ባይደን፡ ኣንሳሒቡ ንካማላ ባሪዅላ

ባይደን ምስ ካማላ ሃሪስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን “ንረብሓ ሰልፈይን ሃገርን” ብምባል ኣብቲ ኣብ ሕዳር ዝካየድ መረጻ ሕጹይ ፕረዚደንት ኰይኑ ካብ ምቕራብ ከምዝተኣለየን፡ ምኽትሉ ካማላ ሃሪስ ንዕኡ ተኪኣ ንሰልፊ ዲሞክራትስ ወኪላ ክትወዳደር ኣፍልጦ ከምዝሃበን ብወግዒ ኣፍሊጡ።

እዚ መግለጺ'ቲ ወዲ 81 ዓመት ፕረዚደንት፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ እዋን ክትዕ ምስ ትራምፕ ድሕሪ ዘንጸባረቘ ድኽመት ከከራኽር ንዝጸንሐ ጉዳይ መዕለቢ ዝገብር ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን ድማ፡ ሰብ መዚ ዲሞክራት ህጹጽ ኣኼባ የካይዱ ከም ዘለው ተፈሊጡ።

ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ሰሙናት፡ ዝተፈላለዩ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራት ዝርከብዎም ፖለቲከኛታት እታ ሃገር፡ ባይደን ኣብቲ መረጻ ዝዕወተሉ ዕድላታት ይጽንቀቕ’ዩ ዘሎ ብምባል ሕጹይ ፕረዚደንት እቲ ሰልፊ ኰይኑ ካብ ምውድዳር ክስሕብ ክሓቱ ምጽንሖም ይፍለጥ።

እዚ፡ ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ኣብ መወዳእታ ሰነ ምስ ሕጹይ ፕረዚደንት ሰልፊ ሪፓብሊካን ዝዀነ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዝገበሮ ፈላመይ መድረኽ ክትዕ ዘርኣዮ ድኹም ክትዕ ኵነታቱን ቍመናኡን ተጋሂዱ እዩ።

ብሰንበት ኣብ ማሕበራዊ ገጽ ፕረዚደንት ባይደን ዝወጽአ መግለጺ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኰይኑ ምግልጋሉ ኣብ ህይወቱ እቲ ዝለዓለ ከም ዝዀነ ይገልጽ።

“ዳግም ክምረጽ ትጽቢት'ኳ እንተነበረኒ፡ ንረብሓ ሰልፈይን ሃገረይን ክብል ከቋርጾም ከም ፕረዚደንት ኣብ ዝተረፈኒ ዕዮ መሪሕነተይ ከድህብ ኣለኒ ዝብል እምነት ኣለኒ” ኢሉ።

ኣብ ዝመጽእ ሰሙን’ውን ኣብዚ ጕዳይ መብርሂ ክህብ ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ምኽትሉ ካማላ ሃሪስ፡ “ፍልይቲ መሻርኽቲ” ነይራ ብምባል ከመስግና እንከሎ፡ “ህዝቢ ኣመሪካ ንዝሃበኒ እምነት ድማ ልባዊ ኣድናቘተይ ክገልጽ እደሊ” ክብል ሓቢሩ።

እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ “ክንሓብር እንከለና ኣመሪካ ክትገብሮ ዘይትኽእል ነገር ከም ዘየለ እኣምን። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምዃንና ጥራይ ክንዝክር ኣለና” ይብል።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ባይደን፡ ኣብቲ መረጻ ከም ዘይወዳደር ድሕሪ ምግላጹ ብርክት ዝበሉ ርእይቶታት ዝወሃቡ ዘለው ኰይኖም፡ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ማይክ ጆንሰን፡ ባይደን ካብ ስልጣኑ ክወርድ ኣለዎ ኢሉ።

“ጆ ባይደን ፕረዚደንት ኰይኑ ንኽወዳደር ብቝዕ እንተዘይኰይኑ፡ ፕረዚደንት ኰይኑ ከገልግል ኣይበቅዕን። ብቕልጡፍ ካብ ስልጣን ክወርድ ኣለዎ” ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

ባይደን፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዴላዌር ብኮቪድ ተለኺፉ ናብ ገዛኡ’ኳ እንተተመለሰ፡ ብዓርቢ ግን “ዝመጽእ ሰሙን ናብ ጐስጓስ ንምምላስ” ትጽቢት ከም ዝገብር ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ካብቲ መረጻ ክስሕብ ድሕሪ ክበጽሖ ዝጸንሐ ሓያሎ ጸቕጢ፡ “ጐይታ” ጥራይ’ዩ ኣብቲ መረጻ ካብ ምውድዳር ከትርፈኒ ዝኽእል ኢሉ ሞጒቱ ምንባሩ ይዝከር።

ጸኒሑ ግን፡ ኵነታት ጥዕናኡ እንተዘይኣፍቂዱ ንውሳነኡ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ምዃኑ ተዛሪቡ’ዩ።

ባይደን ካማላ ሃሪስ፡ ኣብቲ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ዝካየድ መረጻ ኣመሪካ 2024 ሕጽይቲ ኰይና ክትቀርብ ከም ዝሓረያ ኣፍሊጡ ኣሎ።

“ካማላ ሕጽይቲ ሰልፍና ክትከውን ምሉእ ደገፈይ የቕርብ። ዲሞክራትስ ሓቢርና ትራምፕ እንስዕረሉ ግዜ’ዩ” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

እታ 59 ዝዕድመኣ ምክትል ፕረዚደንት፡ በቲ ፕረዚደንት ምሕጻያ ክብሪ ከም ዝስመዓ ብምግላጽ፡ ብወግዒ ሕጽይቲ ሰልፊ ዲሞክራትስ ክትከውን ከምእትበቅዕ ዘለዋ ምትእምማን ብምግላጽ፡ ንትራምፕ ንምስዓር ዘኽእል ሕብረት ኣመሪካውያን ክትፈጥር ምዃና ቃል ኣትያ።

"107 መዓልታት እዩ ተሪፉና ዘሎ፤ ሓቢርና ክንቃለስ ኢና፣ ሓቢርና ድማ ክንዕወት ኢና" ኢላ።

ንውሳነ ባይደን ስዒቡ፡ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራት ሓድሽ ሕጹይ ክመርጹ ኣለዎም።

ጉባኤ እቲ ሰልፊ፡ ካብ ነሓሰ 19 ክሳብ 22 ኣብ ቺካጐ ዝካየድ ኰይኑ፡ ካልእ ሕጹይ ክመርጹ ከም ዝኽእሉ ይግመት።

ክሳብ ሕጂ ግን እቲ መስርሕ እንታይ ከም ዝመስል ኣይፍለጥን።

እቲ ፕረዚደንት ግን ምኽትሉ ካማላ ሃሪስ ሕጽይቲ ኰይና ክትቐርብ ከም እትኽእል ኣአንፊቱ ኣሎ። ብዙሃት ድማ ደገፎም ይገልጹ ኣለዉ።