ዶናልድ ትራምፕ፡ "ፕረዝደንት ቻይና 'ጨካን ምዃነይ' ስለ ዝፈልጥ የኽብረኒ እዩ"

ዶናልድ ትራምፕን ዢ ጂንፒንግን- ብ2017

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዶናልድ ትራምፕን ዢ ጂንፒንግን- ብ2017

ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ፕረዝደንታዊ መረፃ ተዓዊቱ ናብ ዋይት ሃውስ እንተድኣ ተመሊሱ፡ ፕረዝደን ቻይና ዢ ጂንፒንግ 'ዕቡድ' (ሓያል) ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ፡ ቻይና ንኣመሪካ ንምትንዃይ ከም ዘይትደፍር ገሊፁ።

ምስ ኣዳላዊ ቦርድ ዎል ስትሪት ጆርናል ዝተዘራረበ ትራምፕ፡ ኣብ መፃኢ ወርሒ ኣብ ዝካየድ መረፃ ኣመሪካ እንተድኣ ተዓዊቱ፡ ቻይና ንታይዋን ክትቀፅዓ እንተፈቲና፡ ኣብ ልዕሊ ቻይና ቀረፅ ከም ዘንብር ተሓንዩ።

“እዚ ብምግባረይ እሓዝን፡ ግና ናብ ታይዋን እንተኼድኩም ካብ 150 ክሳብ 200 ሚእታዊት ግብሪ ከኽፍል እየ” ኢሉ።

እቲ ሕፁይ ሪፓብሊካን ኣብ ዘካየዶም ጐስጓሳት፡ "ኣብ ግዘ ሓድሽ ፕረዝደንትነት ትራምፕ፡ ኣንፃር-ኣመሪካ ዝኾና ሃገራት ኣንፃር ረብሓታት እታ ሃገር ኣይክዋስኣን እየን፡ ምኽንያቱ ብርቱዕን ዘይፅበይኦን ምላሽ ከይበፅሐን ስለዝፈርሓ" ብምባል ሞጊቱ እዩ።

ታይዋን ካብ ቻይና ንምክልኻል ወተሃደራዊ ሓይሊ ምጥቃም ከም ዘየድልዮ ንዎል ስትሪት ጆርናል ዝተዛረበ ዶናልድ ትራምፕ፡ ምኽንያቱ ፕረዝደንት ቻይና ዢ “ዕቡድ ምዃነይ ስለ ዝፈልጥ የኽብረኒ እዩ" ኢሉ።

ምስ ፕረዝደንት ዢ “ስጡም ርክብ ነይሩኒ። ብርግፅ ጥዑይ ሰብ’ዩ. . . መሓዛይ’ዩ ኢለ ግን ኣይዕሾን። መሓዛይ ነይሩ፤ ፅቡቕ ርክብ ነይሩና” ኢሉ።

ፕረዝደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ፕረዝደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዘለዎ ርክብ እውን ብእወንታ ብምግላፅ፡ “ምስኡ ፅቡቕ ኢና ነይርና” ኢሉ።

ቅድሚ ሕዚ ንመራሒ ሩስያ ብምንኣድ ዝተወቐሰ ትራምፕ፡ ንዩክረይን ከይወርር ከም ዘፈራርሖ ገሊፁ።

“ኣብ ውሽጢ ሞስኮ ክወቕዐካ እየ። መሓዙት ኢና። እዚ ክገብር ኣይደልን። ግና ኣማራፂ የብለይን ኢለዮ” ብምባል፡ ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ንከይፍፅም ከም ዘፈራረሖ ንዎል ስትሪት ጆርናል ሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ትራምፕ ኣብ ጐስጓስ መረፃ ቀንዲ መርገፂኡ ብዛዕባ ዝዀነ 'ጉዳይ ስደተኛታት' እውን ዘልዐለ ዀይኑ፡ “ብዙሓት ሰባት ናብ ኣመሪካ ክመፅኡ እደልይ እየ፤ ግና ብሕጋዊ መንገዲ ክመፅኡ እየ ዝደልዮም” ኢሉ።

ብዛዕባ እቲ 'ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብጃምላ ንምስጓግ' ዝሓዞ መደብ ኣመልኪቱ ንዝቐረበሉ ሕቶ ድማ፡ “ብዙሕ ከብራህርህ ኣይደልን። ምኽንያቱ ሕያዋይ ብዝኾንኩ ቁፅሪ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝመፅኡ ሰባት እናወሰኹ እዮም ዝኸዱ” ዝብል ምላሽ ሂቡ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ኣብ ሕዳር 2024 ዝካየድን ኣቓልቦ ዓለም ዝሰሓበን ፕረዝደንታዊ መረፃ ኣመሪካ፡ ንሪፓብሊካን ወኪሉ ንካልኣይ ዘበነ ስልጣን [እብረ] ክወዳደር እዩ።

ንጆ ባይደን ተኪኣ ሕፅይቲ ዲሞክራትስ ኯይና ትነሓናሕ ዘላ ካምላ ሃሪስ ድማ፡ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ፈላመይቲ ጓልኣንስተይቲ ፕረዝደንት ንምዃን ትጓየ ኣላ።