መረጻ ኣመሪካ 2024፡ብዙሕ ዝመንነታ ፈላመይቲ ጓል-ኣንስተይቲ ምኽትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ መን'ያ?

ካማላ ሃሪስ ፈላመይቲ ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ምኽትል ፕረዚደንት እያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መረጻ ኣመሪካ፡ ሎሚ ክካየድ'ዩ። ብ21 ሓምለ ግን፡ ባይደን ካብቲ ዳግመ-መረጻ ከም ዘንሰሓበ ብምግላጽ ንካማላ ዘለዎ ደገፍ ክገልጽ እንከሎ፡ ካማላ፡ እቲ ዝለዓለ ጽፍሒ ዲሞክራትስ ምናልባት'ውን ፕረዚደንት ናይ ምዃን ዕድል እትረኽበሉ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ።

ባይደን፡ ምኽትሉ ካማላ ሃሪስ፡ “ፍልይቲ መሻርኽቲ” ነይራ ብምባል ከመስግና እንከሎ፡ ሕጽይቲ ኰይና ክትቀርብ ከም እትኽእል ኣአንፊቱ እዩ።

ካማላ ሃሪስ ብ2021 ፈላሚት ጸላም፡ ፈላሚት ኤስያዊት-ኣመሪካዊትን ፈላሚት ጓልኣንስተይቲን ምክትል ፕረዚደንት ብምዃን ታሪኽ ምስርሓ ይዝከር።

እታ ጀማይካዊ መበቆል ዘለዋ ካማላ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘስምዓቶ ቃል፡ ነተን ኣብዚ ክትበጽሕ ዘኽኣልኣ ተቓለስቲ ደቂንስትዮ ብምምጓስ "ኣብ እንግድዐአን'የ ደው ኢለ ዘለኹ" ኢላ ነይራ።

ጸዓዱ ደቂኣንስትዮ ኣመሪካ ኣብ 1920 ናይ ምድማጽ መሰለን ክረኽባ እንከለዋ፡ ጸለምቲ ደቂንስትዮ ግን ድሕሪ 1965 እየን ናይ ምድማጽ መሰል ረኺበን።

ካማላ ሃሪስ ኣብ መዓልቲ ቃለማሕላኣ ንምልክት ቃልሲ ደቂንስትዮ ዝነበረ ሊላ ሕብሪ ብዘለዎ ልብሲ ወቂባ'ያ ስርሓ ጀሚራ።

ካማላ ሃሪስ መን'ያ?

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ካማላ፡ ሴናተር ካሊፎርኒያ፡ንዲሞክራትስ ወኪላ ንፕረዚደንትነት ክትወዳደር ትሸባሸብ ነይራ።

ዓቃቢት ሕጊ ኰይና ስርሓ ዝጀመረት ካማላ፡ ብ2003 ላዕለወይቲ ዓቃቢት ሕጊ ሳንፍራንሲስኮ ኰይና።

ድሕሪኡ፡ ኣብታ ብጻዕቒ ህዝቢ ኣዝያ ዝተፈለጠት ካሊፎርንያ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲን ፈላመይቲ ጸላምን ዓቃቢት ሕጊ ካሊፎርኒያ ኰይና ተመሪጻ።

ካብዚ ጀሚራ ድማ እያ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራትስ ጽቡቕ ስም ከተጥሪ ክኢላ፤ ከም ውጽኢቱ’ውን ኣብ 2017 ሴናተር ካሊፎርንያ ኰይና ተሓርያ።

ኣብ 2020፡ ፖሊሲታት እታ ሃገር ኣብ ዝምልከት ክትዕ እኹል ኣፈጻጽማ ብዘይምርኣያ፡ፕረዚደንት ንምዃን እትገብሮ ዝነበረት ጐስጓስ ደው ከተብል ተገዲዳ።

ጆ ባይደን ሕጹይ ተወዳዳሪ ዲሞክራትስ ኰይኑ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ግን ንካማላ ምኽትሉ ገይሩ ሓጽዩዋ።

ኣብ 2013፡ ዳይሬክተር ኮሙዩኒኬሽን ካማላ ሃሪስ ዝነበረ ጊል ዱራን "ንካማላ ዓቢ ዕድል'ዩ" ይብል።

"ብዙሓት ሰባት ናብ ዋይት ሃውስ ከእቱ ዝኽእል ዓቕሚ ዘለዋ ኣይመስሎምን'ዩ እሞ ድማ ብደረጃ ምክትል ፕረዚደንት፡ ነዝን ንልዕሊኡን ዝኸውን ዓቕሚን ብቕዓትን ከምዘለዋ ግን ብንግሆኡ ብሩህ'ዩ ነይሩ" ኢሉ።

ጓል 59 ዓመት ካማላ፡ ናብ ዋይት ሃውስ ምስ ኣተወት ኣብ ብርክት ዝበሉ ወሰንቲ ተበግሶታት ክትሰርሕ እንከላ፡ ባይደን ኣብ ዘመዝገቦም ኣገደስቲ ዓወታት ልዑል እጃም ነይሩዋ።

ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ኣካላተን ውሳነ ናይ ምሃብ መሰል ክህልወን ዝጣበቕ ተበግሶ ክትጅምር እንከላ፡ ብሰንኪ ምኽልኻል ምንጻል ጥንሲ ክመጽእ ንዝኽእል ሳዕቤን ትማጐት ነይራ።

ብዙሕ ዝዓሌታ ካማላ ሃሪስ

ካማላ ካብ ህንዳዊት ኣደን ጀማይካዊ ኣቦን ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ እያ ተወሊዳ።

ወለዳ ስደተኛታታት ኰይኖም'ዮም ናብ ኣመሪካ ኣትዮም፤ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ምስ ኮነት ከኣ ተፋቲሖም።

ብድሕሪ እዚ ካማላ ምስታ ሽያማላ ጎፓላን ሃሪስ እትብሃል ህንዳዊት ኣደኣ እያ ዓብያ።

ጎፓላን ሃሪስ፡ ተመራማሪት ሕማም መንሽሮን ተጣባቂት ሰብኣዊ መሰላትን'ያ።

ካማላ ምስ ኣደኣ ናብ ሃገረ ህንዲ ትገይሽ ስለ ዝነበረት ባህሊ ህንዲ ትፈልጦ እያ፤ እንተዀነ፡ ኣደኣ፡ ንካማላን ንማያ ሓፍታን ልክዕ ከምቲ ኣነባብራ ናይቶም ኣብ ኦክላንድ ዝዓበዩ ጸለምቲ ገይራ ከም ዘዕበየተን ካማላ ትዛረብ።

ካማላ 'ዘ ትሩዝ ዊ ሆልድ' ኣብ ዝብል መጸሓፍ ናይ ውልቃ ታሪኻ "ኣደይ ክልተ ጸለምቲ ቈልዑ ተዕቢ ምንባራ እያ ትፈልጥ" ኢላ ኣላ።

"ክልተና ብመንነትና እንሕበን ገይራ እያ ኣዕብያትና።"

እታ ኣመሪካዊት፡ ህንዳዊት፡ ጀማይካዊት፡ ጸላም ኰይና ዝዓበየት ካማላ ሃሪስ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ሆዋርድ ምስ ኣተወት ከኣ ነቲ ኣደኣ ዘሰንቀታ ሓበን፡ ሓበን ወሲኻትሉ።

ሊታ ሮዛርዮ ሪቻርድሶን ንካማላ ኣብ 1980ታት ኣብ ሆዋርድ ዩኒቨርሲቲ እያ ትፈልጣ።

ብሓደ ኣብ ዝምሃራሉ ዝነበራ፡ ሓቢረን ሻሂ ይሰትያ፡ ፖለቲካዊ ዛዕባታት የውግዓ፡ ብዛዕባ ዝመሰጠን ቅዲ ክዳን ሃረር ይበሃሃላ ይሓምያ ኸኣ'ባ ምንባረን ትዝክር።

"ንዝሓሰበቶ ነገር ናይ ምእማን ኣዝዩ ዝንኣድ ክእለት ነይርዋ፣ ሕጂ'ውን ምስኣ ኣሎ" ትብል ሊታ ሮዛርዮ ሪቻርድሶን።

ጐስጓስ መረጻ ካማላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሊታን ካማላን ክልቲአን ምስ ኣደአን ጥራይ ስለዝዓበያ ናይ ሓባር ረቋሒ ነይርወን'ዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ክልተአን ኮኸብ'ውን ሊብራ ስለ ዝዀነ እዚ'ውን እቲ ካልእ ረቋሒ ኰይኑወን።

ካማላ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዝነበረትሉ ምስ ሪፓብሊካን ዓቢ ፖለቲካዊ ክትዓት ተካይድ ምንባራ ሊታ ሮዛርዮ ሪቻርድሶን ትዝክር።

"ኣብቲ እዋን ሬገን'ዩ ፕረዚደንት ነይሩ፤ እዋኑ ኣብ ኣፍሪቃ ኣፓርታይድ ዝነበረሉ እዩ። ናይ ማርቲን ሉተር ኪንግ በዓላት ክብዓል ዝጀመረሉ ስለ ዝነበረ፡ ዓቢ ፖለቲካዊ ክትዓት'ዩ ዝካየድ ነይሩ" ትብል ሊታ ሮዛርዮ ሪቻርድሶን።

ሊታ ሮዛርዮ፡ ካማላ ተካይዶ ዝነበረት ክትዓት ብቐጥታ'ውን ንዓኣ፡ ንወለዶኣ፡ ንኣተዓባብያኣን መተዓብይታን ዝውክል ስለ ዝነበረ መድረኽ ናይ ክትዓት ንኽትመልኽ፡ ሓሳባ ንኸተእምን ዘኽእልዋ ፍልስፍናታት ኣብቲ ዩኒቭርስቲ እንከላ ከም ዘማዕበለቶ ትሕብር።

ካማላ ዝበዝሐ ህይወታ ጸዓዱ ኣብ ዝበዝሕዎ ቦታታት እያ ኣሕሊፋቶ።

መጀመርታ ኣብ ካናዳ ምስ ማያ ሓፍታ ኣብ ሞንትርያል ንሓሙሽተ ዓመት ተማሂራ (ኣደኣ ኣብ ዩኒቨርስቲ ማክጊል ትምህር ስለዝነበረት እየን ናብ ካናዳ ዓዲ ቀይረን)።

ሃሪስ ንነብሳ ከተላሊ እንከላ፡ "ኣመሪካዊት'የ" እናበለት ኣብ ዝኸደቶ ብመንነታ ሕብንቲ ኰይና እያ ሓሊፋቶ።

ኣብ 2019 ምስ ዋሽንግቶን ፖስት ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት "ፖለቲከኛታት ድሕረ ባይታኦምን ሕብሪ ቆርቦቶምን ከም ሓደ መወዳደሪ ረቋሒ ክኸውን የብሉን፡ ኣነ ኣነ እየ" ኢላ ነይራ።

ካማላ 'ሞማላ' ታሪኻዊ ሽም

ካማላን በዓል ቤታን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰኔተር ካማላ ሃሪስ ኣብ 2014 ንጠበቓ ዳዉግ ኢምሆፍ ተመርዕያቶ።

ጠበቃ ዳዉግ ኢምሆፍ ንካማላ ሃሪስ ክምርዓዋ እንከሎ፡ ኮልን ኢላን ዝበሃሉ ካብ ካልእ ሰበይቲ ዝወለዶም ክልተ ቈልዑ ነይረሞ እዮም (ጓልን ወድን)።

ንኮልን ኢላን ካማላ ሃሪስ ሰይቲ ኣቦኦም እያ።

ንሳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ 'ኢል' ዝተባህለ መጽሔት ሰበይቲ ኣቦ ምዃን እንታይ ከም ዝመስል ዝገልጽ ሓደ ዓንቀጽ ድሕሪ ምጽሓፋ ኣብቲ ጽሑፍ ዝገለጸቶ 'ሞማላ' ዝብል ቃል ብዙሓት ማዕከናት ዜና ኣርእስተን ገይረናኦ።

"ኣነን ዳውግን ምስ ተመርዓና፡ ኣነ ኮልን ኢላን እታ ሰበይቲ ኣቦ ትብል ቃል ስለ ዘይፈተናያ 'ሞማላ' ኢሎም ክጽውዑኒ ተሰማሚዕና።"

ምክትል ፕረዚደንት ኰይና ድሕሪ ምምራጻ'ውን እቲ 'ሞማላ' ዝብል ትሕበነሉ ስማ ምስኣ ቀጺሉ እዩ።

ኣብ ፖርድዩ ዩኒቨርስቲ ሓጋዚት ፕሮፌስር ማሕበራዊ ስነፍልጠት ኣፍሪቃ ኣመሪካ ናድያ ብራውን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃል መሕተት፡ "ካብቶም ተወዳዲሮም ዘይተዓወቱ፡ ካብቶም ኣወሃሃድቲ፡ ካብቶም ተወዳዲሮም ዝተዓወቱ፡ ካብ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ካማላ ሃሪስ ካብ ኵሎም'ያ ወሪሳ ካብ ኵሎም ከኣ ተማሂራ" ትብል።

ናድያ ኣስዒባ፡ ፋኔ ሉ ሃመር፡ ኢላ ቤከርን ሰፕቲማ ክላክን፡ ካማላ ኣሰረን ካብ ዝሰዓበትንን ካብአን ብዙሕ ትምህርቲ ዝቐሰመትለንን ምዃና ትምስክር።

"ዓወታ ታሪኻዊ'ዩ እንተዀነ ውጽኢት ናይ ብዙሓት ጸለምቲ ደቂ ኣነስትዮ እዩ።"

እታ ኣዝዩ ብሉጽ ክእለት ዘረባ ዘለዋ ካማላ ሃሪስ

መማህርቲ ካማላ ሃሪስ ዝዀነት ሊታ ሮዛርዮ ሪቻርድሶን፡ ካማላ ሃሪስ ንዅሉ ኣላሽ ዘብል ክእለት ዘረባ ከም ዝነበራ እያ ትዛረብ።

"ኣብ ዝካየዱ ዝነበሩ ክትዓት (ኣብ ሆዋርድ ዩኒቭርስቲ) ኣብ ጎና ክኸውን ዝደፍፋኣኒ ክእለት ዘረባኣን ትብዓታን'ዩ። ንጆ ባይደን 'ፕረዚደንት ኣመሪካ ኴንካ' እናበለት ተርእዮ ዝነበረት ሰሓቕን ፍሽኽታን ከምታ ተምሃሪት እንከላ እያ ዘላ፡ ወትሩ ፍሽኽ" ኢላ።

ወዲ ዶናልድ ትራምፕ፡ ዶናልድ ትራምፕ ጁንየር ኣብ ትዊተር ንስሓቃ ርእዩ ክድህላ'ውን ብምሕሳብ "ካማላ ሃሪስ ንምንታይ ባዕላ ብዘዕለለቶ ዋዛ ትስሕቕ?" ኢሉ ጽሒፉ ነይሩ።

ንሳ 'ውን ንዶናልድ ትራምፕ ክትሃርም ስለ ዝደለየት ንወዲ ትራምፕ "ምስኡ [ዶናልድ ትራምፕ] ዓቢኻ ድኣ ዋዛ ኣበይ ክርድኣካ" ኢላ እያ መሊሳትሉ።

ኣኽባሪት ሕጊ ምንባራ ፖለቲከኛ ንኽትከውን ሓጊዝዋ እዩ፤ ግን ድማ ኵሉ ጥጡሕ መገዲ ኣይነበረን።

ካማላ ሃሪስ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዝፍጸም ዓሌታዊ ኣድልዎ ወትሩ ምስ ተቓወመቶ እያ።

ብፍላይ ንጓል 26 ዓመት ጸላም ኣመሪካዊት ቤርዮና ታይለር ዝቐተለ ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ኣብ ትዊተር ትጽሕፎ ዝነበረት ብዙሕ ሰዓቢ ኣጥርዩላ’ዩ።

እዚ ብሜላ ዝግብር ዘሎ ዓሌታውነት (ኣብ ልዕሊ ጸለምትን ውሑዳትን) ደው ክብል ወትሩ ምስ ተማጐተታ እያ።

ዘልዓለቶም ሓሳባት ብሰንኪ ሕብራ ብዙሕ ተቐባልነት ክስእኑ'ኳ እንተጸንሑ፡ ካማላ ሃሪስ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ዋይት ሃውስ ኰይና ነቲ ካብ ብንእሽቶኣ ትቃላሰሉ ንዝነበረ መትከላት ደው ክትብል እያ።