ትራምፕ፡ 'ንስለ ዲሞክራሲ'የ ብጥይት ተሃሪመ'

ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ፈተነ ቅትለት ዝተኻየደሉ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ሚቺጋን ኣብ ዘካየዶ ጐስጓስ መረጻ "ንስለ ዲሞክራሲ'የ ብጥይት ተሃሪመ" ክብል ንደገፍቱ ተዛሪቡ።

ኣብዚ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዝተሳተፍሉ ጐስጓስ መረጻ፡ ትራምፕ ምስ ምክትሉ ኰይኑ ክወዳደር ዝሓጸዮ ጄዲ ቫንስ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ጐስጓስ'ዩ።

ንሱ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራት ትራምፕ፡ "ሓደጋ ዲሞክራሲ'ዩ" ክብሉ ከም ዝኸሰስዎን'ኳ እንተገለጸ፡ "ናብ ዋይት ሃውስ ንምምላስ" ግን ድልው እየ ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ዝተፈጸመ ፈተነ ቅትለት፡ መርመራ ይካየድ ከም ዘሎ ክግለጽ እንከሎ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ፈተነ ቅትለት ዝፈጸመ ወዲ 20 ዓመት ኣመሪካዊ፡ ፈለማ ኣብ ርእሱ ኣነጻጺሩ’ኳ ተኵሱ እንተነበረ እታ ዝተተኰሰት ጥይት እዝኒ ትራምፕ ኣቝሲላ እያ ሓሊፋ።

ብዙሓት ካብቶም ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፉ፡ ደገፍቲ ትራምፕ እቲ ህይወት ሓደ ሰላማዊ ሰብ ዝቐተለን ክልተ ሰባት ዘቝሰለን ፈተነ ቅትለት ንትራምፕ ካብ ምድጋፍ ከም ዘይዓግቶም ንቢቢሲ ገሊጾም።

ገሊኦም ድማ እቲ ፈተነ ቅትለት ስለ ዝተፈጸመ ጥራሕ ናብቲ ናይ ምረጹኒ ጐስጓስ ከም ዝመጽኡ ገሊጾም።

ኣብቲ ቦታ ዝተረኸበ ወዲ 24 ዓመት ኣመሪካዊ መንእሰይ “ፈተነ ቅትለት ምስ ተፈጸሞ ንመጀመርታ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ጐስጓስ ስለ ዝዀነ ኣብዚ ቦታ ምርካብ ታሪኻዊ’ዩ” ኢሉ።

ትራምፕ ኣብ መደረኡ ነቶም ፈተነ ቅትለት ምስ ተፈጸሞ ክድግፉዎ ብብዝሒ ዝመጽኡ ኣሽሓት ሰባት ኣመስጊኑ።

ትራምፕ ድሕሪኡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “እንተስ ብዕድል እንተስ ብናይ ፈጣሪ ምሕረት ካብ ሞት ተሪፈ ኣለኹ" ምባሉ ይዝከር።

ኣብ ልዕሊ ትራምፕ 5 ጠያይቲ ዝተኰሰ ወዲ 20 ዓመት ቶማስ ማቲው ክሩክስ ካብቲ ፕረዚደንት ነበር ካብ 200 ሜትሮ ርሒቑ ዝፈጸሞ ኰይኑ እቲ መጥቃዕቲ ብኸመይ ካብ ኣባላት ጸጥታ እታ ሃገር ተኸዊሉ ዝብል ሕቶታት ኣልዒሉ እዩ።

እቲ ፈተነ ቅትለት ዝፈጸመ ወዲ ነቲ መጥቃዕቲ ንኽፍጽም እንታይ ከም ዘበገሶ ግን ዛጊድ ዝፍለጥ ነገር የለን።

እዚ ከምዚ እንከሎ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብኮሮናቫይረስ ስለ ዝተለኸፈ ጐስጓሳት መረጻ ንግዜኡ ደው ኣቢልዎ ይርከብ።

ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራት ባይደን ካብ ሕጹይነት ንነብሱ ከግልል’ኳ ይሓትዎ እንተለዉ ንሱ ግን ኣይፋል ኢሉ ካብ ዘቕብጽ ውዒሉ ሓዲሩ ኣሎ።