'ውነይ ስሒተ ነይረ'፡ ትራምፕ ናብታ ፈተነ ቅትለት ዝተኻየዳ ተመሊሱ ጐስጓስ ኣካይዱ

ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብታ ፈተነ ቅትለት ዝተኻየደላ ከተማ ባትለር -ፔንስልቨንያ ዳግመ ጐስጓስ መረጻ ኣካይዱ።

እዚ እቲ ፍፃመ ፈተነ ቅትለት ምስ ተኻየደ፡ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ እዩ ዝኸውን ዘሎ።

ትራምፕ፡ ኣብቲ ፈተነ ቅትለት ኣብ እዝኑ ብጥይት ተሃሪሙ ብህይወት ምትራፉ ዝዝከር እዩ።

ኣብቲ እዋን፡ ብድሕሪኡ ደው ኢሉ ዝነበረ ውልቀ-ሰብ ክቕተል እንከሎ፡ ካልኦት ክልተ ድማ ብኸቢድ ቈሲሎም።

ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብቲ ናይ ትማሊ ጐስጓሱ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ነቲ ኣብቲ እዋን ዝሞተ ናይ ሕልና ጸሎት ገይሩ።

“ንህዝቢ ኣመሪካ ክኸፍሎ ዝኽእል ዋጋ ክሳብ ክንደይ ርሕቐት ከም ዝኸይድ ከዘኻኽረኩም ደጊመ መጺአ ኣለኹ” ኢሉ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብዚ ወሳኒ ጐስጓስ ብምክትሉ ጄዲ ቫንስን ቢልዮነር ኢለን መስክን ተዓጂቡ ነይሩ።

ኣብ ባትለር-ፔንሲልቫንያ ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ፡ ‘ሲክሬት ስሪቭስ’ ከቢድ ሓለዋ ጸጥታ ብምውፋር፡ እቲ ከባቢ ብሰብ ኣልቦ ነፈርትን ስናይፐርን ክሕሎ ገይሮም።

ብተወሳኺ ትራምፕ ዘረባ ዘስምዓሉ ዝነበረ ኣትሮኖስ፡ ብጥይት ዘይብሳዕ ብርጭቆ ተሸፊኑ ነይሩ።

ትራምፕ ኣብዚ እዋን ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ብጥይት ዝተሰሓተሉ ህሞት ዘኪሩ፤ ን15 ካልኢት ፈዚዙ ደው ደው ከም ዝበለ ሓቢሩ።

ዶናልድ ትራምፕ ናብ ፔንሲልቫንያ ደጊሙ ዝመጽኣሉ ምኽንያት፡ ኣብታ ግዝኣት ምዕዋት፡ ፕረዚደንት ኰይኑ ንምምራጹ ወሳኒ ስለ ዝዀነት እዩ።

ኣብ መረጻ ኣመሪካ፡ ልዕሊ እተን ዝተረፋ 47 ግዝኣታት፡ እተን 7 ግዝኣታት መጻኢ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣብ ምውሳን ዝዓዘዘ እጃም ኣለወን።

ነዚ እዩ ድማ፡ ክልቲኦም ሕጹያት- ካማላ ሃሪስን ዶናልድ ትራምፕን፡ ኣብተን ብልሙድ 'ስዊንግ ስቴትስ' [ተወላወልቲ] ተባሂለን ዝጽውዓ ሸውዓተ ግዝኣታት ኣበርቲዖምን ብቐጻልን ጐስጓስ ዘካይዱ ዘለዉ።

ዋላ'ኳ 270 ሚልዮን ኣመሪካውያን ኣብዚ መረጻ ቀጻሊ ፕረዚደንቶም ንምምራጽ ድምጾም ክህቡ ብቑዓት እንተዀኑ፡ እቶም ንፕረዚደንት ዝውስኑ መረጽቲ ግን ኣብዘን ግዝኣታት እዮም ዝርከቡ።

ትራምፕ፡ ትማሊ ጐስጓስ ዘካየደለን ጆርጅያ፣ ሚቺጋን፣ ሰሜን ካሮላይና፣ ኣሪዞና፣ ዊስኮንሲን፣ ኔቫዳን ፔንስልቨንያን ኣብዚ ዝመጽእ መረጻ ንምዕዋት ኣገድስትን ቀንድን ግዝኣታት እየን።

ብመሰረት ህዝባዊ ዳህሳስ፡ ኣብዘን ሸውዓተ ግዝኣታት ካማላ ሃሪስን ዶናልድ ትራምፕን ኣዝዩ ተቓራረቢ ቕቡልነት ኣለዎም።

ካብዚ ብዝብገስ፡ እዚ ናይ ሕዚ መረጻ ኣመሪካ፡ ምናልባት ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር፡ ዝያዳ ንሕንሕን ዕግርግርን ዝረአየሉ ከይኸውን ይስጋእ።

ዶናልድ ትራምፕ ካልእ እንታይ ኢሉ?

ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደሉ ፈተነ ቅትለት ዘኪሩ ተዛሪቡ ነይሩ።

"እዚ ተንኰለኛ ድያብሎስ ክቐትለኒ ፈቲኑ፤ ኣነ ግን ኢደይ ኣይሃብኩን፤ ፈጣሪ ይምስገን"።

ድሕሪ እዚ ፈተነ ቅትለት፡ ትራምፕ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ መጻወቲ ጐልፍ ካልእ ስብኣይ ከጥቀዖ ኣብ ዝዳለወሉ ዝነበረ እዋን ተታሒዙ ኣብ ቀይዲ ከም ዝወዓለ ይዝከር።

ኣብቲ ናይ ትማሊ ጐስጓስ፡ ወዱ ኤሪክ ትራምፕን ቢልዮነር ኢለን መስክን ዓጂቦምዎ ተረኺቦም ነይሮም።

ትራምፕ ነቲ ኣካታዓይ ዋና ኤክስ ኢለን መስክ ናብ መድረኽ ዓዲሙ ዘመስገኖ ኰይኑ፡ ንሱ ድማ ሓጺር መደረ ኣስሚዑ።

"ከም ናተይ ኣረኣእያ፡ እዚ መረጻ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ እቲ ዝዓበየን ኣገዳሲን እዩ” ክብል ድጋፉ ንትራምፕ ከም ዝህብ ተዛሪቡ።

ኣብ ዳግማይ-ጐስጓስ ከተማ ባትለር ልዕሊ 25 ሽሕ ሰባት ተረኺቦም።

ትራምፕ ከምቲ ልሙድ ንጆ ባይደንን ካማላ ሃሪስን ብምንቃፍ፡ "ሃገርና ብዘይሕጋውያን ስደተኛታት ተወሪራ" ክብል ከሲስዎም።

ትራምፕ፡ ቅድሚ ሕዚ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ፡ ንዲሞክራት እዩ ተሓተትቲ ዝገብር።

ትራምፕ ኣብ ናይ ትማሊ ጐስጓሱ፡ "ገበን ንቡር ኰይኑ፡ ክብሪ ኣመሪካ ወዲቑ፡ ብዘይሕጋዊ ስደተኛታት ተወሪርና፤ ክብርኹም ክመልስ ዝኽእል ኣነ ጥራይ እየ" ኢሉ።

መዓልቲ መረጻ ኣመሪካ ሓደ ወርሒ ጥራይ ተሪፍዎ ኣሎ።