ባይደን ‘ትራምፕ ሓደጋ’ዩ’ ዝበሎ ቅኑዕ ምዃኑ ኣስሚሩሉ

ዶናልድ ትራምፕ

ጆ ባይደን፡ ነቲ ኣንጻር ዶናልድ ትራምፕ ዝሃቦ ዘረባ ልክዕ ከምዝዀነ ብምግላጽ ስለምንታይ ኣገዳሲ ከምዝዀነ ድማ ጠቒሱ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ጐስጓስ ፕረዚደንታዊ መረጻ፡ ትራምፕ ንኻልኣይ እብረ እንተተመሪጹ ክስዕብ ብዛዕባ ዝኽእል ሓደጋ ብንጹር ናይ ምሕባር ግዴታ ከምዘለዎ ተዛሪቡ።

ይዅን እምበር፡ ቅድሚ'ቲ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዝተኻየደ ፈተነ ቅትለት ኣብ ዝገበሮ ጻውዒት "ንትራምፕ ኣብ ዓይኒ ከነእትዎ ግዜኡ'ዩ" ምባሉ "ጌጋ" ምንባሩ ንኤንቢሲ ገሊጹ።

ባይደን፡ ዲሞክራትስ ኣብ ትራምፕ፡ ፖሊሲታቱን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ክትዕ ዝሃቦ ናይ ሓሶት መግለጺታትን ዝያዳ ከተኵሩ ኣለዎም ማለተይ’የ ክብል መብርሂ ሂብሉ።

እቲ ፕረዚደንት ክሳዕ መወዳእታ እቲ ምሉእ ቃለ መሕትት፡ ካብ ውድድር ፕረዚደንታዊ መረጻ ከምዘይእለ ብንጹር ገሊጹ።

“ሽማግለ እየ" ክብል ብሓዝን ዝተዛረበ ባይደን፡ ካብ ትራምፕ ብሰለስተ ዓመት ጥራይ ከምዝዓቢ'ውን ኣመልኪቱ። ንሱ፡ ንቕሓት ኣእምሮኡ ጽቡቕ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ከም ፕረዚደንት ዝረኸቦ ዓወታት ዘርዚሩ።

"ሰባት ንምንታይ ‘ወዲ 81 ዓመት እባ እዩ’ ኢሎም ከምዝዛረቡ ይርድኣኒ’ዩ። ወዲ 83 ዓመት፡ 84 ዓመት ምስ ኮነ’ኸ እንታይ’ዩ ክገብር?' ኢሎም ምሕታቶም ቅቡል ሕቶ’ዩ” ኢሉ።

ኣብ መባእታዊ መረጻ ዲሞክራትስ ብዓብላልነት ዝደገፍዎ መረጽቲ እምነቱ ከምዘንበረ ገሊጹ። "ኣነ እየ ዝሰምዖም" ክብል ድማ ተዛሪቡ።

እቲ ፕረዚደንት ካብቲ ብሰንበት ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዝተፈጸመ ፈተነ ቅትለት፡ ኣመሪካውያን ክረጋግኡ ብተደጋጋሚ ጸዊዑ'ዩ።

በቲ መጥቃዕቲ ሓደ ሰላማዊ ሰብ ክመውት እንከሎ ካልኦት ክልተ ድማ ብኸቢድ ቆሲሎም።

ሓያለ ሪፓብሊካን ነቲ ባይደን “ኣብ ዓይኒ ከነእትዎ ኣለና" ጠቒሶም፡ ንዕኡን ካልኦት ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራት ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ነገር ቀስቂሶም ብምባል ይወቕስዎም ኣለዉ።

ብሰኑይ መወዳድርቲ መሓዛ ፕረዚደንታዊ መረጻ ትራምፕ ምዃኑ ዝተገልጸ ጀይዲ ቫነስ ድሕሪ እቲ ተዅሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዲሞክራትስ ብዛዕባ ሕጹይ ሪፓብሊካን ዝዛረብዎ ቃላት "ብቐጥታ ናብ ፈተነ ቅትለት ትራምፕ ከምዘብጽሐ" ገሊጹ።

ብመሰረት ጸብጻብ ፖሊቲኮ፡ ጆ ባይደን ኣብቲ ናይ ለገስቲ ጻውዒት “ኣነ ሓደ ስራሕ’ዩ ዘለኒ፣ ንሱ ድማ ንትራምፕ ምስዓር’ዩ። ከምኡ ክገብር ዝኽእል ዝበለጸ ሰብ ምዃነይ ፍጹም ርግጸኛ እየ። ንትራምፕ ኣብ ዓይኒ ከነእትዎ ግዜኡ እዩ" ኢሉ።

ፕረዚደንት ባይደን ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ብምዅናን ኣመሪካውያን ክረጋግኡ ጸዊዑ።

ኤፍ.ቢ.ኣይ ነቲ ንትራምፕ ዕላማ ዝገበረ ዕጡቕ ወዲ 20 ዓመት ቶማስ ማቲው ክሩክስ ዝተባህለ ካብ ቤተል ፓርክ ፔንስልቬንያ ዝመጸ ሰራሕተኛ ክሽነ ኰይኑ፡ ምዝጉብ ሪፓብሊካን ምዃኑ ኣፍሊጡ።