ኣብ መረጻ ኣመሪካ መን ይመርሕ ኣሎ? ትራምፕ ወይስ ካማላ ሃሪስ

ኣመሪካውያን መራሒኦም ንምምራጽ ናብ ናቑጣታት መረጻ ከምርሑ ንዕለት 5 ሕዳር ዘይትርፍ ቆጸራ ሒዞም ኣለዉ።
ሰፍ ዘይብል ሕቶ ኣመሪካውያን ግን፡ “ሃገሮም ንመጀመርታ ግዜ ብጓል ኣንስተይቲ ክትምራሕ ድያ ወይስ ዶናልድ ትራምፕ ዳግማይ ክመፅእ'ዩ?” ዝብል እዩ።
ኣብ ቅድመ-መረጻ መን ይመርሕ ኣሎ?
ካብ 5 ጥቅምቲ ጀሚሩ ዝተአከበ ርእይቶ ህዝቢ ከምዘርእዮ፡ ዲሞክራት ካማላ ሃሪስ፡ ንመወዳድርታ ዶናልድ ትራምፕ ብጸቢብ ኣፈላላይ ትመርሖ ኣላ።
ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሕጹያት ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ክትዕ ልዕሊ 67 ሚልዮን ሰባት ብቀጥታ ተኸታቲምዎ።
ድሕሪ እዚ ክትዕ ዝተኣከበ ድምጺ፡ ካማላ ሃሪስ ንመወዳድርታ ዶናልድ ትራምፕ ብጸቢብ ፍልልይ ትመርሖ ኣላ።
ካማላ፡ ካብቲ እዋን ጀሚሩ ፍልልዮም፡ ካብ 2.5 ናብ 3.3 ኣስፊሓቶ።
ብዙሓት፡ እታ ምክትል ፕረዚደንት ኣብቲ ክትዕ ዝያዳ ጸብለልታ ከምዘርኣየት ይኣምኑ። ብኣንጻሩ ዶናልድ ትራምፕ ካብ ቅድሚ’ቲ ክትዕ ዝነበሮ ቁሩብ ወሪዱ።
ቅድሚ እቲ ቀንዲ መዓልቲ መረጻ ዝእከብ ዳህሳስ፡ ተቐባልነት እቶም ሕፁያት ዘንፀባርቕ እኳ እንተኾነ፡ ውፅኢት መረጻ ዘርኢ ግን ኣይኮነን።
ዕዉት ብኸመይ መንገዲ እዩ ዝፍለ?
ኣመሪካ ፕረዚደንታ ብመንገዲ ‘ኤሌክቶራል ኮሌጅ’ ኣቢላ እያ ትመርጽ። እዚ ማለት ነፍሲ ወከፍ ግዝኣት ብመጠን ብዝሒ ህዝባ ድምጺ-ኮታ ይወሃባ።
ብድምር 538 ድምጺ ኤሌክቶራል ኮሌጅ ኣሎ። ሕጹያት ናብ ዋይት ሃውስ ንምእታው፡ እንተወሓደ 270 ነጥቢ ክረኽቡ ኣለዎም።
ኣብ ኣመሪካ 50 ግዝኣታት ኣለዋ። መብዛሕትኡ ግዜ ዝበዝሓ ግዝኣታት ንመን ከም ዘድምጻ ይፍለጥ እዩ።
ኣብተን 'ተወላወልቲ’ ዝበሃላ ንመን ከምዘድምጻ ዘይግመታ፡ ኣየናይ ሕጹይ ዝያዳ ድምጺ ይረክብ ዝብል እዩ እቲ ወሳኒ ነጥቢ።
ኣብተን ወሰንቲ ግዝኣታት መን ይመርሕ ኣሎ?
7 ግዝኣታት ንመን ከም ዝመርጻ ገና ኣይተፈልጠን። ኣብዘን ግዝኣታት ኣብ መንጎ ካማላን ትራምፕን ዘሎ ፍልልይ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ።
ፔንስልቨንያ፡ ዝበዝሐ ቁጽሪ ናይ ኤሌክቶራል ኮለጃት ዘለዋ ግዝኣት እያ። ኣብዚ ግዝኣት’ውን እንተዀነ፡ መን ከም ዝዕወት ንምፍላይ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።
እተን ሸውዓተ ወሰንቲ ግዝኣታት ፐንሲልቫንያ፣ ሰሜን ካሮላይና፣ ኔቫዳ፣ ኣሪዞና፣ ጆርጅያ፣ ሚቺጋንን ዊስ-ኮንሲንን እየን።
ካማላ ሃሪስ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናብቲ ወፍሪ ድሕሪ ምጽንባራ ኣብ ሓያሎ እዘን ግዝኣታት ትዕብልል ኣላ።
እቲ ቁጽሪ ከም ዘመልክቶ፡ ሃሪስ ኣብ ሚቺጋን፡ ፐንሲልቫንያን ዊስኮንሲንን ኣብ ቅድሚት ትመርሕ ኣላ።
ይኹን እምበር እቲ ኣፈላላይ ገና ጸቢብ እዩ ዘሎ።
እዘን ግዝኣታት መብዛሕትኡ ግዜ ንሰልፊ ዲሞክራትስ እየን ዝመርጻ። ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2016 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ምስ ተዓወተ ግን ነገራት ተቐይሮም ነይሮም።
ባይደን ኣብ 2020 ንዶናልድ ትራምፕ ምስ ሰዓረ ድማ እዘን ግዝኣታት ናብ ሰማያዊ [ናይ ሕብሪ ዲሞክራትስ] ተመሊሰን እየን።
ሃሪስ፡ ኣብዘን ግዝኣታት እንተተዓዊታ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ናይ ምዃን ዕድላ ልዑል እዩ።
ሕጂ ኣብ መንጎ ካማላ ሃሪስን ዶናልድ ትራምፕን ዘሎ ፍልልይ ኣዝዩ ጸቢብ ብምዃኑ፡ ተዓዋቲ ንምግማት ኣጸጋሚ ኰይኑ ኣሎ።
ኣብ መረጻ 2016፡ ኣብ ዳህሳስ ቅድም-መረጻ፡ ዶናልድ ትራምፕ ክብዳህ ምዃኑ ኣተንቢሁ ነይሩ።
ኣብ መረጻ 2020 ብተመሳሳሊ ዶናልድ ካብ መወዳድርቱ ቀዲሙ በሊጹ ነይሩ፤ እቲ ውፅኢት ግን ተቓራኒ ኰይኑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







