ኲናት ዩክረይን፡ ኪቭ ፍሉይ ሚሳይላት ብሪጣንያ ናብ ውሽጢ ሩስያ ተኲሳ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዩክረይን ንፈለማ እዋን ካብ ብሪጣንያ ዝረኸበቶ 'ስቶርም ሻደው' ተባሂሉ ዝፍለጥ ምዕቡል ሚሳይል ናብ ውሽጢ ሩስያ ከምዝተኮሰት ቢቢሲ ክርዳእ ክኢሉ ኣሎ።
እቲ ነዊሕ-ርሕቀት ክውንጨፍ ዝኽእል ሚሳይላት፡ ክሳብ ኣስታት 250 ኪሜ ርሒቑ ዝርከብ ዒላማታት ክሃርም ዝኽእል'ዩ።
እቲ ምስ ናይ ድምጺ ዝዳረግ ቅልጣፈ ዘለዎ ሚሳይል ካብ ነፈርቲ ምስተወንጨፈ፡ ንዝዓጠቖ ዓረር ናብ ዝግባእ ዒላማት ክሃርም ዝገብር'ዩ።
ነፍሲ ወከፍ 'ስቶርም ሻደው" ሚሳይል ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዶላር ዝግመት ዋጋ ዘለዎ ኮይኑ፡ ንጸላኢ ንምድንጋርን ንምድኻምን ዝውዕል'ዩ። ብሪጣንያን ፈረንሳን ጥራይ'የን ነዚ ዓይነት ሚሳይል ንዩክረይን ሂበን ዘለዋ።
ኣመሪካ፡ እቲ ንኪቭ ዝሃበቶ ፍሉይ ባሊስቲክ ሚሳይላት ኣብ ውሽጢ ሩስያ ንዝርከቡ ዒላማታት ንምህራም ክትጥቀመሎም ድሕሪ ምፍቃዳ ከቢድ ወጥሪ ሰፊኑ ይርከብ። ሰራዊት ዩክረይን ነቲ ሚሳይላት ትማሊ ናብ ውሽጢ ሩስያ ከምዝተኮሶም ሞስኮ ገሊጻ ምንባራ ይዝከር።
ክረምሊን እቲ ስጉምቲ ነቲ ግጭት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዘዕርግ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሩስያ ግብረመልሲ ከምእትህበሉ ኣጠንቂቑ ነይሩ። ቭላድሚር ፑቲን ድሮ ንዝጸንሐ ሰረተ-እምነት ፖሊሲ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከምዝቐየሮ ኣሚቱ'ሎ።
ምስዚ ኣብ ዝተሓሓዝ ዜና፡ ኣመሪካ ብሰንኪ ስግኣት "መጥቃዕቲ ኣየር" ሩስያ ንግዚኡ ኣብ ኪቭ ዝርከብ ኤምባሲኣ ከምዝዓጸወት ድሕሪ ምግላጻ፡ ሓያለ ሃገራት ኣውሮጳ'ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዳ ጀሚረን ኣለዋ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስጳኛ ኣሰር ኣመሪካ ብምስዓብ ነቲ ክካየድ ዝኽእል "ዓቢ መጥቃዕቲ ኣየር" ብምስጋእ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ኤምባሲኣ ንግዚኡ ከምዝዓጸወት ኣፍሊጣ።
ኢጣልያን ግሪኽን'ውን፡ እንተወሓደ ንሎሚ ኤምባሲታተን ዓጽየን ከምዘለዋ ገሊጸን።
ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ብሪጣንያ ግን ከምዘይዕጾን፡ መንግስቲ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ክከታተሎ ምዃኑን ሰብመዚ ጉዳያት ወጻኢ ሓቢሮም።
ኣብ ኪቭ ከቃልሕ ዝወዓለ ናይ ተጠንቀቕ ደወላት ከምዘብቅዐ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እታ ርእሰከተማ ኣፍሊጡ'ሎ።
ፕረዚደንት ባይደን፡ ፍሉይ ባልስቲክ ሚሳይላት ነዊሕ ርሕቀት ኣመሪካ ንመጥቃዕቲ ግዝኣታት ሩስያ ከገልግል ንዩክረይን ፍቓድ ድሕሪ ምሃቡ፡ ከቢድ ወጥሪ ኣብ ዝተፈጥረሉ፡ እታ ሃገር ኣብ ኪቭ ዝርከብ ኤምባሲኣ ከዕጾ መምርሒ ሂባ።
ነዚ ኣመልኪቱ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ኣብ 20 ሕዳር ክፍጸም ዝኽእል መጥቃዕቲ ኣየር ፍሉይ ሓበሬታ ምስ ረኸበ” ኣብ ኪቭ ዝርከብ ኤምባሲኡ ክዓጽዎ ምዃኑ መግለጺ ኣውጺኡ።
ብተወሳኺ፡ “ካብ ግቡእ ጥንቃቐ ተበጊሱ እቲ ኤምባሲ ክዕጾ’ዩ፤ ኣባላት ኤምባሲ ድማ ኣብ ቦታኦም ክዕቆቡ መምርሒ ተዋሂብዎም ኣሎ” ክብል ሓቢሩ።
“መጠንቀቕታ ደወል መጥቃዕቲ ነፈርቲ እንተተሰሚዑ፡ ዜጋታት ኣመሪካ ብቕልጡፍ ክዕቆቡ ድሉዋት ክዀኑ ኤምባሲ ኣመሪካ ይመክር።”

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ ለይቲ፡ ክልቲአን ሩስያን ዩክረይን ሰፊሕ መጥቃዕትታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝፈጸማ ሓቢረን ኣለዋ፤ ብዛዕባ ዝወረደ ጉድኣት ግን ዛጊት ዝተፈልጠ የለን።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንዩክረይን ጸረ-ሰብ ነተጕቲ ንምሃብ ከምዝተሰማምዐ ሓደ በዓል ስልጣን ፔንታጐን ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እዚ ስጉምቲ’ዚ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ርኡይ ገስጋስ ክገብሩ ዝጸንሑ ወተሃደራት ሩስያ ንምግታእ ኣብ ዝግበር ዘሎ ፈተነ ኣብርክቶ ከምዝህልዎም ትጽቢት ይግበር።
እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ በዓል ስልጣን ኣመሪካ፡ ኣመሪካ ኣድማዒ ዝዀነ ጸረ-ሰብ ነተጕቲ ንዩክረይን ክትህብ ምዃና ብምግላጽ፡ እዚ ዓይነት ነተጕቲ ኣብ ቀረባ እዋን ክበጽሕ ምዃኑን ዋሽንግተን ኣብ መሬት ዩክረይን ኣብ መዓላኡ ክውዕል ትጽቢት ከምዘለዋን ኣነጺሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዩክረይን ነቲ ነተጕቲ ህዝቢ ብጻዕቂ ኣብ ኣብ ዘለዎ ከባቢታት ከይትጥቀመሉ ቃል ከምዝኣተወት እቲ በዓል ስልጣን ወሲኹ ገሊጹ።
እዚ ጸረ-ሰብ ነተጕቲ፡ ሓድሽ ተመራጺ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝመጽእ 20 ጥሪ ናብ ዋይት ሃውስ ቅድሚ ምምላሱ፡ እቲ ካብ ስልጣኑ ዝሰናበት ዘሎ ምምሕዳር ኣመሪካ ንጻዕሪ ኲናት ዩክረይን ንምድልዳል ኢሉ ካብ ዝወሰዶ ናይ መወዳእታ ስጕምቲ እዩ።
ኣመሪካ፡ ድሕሪ’ቲ ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝከፈተቶ ምሉእ ወራር ነተጕቲ ኣዋፊራ’ኳ እንተነበረት፡ ከምዚ ዓይነት ኣብ ሲቪል ሰባት ሓደጋ ዘስዕቡ ዝበሃሉ ውጕዛት ኣጽዋራት ግን ብሰንኪ ኣህጉራዊ ተቓውሞ ተገቲኣ ጸኒሓ።
እቲ በዓል ስልጣን ምክልኻል ኣመሪካ፡ ዩክረይን ንውሱን ግዜ ንጡፋት ኰይኖም ዝጸንሑ ነተጕቲ ጥራይ ክትጥቀም ቃል ከምዝኣተወት ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
እቶም ፍሉያት ነተጕቲ ኣመሪካ፡ ድሕሪ’ቲ ዝምላእ - ወይ ኣቐዲሙ ዝውሰን ግዜ፣ ካብ ኣርባዕተ ሰዓታት ክሳብ ክልተ ሰሙን - ዘይንጡፋት ስለዝዀኑ፡ ካብ ነተጕቲ ሩስያ ይፍለዩ። ብኤሌክትሪክ ስለዝሰርሑ ድማ ንኽፍንጀሩ ሓይሊ ባትሪ የድልዮም፤ ባትሪ ምስ ወድአ ግን ኣይፍንጀሩን እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመሪካ፡ ንዩክረይን ጸረ-ታንክ ቦምባታት ክትህባ ከምዝጸንሐት ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እዞም ሕጂ ብቕልጡፍ ዝለኣኹ ዘለዉ ጸረ-ሰብ ነተጕቲ ግን ነቲ ንኣመሪካን መሻርኽታን ኣሰኪፉ ዘሎ ገስጋስ ኣጋር ሓይልታት ሩስያ ኣብ ዩክረይን ንምድራት ብፍሉይ ዝዓለሙ እዮም።
ስርሓት ኣመሪካ ዝዀኑ ሚሳይላት ነዊሕ ርሕቀት (Atacms) ኣብ ውሽጢ ሩስያ ንዝርከቡ ዒላማታት ንኽሃርሙ፡ ምምሕዳር ባይደን ፍቓድ ድሕሪ ምሃቡ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ተፈሊጡ’ሎ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ መጥቃዕቲ ሰሉስ ንግሆ ምስ ዩክረይን ኣብ ዘዳውብ ዞባ ብራያንስክ ዒላማ ከምዝገበረ ገሊጹ።
ብተወሳኺ ሓሙሽተ ሚሳይላት ከምዝበርዓኑን ሓደ ጥራይ ዕንወት ከምዘውረደን እቲ መግለጺ ሩስያ የመልክት።
ሰበስልጣን ኣመሪካ ግን ሩስያ ካብ ኣስታት ሸሞንተ ብዩክረይን ዝተተኮሱ ሚሳይላት ክልተ ጥራይ ከምዝበርዓኑን ዘመላኽት ሓበሬታ ከምዘለዎም ይገልጹ።
ቢቢሲ ነዚ ተጋራጫዊ ኣሃዛት ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ፡ ኣመሪካ ነቲ ግጭት ከተጓሃህሮ ትፍትን ኣላ ክብል ከሲሱ።
መንግስቲ ሩስያ ድማ መሪር ሕነ ክፈዲ ምዃኑ ተመባጺዑ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







