መረጻ ኣመሪካ 2024፡ ዓለማዊ ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ይኽእል?

መረጻ ኣመሪካ

ፕረዚደንት ባይደን፡ ሃገሩ ንዩክረይን ዘለዋ ድጋፍን ሓድነትን ከርኢ፡ ኣብ ለካቲት 2023 ናብ ኪቭ ኣብ ዝገበሮ ሃንደበታዊ ዑደት፡ ሓያል ድምጺ መጠንቀቕታ ካብ ሰማይ ይስማዕ ነይሩ።

"ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ገለ ሓያል ነገር ተሰሚዑኒ... ፤ ኣመሪካ ቀንዴል ዓለም እያ” ይብል ጸኒሑ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ።

ዓለም፡ ኣመሪካውያን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ፡ ነዚ መብራህቲ መን ከም ዝሕዞ ክውስኑ ብሃንቀውታ ትጽበ ኣላ።

ካማላ ሃሪስ፡ “ኣብዚ ዘይርጉእ እዋን፡ ኣመሪካ ንድሕሪት ኣይትምለስን” ብዝብል እምነት፡ ኣሰር ባይደን ሒዛ ክትቅጽል ድያ? ወይስ

“ኣመሪካዊነት ይቕደም! ወጊድ ዓለምለኻውነት” ዝብል መንገዲ ዶናልድ ትራምፕ ክስዕር እዩ?"

ዓለማዊ ጽልዋ ኣመሪካ ኣብ ሕቶ ዝኣተወሉ ዘበን ኢና እንነብር ዘለና። ዞባዊ ሓይልታት ብናቶም መንገዲ ይኸዱ ኣለዉ፣ ምልካውያን ስርዓታት ሓበራዊ ምሕዝነት ይገብሩ ኣለዉ።

ቅድም ክብል ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ሱዳን፡ ኣብ ቓዛን ዩክረይንን ዝካየዱ ዘለው ደማዊ ኲናታት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣንፀላልዩ ዘሎ ወጥሪ፡ ብዛዕባ ግደ ዋሽንግተን መረርቲ ሕቶታት ከተልዕል ዝድርኽ እዩ።

ምኽንያቱ፡ ኣመሪካ ብሰንኪ ቁጠባውን ወተሃደራውን ሓይላ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ብዙሓት ዓለማዊ ትካላት [ኪዳናት] ብዘለዋ ዓቢ ተራ ኣገዳሲት እያ።

ብዛዕባ ዓለማዊ ሳዕቤን ናይዚ ሃገራዊ መረጻ፡ ንኣስተንትኖ ናብ ገለ ተዓዘብቲ ኣቕኒዕና።

ወተሃደራዊ ሓይሊ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

“ነዚ መጠንቀቕታታት ዕሽሽ ክብሎ ኣይክእልን እየ” ትብል ምክትል ዋና ጸሓፊት ኔቶ ነበር ሮዝ ጎተሞለር።

“ዶናልድ ትራምፕ ንኣውሮጳ መፍርሒ ’ዩ፤ እቲ ካብ ኔቶ ክስሕብ ዝገበሮ ምፍርራሕ ኣብ ሕልና ኵሉ ሰብ ኣሎ።”

ወጻኢታት ምክልኻል ዋሽንግተን ክልተ ሲሶ ናይቲ ወተሃደራዊ ባጀት ካልኦት 31 ኣባላት ኔቶ’ዩ።

ካብ ኔቶ ውጽእ ምስ እንብል ድማ፡ ኣመሪካ፡ ካብተን ቻይናን ሩስያን ዝርከባኣን 10 ሓያላን ሃገራት ተደሚሩ፡ ንላዕሊ ኣብ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ትሰልዕ።

ትራምፕ ንኻልኦት ሃገራት ኔቶ፡ ወጻኢታተን [2 ሚእታዊት ካብ ውሽጣዊ ዓመታዊ ፍርያት] -ንኸማልኣ ንምግዳድ ወሳኒ ካርድ ይጻወት ከምዘሎ እዩ ዝምካሕ። ካብተን ኣባል ሃገራት እተን 23 ጥራይ እየን ኣብ 2024 ብጽሒተን ዝኸፍላ።

እቲ ዘይንቡር ዘረባኡ ግን ክሳብ ሕጂ ካብ ኣእምሮ ብዙሓት ኣይጠፍአን።

ሚስ ጎተሞለር፡ ካመላ ሃሪስ እንተተዓዊታ፡ “ኔቶ ኣብ ውሑስ ኢድ [ኣመሪካ] ከምዝህሉ ዘጠራጥር ኣይኰነን" ትብል።

ንሳ እውን ግን መጠንቀቕታት አለዋ።

“ኣብ ዩክረይን ዓወት ንምምዝጋብ ምስ ኔቶን ሕብረት ኣውሮጳን ክትሰርሕ ድልውቲ እያ፡ እንተዀነ ኣብ ልዕሊ ኣውሮጳ ጸቕጢ ካብ ምፍጣር ንድሕሪት ኣይትብልን እያ።”

ኣብ ዋይት ሃውስ ዝርከብ ጕጅለ ሃሪስ ግን፡ ምስ ሰነት ወይ ባይቶ ክሳነ ክግደድ’ዩ።

ክልቲኦም ባይቶታት ኣብ ቀረባ እዋን ብሪፓብሊካን ክዕብለሉ ይኽእሉ’ዮም። ካብቶም ዲሞክራስያውያን ድማ ኣብ ወጻኢታት ኲናት ድሌቶም ክጐድል እዩ።

መን ፕረዚደንት ይኸውን ብዘየገድስ፡ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ዓበይቲ ፓኬጃት ሓገዝ ንኪቭ ክሓልፍ ጸቕጢ እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ።

ሚስ ጎተሞለር፡ “ዝዀነ ይዅን ግን ኔቶ ክፈርስ ኣለዎ ዝብል እምነት የብለይን” ትብል። እኳ ደኣስ፡ ኣውሮጳ ምስኡ “ንቕድሚት ክትስጕም” ከድልያ እዩ።

ኣብ ፍልስጤም ዝወረደ ዕንወት

ዓቃቢ ሰላም-ዓለም

ቀጻሊ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ድሕሪ ዝሑል ኲናት ዝዓበየ ሓደጋ ግጭታት ንምፍታሕ ክሰርሕ ክግደድ እዩ።

“ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ሰላምን ጸጥታን ዝያዳ ሳዕቤን ዘለዋ ዓለማዊ ተዋሳኢት ኰይና ትቕጽል ኣላ” ትብል፡ ፕረዚደንትን ዋና ኣካያዲ ስራሕን ጕጅለ ክራይስስ ግሩፕ፡ ኮምፎርት ኤሮ።

ሓደ ስክፍታ ግን ወሲኻ፡ “ግጭታት ንምፍታሕ ዘድሊ ዓቕማ ግን ኣዝዩ ጐዲሉ ኣሎ።”

ግጭታት ደው ንምባል ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸበደ ይኸይድ ኣሎ።

"ደማዊ ግጭት ዝያዳ ዘይፍታሕ ይኸውን ኣሎ፤ ንሕንሕ ዓበይቲ ሓይልታት እናተቐላጠፈን ብዝሒ ገለ ሓይልታት እናወሰኸን ይኸይድ ኣሎ" ትብል ሚስ ኤሮ።

ከም ናይ ዩክረይን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ብዙሓት ሓይልታት ይስሕቡ፤ ከም ሱዳን ዝኣመሰሉ ባርዕ ሓዊ ድማ ነቶም ተነሓናሕቲ ረብሓታት ዘለዎም ዞባዊ ሓይልታት ኣብ ነንሕድሕዶም የውድቘም፡ ገሊኦም ድማ ካብ ኣብ ሰላም ንላዕሊ ኣብ ኲናት ወፍሪ ይገብሩ።

ኣመሪካ ነቲ ሞራላዊ-ልዕልና ትስእኖ ከምዘላ ሚስ ኤሮ ትሕብር።

“ዓለማውያን ተዋሳእቲ፡ ኣብ ጉዳያት ዩክረይንን ቓዛን ኣብ ልዕሊ ሩስያን እስራኤልን ክልተ ዝተፈላለዩ መልክዓት ይትግብሩ ኣለዉ። እቲ ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ዝፈፀመሉ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን፡ ከም ካልኣይ ደረጃ እዩ ዝሕሰብ።”

ሚስ ሃሪስ እንተተዓዊታ፡ "ናይዚ ሕጂ ኣብ ግብሪ ዘሎ ምምሕዳር ቀጻልነት ዝውክል'ዩ" ትብል።

ትራምፕ እንተዀይኑ፡ “ንእስራኤል ኣብ ቓዛን ካልእ ቦታታትን ዝያዳ ናጽነት ክህባ ይኽእል’ዩ፤ ስምምዕ ኪቭ ምስ ሞስኮ - ክብትኖ ክፍትን ከምዝኽእል’ውን ኣመልኪቱ’ዩ።”

ብዛዕባ ማእከላይ ምብራቕ፡ ሕጽይቲ ዲሞክራት ሃሪስ፡ ነቲ ባይደን ንእስራኤል “ርእሳ ናይ ምክልኻል መሰል” ዝሃባ ጽኑዕ ደገፍ ብተደጋጋሚ ኣቃሊሓ’ያ።

ንሳ ግን፡ “ቅትለት ንጹሃን ፍልስጤማውያን ደው ክብል ኣለዎ” ክትብል’ውን ኣጠንቂቓ ኣላ።

ትራምፕ'ውን፡ “ናብ ሰላም ተመሊስና ቅትለት ደቂ ሰባት ደው ዝብለሉ” ግዚኡ ምዃኑ ኣዊጁ’ሎ።

ንሱ ግን ንመራሒ እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ “ክትገብሮ ዘለካ ግበሮ” ከም ዝበሎ’ዩ ዝግለጽ።

ትራምፕ፡ ኣነ ዓቃቢ ሰላም እየ ኢሉ እዩ ዝሕበን።

ትማሊ ሰንበት ምሸት ምስ ቴሌቪዥን ኣል ዓረብያ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ “ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ከስፍን’የ፡ ኣብ ቀረባ እዋን” ክብል ቃል ኣትዩ።

ስምምዓት ኣብርሃም 2020 ከስፍሖ ቃል ኣትዩ’ሎ። እዞም ክልተኣዊ ስምምዓት ንርክብ እስራኤልን ገለ ሃገራት ዓረብን ዘመሓየሸ እንተዀነ’ኳ፡ ንፍልስጤማውያን ንጎኒ ዝበሉ እዮም ነይሮም። ነቲ ሕዚ ዝተኸስተ ግጭት ድማ ኣበርክቶ ገይሮም እዮም።

ብዛዕባ ዩክረይን፡ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ከም መራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዝኣመሰሉ ሓያላት ሰባት ዘለዎ ናእዳ ፍሉይ እዩ።

ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከብቅዕ ከም ዝደሊ ብንጹር ገሊጹ። “ካብኡ ግን እግርና ክንስሕብ ኣለና” ኢሉ።

ብኣንጻሩ ሚስ ሃሪስ፡ “ኣብ ጐድኒ ዩክረይን ደው ብምባለይ ሕብንቲ እየ። ምስ ዩክረይን ደው ኢለ ክቕጽል እየ። ዩክረይን ኣብዚ ኲናት ክትዕወት ድማ ክሰርሕ እየ” ኢላ።

ሚስ ኤሮ ግን፡ መን ይስዕር ብዘየገድስ፡ ኣብ ዓለም ነገራት ክጋደዱ ከምዝኽእሉ ትሻቐል።

ካማላ ሃሪስን ቮለድሚር ዘለንስኪን

ንግዲ ምስ በይጂን

ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኵሎም ካብ ወጻኢ ዝኣትዉ ኣቑሑት ቻይና 60 ሚእታዊት ቀረጽ ከንብር ምዃኑ ኣንፊቱ ኣሎ።

እዚ ብዝምልከት፡ ምሁር ቻይና ራና ሚተር ይስንብድ።

ኣብ ልዕሊ ቻይናን ካልኦት ብዙሓት መሻርኽቲ ንግድን ልዑል ወጻኢታት ምጽዓን፡ ትራምፕ ኣብቲ “ኣመሪካ ትቕደም” ዝብል ኣቀራርባኡ ሓደ ካብቲ ቀጻሊ ስግኣታት ኮይኑ ጸኒሑ’ዩ።

ትራምፕ ግን ነቲ ምስ ፕረዚደንት ሺ ጂንፒን ዘለዎ ናይ ገዛእ ርእሱ ጽኑዕ ውልቃዊ ርክብ እውን ይንእዶ። ንሱ ንቦርድ ኣዳለውቲ ዎል ስትሪት ጆርናል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ በይጂን ንታይዋን ንምጥቃዕ [ንምኽባብ] እንተፈቲና፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክትጥቀም ከምዘይግደድ ገሊጹ፤ ምኽንያቱ መራሒ ቻይና፡ “የኽብረኒ’ዩ፡ [ኣጸያፊ] ጊንጢ ምዃነይ ድማ ይፈልጥ’ዩ።”

ክልቲኦም ሕጹያት ግን ኣብዚ ጉዳይ ዳርጋ ሓደ እዮም፡ ንኣመሪካ ከም ገባሪትን ሓዳጊትን፡ ኣብ ልዕሊ በይጂን ጽልዋ ዘለዋ ሓይሊ ገይሮም ይርእይዋ።

ኣብ ሃርቫርድስ ኬነዲ ስኩል ኣብ ዝምድና ኣመሪካን ኤስያን ዝሰርሕ እንግሊዛዊ ጸሓፊ ታሪኽ ሚስተር ሚተር ግን፡ ገለ ፍልልያት ይርኢ።

ምስ ሚስ ሃሪስ “ርክባት ካብዚ ሕጂ ዘለዎ ብመትከላዊ መንገዲ ክምዕብል ተኽእሎ ኣሎ” ይብል።

ትራምፕ እንተተዓዊቱ እንታይ ከምዝገብር ዝገግመት ኣይኰነን - ይብል።

ንኣብነት ታይዋን እንተወሲድና፡ ትራምፕ ካብ ኣመሪካ ርሒቓ እትርከብ ደሴት ንምክልኻል ክሰርሕ ድዩ ኣይክሰርሕን፤ ውልቃዊ ርክባት ገይሩ እዩ ዝርእዮ ይብል፤ ሚስተር ሚተር።

መራሕቲ ቻይና፡ ክልቲኦም ሃሪስን ኰነት ትራምፕ ቀለልቲ ከምዘይኰኑ እዮም ዝኣምኑ።

ገሊኦም፡ ንትራምፕ ከም ሓደ ሓያል ነጋዳይ እዮም ዝርእይዎ፡ ንቻይና ዘይተገመተ ዋጋ ዕዳጋ ከየኽፍላ ድማ ይሰግኡ።

መሪሕነት- ሰብኣዊ ጉዳያት

ምክትል ዋና ጸሓፊ ሰብኣዊ ጉዳያትን ኣተሓባባሪ ህጹጽ ረድኤትን ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ፡ ማርቲን ግሪፊዝ፡ “ኣመሪካ ብወተሃደራውን ቁጠባውን ሓይላ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ዓለም ብሞራላዊ ስልጣን ክትመርሕ ብዘለዋ ዓቕሚ መዳርግቲ ዘይብሉ ጽልዋ ስለዘለዋ፡ ውጽኢት መረጻ ኣመሪካ ዓቢ ትርጕም ኣለዎ።”

ሃሪስ እንተተዓዊታ ዝዓበየ ብርሃን ይረአዮ።

“ፕረዚደንትነት ሃሪስ መጻኢ - ተስፋ ይውክል” ይብለኒ።

“ብኣንጻሩ ናብ ፕረዚደንትነት ትራምፕ ፖሊሲ - ተነጽሎ ምምላስ፤ብዘይካ ምዕማቕ ዓለማዊ ዘይምርግጋእን ተስፋ ምቝራጽን፡ ካልእ ብዙሕ ኣይንፅበን።”

ኣመሪካ ኣብ ስርዓት ሕቡራት ሃገራት፡ እታ እንኮ ዝዓበየት ለጋሲት እያ። ኣብ 2022 ክብረወሰን ዝሓዘ 18.1 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ኣቕሪባ።

ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ-ስልጣኑ፡ ንሓያሎ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ዝወሃብ ዝነበረ ምወላ ኣቋሪጹ፡ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም’ውን ስሒቡ።

ካልኦት ለገስቲ ድማ ነቲ ሃጓፍ ንምምላእ ተጸጊሞም፡ እዚ ድማ ትራምፕ ክኸውን ዝደለየ እዩ።

ከምኡ ኰይኑ’ውን፡ ሚስተር ግሪፊስ ግን ኣብ ሰብኣዊ ማሕበረሰብን ክንዮኡን እናዓሞቐ ዝኸይድ ዘሎ ተስፋ ምቍራጽ የጕልሕ።

ምምሕዳር ባይደን ድማ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ [ኣብ ቓዛን ሊባኖስን] ዘሎ ሰብኣዊ ኵነታት ደው ንምባል፡ እኹል ኣይገነበረን ኢሉ ይነቅፍ።

ኣመሪካ ግን መተካእታ ዘይብላ ሓይሊ ምዃና ይኣምን።

“ኣብዚ ዓለማዊ ግጭትን ዘይርጉጽነትን ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ኣመሪካ ሓላፍነታዊ፡ መትከላዊ ኣመራርሓ ክትክተል ጥራይ ኢና ንጽበ፤ ልዕሊ'ዚ ድማ ንጠልብ። ካብዚ ንላዕሊ ይግበኣና እዩ። ልዕሊ እዚ ድማ ተስፋ ንገብር።”