ኢሎን መስክ ንመረጽቲ መዓልታዊ ሓደ ሚልዮን ዶላር ክሽልም ምውሳኑ ሻቕሎት ፈጢሩ

ቢልየነር ኤሎን መስክ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ዝወፈረ ቢልዮነር ኢሎን መስክ፡ ክሳብ’ቲ ኣብ 5 ሕዳር 2024 ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ኣብ ዝተረፋ መዓልታት፡ ኣብተን ወሰንቲ ዝበሃላ ግዝኣታት ንዝምዝገቡ መረጽቲ መዓልታዊ ሓደ ሚልዮን ዶላር ሽልማት ብዕጫ ከምዝህብ ገሊጹ።

ተዓዋቲ ካብቶም ንሕገ-መንግስቲ ዝድግፍ ፌርማኦም ዘንብሩ ዜጋታት እታ ሃገር ብጕጅለ ጎስጓስ ‘ኣመሪካ-ፓክ’ ይምረጽ።

‘ኣመሪካ-ፓክ’ ንሕጹይ ሪፓብሊካን ዶናልድ ትራምፕ ናብ ዋይት ሃውስ ንምምላስ ዝግበር ጻዕሪ ንምዕዛዝ ብኢሎን መስክ ዝቖመ ጉጅለ ጎስጓስ ምዃኑ ይፍለጥ።

እቲ ናይ መጀመርታ ብቅዲ ሎተሪ ዝተሰርሐ ቸክ ብቐዳም ምሸት ኣብ ፔንስልቨንያ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ብሃንደበት ንሓደ ተሳታፊ ተዋሂቡ'ሎ። ካልኣይ ቸክ ድማ ብሰንበት ናብ ኢድ ተዓዋቲ በጺሑ።

ንካማላ ሃሪስ ዝድግፍ ዲሞክራት ኣመሓዳሪ ፔንስልቨንያ ጆሽ ሻፒሮ፡ ስትራተጂ ቢልየነር መስክ "ኣዝዩ ዘሻቕል’ዩ" ክብል ገሊጹ።

ሻፒሮ ንኤንቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ነቲ ክፍሊት ክምርምርዎ ተኽእሎ ከምዘሎ ሓቢሩ።

እቲ ሓደ ሚልዮን ዶላር ዘርክብ ውድድር ኣብተን ንውጽኢት መረጻ ኣመሪካ ዝውስና ግዝኣታት ፔንስልቨንያ፡ ጆርጅያ፡ ኔቫዳ፡ ኣሪዞና፡ ሚቺጋን፡ ዊስኮንሲንን ሰሜን ካሮላይናን ንዘለዉ ኩሎም መረጽቲ ክፉት’ዩ።

ክኢላ ሕጊ መረጻ ሪክ ሃሰን ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፉ፡ እቲ ኤሎም መስክ ዘቕረቦ ሽልማት "ብንጹር ዘይሕጋዊ" እዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ገሊጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሕጊ ፌደራል ኣመሪካ፡ ዝዀነ ሰብ "ብመራጽነት ንክምዝገብ ወይ ድምጹ ንኽህብ ዝኸፍል ኣካል ወይ ክፍሊት ዘቕረበ ወይ ክፍሊት ዝቕበል" መቕጻዕቲ 10 ሽሕ ዶላር ወይ ማእሰርቲ ሓሙሽተ ዓመት ከምዝጽበዮ የመልክት።

ቢልዮነር መስክ ነዚ ብቐጥታ ኣይኰነን ዝፍጽም ዘሎ። ስልታዊ ብዝዀነ ኣገባብ መረጽቲ ቅጥዒ ክፈርሙ እዩ ሓቲቱ። ክኢላ ሕጊ መረጻ ሪክ ሃሰን ግን ነቲ ብድሕሪ’ቲ ስትራተጂ ንዘሎ ዕላማ ኣብ ሕቶ የእትዎ።

"መን’ዩ ነቶም ፌርማታት ክፈርም ዝኽእል? እቶም ኣብ ወሰንቲ ግዝኣታት ዝተመዝገቡ መረጽቲ ጥራይ እዮም። እዚ ድማ እዩ ዘይሕጋዊ ዝገብሮ" ይብል ፕሮፌሰር ቤት ትምህርቲ ሕጊ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ሎስ ኣንጀለስ ሚስተር ሃሰን።

እቶም ንናጻ ምዝራብን መሰል ጠበንጃን ንዝድግፍ ውጥን ወጊኖም ዝፍርሙ ሰባት ንመንነቶም ዝገልጽ ዝርዝር ሓበሬታ ከቕርቡ ግድን’ዩ። እዚ ድማ ጉጅለ ጎስጓስ ‘ኣሜሪካፓክ’ ንመረጻ ምምዝጋቦምን ዘይምምዝጋቦምን ክፈልጥ ዘኽእሎ ክኸውን ይኽእል።

ኢሎን መስክን ኣምሪካ-ፓክን ኣብዚ ዛዕባ ርእይቶ ንኽህቡ ተሓቲቶም ኣለዉ።

ጎስጓሳትን ኮሚቴታት ፖለቲካዊ ንጥፈታትን ብዛዕባ መረጽቲ ዝደለይዎ መረዳእታ ንምውዳብ ኣብ ከም ወፍርታት ፊርማ፣ ዳህሳስ/መጽናዕቲ፣ ወይ ዕድጊ ሸቐጣት ዝኣመሰሉ ሜላታት ይምርኰሱ። ብድሕሪኡ ነቲ መረዳእታት ንመረጽቲ ዒላማ ንምግባር ወይ ድማ ካብ ደገፍቲ ገንዘብ ንምእካብ ክጥቀሙሉ ይኽእሉ።

ኣብ ፔንስልቨንያ፡ መስክ ንመረጽቲ ብምፍራሞም ጥራይ 100 ዶላር ይህቦም ኣሎ። ብነፍሲ ወከፍ ኣእሚኖም ዘፈርምዎ ሰብ እውን ተወሳኺ 100 ዶላር ይህቦም። ኣብ ካልኦት ኣገደስቲ ግዝኣታት ዝርከቡ መረጽቲ ድማ ብሓደ ክፍርም ዝገበርዎ ሰብ 47 ዶላር ይረኽቡ።

ትራምፕ ብሰንበት 20 ጥቅምቲ ጎስጓስ ኣብ ዘካየደሉ ዝነበረ እዋን ብዛዕባ እቲ ቢልዮነር መስክ ዝጀመሮ ውህብቶ ተሓቲቱ ነይሩ።

"ነዚ ኣይተኸታተልኩዎን" ብምባል ምስ መስክ ብዙሕ ግዜ ከም ዝዘራረብን "ዓርኩ" ምዃኑን ገሊጹ።

መስራቲ ስፔስኤክስን ቴስላን ከምኡ’ውን ወናኒ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ፡ ቀንዲ ደጋፊ ትራምፕ ኮይኑ ተቐልቂሉ ኣሎ።

መስክ ንወፍሪ ጎስጓስ ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ንምድጋፍ ዝዓለመ ጉጅለ ጎስጓስ ‘ኣመሪካፓክ’ ኣብ ሓምለ ከምዝጀመረ ይፍለጥ።

ክሳብ ሕጂ ነቲ ጉጅለ 75 ሚልዮን ዶላር (57.5 ሚልዮን ፓውንድ) ኣበርኪቱ'ሎ። እዚ ጕጅለ'ዚ ድማ ኣብ ጎስጓስ ምርጫ ትራምፕ ቀንዲ ዘዋሪ ኮይኑ ይርከብ።

ጎስጓስ ትራምፕ ንመረጽቲ ንምልዕዓል ኣብ ከም በዓል ኣመሪካ-ፓክ ዝኣመሰሉ ናይ ደገ ጉጅለታት ኣዝዩ ዝተመርኮሰ እዩ።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ጉጅለ ዝተዘርግሐ መግለጺ “ኣመሪካ-ፓክ ከም ውሑስ ዶባት፣ ውሑሳት ከተማታት፡ ርትዓዊ ወጻኢታት፡ ፍትሓዊ ስርዓት ፍትሒ፡ ናጻ መሰል ምዝራብ፡ መሰል ርእሰ-ምክልኻል ንዝበሉ ቀንዲ ክብርታት ንምድጋፍ እዩ ተፈጢሩ” ይብል።

መስክ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም እቲ ዝሃብተመ ሰብ ኰይኑ 248 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ጽሩይ ሃብቲ ከም ዘለዎ ኣመሪካዊ መጽሔት ፎርብስ የመልክት።