መረጻ ኣመሪካ 2024፡ ቀንዲ ውጽኢት ዝውስና 7 ግዝኣታት ኣየኖት እየን?

ካማላ ሃሪስን ዶናልድ ትራምፕን

ኣብዚ ሎሚ ዓመት ዝካየድ መረጻ ኣመሪካ ኣስታት 240 ሚልዮን ሰባት ድምጾም ክህቡ ምዃኖም ይግለጽ ኣሎ።

ብተዛማዲ ውሑዳት ካብኣቶም ጥራይ እዮም ንዝመጽእ ፕረዚደንት ኣመሪካ መን ይኸውን ዝብል ሕቶ ክፈትሑ ዝኽእሉ።

ክኢላታት፡ ንዲሞክራት ወይ ሪፓብሊካን - ካማላ ሃሪስ ወይ ዶናልድ ትራምፕ - ብዘእምን መንገዲ ከዐውታ ዝኽእላ ብኣጻብዕ ዝቝጸራ ግዝኣታት ጥራይ ከምዘለዋ ይኣምኑ።

ካብዚኣተን እተን ሸውዓተ - ኣሪዞና፡ ጆርጅያ፡ ሚሺጋን፡ ነቫዳ፡ ሰሜን ካሮላይና፡ ፐንሲልቨንያን ዊስኮንሲንን - መፍትሕ ዋይት ሃውስ ኣብ ኢደን ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ።

ሕጂ ኣብተን ናይ መወዳእታ ሰሙናት ናይቲ መረጻ፡ ጐስጓሳት ክልቲኡ ሰልፊታት ኣብተን ኣብዘን ግዝኣታት ዘይውሰኑ መረጽቲ ንምኽሳብ ብምሉእ ኣድህቦ ተተሓሒዝዎ’ሎ።

ኣሪዞና

ኣገደስቲ ግዝኣታት ኣመሪካ

ዲሞክራታውያን፡ ኣብ 2020፡ ብደገፍ እታ ድሕሪ 1990ታት ንፈለማ እዋን ንሕጹይ ሰልፎም - ፕረዚደንት ባይደን ብምድጋፍ ብጸቢብ ድምጺ ንግዝኣት 'ግራንድ ካንዮን ስቴት' ብምኽሳብ እዮም ፕረዚደንትነት ክዕወቱ ክኢሎም።

እዛ ግዝኣት ምስ መክሲኮ እትዳወብ ኰይና፡ ዘይዓርፍ ክትዕ ጉዳይ ስደተኛታት እታ ሃገር ኰይና ኣላ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ዶብ ሰጊሮም ዝኣተው ብዝሒ ስደተኛታት ክብረወሰን ዝወሰደ ኰይኑ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ልዕሊ መረጽቲ ዝለዓለ ስክፍታ ፈጢሩ'ሎ።

ትራምፕ፡ ንስራሕ ካማላ ሃሪስ ብጉዳይ ኢሚግሬሽን ብተደጋጋሚ ኣጥቂዑ’ዩ፤ ምኽንያቱ ንቅልውላው ዶባት ንምፍታሕ ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ፍሉይ ሓላፍነት ተዋሂብዋ ስለዝነበረ እዩ።

ዳግማይ ፕረዚደንትነት እንተረኺቡ ድማ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ "ዝዓበየ ናይ ምስጓግ ስርሒት" ከካይድ ምዃኑ'ውን ቃል ኣትዩ'ሎ።

ሪፓብሊካውያን እታ ግዝኣት ነቲ ን160 ዓመታት ዝጸንሐ ዳርጋ ፍጹም እገዳ ምንጻል ጥንሲ ዳግማይ ንምምላስ ድሕሪ ምፍታኖም፡ ግን ከኣ ድሕሪ ምፍሻሎም፡ ኣሪዞና ብዛዕባ ጉዳይ ምንጻል ጥንሲ ከቢድ ቅርሕንቲ ኣአንጊዳ’ያ።

እዚ ጉዳይ ካብ 2022 ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ንደቂ ኣንስትዮ ሕገ መንግስታዊ መሰል ምንጻል ጥንሲ ዝህብ ፍሉይ ውሳነ ካብ ዝቕልብስ ኣትሒዙ ብደረጃ ሃገር ኣካታዒ ጉዳይ ኰይኑ ኣሎ።

ጆርጅያ

ጆርጅያ ካብተን ኣገደስቲ ግዝኣታት ኰይና፡ ኣብ መረጻ 2020 ሰበስልጣን ሪፓብሊካን ንዓወት ፕረዚደንት ባይደን ከፍሽሉ ዝፈተኑሉ ቦታታት ሓደ እዩ።

ትራምፕ፡ ኣብ ጆርጅያ ኣብ ዝርከብ ፉልተን ካውንቲ፡ ምትእትታው መረጻ ኣካይዱ ተባሂሉ ኣብ ሓደ ካብቶም ኣርባዕተ ገበናዊ ክስታቱ (ትራምፕ ኣብ ሓደ ጉዳይ ተፈሪዱ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ይቕጽሉ ኣለዉ)።

ንሱን ካልኦት 18 ሰባትን ኣብታ ግዝኣት ብፕረዚደንት ባይደን ዘጋጠሞ ጸቢብ ስዕረት ንምግልባጥ ውዲት ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ።

ትራምፕ ዝዀነ በደል ከምዘይፈጸመ እዩ ዝገልጽ። እቲ ጉዳይ ድማ ቅድሚ መረጻ ኣብ ቤት ፍርዲ ክረአ ዘለዎ ተኽእሎ እናማህመነ ይኸይድ ኣሎ።

ሲሶ ካብ ህዝቢ ጆርጅያ ኣፍሪቃዊ ኣመሪካዊ ኰይኑ፡ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ጸለምቲ ነበርቲ እታ ሃገር ዝነብሩላ ኰይና፡ እዚ ዲሞግራፊ’ዚ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ 2020 ነታ ግዝኣት ንኽዕወት ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝነበሮ ይእመን።

ኣብ መንጐ ጸለምቲ መረጽቲ ኣመሪካ ካብ ፕረዚደንት ባይደን ገለ ተስፋ ምቑራጽ ከምዝተራእየ ተገሊጹ’ኳ እንተነበረ፡ ጐስጓስ ሃሪስ ግን ነዚ መረጻ ክልዎጦ ተስፋ ኣለዎ።

መረጻ ኣመሪካ

ሚሺጋን

ግዝኣት ሚሺጋን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መረጻታት ነቲ ዝሰዓረ ሕጹይ ፕረዚደንት መሪጻ።

ኣብ 2020 ንባይደን’ኳ እንተደገፈት፡ ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ኲናት ቓዛ፡ ፕረዚደንት ባይደን ንእስራኤል ብዝገበሮ ደገፍ፡ ብደረጃ ሃገር ሓያል ተቓውሞ ዝተራእየላ ኰይና ኣላ።

ኣብ ለካቲት ኣብ ሚሺጋን ኣብ ዝተኻየደ መባእታዊ ውድድር ዲሞክራት፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ኣድመጽቲ፡ ድምጾም ክህቡ ድልየት ከምዘለይብሎም ኣተንቢሆም።

እዚ ድማ ኣካል ናይቲ መንግስቲ ኣመሪካ ንእስራኤል ዝህቦ ወተሃደራዊ ሓገዝ ደው ከብሎ ዝደልዩ ደለይቲ ፍትሒ ዘካየድዎ ጐስጓስ’ዩ።

ብፍላይ ሚሺጋን ዝዓበየ ብዝሒ ዓረብ-ኣመሪካውያን ዘለውዋ ግዝኣት ኣመሪካ ኰይና፡ ንፕረዚደንት ባይደን ዝነበሮ ደገፍ ኣብ ሓደጋ ዘውደቐት እያ ነይራ።

ካማላ ሃሪስ ግን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝያዳ ተሪር ቃና ወሲዳ ኣላ። ገለ ሰልፈኛታት ቓዛ ድማ ንዕላማኦም ዝያዳ ክትድንግጸሉ ተስፋ ከምዘለዎም ንቢቢሲ ገሊጾም።

ትራምፕ ኣገዳስነት እታ ግዝኣት ኣጸቢቝ ይፈልጥ እዩ። ንፍጻመታት ማእከላይ ምብራቕ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓማስ ኣብ ቓዛ እትገብሮ ዘላ ወፍሪ ክትዛዝም፡ ግን ከኣ "ብቕልጡፍ ክትውድኦ" ጸዊዑ’ሎ።

ነቫዳ

ነቫዳ ኣብ ዝሓለፈ ሓያለ መረጻታት ንዲሞክራት ድምጻ ሂባ’ኳ እንተነበረት፡ ሪፓብሊካን ግን ውጽኢት መረጻ ክልውጥዎ ከምዝኽእሉ ምልክታት ይርአ’ሎ።

ኣብ ቀረባ እዋን መረጻታት ዝከታተል ትካል ዝተሓትመ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ ሓደ እዋን ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ባይደን ብገፊሕ ይመርሕ ከምዝነረበ ኣመልኪቱ ነይሩ። ኣብቲ ውድድር ካማላ ሃሪስ ምስ ኣተወት ንደሓር ግን እቲ መሪሕነት ከምዝነከየ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ክልቲኦም ሕጹያት ነቲ ኣብታ ግዝኣት ዝርከቡ ላቲን ኣመሪካውያን ንምኽሳቦም ይወዳደሩ ኣለዉ።

ፕረዚደንት ባይደን ፕረዚደንትነት ካብ ዝሕዝ ንደሓር ቍጠባ ኣመሪካ ሓያል ዕብየትን ዕድል ስራሕን ኣርእዩ’ኳ እንተዀነ፡ ድሕሪ ኮቪድ ሕውየት ቍጠባ ነቫዳ ካብ ካልእ ቦታታት ዛሕቲሉ ይርከብ።

እታ ግዝኣት ኣብታ ሃገር ድሕሪ ካሊፎርኒያን ዲስትሪክት ኮሎምብያን ዝለዓለ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ከምዘለዋ ስታቲስቲክስ መንግስቲ ኣመሪካ ይሕብር።

ትራምፕ ዳግማይ ናብ ስልጣን እንተመጺኡ፡ ግብርን መምርሒታትን ከምዘጕድሎ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ሎጐ መረጻ ኣመሪካ

ሰሜን ካሮላይና

ካማላ ሃሪስ ፕረዚደንታዊ ተወዳዳሪት ዲሞክራት ኰይና ናብ ቅድሚት ድሕሪ ምምጽኣ ኣብታ ሓያል ውድድር ክህሉ ከምዝኽእልን፡ ውጽኢት ድማ ናብ ዝዀነ ወገን ክዘብል ዝኽእል ዘይተገማቲ ምዃኑን ይትንተን።

እዚ ምናልባት ትራምፕ ኣብ ሓምለ ኣብ ፈተነ ቅትለት ካብ ዝግበረሉ ንደሓር ንፈለማ እዋን ኣብ ዝገብሮ ሰልፊ ናብኡ ክኸይድ ኣብ ዝመረጸሉ ምኽንያት ከንጸባርቕ ይኽእል እዩ።

"እዛ ግዝኣት ንኽትዕወት ኣመና ዓባይ እያ” ክብል ንሰልፈኛታት ተዛሪቡ።

ዲሞክራት ብወገኖም ኣብታ ናይ መወዳእታ ምሸት ዋዕላ ውድቦም ንኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት ሮይ ኩፐር መድረኽ ክህቡ ወሲኖም።

እታ ምስ ጆርጅያ እትዳወብ ሰሜን ካሮላይና፡ ከም ኣሪዞናን ካልኦት ቀንዲ ጉዳያት ጸልውቲ ውጽኢት ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ዝዀና ግዝኣታት እያ።

ትራምፕ ኣብ 2020 ንሰሜን ካሮላይና ብልዕሊ 70 ሽሕ ድምጺ ከሲብዋ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ መረጻ እዚ ዓመት ግን ዲሞክራት ከወቱላ ሓያል ተስፋ ኣሕዲሮም ኣለዉ።

ፐንሲልቨንያ

ክልቲአን ሰልፊታት ኣብታ ዶናልድ ትራምፕ ካብ ፈተነ ቅትለት ዝተረፈላ ፐንሲልቨንያ ኣበርቲዖም ጐስጓስ ከካይዱ ጸኒሖም እዮም። እታ ግዝኣት ኣብ 2020 ወሳኒ ተራ ተጻዊታ እያ፤ ነቲ ምስታ ዝዓበየላ ከተማ ደርቢ-ሸቃሎ ዝዀነት ስክራንተን ጽቡቕ ውልቃዊ ርክብ ንዘለዎ ባይደን ደጊፋ።

ኣብ ፐንሲልቨንያ ከም ኣብ ብዙሕ ካልእ ግዝኣታት ጉዳይ ቍጠባ ዓቢ ኣተሓሳሳቢ ዛዕባ እዩ። ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ባይደን፡ ዝቕባበ፡ ገለ ምምሕያሽ ቅድሚ ምርኣዩ ኣብ መላእ እታ ሃገር ሰማዕ ዓሪጉ ነይሩ እዩ።

ነበርቲ ፐንሲልቨንያ ከም ካልኦት ኣመሪካውያን ልዑል ወጻኢታት መነባብሮ ጸቕጢ ይፈጥረሎም ኣሎ። ይዅን እምበር፡ ዋጋታት መግቢ ኣብ ፐንሲልቨንያ ካብ ዝኾነ ቦታ ብዝቐልጠፈ ወሰኽ ከምዘርኣየ ዝተገብረ መጽናዕቲ ዕዳጋ ይሕብር።

ቢቢሲ ኣብታ መብዛሕትኡ ግዜ ሰፊሕ ኣንፈታት መንግስቲ እተንጸባርቕ ዞባ ኤሪ፡ ሰባት ይቃለሱ ከምዘለዉን፡ ካብ ሸሞንተ ነበርቲ ሓደ ውሕስነት መግቢ ከምዘይብሉን ጸብጺቡ።

ልዑል መጠን ዝቕባበ ንካማላሃሪስ ክሃስያ ከምዝኽእል እዩ ዝግመት። ምኽንያቱ መረጽቲ ዝተኣማምን ኣንፈታትን ምምሕያሽ ኣብ ጉዳይ ቍጠባ ከምዘይረኣዩላ እዩ ዝትንተን። ትራምፕ ድማ ምስ ቁጠባዊ ፖሊሲታት ባይደን ኣተኣሳሲሩ ኣጥቂዑዋ እዩ።

ዊስኮንሲንስ

እታ ብ ‘ባጀር ስቴት’ እትፍለጥ ዊስኮንሲን፡ ኣብ ክልቲኡ 2016ን 2020ን ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዋን ብልዕሊ 20 ሽሕ ድምጺ ነቲ ዝሰዓረ ሕጹይ ፕረዚደንት ኣዐዊታቶ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግዝኣታት፡ ካብቶም ቀንዲ ሕጹያት ወጻኢ ዝዀኑ፡ ተቓወምቲ ፖሊሲታት እተን ዓበይቲ ሰልፊታት ዝዀኑ ሕጹያት ሳልሳይ ወገን ኣብዚ ርኡይ ለውጢ ከምጽኡ ከም ዝኽእሉ ክኢላታት ይዛረቡ። ግምታት ከም ዝሕብርዎ፡ ጽቡቕ ደገፍ ዝረክብ ዘሎ ናጻ ተወዳዳሪ ሮበርት ኤፍ ኬነዲ ጁንየር ንውጽኢት ሃሪስ ወይ ትራምፕ ክጸልዎ ይኽእል እዩ።

ዲሞክራትስ ንሕጽይቲ ሓምላይ ሰልፊ ጂል ስታይን፡ እቲ ሰልፋ ንሕግታት መረጻ ክፍለ ግዝኣታት ከምዘይተኸተለ ብምግላጽ ካብ መረጻ ንምእላይ ክጽዕሩ ጸኒሖም’ዮም። ኣብ ልዕሊ ኮርነል ወስት ዝተባህለ ዝንባለ ጸጋማዊ ፖለቲካ ዘለዎ ምሁር’ውን ጥርዓን ኣቕሪቦም።

ትራምፕ ንዊስኮንሲን ወሳኒት ግዝኣት ምዃና ብምግላጽ፡ “ንዊስኮንሲን እንተተዓዊትና ንዅሉ ንዕወት” ኢሉ ነይሩ። ሃገራዊ ዋዕላ ሪፓብሊካን ኣብ ዝሓለፈ ሓጋይ ኣብ ሚልዋኪ እዩ ተኻይዱ፤ ሃሪስ እውን፡ ዲሞክራታውያን ሕጽይቶም ክትከውን ብወግዒ ኣብ ዝሓረዩሉ ኣብታ ከተማ ጐስጓስ ትገብር ነይራ።

ባነር