ንእስራኤል ኣጨኒቘም ዘለዉ ኣውራ መራሕቲ ሓማስ መን'ዮም?

ኣውራ መራሕቲ ሓማስ

ሓማስ፡ ብቐዳም 7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ብዛዕባ እቶም ነቲ ሃንደበታዊ ፍጻመን ስርሒትን “ማዕበል ኣል-ኣቕሳ" ዝወጠኑንን ዝወደቡን ሰባት ሕቶታት ይቐርብ ከም ዘሎ ተዓዘብትን ወተሃደራትን ይሕብሩ።

ብዙሓት ካብቶም ላዕለዎት መራሕቲ ናይቲ ንቓዛ ዝቈጻጸር ዕጡቕ ፍልስጤማዊ ጕጅለ ሓማስ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝበዝሕ ግዜ ተሸፊኖም ክረኣዩ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ዝበዝሕ ህይወቶም ካብቲ ብእስራኤል ዝካየድ ፈተነ ቅትለት እናሃደሙ ኣሕሊፎሞ።

ካብኣቶም ሓደ ዝዀነ ኣቡ ኣል-ዓብድ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ እስማዒል ዓብዱሰላም ሃኒያ ኣብ ኢራን ከም ዝተቐትለ ተገሊጹ ኣሎ።

ንሱ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ፍልስጤም'ዩ ተወሊዱ።

ሓላፊ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ምንቅስቓስ ሓማስን ቀዳማይ ሚኒስተር ዓስራይ መንግስቲ ፍልስጤምን ነይሩ፤ ካብ 2006 ኣትሒዙ ቀዳማይ ሚኒስተር ፍልስጤም ኰይኑ የገልግል ነይሩ።

ሃኒያ፡ ኣብ 1989 ንሰለስተ ዓመት ብእስራኤል ተኣሲሩ፤ ድሕሪኡ ናብቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሊባኖስን ዝርከብ ሰብ ዘይብሉ መሬት - ማርጅ ኣል ዙሁር - ምስ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ሓማስ ተሰዲዱ፤ ኣብ 1992 ድማ ምሉእ ዓመት ኣብ ኣብ ሰንፈለል ኣሕሊፉዎ።

ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ ስደት፡ ናብ ቓዛ ተመሊሱ፡ ኣብ 1997 ሓላፊ ቤት ጽሕፈት መንፈሳዊ መራሒ ምንቅስቓስ ሓማስ ሸኽ ኣሕመድ ያሲን ኰይኑ ተመዚዙ፡ በዚ ድማ ቦታኡ ኣደልዲሉ።

እስማዒል ሃኒያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሓማስ፡ ኣብ 16 ለካቲት 2006 ቀዳማይ ሚኒስተር ፍልስጤም ክኸውን መሪጽዎ።

ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ብዙሓት ድሕሪ ዝቐተለ ግጭት፡ በራጊድ ዕዝ ኣ’ዲን ኣል-ቐሳም ንወሽመጥ ቓዛ ድሕሪ ምቍጽጻሮምን ወከልቲ ምንቅስቓስ ፋታሕ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ድሕሪ ምስጓጐም፡ ሃኒያ ብፕረዚደንት ምምሕዳር ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ ካብ ስልጣኑ ተባሪሩ።

ሃኒያ "ዘይቅዋማዊ" ንዝበሎ ውሳነ ማሕሙድ ዓባስ ነጺጉ፡ "መንግስቱ ስርሑ ክቕጽልን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፍልስጤም ዘለዎ ሃገራዊ ሓላፍነት ከምዘይገድፍን" ኣስሚሩሉ።

እንተዀነ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ሃኒያ ምስ ምንቅስቓስ ፋታሕ ዕርቂ ክግበር ብዙሕ ግዜ ጸዊዑ እዩ።

ብ 6 ግንቦት 2017 ሓላፊ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ሓማስ ኰይኑ ተመሪጹ፤ ኣብ 2018 ድማ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ግብረሽበራዊ ክብል ሸይምዎ።

ኣብዚ ጽሑፍ ነቶም ኣብዚ እዋን ፍሉጣት ዝዀኑ ፖለቲካውያንን ኣዘዝቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ብርጌዳት ዕዝ ኣ’ዲን ኣልቐሳምን ክንድህስስ ኢና።

መሓመድ ደይፍ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መሓመድ ዲያብ ኣልመስሪ ኰይኑ፡ ሳጓኡ "ኣቡ ኻልድ" ወይ ድማ "ኣ’ደይፍ" እዩ። ንሱ ወተሃደራዊ ክንፊ ምንቅስቓስ ሓማስ ንዝዀና በራጊድ ኣልቐሳም ዝመርሕ እዩ።

ንሱ፡ ኣብ 1965 ኣብ ቓዛ ተወሊዱ።

ብፍልስጤማውያን፡ “እቲ ኣውራ ሓንጻጺ” [The Mastermind]፡ ብእስራኤላውያን ድማ “ናይ ሞት ሰብ” [The Man of Death] ወይ "እቲ ትሽዓተ ትንፋስ ዘለዎ ተቓላሳይ” ተባሂሉ ይፍለጥ።

መሓመድ፡ ካብ እስላማዊ ዩኒቨርሲቲ ቓዛ ብባዮሎጂ ቀዳማይ ዲግሪ ዝረኸበ ኰይኑ፣ ተመሃራይ ኣብ ዝነበረሉ ብፍቕሪ ተዋስኦን ትያትርን ይፍለጥ ስለ ዝነበረ፡ ጕጅለ ስነጥበብ መስሪቱ።

ምምስራት ምንቅስቓስ ሓማስ ምስ ተኣወጀ ግን ብዘይ ነግፈረግ ኣብ መሳርዑ ተጸንቢሩ።

ኣብ ወተሃደራዊ ትካላት ሓማስ ይነጥፍ እዩ ብዝብል ክሲ፡ ሰበስልጣን እስራኤል ኣብ 1989 ኣሲሮምዎ፤ ብዘይ ፍርዲ ድማ ን16 ኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕሊፉ።

ደይፍ፡ ኣብ ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ምስ ዘካርያ ኣልሾርባጊን ሳላሕ ሸሃደን ተሰማሚዑ ወተሃደራት እስራኤል ንምሓዝ ዝዓለመ ካብ ሓማስ ዝተፈልየ ምንቅስቓስ ክምስርት ወጢኑ፤ ድሒሩ እዚ ምንቅስቓስ ድማ ብርጌድ ኣልቐሳም ኰይኑ።

መሓመድ ደይፍ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጸ፡ በራጊድ ዕዝ ኣ’ዲን ኣል-ቐሳም ከም ወተሃደራዊ ቅርጺ ክንቀሳቐሳ ጀሚረን። ደይፍ ድማ ከም ሓደ ካብ መስረትቱ፡ ብምዃን ኣብ ቅድሚት ክርአ ጀሚሩ።

ንሱ፡ መሃንድስ ናይቶም ተዋጋእቲ ሓማስ ካብ ቓዛ ናብ ውሽጢ እስራኤል ዝሰልኵሎም ገለርያታት ኰይኑ፡ ሓደ ካብቶም ሮኬታት ብብዝሒ ምውንጫፍ ዝብል ስትራተጂ ዘስፋሕፍሑ ዝነበሩ እዩ።

ይዅን እምበር፡ እቲ ዝኸበደ ክሲ፡ ድሕሪ ቅትለት ሰራሕ ቦምባ ሓማስ ያሕያ ኣያሽ እዩ ዝጅምር።

መሓመድ ደይፍ

እዚ ድማ ኣብ ፈለማ 1996 ኣስታት 50 እስራኤላውያን ኣብ ዝቐተለ መጥቃዕቲ ቦምባ ኣውቶቡሳት፣ ከምኡ’ውን ቀጻሊ ስርሒታት ሕነ ምፍዳይ ምውጣኑን ምክያዱን ከምኡ'ውን ኣብ መፋርቕ 1990ታት ኣብ ምምራኽን ምቕታልን ሰለስተ ወተሃደራት እስራኤል ብምስታፉን እዩ።

እስራኤል ኣብ 2000 ኣሲራቶ’ኳ እንተነበረት፡ ኣብ "ካልኣይ ኢንቲፋዳ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ግን ካብቶም ዝሓዝዎ ከምልጥ ክኢሉ፤ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ ኣሰሩ ብዙሕ ኣይፍለጥን።

መሓመድ ደይፍ፡ ሰለስተ ኣሳእል ጥራይ እየን ዘለዋኦ፡ እታ ሓንቲ ኣዝያ ኣረጊት እያ፡ እታ ካልኣይቲ ድማ ማስኬራ ገይሩ እንከሎ ኰይና፡ እታ ሳልሰይቲ ድማ ስእሊ ጽላሎቱ እያ።

ኣብ ህይወቱ ዘጋጠሞ ዝኸበደ ፈተነታት ቅትለት፡ ኣብ 2002 እዩ ነይሩ። እንተዀነ ብተኣምር ኣምሊጡ። ሓንቲ ዓይኑ ግን ስኢኑ። እስራኤል፡ ሓደ እግሩን ኢዱን እውን ከም ዝሰኣነን፡ ድሕሪ ዝተገብረሉ ዝተፈላለዩ ፈተነታት ቅትለት ንምዝራብ ከም ዝሽገርን እያ ትገልጽ።

ኣብ 2014 እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዘካየደቶ ልዕሊ 50 መዓልታት ዝወሰደ መጥቃዕቲ፡ ንደይፍ ክትቀትሎ ኣይከኣለትን፡ እንተዀነ ንበዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቁን ቀቲላ።

"ኣቡ ኻልድ" ዝብል ሳጓ ዝወሰደ፡ "The Clown" ኣብ እትብል ተዋስኦ "ኣቡ ኻልድ" ዝብል ኣብ መንጐ ዘመነ ኡማያድን ዓባሲድን ኣብ ዝነበረ እዋን ናይ ዝነበረ ፍሉጥ ሰብ ገጸ-ባህሪ ተላቢሱ ብምውስኡ እዩ።

ደይፍ ዝብል ስም ብዓረብኛ "ጋሻ" ማለት ኰይኑ፡ እዚ ሳጓ ዝተዋህቦ ድማ፣ ካብ ቅትለት እስራኤል ንምምላጥ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኣብ ሓደ ቦታ ስለዘይጸንሕ፡ ዳርጋ ምሸት ምሸት ኣብ ሓድሽ ቦታ ስለ ዝድቅስ ምዃኑ ይንገር።

ማርዋን ዒሳ

ማርዋን ዒሳ

ምንጪ ስእሊ, MEDIA SOURCES

ማርዋን ዒሳ ወይ "ጽላሎት ሰብ" ቀንዲ የማናይ ኢድ መሓመድ ደይፍን ምክትል ኣዛዚ በራጊድ ኣልቐሳምን ኣባል ፖለቲካውን ወተሃደራውን ቤት ጽሕፈት ሓማስ እዩ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ዝተጸንበሮ ንጥፈታት ሓማስ፡ ሓይልታት እስራኤል፡ ኣብቲ "ቀዳማይ ኢንቲፋዳ" ተባሂሉ ዝፍለጥ እዋን ንሓሙሽተ ዓመታት ኣሲሮምዎ እዮም።

እስራኤል፡ ማርዋን ብህይወት ክሳብ ዘሎ፡ እቲ ምስ ሓማስ ዝግበር "ናይ ሓንጐል ኲናት" ኢላ እትገልጾ ቅልስ ክቕጽል ምዃኑ እያ ትገልጽ።

“ናይ ግብሪ ሰብ እምበር ናይ ዘረባ ኣይኰነን" ክትብል እትገልጾ ማርዋን "ክሳብ ፕላስቲክ ናብ ሓጺን ክቕይር ዝኽእል" ኣዝዩ በሊሕ ምዃኑ ድማ ትሕብር።

ንሱ፡ ከም ሓደ ህቡብ ተጻዋታይ ኩዕሶ ሰኪዔት ኰይኑ ተቐልቂሉ’ኳ እንተነበረ፡ እስራኤል ናብ ምንቅስቓስ ሓማስ ተጸንቢሩ ብዝብል ክሲ ኣብ 1987 ስለዝኣሰረቶ ሞያ ስፖርት ከማዕብል ኣይከኣለን።

ኣብ 1997 ምምሕዳር ፍልስጤም ኣብ ቀይዲ ኣእትይዎ፤ ክሳብ’ቲ ኣብ 2000 "ኣል-ኣቕሳ ኢንቲፋዳ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ናዕቢ ክሳብ ዝነቱግ ድማ ተኣሲሩ ጸኒሑ።

ማርዋን ዒሳ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጸ፡ ወተሃደራዊ ኣቃውማ በራጊድ ኣልቐሳም ኣብ ምምዕባል ወሳኒ ተራ ተጻዊቱ።

ኣብቲ ምንቅስቓስ ብዝነበሮ ፍሉይ ተራ፡ እስራኤል ኣብ ዝርዝር ኣመና ተደለይቲ ሰባት ኣእትያቶ፤ ኣብ 2006 ምስ ደይፍን ካልኦት ቀንዲ መራሕቲ በራጊድ ኣልቐሳምን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብ ዝነበሩሉ ኣጋጣሚ ክትቀትሎም ፈቲና።

ማህረምቲ’ኳ እንተኣጋጠሞ እቲ ከተጥፍኦ ዝነበራ ዕላማ ግን ኣይተዓወተን።

ብዘይካ’ዚ፡ ነፈርቲ ውግእ እስራኤል፡ ኣብ 2014ን 2021ን ኣብ ቓዛ ኣብ ዘካየዳኦ ደብዳብ ክልተ ግዜ መንበሪ ገዛኡ ብምዕናው ንሓዉ ቀቲለን።

ክሳብ 2011 ገጹ ተራእዩ ኣይፈልጥን ነይሩ፤ ሽዑ ግን ኣብ ስርዓተ ኣቀባብላ ምልውዋጥ ምሩኻት ምስ እስራኤል ጊላድ ኣብ ናይ ሓባር ስእሊ ቅሩብ ተራእዩ።

ማርዋን፡ ብኖም-ደ-ጉረ ኣቡ’ልባራ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ምውጣንን ምፍጻም ስርሒታት፡ ክሳብ’ዚ ናይ ሕጂ ማዕበል ኣል-ኣቕሳ፡ ኣብ ስለያውን ቴክኒካውን መዳያትን ኣብ ዝተፈላለየ መጥቃዕቲታት ተራኡ ዕዙዝ ምዃኑ ይንገር።

ያሕያ ሲንዋር

ያሕያ ሲንዋር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓላፊ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ሓማስ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ፡ ያሕያ ኢብራሂም ኣ’ሲንዋር ኣብ 1962 እዩ ተወሊዱ።

ንሱ መስራቲ ናይቲ ንጉዳያት ውሽጣዊ ጸጥታ ዘመሓድር ብ"ማጅድ" ዝፍለጥ ትካል ጸጥታ ሓማስ እዩ።

እዚ ትካል፡ ነቶም ኣብ ውሽጢ ኰይኖም ንእስራኤል ከም ዝሰርሑ ዝጥርጠሩ ወከልቲ መርመራታት ምክያድ፣ ከምኡ’ውን ንባዕላቶም ንመኮንናት ስለያን ጸጥታን እስራኤል ምክትታል ይገብርን።

ሲንዋር፡ ሰለስተ ግዜ ብእስራኤል ዝተኣሰረ ኰይኑ፡ እቲ ቀዳማይ ኣብ 1982 ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ምምሕዳራዊ ማእሰርቲ ዝጸንሃሉ እዩ።

ኣብ 1988 ሲንዋር ንሳልሳይ ግዜ ተኣሲሩ ንኣርባዕተ ግዜ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱ።

ንሱ ኣብ ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ታንኪ እስራኤላዊ ወተሃደር ጊላድ ሻሊት ብመጥቃዕቲ ሚሳይል ሓማስ ተሃሪማ እቲ ወተሃደር እስራኤል ጅሆ ተታሒዙ።

እስራኤል፡ ነቲ “ሰብ ናይ ኵሉ ሰብ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ ሻሊት፡ ሓማስ ንኽፈትሖ ዘድሊ ኵሉ ክትገብር ነይርዋ።

እዚ ድማ ብስምምዕ ምልውዋጥ እሱራት ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ብዙሓት እሱራት ካብ ምንቅስቓሳት ፋታሕን ሓማስን ተፈቲሖም፤ ያሕያ ሲንዋር ድማ ሓደ ካብኣቶም ብምዃን ኣብ 2011 ተፈቲሑ።

ሲንዋር ድሕሪ ምፍትሑ፡ ካብቶም መራሕትን ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈትን ሓማስ ኰይኑ ናብ መዝነቱ ተመሊሱ።

ኣብ መስከረም 2015 ኣሜሪካ፡ ስም ሲንዋር ኣብ ጸሊም መዝገብ "ኣህጉራውያን ኣሸበርቲ" ኣስፊራቶ።

እንተዀነ ሲንዋር፡ ንመራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒያ ስዒቡ፡ ብ13 ለካቲት 2017 ኣብ ቓዛ ሓላፊ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ምንቅስቓስ ክኸውን ተመሪጹ።

ዓብደላ ባርጐቲ

ዓብደላ ባርጐቲ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ባርጐቲ ኣብ 1972 ኣብ ኩወይት ተወሊዱ።

ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ወሽመጥ ኣብ 1990 ድማ ናብ ዮርዳኖስ ተሰዲዱ፣ ዜግነት ናይታ ሃገር ሓዘ።

ነታጒ ምፍራይ ክመሃር ምኽንያት ዝዀኖ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደቡብ ኮርያ ንሰለስተ ዓመት ዝተማህሮ ኤሌክትሮኒክ ምህንድስና ምዃኑ ይፍለጥ።

ፍልስጤም ንምእታው ፍቓድ ስለ ዝረኸበ ግን ትምህርቱ ኣቋሪጹ ናብኡ ከደ።

ዝዀነ ካብቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት ግን ብዛዕባ’ቲ ዝነበሮ ፍልጠንትን ክእለትን ምፍራይ ነታጒ ዝፈልጥ ኣይነበረን። ሓደ መዓልቲ ንወዲ ሓውቦኡ ቢላል ኣል ባርጉቲ ናብ ርሑቕ ከባቢ ምዕራባዊ ገማግም ሒዙዎ ብምኻድ እዩ ክእለቱ ንፈለማ ግዜ ዘርኣየ።

ቢላል ነቲ ዝረኣዮ ንኣዛዚኡ ነገሮ። ዓብደላ ባርጐቲ ድማ ኣብ መሳርዕ በራጊድ ኣልቐሳም ክጽንበር መጸዋዕታ ቀረበሉ።

እቲ መሃንድስ ብኡንብኡ፡ ኣብ ምፍራይ ነታጒን፣ መርዛም ባእታ ካብ ድንሽን ዝኣመሰሉ ወሰንቲ ነገራት ሰሪሑ። ባርጎቲ ኣብ ከተማኡ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መኽዘን፡ ፍሉይ ፋብሪካ መፍረ ነተጕቲ መስሪቱ።

ባርጐቲ ኣብ 2003 ብፍሉይ ሓይሊ እስራኤል ተታሒዙ ንሰለስተ ኣዋርሕ ተመርመረ።

ባርጐቲ፡ ብሞት ዓሰርተታት እስራኤላውያን ተሓታቲ ምዃኑ ይግመት፤ ኣብ ካልኣይ ፍርዱ ድማ ብዙሓት ኣባላት ስድራቤት መወትቲ ተረኺቦም ነይሮም።

ባርጐቲ ኣብ ታሪኽ እስራኤል ዝነውሐ ፍርዲ - ምናልባት'ውን ክሳብ ሕጂ እቲ ዝነውሐ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ተዋሂብዎ ተባሂሉ ዝግለጽ ኰይኑ፡ 67 ግዜ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲን፡ ተወሰኾ 5,200 ዓመትን ተፈርደ።

ንዝተወሰነ እዋን ኣብ ሸላ ንብሕቱ ተኣሲሩ’ኳ እንተነበረ፡ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ብምግባር ግን ከምዘኽትም ገይሩ።

ባርጐቲ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኰይኑ ብዝጸሓፋ "መስፍን ጽላሎት" ዘርእስታ መጽሓፉ ሳጓ ተዋሂብዎ እዩ።

ኣብታ መጽሓፍ ብዛዕባ ህይወቱን ምስ ካልኦት እሱራት ዘካየዶ፡ ስርሒታትን ብዝርዝር - ብኸመይ ብወተሃደራዊ ነቝጣታት እስራኤል ኣቢሉ ነታጒ ከም ዝረኸበ፡ ከመይ ገይሩ ካብ ርሑቕ ቦታታት ስርሒታት ከም ዘካየደን ወዘተ ይዛረብ።

እስማዒል ሃኒያ

ኻልድ ምሽዓል

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኻልድ ምሽዓል 'ኣቡ ኣል-ዋሊድ' ብ1956 ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ቁሸት ሲልዋድ ተወሊዱ።

ንሱን ስድራኡን ናብ ኩወይት ቅድሚ ምግዓዞም፡ መባእታ ትምህርቱ ኣብኡ እዩ ተማሂሩ፤ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቱ ድማ ኣብ ኩዌት ወዲኡ።

ምሽዓል ሓደ ካብ መስረትቲ ምንቅስቓስ ሓማስ ዝቝጸር ኰይኑ፡ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት እዩ።

ካብ 1996 ክሳብ 2017 ፕረዚደንት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ሓማስ ኰይኑ ክሰርሕ እንከሎ፡ ድሕሪ ሞት ሸኽ ኣሕመድ ያሲን ኣብ 2004 ድማ መራሒ ሓማስ ኰይኑ ተመዚዙ።

ኣብ 1997፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ናታንያሁ ብቐጥታ ንሓላፊ ሞሳድ ውጥን ቅትለት ምሽዓል ከዳሉ ብዝሓተቶ መሰረት፡ ብ ሞሳድ ዒላማ ፈተነ ቅትለት ተገይሩሉ።

በዚ መሰረት፡ ዓሰርተ ወከልቲ ሞሳድ ናይ ሓሶት ፓስፖርት ካናዳ ሒዞም ናብ ዮርዳኖስ ኣትዮም።

ኣብቲ እዋን ነባሪ ዮርዳኖስ ዝነበረ ኻልድ ምሽዓል፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣማን ኣብ ሓደ ጐደና እናተጓዕዘ እንከሎ ብመርዛም ንጥረ ነገር ተወጊኡ።

ሰበስልጣን ዮርዳኖስ ነቲ ፈተነ ቅትለት ስለ ዝበጽሕዎ፡ ኣብዚ ጉዳይ ዝተሳተፉ ክልተ ኣባላት ሞሳድ ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም።

ነፍስሄር ንጉስ ዮርዳኖስ ሑሴን ንቐዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ነቲ ምሽዓል ዝተወግኣሉ መርዛም ንጥረ ነገር ዝከውን ጸረ-መርዚ ክወሃቦ ሓቲቱ። ናታንያሁ ግን ኣብ መጀመርታ ነቲ ሕቶ ነጺግዎ።

እቲ ንምቕንጻሉ ዝተገብረ ፈተነ ፖለቲካዊ ሸነኽ ዝሓዘ ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ቢል ክሊንተን ጣልቃ ብምእታው ንናታንያሁ ነቲ ጸረ-መርዚ ከህብ ኣገዲድዎ።

ምሽዓል ንመጀመርታ ግዜ ብዕለት 7 ታሕሳስ 2012 ናብ ወሽመጥ ቓዛ ዑደት ኣካይዱ።

እዚ ዑደቱ ነቲ ወዲ 11 ዓመት እንከሎ ዝገደፎ ግዝኣታት ፍልስጤም ናይ መጀመርታ እዩ ነይሩ።

ኣብ መሳገሪ ራፋሕ ምስ በጽሐ መራሕቲ ውድባት ፍልስጤምን ህዝብን ተቐቢሎምዎ፤ ክሳብ ናብ ከተማ ቓዛ ዝበጽሕ ህዝቢ ፍልስጤም ኣብ ጐደናታት ተኣኪቡ ክቕበሎ ወጺኡ።

ብ6 ግንቦት 2017 ቤት ምኽሪ ሓማስ፡ ንእስማዒል ሃኒያ ተኪኡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ክኸውን መሪጹዎ።

ማሕሙድ ዛሃር

ማሕሙድ ዛሃር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ማሕሙድ ዛሃር፡ ካብ ፍልስጤማዊ ኣቦን ግብጻዊት ኣደን፡ ኣብ 1945 ኣብ ከተማ ቓዛ ተወሊዱ፡ ንእስነቱ ኣብ ከተማ እስማዒልያ ግብጺ ኣሕሊፍዎ።

መባእታ፡ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ቓዛ ተማሂሩ። ኣብ 1971 ካብ ዩኒቨርሲቲ ካይሮ ብሓፈሻዊ ሕክምና ቀዳማይ ዲግሪ ረኺቡ።

ብድሕሪኡ ብ1976 ብሓፈሻዊ መጥባሕቲ ማስተርስ ዲግሪ ረኺቡ። ድሕሪ ምምራቝ፡ ሰበስልጣን እስራኤል ንፖለቲካዊ መርገጺታቱ ኣሳቢቦም ክሳብ ዝሰጕዎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ቓዛን ከሃን ዩኒስን ሰሪሑ።

ዛሃር ሓደ ካብቶም ፍሉጣት መራሕቲ ሓማስ ኰይኑ፡ ከምኡ’ውን ኣባል ፖለቲካዊ መሪሕነት ናይቲ ምንቅስቓስ እዩ።

ማሕሙድ ዛሃር ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ምምስራት ምንቅስቓስ ሓማስ ኣብ 1988፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ተኣሲሩ።

ሓደ ካብቶም ኣብ 1992 ብእስራኤል ናብ ማርጅ ኣ’ዙሁር ዝተሰጎጉ ፖለቲከኛታት ኰይኑ፡ ኣብኡ ሓደ ዓመት ኣሕሊፉ።

ሓማስ፡ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበሉ ኣብ 2005 ዝተኻየደ ባይቶኣዊ ምርጫ፡ ዛሃር ኣብቲ ብቐዳማይ ሚኒስተር እስማዒል ሃኒያ ዝቘመ መንግስቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኰይኑ ተመዚዙ።

እቲ መንግስቲ ሓማስ ግን፡ በቲ ናብ ምክፍፋል ፍልስጤማውያን ዝመርሐ ውሳነ፡ ፕረዚደንት ማሕሙድ ዓባስ ከም ዝተነጽገ ይዝከር ።

እስራኤል፡ ንዛሃር ክትቀትሎ ፈቲና ነይራ እያ።

ሓደ ካብኡ ኣብ 2003፡ ኤፍ-16 ዝዓይነታ ነፋሪት ኲናት ኣብ ከተማ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ሪማል ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ዝርከብ መንበሪ ገዛኡ፡ ፍርቂ ቶን ዝምዘን ቦምባ ኣውዲቓ።

በቲ መጥቃዕቲ ካብ ሞት ኣምሊጡ ቀሊል መጉዳእቲ’ኳ እንተወረዶ፡ ቦኽሪ ወዱ - ኻልድ - ግን ተቐቲሉ።

ካልኣይ ወዱ ሑሳም ኣባል ብርጌድ ኣልቐሳም ኰይኑ፡ ሓደ ካብቶም እስራኤል ብ15 ጥሪ 2008 ኣብ ምብራቕ ቓዛ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ 18 ሰባት እዩ።

ማሕሙድ ዛሃር፡ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ዘሕተመ ኰይኑ፡ ካብኣተን "ጸገም እዋናዊ ሕብረተሰብና... ቍርኣናዊ መጽናዕቲ"፡ "ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ቦታ የለን" ዝብል ምላሽ ንመጽሓፍ ቤንያሚን ናታንያሁ፡ ከምኡ'ውን ልብ-ወለድ "ኣብቲ ጽርግያ" ዝብላ ይጥቀሳ።