ዩክረይን፡ ግዝኣት ሩስያ ንምጥቃዕ ሚሳይላት ኣመሪካ ክትጥቀም ባይደን ኣፍቂዱ

እቲ ብኣሜሪካ ዝተፈቐደ ሚሳይል ኣስታት 300 ኪሎ ሜትር ክውንጨፍ ዝኽእል እዩ

ምንጪ ስእሊ, White Sands Missile Range

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ዩክረይን ብኣመሪካ ዝተወሃባ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይላት ተጠቒማ ንሩስያ ክትሃርም ኣፍቂዱ።

ሓደ በዓል ስልጣን ኣመሪካ እቲ ስጕምቲ፡ ዓቢ ለውጢ ፖሊሲ ኣመሪካ ምዃኑ ንሲቢኤስ ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሚሳይላት ዝነበረ እገዳታት ተላዒሉ ኪቭ ካብ ዶባታ ወጻኢ ክትሃርም ዘኽእላ መገዲ ክፍጠር ክጽውዕ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ዝወጽእ ዘሎ ጸብጻባት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "ከምዚ ዓይነት ነገራት ብወግዒ ኣይግለጽን፤ እቶም ሚሳይላት ባዕሎም ክዛረቡ'ዮም" ኢሉ።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣቐዲሙ ምዕራባውያን ሃገራት ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ንከይወስዳ ኣጠንቂቑ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ እዚ ስጕምቲ እዚ ንወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ "ቀጥታዊ ተሳትፎ" ኣብ ኲናት ዩክረይን ዝውክል እዩ ምባሉ ይዝከር።

ሕጂ እቲ ፕረዚደንት ዝሃቦ ርእይቶ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ላዕለዎት ፖለቲከኛታት ክረምሊን ግን ውሳነ ባይደን ነቲ ኲናት ክጋደድ ምፍቃድ እዩ ኢሎም።

ምምሕዳር ባይደን ንዩክረይን፡ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝተቘጻጸረቶ ንእሽቶ ክፋል መሬት ሩስያ ሒዛ ንኽትቅጽል ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ከም ዝድግፍ እዩ ዝገልጽ ዘሎ።

እዚ ድማ ዩክረይን ኣብ መጻኢ ንዝግበር ዝዀነ ይዅን ድርድር ሓይሊ ክህባ እዩ።

ኣቦ መንበር ኣብ ኪቭ ዝመደበሩ ማእከል ጸጥታን ምትሕብባርን ዩክረይን ሰርሂይ ኩዛን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ውሳነ ጆ ባይደን ንዩክረይን "ኣዝዩ ኣገዳሲ" ምዃኑ ገሊጹ።

“ኣብ ጠቕላላ እቲ ኲናት ዝቕይሮ ነገር ዘይክህሉ ይኽእል’ዩ። ንሓይልታትና ግን ተመጣጣኒ ሓይሊ ሚዛን ክህልዎም ዘኽእል’ዩ ዝመስለኒ” ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ዩክረይን ክትጥቀመሉ ዝተፈቐደላ ‘ATACMS’ ዝተባህለ ሚሳይል ክሳብ 300 ኪሎ ሜትር ክውንጨፍ ይኽእል።

ስሞም ዘይተጠቕሰ ሰበስልጣን ኣመሪካ ንጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስን ዋሽንግተን ፖስትን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ባይደን ዩክረይን ንኤታሲኤምኤስ ክትጥቀመሉ ምጽዳቑ፡ ሩስያ ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ኣብ ዩክረይን ክዋግኡ ክትፈቅድ ዝወሰደቶ ውሳነ ምላሽ ንምሃብ ምዃኑ ገሊጾም።

ኩዛን ቅድሚ እቲ ትማሊ ሰንበት ዝተዋህበ ውሳነ ባይደን፡ ሓይልታት ዩክረይን ካብ ዞባ ኩርስክ ሩስያ ንምስጓግ ትጽቢት ዝተገበረሉ መጥቃዕቲ ወተሃደራት ሩስያን ኮርያን ከም ዝዀነ ገሊጹ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ውሽጢ መዓልታት ክጅመር ትጽቢት ተገይርሉ ዝነበረ እዩ። ዩክረይን ኣቐዲማ ኣብ ኩርስክ 11 ሽሕ ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ከም ዘለዉ ገሚታ ነይራ።

ውሳነ ፕረዚደንት ባይደን፡ ብሪጣንያን ፈረንሳን ንዩክረይን ኣብ ውሽጢ ሩስያ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይላት ክትጥቀም ፍቓድ ክህባ’ውን ዘኽእለን’ዩ።

ዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን ንውሳነ ባይደን ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይሃባሉን ዘለዋ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ዩክረይን ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ንዝርከቡ ዒላማታት ሩስያ ንምውቃዕ ንመጀመርታ ግዜ ብኣመሪካ ዝተወሃባ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይላት ከም ዝተጠቕመት ፕረዚደንት ዘለንስኪ ኣረጋጊጹ’ዩ።

ዩክረይን ንኣዋርሕ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ዶነስክ ቀስ ብቐስ ናብታ ቀንዲ ከተማ ፖክሮቭስክ ገጾም ክግስግሱ ዝጸንሑ ወተሃደራት ሩስያ ንድሕሪት ንምድፋእ ክትዋጋእ ጸኒሓ።

ሞስኮ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን እትገብሮ ዘላ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ እውን ብዓቢኡ ኣዕብያቶ ኣላ። ኣብ ጥቅምቲ ጥራይ ልዕሊ ክልተ ሽሕ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዘካየደት ዝተገለጸ ኰይኑ እዚ ድማ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ክብረወሰን ዝሓዘ ቁጽሪ’ዩ።

መራሕቲ ዩክረይንን ኣሜሪካን

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሩስያ ብቐዳም ሰንበት ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ተባሂሉ ዝግለጽ መጥቃዕቲ ብምክያዳ ብውሕዱ 10 ሰባት ሞይቶም። ኣስታት 120 ሚሳይላትን 90 ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ከም ዝተወንጨፉ ዘለንስኪ ሓቢሩ።

እቲ መጥቃዕቲ ትማሊ ሰንበት ምሸት’ውን ዝቐጸለ ኰይኑ ሰበስልጣን ዞባ ሱሚ ሚሳይል ኣብ ሓደ መንበሪ ህንጻ ድሕሪ ምውቅዑ ክልተ ህጻናት ዝርከብዎም ካልኦት ሸሞንተ ከምዝተቐትሉ ሓቢሮም።

ኣብ ከባቢ ዶብ እትርከብ ምምሕዳር ሩስያ ዝዀነት ብራያንስክ ዝርከቡ ሰበስልጣን ሩስያ ትማሊ ሰንበት ምሸት መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዩክረይን ከምዘጋጠመ'ኳ እንተገለጹ፡ ሓይልታት ምክልኻል ሩስያ 26 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዩክረይን ከም ዘውደቑ ገሊጾም።

ዩክረይን ካብ መሻርኽታ ንነብሳ ብግቡእ ክትከላኸል ዘኽእላ እኹል ደገፍ ትረክብ ከም ዘየላ ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓ እያ።

ኣብ ጥሪ ካብ ዋይት ሃውስ ዝለቅቕ ጆ ባይደን፡ ዩክረይን ዝያዳ ሓገዝ ንኽትረክብ ክጽዕር ጸኒሑ'ዩ።

መበል 47 ፕረዚደንት ኣመሪካ ኰይኑ ዝተመረጸ ዶናልድ ትራምፕ ንዩክረይይን ዝወሃብ ተወሳኺ ደገፍ ከዝሕሎ ወይ ከቋርጾ ከምዝኽእል ስክፍታታት ኣሎ።

ንሱ እቲ ወተሃደራዊ ደገፍ ንጸጋታት ኣመሪካ ዝጐድእ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ደው ከብሎ ምዃኑ ተዛሪቡ። እንተዀነ ብኸመይ ደው ከብሎ ከም ዝኽእል ብዝርዝር ኣይጠቐሰን ዘሎ።

ኣመሪካ ንዩክረይን ዝዓበየት ኣቕራቢት ኣጽዋር ኰይና ጸኒሓ እያ።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ክሳብ መወዳእታ ሰነ 2024፡ 55.5 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኣጽዋርን መሳርሒታትን ከም ዘብጽሐት ወይ ክትልእኽ ቃል ከም ዝኣተወት፡ ኪየል ፎር ዎርልድ ኢኮኖሚ ኢንስቲትዩት ዝተባህለ ትካል ምርምር ጀርመን ይሕብር።