ሩስያ፡ ኣብ ኑክሌራዊ ፖሊሲኣ ዝገበረቶ ለውጢ እንታይ'ዩ?

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዩክረይን ነቲ ከዘራርብ ዝጸንሐ ነዊሕ ርሕቀት ክውንጨፍ ዝኽእል ዘመናዊ ሚሳይላት ናብ ግዝኣት ሩስያ ከም ዝተኰሰት ሚኒስትሪ ምክልኻል'ታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ብወገን ሞስኮ ዝወጽአ መግለጺ፡ ሓሙሽተ ሚሳይላት ብጸረ-ሚሳይል ተሃሪሙ ከም ዝበርዓነ፡ ሓደ ድማ ተሃሪሙ ከምዝዓነወን፡ ፍንጭልጫሉ ኣብ ሓደ ወተሃደራዊ መዓስከር ዓሊቡ ባርዕ ከም ዘስዓበን ገሊፁ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብ ፖሊሲ ኣጠቓቕማ ኒዩክለራዊ ዘለዋ ዶክትሪን (ሰረተ-እምነት) ለውጢ ክግበር ኣዚዙ ከም ዘሎ ፀብፃባት ይሕብሩ።

እታ ሃገር ንኒኩለራዊ ኣፅዋራታ ክትጥቀመሎም እትሓስበሉ ሓድሽ ውሳነ ከምዘፍለጠ እዩ ዝግለፅ።

ብመሰረት እቲ ሓድሽ ስትራተጂካዊ ፖሊሲ፡ ሓንቲ ኑክሌር- ዘይተዓጥቀት ሃገር ብኻልእ ኑክሌራዊ ሓይሊ ተደጊፋ ንእትፍጽሞ መጥቃዕቲ፡ ከም ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተፈጸመ ሓባራዊ መጥቃዕቲ ተገይሩ'ዩ ክውሰድ።

ዋሽንግተን፡ ኪቭ ነቲ ዘዘራርብ ዘሎ ሓድሽ ኣጽዋር ሚሳይል ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ሩስያ ንዝርከቡ ዒላማታት ንምህራም ከይትጥቀመሎም ከልኪላ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ጆ ባይደን ትማሊ ነቲ እገዳ ኣልዒሉዋ ተባሂሉ።

እንተዀነ፡ እዚ ዓለም ዘዘራርብ ዘሎን፡ ነቲ ኲናት ከየጋድዶ ዝተስገአን ውሳነ፡ ብዝምልከት ካብ መንግስቲ ኣመሪካ ዀነ ካብ መንግስቲ ዩክረይን ዝተውሃበ ዕላዊ መግለፂ የለን።

እንተዀነ፡ ሓደ ካብቶም ዝተሃርሙ ሚሳይላት ፍንጫላት ዘስዓቦ ባርዕ ቀልጢፉ ከምዝጠፍአን ዝሞተ ሰብ ከምዘየለን ወሲኹ ሓቢሩ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ ዩክረይን፡ ኣቐዲሙ ኣብ ዞባ ብራያንስክ (ሩስያ) ኣብ ዝርከብ መኽዘን ተተኮስቲ ከምዝሃረመ ኣረጋጊጹ’ኳ እንተነበረ፡ ነዞም ሚሳይላት [ኣታክምስ] ኣብ ጥቕሚ ከምዘውዓለ ግን ኣይተነፀረን።

እቲ መጥቃዕቲ፡ ካብ ዶብ ከባቢ 100 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ጥቓ ከተማ ካራቾቭ ኣብ ዝርከብ 'ዲፖ'፡ 12 ፍንጀራታት ከምዘስዓበ’ውን ተሓቢሩ።

ሰበስልጣን ዩክረይንን ኣመሪካን፡ ኣብቲ ዞባ ገለ ጸረ-መጥቃዕቲ ሩስያ ክሕይል ከምዝኽእል ትጽቢት ከምዘለዎም ይገልጹ።

ኑክሌራዊ ሚሳይል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ግን ኣብቲ ሎሚ ዘውፀኦ መግለፂ፡ ዩክረይን ነቲ ካብ ኣመሪካ ዝቐረበላ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ባሊስቲክ ሚሳየላት ናብ ሩስያ ትትኩስ ምህላዋ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ክረምሊን፡ ነዚ ውሳነ፡ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ከምዝወሃቦ ኣጠንቂቑ ነይሩ'ዩ።

ዩክረይን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብቲ ብሩስያ ዝተጐብጠ ከባቢታት ግዝኣታ ነቲ ‘ኣታክምስ’ ተባሂሉ ዝጽዋእ ኣጽዋር ክትጥቀም ጸኒሓ እያ።

እቶም ሚሳይላት ክሳብ 300 ኪ.ሜ ርሕቀት ዘለዎም ዒላማታት ክሃርሙ ዝኽእሉ ኮይኖም፡ ንምዕጋቶም ኣጸጋሚ እዮም።

እዚ ስጉምቲ፡ ነቲ ግጭት ናብ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ደዀን ይመርሖ ዝብል ስግኣታት ዝፈጠረ ዀይኑ፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ እቲ መጥቃዕቲ ሰዓት 03፡25 (00፡25 GMT) ከም ዝተጀመረ ሓቢሩ ኣሎ።