'ብሳላ ዕድል ወይ ኣምላኽ ድሒነ ኣለኹ' - ዶናልድ ትራምፕ

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ግሪንብሪየር ፋርምስ ብ28 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ካልእ ሰልፊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ግሪንብሪየር ፋርምስ ብ28 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ካልእ ሰልፊ

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ምሸት ኣብ ፐንሲልቫንያ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ዝተፈጸመ ፈተነ ቅትለት "ክመውት" እኳ እንተነበረ፡ ግን ከኣ "ብዕድል ወይ ብኣምላኽ" ከምዝደሓነ ገሊጹ።

ትራምፕ ድሕሪ እቲ ፍጻመ ኣብ ዝገበሮ ፈላማይ ቃለ መሕትት እዩ ነዚ ስምዒቱ ንዓቃባውያን ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ተዛሪቡ።

እታ እዝኑ ዝበጠሰቶ ጥይት ብቐሊሉ ክቐትሎ ትኽእል ከምዝነበረት’ውን ኣመልኪቱ።

"እቲ ኣዝዩ ንምእማኑ ዘጸግም ነገር፡ ኣጋጣሚ [ርእሰይ] ምጥዋየይ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ቅኑዕ እዋን ብቅኑዕ መጠን ምጥዋየይ'ዩ" ኢሉ።

"ኣብዚ ክህሉ ኣይምተገባኣንን" ክብል ወሲኹ ተዛሪቡ።

ብሰንኪ’ቲ መጥቃዕቲ ሓደ ተዓዛቢ ክሞት እንከሎ፡ ካልኦት ክልተ ሰባት ድማ ብኸቢድ ቆሲሎም። መንነት እቲ ዝሞተ ዕጡቕ ቶማስ ማቲው ክሩክስ ተባሂሉ ኣሎ።

ትራምፕ ብጥይት ከምዝተሃርመ ምስ ተረድአ ናብቲ ህዝቢ ዝጠመተላ ህሞት’ውን ገሊጹ።

“ኣብታ ህሞት እቲኣ ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ዝመጽእ ዝነበረ ሓይሊ. . . ደው ኢሎም. . . እዚ እንታይ ከምዝስምዓካ ክትገልጾ ኣጸጋሚ’ኳ እንተዀነ፡ ዓለም ትዕዘብ ከም ዘላ ግን ፈሊጠ” ኢሉ።

ንሱ ንጋዜጣ ዋሽንግተን ኤግዛማይነር ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ታሪኽ ነዚ ከምዝፈርድ እፈልጥ እየ፤ ደሓን ከምዘለና ድማ ከፍልጦም ኣለኒ" ክብል ገሊጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ትራምፕ ሕጹይ ፕረዚደንት ናይቲ ሰልፊ ምዃኑ ክረጋገጽ ትጽቢት ናብ ዝግበረሉ ኣብ ሚልዋኪ፡ ዊስኮንሲን ዝካየድ ሃገራዊ ጉባኤ ሪፓብሊካን (RNC) ብነፋሪት ክድይብ ኣብ ዝዳለወሉ እዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሕጂ "ነታ ሃገር ኣብ ሓደ ናይ ምምጻእ ዕድል" ከምዘለዎ ሓቢሩ'ሎ።

ሕጂ መደረኡ ካብቲ ብዛዕባ እቲ ኣቐዲሙ ሓሲብዎ ዝነበረ ፖሊሲታት ፕረዚደንት ጆ ባይደን ፍጹም ዝተፈልየ ከምዝኸውን’ውን ጠቒሱ።

እቲ መጥቃዕቲ “እንተዘይፍጸም ነይሩ፡ እዚ ሓደ ካብቶም ንምእማኑ ዘጸግሙ መደረታት ምዀነ ነይሩ” ኢሉ።

“ብቕንዕና ክዛረብ እንተዀይነ ሕጂ ፍጹም ዝተፈልየ መደረ ክኸውን’ዩ። ሃገር ኣብ ሓደ ንምምጻእ ዝሕግዝ ዕድል እዩ” ኢሉ።

ኣቐዲሙ ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መድረኹ፡ ናብ ዊስኮንሲን ዝገብሮ ጉዕዞ ብኽልተ መዓልታት ከደናጉዮ ሓሲቡ ከምዝነበረ ጽሒፉ ነይሩ።

ግን "ሓደ 'ተኳሲ' ወይ ቀታሊ ክኸውን ተኽእሎ ዝነበሮ ሰብ፡ መደበ ክልውጥ ከገድደኒ ኣይፈቅድን" ብምባል ኣብ መደቡ ከምዝጸንዕ ኣመልኪቱ።

ትራምፕ፡ እቲ ፈተነ ቅትለት ኣብ ልዕሊኡ ጽልዋ ከምዘሕደረ እውን ሓቢሩ።

ብዛዕባ ድርኺት ናይቲ ብኣገልግሎት ጸጥታ ዝተቐተለ ወዲ 20 ዓመት ክሩክስ ብዙሕ ኣይተፈልጠን።

ኤፍ.ቢ.ኣይ መርመራኡ ክሩክስ በይኑ ከምዝተቐተለ ዝሕብር እኳ እንተዀነ፡ እቲ መንእሰይ ሓገዝ ረኺቡ ድዩ ኣይረኸበን ግን ምጽራይ ከምዝቕጽል’ዩ ኣመልኪቱ።

እቲ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትለ ተሳታፊ ኮሪ ኮምፐራቶረ ዝተባህለ ወዲ 50 ዓመት ወለንታዊ ሓላፊ መጥፋእቲ ሓዊ ኰይኑ፡ ስድርኡ ክከላኸል ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ከምዝሞተ ተፈሊጡ ኣሎ።

ፕረዚደንት ባይደን ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብ ቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ መደረ ወጥሪ ፖለቲካ ክዝሕል ጸዊዑ።

"ደጊምና በዚ መንገዲ ክንከይድ ኣይንኽእልን ኢና፡ ኣይግባእን'ዩ። ኣብ ታሪኽና ቅድሚ ሕጂ ሓሊፍናዮ ኢና" ብምባል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ዓመጽ ዝተሓወሶ ፖለቲካዊ ተግባራት ይውስኽ ከምዘሎ ጠቒሱ።

"ኣብ ኣመሪካ ፍልልያትና ብመረጻ ድምጺ ኢና ንፈትሖ። ብድምጺ እምበር ብጥይት ኣይኰነን።" ኢሉ።