መረጻ ኣመሪካ፡ ህላወ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ኣውሮጳ ከብቕዕ ተኽእሎ ኣሎ ድዩ?

ወተሃደራዊት መርከባ ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, MOD

ኣመሪካ ፎቘድኡ ተዋፍረን ነፈርቲ ዝስከማ ጭፍራ መራኽብ መርኣያ ወተሃደራዊ ሓይላን፡ ምልክት ንመሻርኽቲ ሃገራት ንምክልኻል ዘለዋ ድልየትን’የን።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት ነዘን መራኽብ ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ምንቅስቓሳ ከኣ ነተን መሻርኽታ ዝዀና ሃገራት ኣውሮጳ እፎእታ ዝህብ’ዩ።

ኣመሪካ ንሃገራት ኣውሮጳ ወተሃደራዊ ሓገዛት ክትገብረለን ካብ እትጅምር 75 ዓመታት ኣቁጺራ።

እንተዀነ ምስቲ ድሕሪ መዓልታት ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ተታሓሒዙ ክሳብ መዓስ ዝብል ሕቶ ክልዓል ጀሚሩ ኣሎ።

ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ግን ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ፖሎቲካ ኢዶም ከእትዉ ኣይመርጹን።

ገለ ጋዜጠኛታት ናብታ ብኣመሪካ እትውንን ነፈርቲ እትጽዕን መርከብ ዩኤስኤስ ሃሪ ኤስ ትሩማን ክበጽሑ ዕድል ረኺቦም ነይሮም።

ኣብታ መርከብ ካብ ዝነበረ ቀንዲ ዛዕባ ኸኣ ሕጂ'ኸ ኣመሪካ ንሃገራት ኣውሮጳ ምሕጋዝ ክትቅጽሎ ድያ ዝብል’ዩ ነይሩ።

ሪል ኣድሚራል ሲን በይሊ “ኣነ ሓንቲ ነገር ከረጋግጸልኩም ዝኽእል ንሕና ንመሻርኽትና ብጽኑዕ ኢና ንውፈ፤ ንኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ከኣ ከምኡ ውፉያት ኢና” ኢሉ።

እንተዀነ ንፖሊሲ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ዝውስኖን ዝሕንጽጾን ሪል ኣድሚራል ሲን በይሊ ኣይኰነን።

ሚኒስተር ምክልኻል ጀርመን ቦሪስ ፒስተሮስ ግን ለውጢ ክመጽእ ከም ዝኽእል ምልክታት ከም ዘሎ ይዛረብ።

እቲ ሚኒስተር ምስ መረጻ ኣመሪካ ተታሓሒዙ ኣብ መንጐ ምትሕግጋዝ ኣመሪካን ኣውሮጳን ለውጢ ከመጽእ ከም ዝኽእል ብምሕባር “ኣመሪካ ንኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ እትህቦ ሓገዝ ቁሩብ ከተጉድሎ’ያ ወይ ኣዝያ ከተጉድሎ’ያ” ኢሉ።

እቲ ሚኒስተር መን እንተተመሪጹ ዝያዳ ንኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ሓገዝ ምብርካት ከም ዝንኪ’ኳ እንተዘይገለጸ፡ ዶናልድ ትራምፕ ብተደጋጋሚ ኣመሪካ ኣብ ዘየድልያ ብዙሕ ወጻኢታት ትገብር ኣላ ኢሉ ክዛረብ ስለ ዝጸንሐ፡ ትራምፕ እንተተመሪጹ ንኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ዝህቦ ሓገዛት ክንክዮ ከም ዝኽእል ይግመት።

እታ ዩኤስኤስ ሃሪ ኤስ ትሩማን ሽማ ገዛፍ መርከብ ኣመሪካ፡ ብሽም እቲ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ንኽምስረት ቅድሚ 75 ዓመታት ብዙሕ ዝሰርሐ መበል 33 ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር’ያ ትጽዋዕ።

ዶናልድ ትራምፕ ካብ 2016 ክሳብ 2020 ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ዝነበረሉ ንኔቶ [ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ] ዝውሃብ ሓገዛት ገደብ ክግበረሎ ይሓትት ነይሩ’ዩ።

መበል 33 ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበረት ትሩማን ኔቶን ዲሞክራስያውያን ሃገራትን ወተሃደራዊ፡ ቁጠባውን ፖሎቲካውን ሓገዝ ምብርካት ዝብል ሰረተ እምነት’ዩ ነይርዎ።

ትራምፕ ግን ‘ቀዳማነት ኣመሪካ’ ዝብል ፖሊሲ’ዩ ዝኽተል።

ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት ትራምፕ ሩስያ “ነተን ኣብ ምክልኻል እኹል ወጻኢታት ዘይገብራ መሻርኽትና ድላያ ትግበረን ዘገድሰና ኣይኰነን” ኢሉ ነይሩ።

ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዶናልድ ትራምፕ

ኣመሪካ ካብ ኣውሮጳ ምስ እትወጽእ ዓቢ ሃጓፍ ክፍጠር ከም ዝኽእል’ዩ ዝግለጽ።

ኣብታ ዩኤስኤስ ሃሪ ኤስ ትሩማን ጥራይ ከም ኣብነት እንተወሲድና ኣስታት 5000 ዝዀኑ ኣመሪካውያን ባሕረኛታትን ልዕሊ 60 ነፈርትን ሒዛ’ያ ኣብ ማያት ኣውሮጳ ትንቀሳቐስ።

ኤችኤምኤስ ፕሪንስ ዌልስ ዝተባህለት ዓባይ ወተሃደራዊት መርከብ እንግሊዝ’ውን ዓቕሚ ኣውሮጳ እተርኢ ኣዝያ ገዛፍ መርከብ’ያ።

እታ መርከብ ገለ ውሑዳት ሄሎኮፕተራትን ሸሞንት ኤፍ 35 ዝዓይነተን ናይ ውግእ ነፈርትን ሒዛ ኣብ ማያዊ ኣካል ኣውሮጳ ክትንቀሳቐስ ወትሩ’ያ ትርአ።

ብሓፈሻ ኣመሪካ ኣብ ኣውሮጳ ልዕሊ 100 ሽሕ ወተሃደራት’ያ ኣዋፊራ ዘላ።

ኣብ ዝሓለፈ ዘበነ ስልጣኑ ትራምፕ ካብቶም ኣብ ኣውሮጳ ተዋፊሮም ዘለዉ ሰራዊት ኣመሪካ ንገሊኦም ክስሕቦም ምዃኑ ይሕብር ነይሩ’ዩ።

ሕጂ እተተመሪጹ’ውን ብተመሳሳሊ ነቶም ኣብ ኣውሮጳ ተዋፊሮም ዘለዉ ሰራዊት ኣመሪካ ናይ ምምላስ ስጉምቲ ክወስድ ከም ዝኽእል ይግመት።

ብዙሓት ኣውሮጳ ኣብ ምክልኻል ነብሳ ክትክእል ከም ዘለዋ’ዮም ዝዛረቡ።

ሓደ ካብኦም ኣብ እዋን ስልጣን ትራምፕ ኣብ ፔንታጎን ሓደ ካብ ላዕለዎት ሹመኛታት ዝነበረ ኢልብሪጅ ኮልቢ’ዩ።

ኮልቢ “ኣመሪካ ኣብ ኣውሮጳ ዘለዉ ወተሃደራታ ስሒባ ነቲ ካብ ቻይና ክመጽኣ ዝኽእል ስግኣታት’ያ ከተተኵር ዘለዋ” ይብል።

ብዘይካ እዚ ፡ እዚ መራጻ ኣመሪካ ንዩክረይን እትህባ ዘላ ሓገዛት ክቅይሮ ከም ዝኽእል’ውን ይንገር’ዩ።

ኣመሪካ ኣብዚ እዋን እታ ዝበዘሐ ንዩክረይን ወተሃደራዊ ሓገዛት እተበርክት ሃገር’ያ።

ወተሃደራዊት መርከብ

ምንጪ ስእሊ, MOD

እንተዀነ ሓደ ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ብዓል መዚ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “ኣብ ኣመሪካ ዝተመረጸ ይመረጽ ኣመሪካ ንዩክረይን ክትህቦ ዝጸንሓት ወተሃደራዊ ሓገዛት ከም እትንክዮ ክልቲኦም ሕጹያት ክፍክሩ ጸኒሖም’ዮም” ኢሉ።

እቲ በዓል መዚ ዳርጋ ኩለን ሃገራት ኣውሮጳ’ውን ኣመሪካ ሓይላ ካብ ኣውሮጳ ናብ ቻይና ገጻ ተዛዝዎ ከም ዘላ ብምርዳእ ንዩክረይን ክትህቦ ዝጸንሓት ወተሃደራዊ ሓገዛት ክትንክዮ ምዃና ተረዲእወን ኣሎ ኢሉ።

ፔንታጎን ኣብዚ እዋን ቻይና ዝዓበይት ስግኣቱ ምዃና’ዩ ዝገልጽ።

ብዓቕሚ ሓይሊ ባሕሪ እንተርኢና’ውን ቻይና ልዕሊ ኣመሪካ ሓይሊ ደሊባ ኣላ።

ቻይና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ሓንቲ ክንዲ ኤቼኤምኤስ ዝዀና ናይ ውግእ ነፈርቲ ዝጽዕና ዓበይቲ መራኽብ ብውሽጣዊ ዓቕማ ተፍሪ ኣላ።

እታ 5000 ባሕረኛታትን ልዕሊ 60 ነፈርቲ ውግእን ሒዛ ኣብ ኣውሮጳ ክትንቀሳቐስ ዝጸንሓት ዓባይ መርከብ ኣመሪካ ኣብ ቀረባ ግዜ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ከተምርሕ ምዃና ተገሊጹ ኣሎ።

ሓደ ኩሎም ውሃብቲ ርእይቶ ዝሰማምዕሉ ነጥቢ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝተመረጸ ይመረጽ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ቅልውላው ንኣመሪካ ብድሆ ምዃኑ ይሰማምዑ።

ካልኦት ከኣ ክልቲኦም ሕጹያት ብዛዕባ ዝኽተልዎ ፖሊሲ ወጻኢ እኹል ክትዕ ስለ ዘየካየዱ ኣመሪካ ብሕጂ ኢዳ ተእትወሉ ኵናት ከም ዘይህሉ ዘርኢ’ዩ ኢሎም ግምቶም ዝህቡ’ውን ኣለዉ።

ኣመሪካ ብወተሃደራዊ ዓቕሚ ርእሰ ኩለና ሃገራት ምዃና ኣይተርፋን’ዩ።

እቲ ዝምረጽ ፕረዚደንት ብኸመይ ክጥቀመሉ’ዩ ግን ዓቢ ሕቶ’ዩ።