ባይደን፡ ካብ ዲሞክራት ክትክኦ ዝኽእል መን እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣባላት ባይቶ ዲሞክራት፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ መወዳድርቱ ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ዘካየዶ ድኹም ክትዕ፡ ካብቲ ፕረዚደንታዊ ውድድር ከንሳሕብ ይጽውዑ ኣለዉ።
ብረቡዕ፡ ፒተር ዌልች ካብ ቨርሞንት፡ እቲ ፕረዚደንት ጐስጓሱ ከብቅዕ ዝጸውዐ ፈላማይ ሰነተር ዲሞክራት ኰይኑ ኣሎ።
ንሰልፊ ዲሞክራት ገዚፍ ገንዘባዊ ወፈያ ዝገብር ተዋስኣይ ሆሊዉድ ጆርጅ ክሉኒ ብወገኑ፡ናብቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጕጅለ ኣንጻር ባይደን ተጸንቢሩ ኣሎ።
ካብቲ እዋን ክትዕ ኣትሒዙ፡ ዝተኻየዱ ተኸታታሊ ዳህሳሳት መረጽቲ፡ ትራምፕ ኣብተን ወሰንቲ ግዝኣታት ክስዕር ከምዝኽእል ይሕብሩ።
ፕረዚደንት ባይደን ግን፡ ካብቲ ውድድር ከምዘይእለ ኣቕቢጹ ኣሎ።
እዚ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ፍጻመታት፡ ብኸመይ ክትካእ ይኽእል? መንከ ክትክኦ'ዩ? ዝብሉ ሕቶታት ኣልዒሉ'ሎ።
ባይደን ብኸመይ ክትካእ ይኽእል?
ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታትን ሰሙናትን ዝፍጠሩ ዝተፈላለዩ ተርእዮታት ወሰንቲ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።
እንተዀነ ግን ሕጹይነት ፕረዚደንት ባይደን ከብቅዕ ዝኽእለሉ ክልተ ቀንዲ መገድታት ኣለዉ፤ ባይደን ብፍቓዱ ካብቲ ውድድር ክስሕብ ይኽእል እዩ፤ ወይ ድማ ብናይ ገዛእ ርእሱ ሰልፊ ተገዲዱ ተደፊኡ ክወጽእ ይኽእል እዩ።
እቲ ቀዳማይ ኣማራጺ ዝያዳ ቅኑዕን ቀሊልን እዩ።
ጆ ባይደን፡ ኣብ ነሓሰ ኣብ ቺካጎ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ዳርጋ ኵሎም ናይቶም ድምጺ ዝህቡ ልኡኻት ዲሞክራትስ ደገፍ ረኺቡ እዩ።
ስለዝዀነ፡ ብፍታዉ ካብቲ ውድድር እንተተኣልዩ፡ ንኻልእ ሕጹይ ክመርጹ- እቲ መድረኽ ክፉት ይዀነሎም።
እቲ ካልኣይ ኣማራጺ ግን ኣዝዩ ዝተሓላለኸ እዩ።
ዲሞክራትስ፡ ነቲ ሕጊታት እቲ ሰልፊ ለዊጦም፡ ነቲ ዋዕላ ኣንጻር ድሌት እቲ ፕረዚደንት ክቕይርዎ ይኽእሉ እዮም።
ፕረዚደንት ባይደን ብወለንታኡ ነቲ ውድድር እንተኣቋሪጹ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን መን ክትከኦ ከምዝኽእል ሓርዩ ድጋፍ ክህብ ይኽእል እዩ።
ንምዃኑ እቶም ቀንዲ ክትክእዎ ዝኽእሉ በዓል መን እዮም? ንዝብል ካብቶም ብዙሓት እቶም ቀንዲ ንረአ።
ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ
ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ፡ ንፕረዚደንት ባይደን ንምትካእ ኣብ ውሽጢ እቲ ሰልፊ ርኡይ ተራ ዘለዋ ቀዳመይቲ ኣማራጺ እዩ።
ከም ምክትሉ መጠን፡ ናይቲ ምምሕዳር መሰል-ምፍራይ [reproduction] ንምሕላው ዝገብሮ ዝነበረ ወፍሪ ወካሊት ኰይና ነይራ።
ሃሪስ ነቲ ፕረዚደንት እምንቲ መሓዛ ምዃና ኣመስኪራ ኣላ።
ባይደን ምስ ትራምፕ ኣብ ዘርአዮ ድኹም ክትዕ፡ ብትሪ ተኸላኺላ።
ሒደት መዓልታት ድሕሪ እቲ ፍጻመ፡ እቲ ፕረዚደንት "ኣብ ምጅማር ዝሕታለ" ከም ዝነበሮ'ኳ እንተኣመነት፡ ቀጺሉ ግን ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ብሱል መልሲ ከም ዝሃበ ተማጒታ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ውድድር ናይ ምጽናሕ ዕድሉ ስክፍታ እናዓበየ ምስ ከደ ድማ፡ ካማላ ሃሪስ ንባይደን ዘለዋ ደገፍ ደጊማ ኣረጋጊጻ ኣላ።
“ርኣዩ! ጆ ባይደን ሕጹይና እዩ። ንትራምፕ ሓንሳብ ስዒርናዮ ኢና፡ እንደገና ድማ ክንስዕሮ ኢና፡ ኣርባዕተ ነጥቢ!” ክትብል ብሰሉስ ተዛሪባ።
“መሓዛ ጆ ባይደን ብምዃነይ ሕብንቲ’የ” ድማ ኢላ።
ሃሪስ፡ ምክትል ፕረዚደንት ከም ምዃና መጠን ሓያል ተፈላጥነት ኣጥርያ ኣላ፤ እንተዀነ ልዑል ህዝባዊ ተቐባልነት ኣብ ምርካብ ትቃለስ ኣላ።
51 ሚእታዊት ኣመሪካውያን ንንሃሪስ ዘይቅበልዋ ክዀኑ ከለዉ፡ 37 ሚእታዊት ድማ ከምዘጽድቕዋ ብፋይቭ 38 ዝተገብረ ዳህሳስ ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመሓዳሪት ሚቺጋን ግሬቸን ዊትመር
ንኽልተ እብረ ኣመሓዳሪት ግዝኣት ሚቺጋን ኰይና ዝጸንሐት ግሬቸን ዊትመር፡ ብዙሓት ምሁራት ኣብ 2028 ንፕረዚደንትነት ክትወዳደር ምዃና እዮም ዝግምቱ።
ካብ ግዜ ናብ ግዜ፡ ተፈላጥነት እናረኸበት ትኸይድ ዘላ ዲሞክራት ሚድዌስት እያ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ንባይደን ጐስጓስ ኣካይዳ እያ፤ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ባህግታታ ድማ ንምዝራብ ኣይሓፈረትን።
ንሳ፡ ንኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኣብ 2028 ፕረዚደንት ወለዶ-ኤክስ ክትሪኢ ከም እትደሊ እኳ እንተገለጸት፡ ባዕላ ነቲ ቦታ ከም እትብህግ ተሓቲታ ግን፡ ካብ ምዝራብ ተቘጢባ።
ኣብ 2022፡ ዲሞክራት ንቤት ምኽሪ እታ ግዝኣት ንኽዕብልሉ ኣብ ዝተኻየደ ሓያል ጐስጓስ ኣብ ቅድሚት ኰይና መሪሓ እያ።
እዚ ፖለቲካዊ ዓወታ፡ ንመከላኸሊ ተበጻሕነት ምንጻል ጥንሲን ምቍጽጻር ድሕነት ጠበንጃን ዝኣመሰሉ ብርክት ዝበሉ ገስገስቲ ፖሊሲታት ከተውጽእ ኣኽኢልዋ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመሓዳሪ ካሊፎርንያ ጋቪን ኒውሶም
ኣመሓዳሪ ካሊፎርንያ ጋቪን ኒውሶም፡ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ጽኑዓት ደገፍቲ ምምሕዳር ባይደን እዩ። ብተደጋጋሚ ኣብ ማዕከናት ዜና ቀሪቡ፡ ንባይደን ክንእድ ተሰሚዑ እዩ።
ሚስተር ኒውሶም ግን ናይ ገዛእ ርእሱ ፖለቲካዊ ባህግታት ኣለዎ።
መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ 2028 ሕጹይ ክኸውን ከም ዝኽእል ይጥቀስ።
ሕጂ ግን ብዙሓት ምሁራት ዲሞክራትስ ንሚስተር ባይደን ክትክእ ከምዝኽእል ይዛረቡ።
ኒውሶም፡ ኣብ ዓቃባውያን መራኸቢ ብዙሃን ቀንዲ ወካሊ እቲ ሰልፊ ብምዃን፡ ከምኡ’ውን ዝሓለፈ ዓመት ኣንጻር ኣመሓዳሪ ፍሎሪዳ ሮን ደሳንተስ ብዝገበሮ ክትዕ ኣቢሉ፡ ስሙ ገኒኑ ኣሎ።
ኣብቲ ኣብ ሰነ ኣብ ኣትላንታ ኣብ ዝተኻየደ ድኹም ክትዕ ንባይደን ቀንዲ ተኸላኻሊኡ ኰይኑ ኣሎ፤ ንባይደን ክትክኦ ድዩ ኣይትክኦን ዝብል ሓያሎ ሕቶታት ግን ተላዒሎም ነይሮም።
ንሕጂ ግን ብግልጺ ኣብ ጐድኒ እቲ ፕረዚደንት ደው ኢሉ ኣሎ።
ንሱ፡ ምስ ሚስተር ባይደንን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ዲሞክራትን ኣብ ናይ ረቡዕ ኣኼባ ንምስታፍ፡ ናብ ዋሽንግተን ተጓዒዙ እዩ።
ኣብ 4 ሓምለ ኣብ ሚቺጋን ኣብ ዝተኻየደ መደብ ጐስጓስ ባይደን ድማ ኣርእስቲ ኰይኑ ቀንዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጸሓፊ መጓዓዝያ ፒት ቡቲጊግ
ጸሓፊ መጓዓዝያ ፒት ቡቲጊግ ፕረዚደንታዊ ባህጊ ከም ዘለዎ ምስጢር ኣይኰነን።
ኣብ 2020 ንፕረዚደንትነት ሕጹይ ዲሞክራት ኰይኑ ንምቕራብ ዝተወዳደረ ኰይኑ፡ ብዙሕ ግዜ ሓደ ካብቶም ዝበለጹ ተዛረብቲ ምምሕዳር ባይደን ተባሂሉ ይግለጽ።
ሚስተር ቡቲጊግ ጸሓፊ ክፍሊ መጓዓዝያ ኰይኑ፡ ብርክት ዝበሉ ህዝባዊ ቅልውላዋት ኣመሓዲሩ ተባሂሉ ድማ ይነኣድ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመሓዳሪ ፔንሲልቨንያ ጆሽ ሻፒሮ
ኣመሓዳሪ ፔንስልቨንያ ጆሽ ሻፒሮ፡ ኣብታ ትራምፕ ኣብ 2016 ብጸቢብ ዝሰዓረላ ግዝኣት፡ ኣብ 2022 ካብ ዝምረጽ ንደሓር ልዑል ስም ኣጥርዩ ኣሎ።
ቅድሚ ሕጂ ዋና ዓቃቢ ሕጊ እታ ግዝኣት ኰይኑ ዘገልገለ እቲ ኣመሓዳሪ፡ ኣብ እዋን ስልጣኑ ገለ ወሰንቲ ነገራት ተሰሪሖም እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወሳኒ ጽርግያ ፊላደልፍያ ዝፈረሰ ድልድል ብቕልጡፍ ዳግማይ ምህናጹ ሃገራዊ ኣርእስታት ዜና ኰይኑ ነይሩ - እዚ ድማ ንፈለማ እዋን ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት፡ ዓቢ ፖለቲካዊ መኽሰብ ነይሩ።
እቲ ቅልጡፍ ጽገና፡ ንሱ ሕጹይ ፕረዚደንት 2028 ክኸውን ዘኽእል መዘራረቢ ኣርእስቲ ኰይኑ ይለዓል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመሓዳሪ ኢሊኖይ ጀይቢ ፕሪትዝከር
እዚ ቢልዮነር ነጋዳይ፡ ወራሲ ሰንሰለት ሆቴላት ሃያት ኰይኑ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንትራምፕ ብትሪ ብምንቃፍ እዩ ዝፍለጥ።
ድሕሪ እቲ ናይ ቀረባ እዋን ክትዕ ድማ፡ ንትራምፕ "ሓሳዊ" ኢሉ ብምጽዋዕ፡ "ብ34 ገበን ዝተፈርደ ገበነኛ ኰይኑ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ጥራይ ዝግደስ ሰብ" ምዃኑ ብምጥቃስ ነቒፉ።
ሚስተር ፕሪትዝከር፡ ልክዕ ከም ሚስ ዊትመር ኣብ ከም መሰል ምንጻል ጥንሲን ምቍጽጻር ጠበንጃን ዝኣመሰሉ ጉዳያት፡ ኣጀንዳታት ዲሞክራትስ ናይ ምፍጻም ዓቕሙ ጽቡቕ ተዘክሮ እዩ ዘለዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







