ሓማስ ዝዀነ ብርጌድ ኢዘዲን ኣል-ቃሲም'ዩ።

እስራኤል፡ ከም ላዕለዋይ መራሒ ሓማስ ዝርአ ሓላፊ ቢሮ ፖለቲካ ዝዀነ እስማዒል ሃኒየ ቀጺሉ፡ ሲንዋር ካልኣይ ኣመራርሓ ሓማስ እዩ ኢላ ትኣምን።

ሲንዋር፡ ምስ ሓለውቱ ኣብ ውሽጢ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ጋለሪያታት ትሕቲ መሬት ተሓቢኡ ከምዘሎን፡ ኣሰሩ ከይርከብ ብምስጋእ ድማ ምስ ዝዀነ ሰብ ከም ዘይራኸብን'ውን እስራኤል ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓ'ያ።

ያህያ ሲንዋር

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣተዓባብያ ሲንዋር

ወዲ 61 ዓመት ሲንዋር፡ ኣቡ ኢብራሂም ብዝብል'ዩ ብሰፊሑ ዝፍለጥ። ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ካን ዩኒስ ክኣ ተወሊዱ።

ወለዱ ካብታ ከተማ እስራኤል ዝዀነት ኣሽከሎን ኰይኖም፡ ድሕሪ'ቲ ፍልስጤማውያን "ኣል-ናቕባ" ኢሎም ዝጽውዑዎ ዘመን ስደትን ምምዝባልን ቤቶም ራሕሪሖም ስደተኛታት ኰይኖም።

ሲንዋር ድማ፡ ኣብ መዕቈቢ ስደተኛታት ተወሊዱ።

እቲ እዋን፡ እስራኤል ንምምስራት ኣብ 1948 ዝተኻየደ ኲናት ዘዘኻኽር እዩ።

ሲንዋር፡ ኣብ ቓዛ ተማሂሩ፡ ኢስላሚክ ዩኒቨርሲቲ ኦፍ ቓዛ ካብ ዝተባህለ ትካል ብቋንቋ ዓረብ ቀዳማይ ዲግሪ ተመሪቑ።

ሲንዋር ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ማእሰርቲ እንከሎ ቃለ መጠይቕ ዝገበረሉ ሰራሕተኛ ዋሽንግተን ኢንስቲትዩት ዝዀነ ኢሁድ ያሪ፤ ሲንዋር ገና ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ እንከሎ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እስራኤል ከም ዝኣተወ ይገልጽ።

ኣብቲ እዋን፡ ካን ዩኒስ ንማሕበር ኣሕዋት ኣስላም ዝድግፍ "ዕርዲ" ከም ዝነበረ ኢሁድ ያሪ ይዛረብ።

ሲንዋር፡ "እስላማዊ ምንቅስቓስ" ምግባር ብዝብል ብ1982 ወዲ 19 ዓመት ኰይኑ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ድማ ዳግም ተኣሲሩ።

ሲንዋር ብተደጋጋሚ ብእስራኤል ምእሳሩ ድማ ቀልብን እምነት መስራቲ ሓማስ ዝዀነ ሸኽ ኣሕመድ ያሲን ክረክብ ኣኽኢሉዎ።

"ክልቲኦም ኣዝዮም ተቐራሪቦም" ይብል ኣብ ተልኣቪቭ ኣብ ዝርከብ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ሃገራዊ ድሕነት ላዕለዋይ ተመራማሪ ኮቢ ማይክል።

እዚ ምስ መንፈሳዊ መራሒ ናይቲ ትካል ዝነበረ ዝምድና ድሒሩ ንሲንዋር ኣብ ውሽጢ እቲ ምንቅስቓስ ወሳኒ ሰብ ክኸውን ከም ዝገበሮ ማይክል ወሲኹ ይዛረብ።

ሓማስ ኣብ 1987 ምስ ተመስረተ ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ጉጅለ ‘ኣል-ማጂድ’ ዝበሃል ዝፍራሕ ዋህዮ ስለያ ኣጣይሱ።

ሲንዋር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣል-ማጂድ፡ ነቶም ኣብ ቓዛ ጥሕሰት ስነ ምግባር ፈጺሞም'ዮም ዝብሎም ምቕጻዕን ብ‘ገበናት ሞራል’ ዝተኸሰሱ ሰባት ዒላማ ምግባርን ስርሑ ኰነ። ምስ እስራኤል ይተሓባበሩ'ዮም ዝበሎም'ውን ክቐትል ጀሚሩ።

ያሪ፡ ሲንዋር፡ ነቶም ምስ እስራኤል ተሓባቢሮም'ዮም ብዝብል "ብዘስካሕክሕ" ኩነታት ዝተቐትሉ ሰባት ተሓታቲ'ዩ ይብል።

"ገሊኦም ብኢዱ ዝተፈጸሙ ዀይኖም፡ ንሱ ድማ በዚ ተግባሩ ከም ዝሕበን ነጊሩኒ'ዩ"።

ሰበስልጣን እስራኤል ከም ዝብልዎ፡ ሲንዋር ኣብ ሓደ እዋን ንእስራኤል ሓበሬታ ይህብ ነይሩ ብዝብል ዝተጠርጠረ ሰብኣይ፡ ሓዉ ብህይወቱ እንከሎ ክቐብሮ ከም ዝገበረ ተኣሚኑ'ዩ።

"ኣዝዮም ዝፈርሑዎ ሰዓብትን ደገፍትን ከፍሪ ዝኽእል ሰብ እዩ" ክብል ያሪ ይዛረብ።

ኣብ 1988 ሲንዋር ክልተ ወተሃደራት እስራኤል ብምጭዋይን ኣሳቒኻ ብምቕታልን ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ብተወሳኺ፡ ብቕትለት 12 ፍልስጤማውያን ብእስራኤል ተኸሲሱ፡ ኣርባዕተ ግዜ ከኣ ንሕልፍት ተፈሪዱ።

ጽኑዕ ዓመታት ማእሰርቲ

ሲንዋር እቲ ዝበዝሐ ዕድሚኡ (ማለት’ውን ካብ 1988 ክሳብ 2011 ንልዕሊ 22 ዓመታት) ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል'ዩ ኣሕሊፍዎ።

መብዛሕትኡ ናይ ማእሰርቲ ግዝኡ ድማ ንበይኑ ኣብ ጸቢብ ክፍሊ'ዩ ተኣሲሩ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝያዳ ጽልኢ ከማዕብል ከም ዝገበሮ ይእመን።

ሲንዋር፡ ኣብ ማእሰርቲ እንከሎ እስራኤል ባህሪኡ ከምዚ ዝስዕብ ገሊጻቶ ነይራ።

"ጨካን፣ ዓቕሚ ዘለዎ ጸላዊ፤ ፍሉይ ኣካላዊ ጥንካረ ዘለዎ፤ ተንኰለኛን ብህይወቱ ዝዓግብን . . . ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኰይኑ'ውን ምስ ካልኦት እሱራት ሚስጢር ብምሕላው . . . ብዙሓት ሰባት ናይ ምምራሕ ክእለት ዘለዎ"።

ኣብ መንጎ እሱራት ንነፍሱ ከም መራሒ ገይሩ ዝቖጽር ኰይኑ፡ ምስ ሰበስልጣን ቤት ማእሰርቲ ኣብ ክንደኦም ይዘራረብን ኣብ መንጎ እሱራት ስነ-ስርዓት የኽብርን ነይሩ።

ያሪ፡ ሲንዋር ‘ወፈፌ' [psychopath] እዩ’ ይብሎ።

"[ግን] ሲንዋር ወፈፌ'ዩ ጥራይ ምባል ግን ጌጋ'ዩ። ምኽንያቱ፡ ብኸምኡ ጥራይ ነቲ ዝገርምን ዝተሓላለኸን ባህሪኡ ከይተረዳእኻዮ ኢኻ ትተርፍ። ኣዝዩ ተንኮለኛ፣ በሊሕ - ውልቃዊ ስሕበት ናይ ምፍጣር ሓያል ተኽእሎ ዘለዎ ሰብ እዩ” ይብል።

መንፈሳዊ መራሒ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሲንዋር፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ጋዜጣታት እስራኤል ብምንባብ ቋንቋ ሂብሩ መሊኹ፤ ክዛረቦ ጀሚሩ። ያሪ፡ ቋንቋ ዓረብ ዝዛረብ እኳ እንተዀነ ሲንዋር ግን ብሂብሩ ክንዘራረብ እዩ ዝደሊ ነይሩ ይብል።

"ክእለት ቋንቋ ሂብሩ ንምዕባይ ካብቶም ዋርድያታት ዝሓሸ ሂብሩ ምስ ዝዛረብ ሰብ ክዘራረብ ስለ ዝደለየ ይመስለኒ ምሳይ ብሂብሩ ክዘራረብ ዝመርጽ"።

ብ2011 ዓ.ም፡ እስራኤል ጊላድ ሻሊት ዝተባህለ ወተሃደራ ንምፍታሕ ክትብእል 1027 ፍልስጤማውያን እሱራት ክትፈትሕ ክትሰማማዕ እንከላ ሲንዋር ተፈቲሑ። ሻሊት ብሓው ሲንዋርን ካልኦትን ተጨውዩ ንሓሙሽተ ዓመታት ከም ምሩኽ ኮይኑ ጸኒሑ።

ሲንዋር፡ ክፍታሕ እንከሎ እስራኤል ካብ ወሽመጥ ቓዛ ወጺኣ ሓማስ ተነሓናሒኡ ዝነበረ ሰልፊ ያሲር ዓረፋት ኣልዩ ንቓዛ ዘመሓድረሉ ዝነበረ እዋን እዩ።

ጨካን ስነ-ምግባር

ሲንዋር ናብ ቓዛ ምስ ተመልሰ፡ ብኡንብኡ መራሒ ኰይኑ። ሲንዋር መራሒ ሓማስ ምዃኑን ነዊሕ ዓመታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ምሕላፉን መራሒ ንክኸውን ኣኽኢሉዎ'ዩ።

ማይክል፡ "ሰባት በቃ ይፈርሕዎ ነይሮም፤ እዚ ውልቀሰባት ብኢደ ወነኑ ዝቐተለ ሰብ'ዩ። ብጣዕሚ ጨካን፣ ደፋርን በዓል ግርማ ሞጎስን እዩ" ብምባል ይገልጾ።

ያሪ ብወገኑ፡ "ተዛራባይ ኣይኰነን፤ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክዛረብ እንከሎ፡ ተራ ሰብ'ዩ ዝመስል" ኢሉ።

ሲንዋር፡ ብ2013 ኣባል ፖለቲካዊ ቤተ ጽሕፈት ሓማስ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ኰይኑ ተመሪጹ፤ ብ2017 ድማ ኣብ ቓዛ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሓማስ ኰይኑ። ።

ምንኣስ ሓዉ ሞሓመድ እውን ልክዕ ከም ዓብዪ ሓው ኣብ ውሽጢ ሓማስ ንጡፍ ተራ ክጻወት ጀሚሩ።

እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ ሞሓመድ ብዙሕ ፈተነ ቕትለት ከም ዝገበረት ይግለጽ። ብ2014 ግን ሓማስ ሞሓመድ ከም ዝሞተ ወግዓዊ ገይሩ።

ሓዉ ያሕያ ሲንዋር ዝዀነ መሓመድ ሲንዋር
መግለጺ ስእሊ, ሓዉ ያሕያ ሲንዋር ዝዀነ መሓመድ ሲንዋር

ገሊኦም ግን ሞት ሞሓመድ ስለ ዝጠራጠሩዎ ብህይወት ክህሉ ከም ዝኽእልን ኣብ ቓዛ ኣብ ዝርከቡ ጋለርያታት ተሓቢኡ ከም ዝህሉን ይኣምኑ።

ገለ ማዕከናት ዜና ሞሓመድ ኣብቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከም ዝተሳተፈ ጸብጺበን ኣለዋ።

ሲንዋር ጨካን ካብ ምዃኑ ብዝብገስ 'The Butcher of Khan Younis' (ሓራዲ ኻን ዮኒስ) ዝብል ሳጓ ኣውሂቡዎ'ዩ።

"ኣባላት ሓማስ ትእዛዝ ሲንዋር እንተዘይተቐቢሎም ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ከም እትኣቱ ይፈልጡ'ዮም" ይብል ያሪ።

ብ2015 መሓሙድ ኣሸቲዊ ዝተባህለ ኣዛዚ ሓማስ፡ ብምትላልን ምስ ተመሳሳሊ ጾታ ርክብ ብምፍጻምን ምስ ተኸሰሰ ተሳቕዩ ክቕተል ትእዛዝ ዝሃበ ሲንዋር ምዃኑ ይግለጽ።

ሲንዋርን ኢራንን

ብዙሓት ኣብ ትካላት ምክልኻልን ጸጥታን እስራኤል ዘለው ሰባት፡ ሲንዋር ኣብ እዋን ምልውዋጥ እሱራት ምፍትሑ ዘጣዕስ ጌጋ እዩ ኢሎም ይኣምኑ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብ2015 ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ሲንዋር "ዓለማዊ ግብረሽበራዊ" ኢሉ በይኑ።

ኣብ ግንቦት 2021 ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ልዕለሊ መንበሪ ገዝኡን ቤት ጽሕፈቱን ዒላማ ገይረን ነይረን። ሲንዋር ግን ኣብቲ ቦታ ኣይነበረን።

ሲንዋር፡ ኣብ 2022 ኣብ ኣደባባይ ወጺኡ ፍልስጤማውያን ብዝተኻእሎም መጠን ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ኣተባቢዑ።

ተንተንቲ፡ ሲንዋር ኣብ ሞንጎ ፖለቲካዊ ቢሮ ሓማስን ወተሃደራዊ ክንፊ ብርጌድ ኣልቃስምን ዘሎ ቁልፊ ሰብ'ዩ ኢሎም ይኣምኑ።

ሓማስ ምስ ኢራን ርክብ ክህልዎ ዝገበረ'ውን ንሱ ምዃኑ ይዝረብ።

ሓማስን ኢራንን ሓደ ዕላማ ኣለዎም፤ እዚ ድማ እስራኤል ዝተባህለት ሃገር ምጥፋእን እየሩሳሌም ካብ እስራኤል ናጻ ምግባርን እዩ።

ነዚ ዕላምኦም ክውን ንምግባር ድማ ኢድን ጓንትን ኰይኖም ክሰርሑ ጸኒሖም'ዮም። ኢራን፡ ንሓማስ ብገንዘብ፣ ስልጠናን ናውትን ትሕግዞ። ሓማስ ድማ መዓልታዊ ናብ እስራኤል ሮኬት ይውንጭፍ።

ሲንዋር ኣብ 2021 ኣብ ዝሃቦ መደረ ንኢራን ኣመስጊኑ ነይሩ።

"ኢራን እንተዘይትህሉ ነይራ፡ ቃልሲ ፍልስጤማውያን ኣብዚ ደረጃ ኣይምበጽሐን" ኢሉ።

እስራኤል ግን ንሲንዋር እንከይቐተለት ኣይክትቐስንን። ኣብ ባይቶ ኤውሮጳ ተመራማሪ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ዝዀነ ሃግ ሎቫት ግን፡ እስራኤል ንሱንዋር እንተቐተለት'ውን "ዓወት ፕሮፖጋንዳ ክኸውን ይኽእል'ዩ"፤ ኣብ ምንቅስቓስ ሓማስ ዘሕድሮ ጽልዋ ግን ኣብዚ እቶ ዘይብሃል ክኸውን ይኽእል ይብል።

ከም ሓማስ ዝበሉ ትካላት ሓደ ኮማንደር ወይ መራሒ ክቕተሎም እንከሎ ብኻልእ ንምትካእ ነዊሕ ግዜ ኣይወስደሎምን።

"ሓቂ'ዩ ሓማስ ብሞት ሲንዋር ክጉዳእ'ዩ፤ ግን ድማ ንዕኡ ብኻልኦት ንምትካእ ዘኽእል ኣቐዲሙ ዝተዘርግሐ ኣሰራርሓ ኣሎ" ይብል ሎቫት።