ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ካብ ኲናት ዩክረይን እንታይ ክመሃሩ ይኽእሉ?

ወተሃደር ሩስያ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት እናመርሐ

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሩስያን ዩክረይንን ኣብ ለካቲት 2022 ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር እቲ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ ነንሕድሕደን ኣካይደን እየን።

ዩክረይን ልዕሊ 80 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣንጻር ሩስያ ከምዘውፈረት ይንገር። ሩስያ ብግደኣ ኣብ መላእ ዩክረይን ኣብ ዝርከቡ ዒላማታት ልዕሊ 140 ድሮናት ከምዝለኣኸት ይግለጽ።

ድሮን ከም ኣጽዋር ኣጽዒቕካ ምጥቃም ሓደ ካብቲ ኣብዚ ውግእ ዝተርኣየ ሓድሽ ክስተት እዩ።

ድሮናት ምስ ኤሌክትሮናዊ ኣጽዋርን መዳፍዕን ክወሃሃዳ እንከለዋ ኣዝየን ውጽኢታውያን ኰይነን፡ ኣብ ዓውደ ውግእ ንሓይልታት ጸላኢ ኣብ ምስንጣቕ ዓቢይ ተኽእሎ ኣሎወን።

ድሮን፡ ኣብ ዓውደ ውግእ ኵሉ ዝርእያ ኣዒንቲ

ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ነቲ ኵናት ካልእ መልክዕ ኣትሒዝዎ

ድሮናት ቀንዲ መለለዪ ናይቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኰይነን ኣብ ኣገባብ ውግእ ብዕምቈት ይጸልዋ ከምዘለዋ ኣብ ስኮትላንድ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሴንት ኣንድሪውስ ፕሮፌሰር መጽናዕቲ ውግእ ፊሊፕስ ኦብራይን ገሊጹ።

“እቲ ዓውደ ውግእ ኣዝዩ ንጹር ክኸውን ኣኽኢልዎ’ዩ" ይብል።

ክትትል ዝገብራ ድሮናት ምንቅስቓስ ሰራዊት ወይ ንመጥቃዕቲ ዝግበር ምድላዋት ክዕዘባ ይኽእላ።

እዚ ቅደም ተኸተል ካብ ናይ ምርኣይ ዕላማ ክሳብ ምጥቃዕ ብወተሃደራዊ ኣገላልጻ "ሰንሰለታዊ ቅትለት" ተባሂሉ ይጽዋዕ፤ ብኣጠቓቕማ ድሮን ድማ ኣዝዩ ከምዝተቐላጠፈ ፕሮፌሰር ኦብራይን ይዛረብ።

"ኵሉ ነገር ኣብ ዓሚቝ ሽፋን እንተዘይኣትዩ ይርአ’ዩ። ስለዝዀነ ነዚኣተን ከይወቓዕካ ታንክታትን ካልእ ዕጥቅን ከተገስግስ ኣይትኽእልን ማለት'ዩ" ይብል።

ድሮናት፡ ጐድኒ ጐድኒ መዳፍዕ፡ ጸላኢ ንምውቃዕ ይጠቕማ ኣለዋ። ሓይልታት ዩክረይን ድሮን ጥራይ ተጠቒሞም ብታንክታት ዝተዓጀበ ገስጋስ ሓይልታት ሩስያ ክገትኡ ክኢሎም።

ኣብ ምጅማር እቲ ኲናት፡ ዩክረይን ነታ ብቱርኪ ዝተሰርሐት ቲቢ-2 ባይራክታር እትበሃል ቦምባታት ከተውድቕን ሚሳይላት ክትትኩስን እትኽእል ድሮን ተጠቒማ።

ይዅን እምበር ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ናብተን ዝሓሰራ "ካሚካዘ" ተባሂለን ዝጽውዓ ድሮን ይሰጋገሩ ኣለዉ።

ሩስያ ኣብ ዩክረይን ንዝርከቡ ወተሃደራውን ሲቪላውን ዒላማታት ንምውቃዕ ብኢራን ዝተሰርሐት [ሸሂድ-136] ዝኣመሰላ ብኣሽሓት ዝቝጸራ ካሚካዘ ክትጥቀም ጸኒሓ እያ።

መዳፍዕ ዝትኩሱ ወተሃደራት

መዳፍዕ፡ ሰራዊት 'ከም ማይ ዝጥቀምሉ' ኣጽዋር

መዳፍዕ ኣብ ኲናት ዩክረይን ኵሉ ዝጥቀመሉ ኣጽዋር ኰይኑ ኣሎ።

ብመሰረት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ትካል ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስ ኢንስቲትዩት (ሩሲ)፡ ሩስያ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 10 ሽሕ ቦምባታት ክትትኩስ እንከላ፡ ዩክረይን ድማ ካብ ክልተ ክሳዕ ሰለስተ ሽሕ ክትትኩስ ጸኒሓ።

መዳፍዕ ምንቅስቓስ ሰራዊት ጸላኢ ንምፍታሽ ኢሉ’ውን ማእከል ሎጂስትክስ ጸላኢ ንምውቃዕ እውን ከምዝጥቀምሉ ይግለጽ።

“ኣብ እዋን ኲናት፡ ተተኳሲ ዳርጋ ከም ማይ ኣገዳሲ እዩ” ይብል ወተሃደራዊ ክኢላ ቢቢሲ ኮሎኔል ፔትሮ ፒያታኮቭ።

ክልቲኦም ወገናት ካብ ወጻኢ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ቁምብላታት መዳፍዕ ተጠቒሞም እዮም። ሃገራት ኣመሪካን ኣውሮጳን ንዩክረይን ከቕርባኦ ጸኒሐን እየን። ሩስያ ድማ ካብ ሰሜን ኮርያ እያ እተእትዎም ዘላ።

ምዕራባውያን ሃገራት ንዩክረይን ዘድልያ ኵሉ ዓይነት ተተኳሲ ንምቕራብ ተቓሊሰን እየን። እዚ ድማ ኣብ ኢንዱስትሪታት ኣጽዋረን ጸገም ከምዘጋጠመ ኣጕሊሑ ከምዘሎ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ሲቢሊን ጃስቲን ክራምፕ ገሊጹ።

ዩክረይን ካብ ምዕራባውያን ዝቐርብ፡ ብሳተላይት ዝምራሕ ከም ኤክስካሊበር ዝኣመሰሉ ቦምባታት ክትትኩስ ዝጸንሐት ኰይና ሩስያ ድማ ክራስኖፖል ዝተበሃለ ቦምባ ትጥቀም።

ኣመሪካን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ንዩክረን ነዊሕ ርሕቀት ዝጓዓዙን ብሳተላይት ዝምርሑን ሚሳይላት ሂማርስ እውን ኣቕሪበን ኣለዋ።

እዚ ድማ ሓይልታት ዩክረይን ኣብ ድሕሪ ግንባር ዝርከቡ መኽዘናት ተተኮስትን ኮማንድ ፖስትን ሩስያ ከጥቅዑ ኣኽኢሎምዎም።

ዩክረይን ቦምባ ዝድርብያ ዋጋአን ዝሓሰራ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ትጥቀም

ግላይድ ቦምብ፡ ቀሊልን ኣዕናዊን መሳርሒ ኲናት

ካብ መጀመርታ 2023 ጀሚሩ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ዓውደ ውግእ ንዝርከቡ መደበራት ዩክረን ንምድብዳብ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንበሪ ቦታታትን ትሕተ ቅርጽን ሲቪላት ንምውቃዕን ኣሽሓት “ግላይድ ቦምብ” ተጠቒሞም።

ሩስያ ብዙሕ ቁጽሪ ግላይድ ቦምብ እያ እትጥቀም። ክብደቶም ካብ 200 ኪሎ ክሳብ 3000 ኪሎ ወይ ልዕሊኡ ይበጽሕ።

ኣብ ሩሲ ክኢላ ውግእ ኣየር ዝዀነ ፕሮፌሰር ጃስቲን ብሮንክ፡ “ግላይድ ቦምባታት ድፋዕ ኣብ ምስባርን ህንጻታት ኣብ ምዕናውን ውጽኢታውነቱ እናወሰኸ መጺኡ” ይብል።

ሩስያ ኣብ ዙርያ እታ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን እትርከብ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዘለዋ ከተማ ኣድቪቭካ ንዝነበረ ምክልኻል ዩክረይን ንምዕናው ብሰፊሑ ከምዝተጠቐመትሎም ወሲኹ ገሊጹ።

ግላይድ ቦምባታት ንምፍራይ ነፍሲ ወከፎም 20 ሽሕ ወይ 30 ሽሕ ዶላር ጥራይ ከምዝውድኡ ፕሮፌሰር ብሮንክ ይዛረብ። ካብ ዒላማኦም ብዓሰርተታት ኪሎ ሜተራት ርሒቘም ክውንጨፉ ዝኽእሉ ኰይኖም እንትርፎ ዝያዳ ብዝተራቐቐ ሚሳይላት ምክልኻል ኣየር ንምውዳቕ ኣጸጋሚ እዩ።

ዩክረይን ብተወሳኺ ብኣመሪካን ፈረንሳን ዝቐርቡላ ግላይድ ቦምባታት ኣብነት ከም ነዊሕ ርሕቀት ዝኸይድ ስታንዶፍ ትጥቀም።

ብተወሳኺ ኣብ ኣመሪካ ዝተሰርሑ ንኣሽቱ ዲያሜትር ቦምባታት ብምትእስሳር ናይ ገዛእ ርእሳ ቦምብ ዝፈጠረት ኰይና እዚ ቦምባ እዚ ኣስታት 200 ኪሎ ዝምዘን ነታጒ ዝሓዘ እዩ። ይዅን እምበር ካብ ሩስያ ዝወሓደ ግላይድ ቦምብ ኣለዋ።

ነፋሪት ውግእ ሩስያ 3ሽሕ ኪሎ ግራም ዝምዘን ግላይድ ቦምባትድርቢ
መግለጺ ስእሊ, ነፋሪት ውግእ ሩስያ 3ሽሕ ኪሎ ግራም ዝምዘን ግላይድ ቦምባ ትድርቢ

ኤሌክትሮናዊ መሳርሒ ውግእ፡ ክቡር ዝዋጋኡ ኣጽዋር ንምስንኻል ዝሕግዝ ሕሱር መሳርሒ

ኤሌክትሮኒያዊ መሳርሒታት ውግእ ኣብ ኲናት ሩስያን ዩክረይንን ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ብጽዑቕ ኣብ ተግባር ውዒሉ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓይሊ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት፡ ሓደ ናይቲ ካልእ ወገን ድሮንን ስርዓታት መራኸቢታትን ከሰናኽልን ንሚሳይላት ጸላኢ ካብ ዒላማኦም ወጻኢ ንምውዳቕን ይጽዕሩ።

ሓይልታት ሩስያ ከም ዚተል ዝኣመሰሉ ስርዓታት ኣለዎም፤ እዚ ድማ ንዅሉ ርክባት ሳተላይት፡ ርክባት ራድዮን ምልክታት ሞባይል ተሌፎንን ኣብ ልዕሊ 10 ኪ.ሜ ራድዩስ ከሰናኽል ይኽእል።

ነቲ ዝጥቀምሉ ማዕበል ራድዮ፡ ዓበይቲ ናህሪታት ኤሌክትሮ-ማግኔታዊ ጸዓት ብምፍናው ይብድሆ።

ኣብ ሓይልታት ሩስያ ኣሃዱ ሺፖቭኒክ-ኤሮ ክሳዕ10 ኪ.ሜ ርሒቓ ንዝነበረት ድሮን ከውርድዋ ይኽእሉ። እዚ ስርዓት እዚ፡ ኣቀማምጣ ፓይለታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ክፈልጥን ድሕሪኡ ነቶም ኣተሓባበርቲ ኣሃዱታት መዳፍዕ ሓበሬታ ብምልኣኽ ኣብ ልዕሊኦም ክተኩሱ ዝሕግዞም ሜላ እዩ።

ምዕራባውያን ሃገራት ኤሌክትሮናዊ ስርዓታት ውግእ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ንዝርከቡ ከም ሂማርስ ዝኣመሰሉ ዘመናውያን ሚሳይላት ክሳብ ክንደይ ብቐሊሉ ከምዘሰናኸሉ ምርኣዮም ሰንቢዶም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ኣብ ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን፡ ክፍሊ መጽናዕቲ ውግእ ዶክተር ማሪና ሚሮን ገሊጻ።

ኣብቲ ኮሌጅ ዝምህር ዳንከን ማክሮሪ፡ ኣብ ሃገራት ኔቶ ዝሰርሑ ወተሃደራዊ ሓለፍቲ፡ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ትጥቀመሉ ካብ ዘላ ኤሌክትሮናዊ መሳርሒ ኲናት ትምህርቲ ክወስዱ ኣለዎም ይብል።

ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምንቅስቓስ ጸላእቲ ሓይልታት ኣብ ምጥቋም ልዑል ግደ ኣለወን