ትራምፕ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምላሱ ኣብ ዩክረይን ዝዋግኣ ዘለዋ ሩስያን ኣመሪካን እንታይ ክኸስባ ይደልያ?

ሩስያ፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን እትፍጽሞ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣሐይላቶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሩስያ፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን እትፍጽሞ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣሐይላቶ

ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ምምሕዳር ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ሩስያን ኣብ ልዕሊ ውጽኢት ኲናት ዩክረይን ጸብለልታ ከሕድር ዝኽእል ዝተፈላለየ ግን ክኣ ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎ ስጕምቲታት ወሲዶም ኣለው።

ሓድሽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኰይኑ ዝተመርጸ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ስልጣን ክርከብ’ዩ።

ትራምፕ ነቲ ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ደው ከብሎ’የ ዝብል መደብ ከም ዘለዎ ክዛረብ ጸኒሑ ኣሎ።

እዚ ቅድሚ ምዃኑ ግን፡ ሞስኮ ናይዚ ኲናት ጸብለልትኣ ከተበርኽን ባይደን'ውን ብወገኑ ጸብለልታ ዩክረይን ንምብራኽ ሓለፋታት ክገብር ጀሚሩ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን፡ ባይደን ዩክረይን ንፈለማ እዋን ናይ ነዊሕ ርሕቀት ‘ኣታክምስ’ ሚሳይላት ኣብ ውሽጢ መሬት ሩስያ ክትትኵስ ኣፍቂዱላ።

ዩክረይን ኣብ ምብራቕ ዝርከብ መሬታ ንምሓዝ ኣብ እትዋግኣሉ ዘላ እዋን፡ ባይደን ከም ኣካል ናይቲ ኣስታት 300 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ሓድሽ ወተሃደራዊ ሓገዝ፡ ንዩክረይን ጸረ-ሰብ ነተጕቲ ሂብዋ'ሎ።

ባይደን ነዚ ለውጢ ክገብር ዝደረኾ ነገር እንተሃልዩ፡ ኣመሪካ ከም “ሰፊሕ ምዕባለ” ትርእዮ ምውፋር ኣሽሓት ሰራዊት ሰሜን ኮርያውያን’ዩ ዝመስል።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብ ፖሊሲ ኣጠቓቕማ ኒዩክለራዊ ዘለዋ ዶክትሪን (ሰረተ-እምነት) ለውጢ ክግበር ድሕሪ ምእዛዙ ነቲ ወጥሪ ዝያዳ ኣጕሃሂሩዎ ኣሎ።

እዚ ድማ ኣብ ዓውደ ውግእ ንዝፍጠር ስዕረት ብኣድማዕነት ዝኣሊ ስትራተጂ ምዃኑ ሞስኮ ትገልጽ።

ሓደ ወሃቢ ርእይቶ ሩስያ፡ ፑቲን ነቲ ህሉው ኩነታት ኣብ ዩክረይን ላዕለዋይ ኢድ ከም ዘለዎ ክስምዖ ዝገብር እዩ ይብል።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ሩስያ ዳርጋ ኣብ ውሽጢ ኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ንፈለማ እዋን ክብሃል ዝኽእል ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝዓበየ መጥቃዕቲ ኣየር ኣካይዳ።

ትማሊ ረቡዕ ዳግማይ መጥቃዕቲ ክፍጸም’ዩ ዝብል ስግኣታት ስለ ዝነበረ፡ ሓያሎ ኤምባሲታት ሃገራት ምዕራብ ተዓጽዮም።

ኣብ ዩክረይን ሓላፊ ሓድሽ መርበብ መጽናዕቲ ጂኦ-ፖለቲካ ማይካይሎ ሳሙስ “ኩሉ ዝተኣሳሰር’ዩ” ይብል።

ንሱ፡ ሩስያ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ስልጣን ምርኽኻብ ቅድሚ ምፍጻሙ መጥቃዕቲ ክትፍጽምን በዚ ድማ ስነ-ኣእምሮኣዊ መልእኽቲ ክትሰድድን ንሰሙናት ኣማኢት ሚሳይላት ክትእክብ ጸኒሓ እያ ይብል።

ርእሰ ከተማ ዩክረይን ኪቭ ትማሊ ካብ መጥቃዕቲ ተሪፋ ክትኸውን ትኽእል’ያ፤ ግን ድማ ሩስያ እትደልዮ መልእኽቲ ኣሕሊፋ’ያ።

“ኵሉ ነገር ምስ ትራምፕ ንዝግበር ዝርርብ ድልዱል መርገጺ ሒዝካ ንምጽናሕ ዝግበር ዘሎ ምዕባለ’ዩ፤ እዚ ድማ ሩስያ ዝዀነ ሕድገታት ከም ዘይትገብር ንምግንዛብን ኵሉ ኣብ [ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር] ዘለንስኪ ከም ዝምርኰስን’ዩ”።

በዚ ሓሳብ እትሰማማዕ ኣብ ክፍሊ መጽናዕቲ ኲናት ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን ክኢላ ዝዀነት ጄድ ማክግሊን፡ ሩስያ፡ ትራምፕ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጽኡ ኣብቲ ኲናት ላዕለዋይነት ኣረጋጊጻ ክትጸንሕ ልዑል ጻዕሪ ትገብር ምህላዋ ርዱእ’ዩ ትብል።

ምስ ፑቲን ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ይኽእል’ዩ ዝብል ግምት ከም ዘይብላ ብምግላጽ ዕላምኡ ንደቡባዊ ምዕራብ ጐረቤት ሩስያ ጨፍሊቕካ ምሓዝ ምዃኑ’ያ ትዛረብ።

ዩክረይን ብሰሉስ ሩስያ ኣብ ልዕሊኣ ዝፈጸመቶ ወራር 1000 መዓልታት ዘኪራ።

ትራምፕ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምላሱ: ሩስያን ኣመሪካን ካብ ኲናት ዩክረይን እንታይ ክኸስባ ይደልያ?

ኣብ ሞስኮ ዘሎ ስሚዒት ዩክረይን ኣብ ኢዳ ክትኣቱ ናይ ግዜ ሕቶ ጥራይ’ዩ ዝመስል ትብል ተመራማሪት ታቲያና ስታኖቫያ።

ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ግን ፑቲን ካልኦት ኣማራጺታት ኣብ ግምት ከእቱ ክግደድ እዩ ኢላ።

“ሕጂ፡ ኣብዚ ኵነታት ኣብ ሓላፍነት ዘሎ ትራምፕ ምዃኑ ክቕበል ክግደድ’ዩ፤ ፑቲን ነዚ ኲናት እንተኣጋዲዱዎ፡ ስምምዕ ሰላም ንምግባር ዝህሉ ዕድላት ከጋድዶ ይኽእል፤ ዝያዳ ተዓጻጻፊ ክኸውን ኣለዎ፣ ንዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ዝያዳ ክፉት ክኸውን ኣለዎ”።

ምምሕዳር ባይደን ንዩክረይን ተተኮስቲ፣ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ከምኡ’ውን ጸረ-ሰብ ነተጕቲ ዘጠቓልል ሓድሽ ወተሃደራዊ ሓገዝ ክህባ ወግዓዊ ከም ዝገበረ ይፍለጥ።

ባይደን፡ ኪቭ እቲ ‘ኣታክምስ’ ዝተባህለ ነዊሕ ርሕቐት ዘጥቅዕ ሚሳይል ናብ መሬት ሩስያ ክትትኵስ ክትጅምር ምፍቃዱ ዝወሰዶ ውሳነ፡ ንኪቭ ንምሕጋዝ ዝዓለመ ምዃኑ ርዱእ’ዩ።

ትራምፕ ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ርኢይቶ’ኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ገይሩ ዝመዘዞ ማይክ ዋልትዝ ግን እዚ እቲ ኵነታት ክጋደድ ዝገብር ካልእ ስጕምቲ’ዩ ብምባል “ናበይ ከም ዘምርሕ ዝፈልጥ ሰብ ግን የለን” ክብል ተዛሪቡ።

ዶናልድ ትራምፕ ጁንየር፡ ባይደን “ሳልሳይ ኲናት ዓለም” ከምጽእ’ዩ ዝጽዕር ዘሎ ክብል ነቒፉዎ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጕዳይ ወጻኢ ማቲው ሚለር፡ “ሕጂ ኣብ ስልጣን ሓደ ፕረዚደንት ኣሎ፤ ቀጻሊ ፕረዚደንት ስልጣን ክሕዝ እንከሎ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ውሳነታት ክወስድ ይኽእል'ዩ” ክብል ተዛሪቡ።

ገለ ሪፓብሊካን ንስጕምቲ ባይደን ደጊፎሞ’ዮም።

ኣመሪካ ዩክረይን ኣብቲ ኲናት ክትጥቀመሉ ዘፍቀደትላ ሚሳይል ኣታስም 300 ኪሎ ሜትሮ ክሃርም ይኽእል

ምንጪ ስእሊ, South Korean Défense Ministry via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣመሪካ ዩክረይን ኣብቲ ኲናት ክትጥቀመሉ ዘፍቀደትላ ሚሳይል ኣታስም 300 ኪሎ ሜትሮ ክሃርም ይኽእል

ግብረ መልሲ ሩስያ ትርጕም ዘይብሉ ስግኣት ክኸውንን ዘይክኸውን ይኽእል እዩ።

ሞስኮ ብመሰረት እቲ ምምሕያሽ ዝገበረትሉ ፖሊሲ ኒዩክሌር፡ ሕጂ ኣንጻር እተን ብኒዩክለራዊ ሓይልታት ዝድገፋ ኒዩክለር ዘይውንና ሃገራት ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ክትጥቀም ትኽእል እያ።

እዚ፡ ብሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣየር ዝተዓጀበ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣባል ባይቶ ኣህጉራዊ ጉዳያት ሩስያ ኣሌክሳንደር የርማኮቭ፡ እቲ ለውጢ ክሳብ ክንድ’ዚ ንኣጠቓቕማ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ዝምልከት ስርሒታዊ መምርሒ ዘይኰነስ፡ “ብቐንዱ ኣንጻራ ክዀና ንዝኽእላ መልእኽቲ ምስዳድ ኰይኑ፡ ከምዚ ዓይነት ስጕምትታት ክሕሰበሉ ዝኽእል ኣጋጣሚታት ክህሉ ከም ዝኽእል ዘርኢ’ዩ” ይብል።

እዚ፡ ፑቲን ናብ ምዕራባውያን ዝሰደዶ ካልእ መልእኽቲ’ዩ።

ታቲያና ስታኖቫያ፡ ፑቲን ሳልሳይ ኲናት ዓለም ክጅምር ስለ ዝደለየ ዘይኰነስ፡ “ፖለቲከኛታት ምዕራብ ብሓዊ ይጻወቱ ከም ዘለዉ ንምርኣይ ከፈራርሖም ኣለኒ” ኢሉ ስለ ዝኣምን'ዩ ዝብል እምነት ኣለዋ።

ድሕሪ ወርሒ ጥሪ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ምግማት ኣጸጋሚ’ዩ።

ኣብ ክረምሊን ዘለው ሰባት ግን፡ ድሮ ብዛዕባ ትራምፕ ነቲ ኲናት ንምቁራጽ ኣብ ዝወስድዎ ስጕምቲ ክህልዎም ዝኽእል ጠለባት ክዘራረቡ ጀሚሮም ኣለው።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ’ውን መርገጺኡ ንጹር ክገብር ጀሚሩ ኣሎ።

ዋሽንግተን ወተሃደራዊ ሓገዝ እንተነክያ፡ ዩክረይን እንታይ’ያ ክትኸውን ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ዘለንስኪ፡ “እንተነክዮምዎ፡ ክንስዓር ኢና ዝብል ግምት ኣለኒ፤ ዝዀነ ዀይኑ ግን እናተዋጋእና ክንጸንሕ ኢና። ኣጽዋር ኣለና’ዩ፤ ንኽትዕወት ግን እኹል ኣይኰነን” ኢሉ።

ኣብዚ እዋን፡ ዩክረይን ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶን] ሕብረት ኤውሮጳን ክትጽንበር ድልየት ኣለዋ።

ፑቲን ግን ዩክረይን ካብ ዝዀነ ዝምድናታት ዘይሻራዊት ክትከውን ከም ዘለዋ ይገልጽ።

ማዕከን ዜና ሮይተርስ ንሰብ መዚ ሩስያ ብምጥቃስ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ፑቲን ብተዛማዲ ካብ ንእሽቶ ዝሓዞ መሬት ንምውጻእ ድልው ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ካብኡ ንላዕሊ ግን ሕድገታት ኣይገብርን ኢሉ።

ዘለንስኪ ብትማሊ ሰሉስ ዓሰረት ነጥብታት ዝሓዘ “ውጥን ጽንዓት” ናብ ባይቶ ኣቕሪቡ።

ሓደ መዓልቲ ፑቲን ዘይብላ ሩስያ ክትህሉ’ያ። ብኻልእ ኣዘራርባ ዩክረይን ናብ ካልእ ቦታ ኣይክትኸይድን።

ንዩክሬናውያን እታ መዓልቲ እቲኣ ምጽባይ ዓመታት ክወስድ ይኽእል እዩ ይብል ሚካይሎ ሳሙስ።

እንተዀነ፡ ንክሪሚያ ወይ ካልእ ኣብ ትሕቲ ጐበጣ ሩስያ ዝርከብ መሬት ክገድፉ ኣይሰማምዑን ኢሉ።

ዘለንስኪ ብዘይ ዝዀነ መብጽዓታት ተዅሲ ደው ንምባል ክፍርም ይኽእል’ዩ ኢሉ ይኣምን።

ብዙሓት ግን ከም ጥልመት ስለ ዝቘጽሩዎ ናብ ውሽጣዊ ጎንጺ ከምርሕ ይኽእል እዩ።

ኣብ ኪቭ ክኢላ ትካል ስትራተጂካዊ መጽናዕቲ ዝዀነ ማይኮላ ቢሊስኮቭ፡ ቅድሚ ዝዀነ ይኹን ዝርርብ ሩስያ ብምብራቕ ክትፍጽሞ እትኽእል መጥቃዕቲ ምክልኻል ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እዩ ይብል።

“ንዓና . . . ኣታክምስ፡ ጸረ-ሰብ ነተጕቲ ወይ ዝዀነ ይዅን ብምጥቃም ኣብ ከባቢና ክህሉ ዝኽእል ምዕባለታት [ሩስያ] ምግታእ ኣገዳሲ እዩ፤ ምኽንያቱ ሩስያውያን እንተተዓዊቶም ንጠለባት እቶም ውዕላት ክእዝዙ ክፍትኑ’ዮም”።

ጃድ ማክግሊን ብወገና፡ ትራምፕ ዝዀነ ዓይነት ነባሪ ስምምዕ ሰላም ክሃንጽ ከም ዝኽእል ዝኣምኑ ዩክሬናውያን ውሑዳት እዮም ኢላ።

“ኤውሮጳ ክትኣቱ ኣለዋ፤ [ነዚ] ስካንዲናቭያውያን፡ ግዝኣታት ባልቲክን ፖላንድን እኹላት ከም ዘይኰኑ ንፈልጥ ኢና” ኢላ።