ዶናልድ ትራምፕ፡ ሜላንያ ትራምፕ ስለምንታይ ኣንጻር በዓል ቤታን ሰልፉን መሰል ምንጻል ጥንሲ ደጊፋ?

ሜላንያ ትራምፕ ምስተን ምስ ኣረኣእያ ሰብኡተን ዝጋጮ መሰል ምንጻል ጥንሲ ዝድግፋ ሪፓብሊካን ቀዳሞት ኣንስቲ ነበር ዝተጸንበረት ትመስል

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሜላንያ ትራምፕ ምስተን ምስ ኣረኣእያ ሰብኡተን ዝጋጮ መሰል ምንጻል ጥንሲ ዝድግፋ ሪፓብሊካን ቀዳሞት ኣንስቲ ነበር ዝተጸንበረት ትመስል

ሜላንያ ትራምፕ፡ ን"ውልቃዊ ናጽነት" ደቂ ኣንስትዮ ዘለዋ ደገፍ ገሊጻ ኣላ።

ንሳ ኣብ ቀረባ እዋን ንዝዝርጋሕ መጽሓፋ ኣብ ዝገበረቶ ሓጺር መወዓውዒ ቪድዮ፡ "ኵለን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ውልደት ጀሚረን ዝውንናኦ ኣገዳሲ መሰል" ከምዘለወን እያ ጠቒሳ።

ሜላንያ ትራምፕ ኣብዚ ጉዳይ ዝወሰደቶ ርኡይ መርገጺ ምስ መርገጺ በዓል ቤታ ዝጻረር ይመስል።

እዚ ሕጂ ዘርኣየቶ መርገጺ መሰል ምንጻል ጥንሲ ግን ንፖለቲካዊ ረብሓ ድዩ?

ደገፍን ተቓውሞን ምንጻል ጥንሲ

ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ኣማራጺ ክኸውን ኣለዎ’ዶ የብሉን ዝብል ክትዕ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሰባት ዝተፈላለየ መርገጺ ክሕዙ ገይርዎም’ዩ።

ምንጻል ጥንሲ ዝድግፉን ዝቃወሙን ጕጅለታት ድማ ዝተፈላለየ ምኽንያት ይህቡ።

ካብቶም ደገፍቲ ዝህብዎ ምኽንያት ሓደ፡ ምንጻል ጥንሲ ንህይወት ዝከላኸል ውሑስ ሕክምናዊ ኣገባብ ምዃኑ ይገልጽ። ብተወሳኺ እገዳ ምንጻል ጥንሲ ነተን ንጥዕናአን ክብላ ግድን ምንጻል ጥንሲ ዘየድልየን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓደጋ ከምዘእትዉ ይጠቕሱ። ምስ ቍጠባዊን ኣካላዊ ርእሰ-ምሕደራ ብምትእስሳር ኣብ ማሕበረሰብ ሰፊሕ ሳዕቤን ከምዝፈጥር’ውን ይምጕቱ።

ብኣንጻሩ ተቓወምቲ ጕጅለታት ድማ፡ ህይወት ካብ ጥንሲ ስለእትጅምር፡ ምንጻል ጥንሲ ከም ቅትለት ወዲ ሰብ ይቘጽርዎ።

ብሰንኪ ምውሳኽ ተበጻሕነት መከላኸሊ ጥንሲ፡ መድሕን ጥዕናን ጾታዊ ትምህርትን ድማ ምንጻል ጥንሲ ኣድላዪ ኣይኰነን ይብሉ።

ሜላንያ ስለምንታይ ሕጂ ንምንጻል ጥንሲ ደጊፋ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሜላንያ ትራምፕ፡ በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበርን ሕጂ ድማ ሕጹይ ተወዳዳሪ ፕረዚደንትን ሪፓብሊካን ዶናልድ ትራምፕ እያ። ትራምፕ ንሰልፊ ሪፓብሊካን ወኪሉ እዩ ዝወዳደር ዘሎ። ሪፓብሊካን ድማ፡ ኣንጻር መሰል ምንጻል ጥንሲ ዝጕስጉስ ሰልፊ እዩ።

ዶናልድ ትራምፕን መሰል ምንጻል ጥንሲ ንምግልባጥ ብምሕጋዙ ዝውደስ ዝውደስ ፖለቲከኛ እዩ።

መብዛሕትኦም ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊክ፡ መሰል ምንጻል ጥንሲ ኣይድግፉን።

ብዛዕባ መሰል ምንጻል ጥንሲ ብዝምልከት ኣብ መንጐ ሕጽይቲ ፕረዚደንት ዲሞክራት ካማላ ሃሪስን ተወዳዳሪ ሪፓብሊካን ዶናልድ ትራምፕን ርኡይ ፍልልይ ኣሎ።

ትራምፕ ኣብ ሰነ 2022 ንፌደራላዊ ሕገ መንግስታዊ መሰል ምንጻል ጥንሲ ንምግልባጥ ድምጾም ዝሃቡ ሰለስተ ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብምሻሙ ዓወት ከምዝረኸበ ብተደጋጋሚ ክጕስጉስ ይስማዕ’ዩ።

ይዅን እምበር፡ መረጻ 2024 ኣብ ዝቐረበሉ ዘሎ እዋን፡ ትራምፕን ካልኦት ኣብ ሰልፊ ሪፓብሊካንን ዝርከቡ ኣባላትን ኣንጻር መሰል ምንጻል ጥንሲ መርገጺ ሒዞም ይርከቡ።

ንኣብነት ትራምፕ፡ ብ24 መስከረም ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እንተ ተመሪጹ ደቂ ኣንስትዮ “ድሕሪ ደጊም ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ኣይክሓስባን’የን” ምባሉ ይዝከር።

ይዅን’ምበር በዓል ቤቱ ሜላንያ፡ ኣንጻር መርገጺ ትራምፕን ዝውክሎ ሰልፊን ዘለዋ ኣረኣእያ እያ ተአንፍት ዘላ።

ኣረኣእያ ሜላንያ ግን ሓድሽ ክስተት ኣይኰነን፤ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ልምዲ ኣመሪካውያን ሪፓብሊካን ቀዳሞት ኣንስቲ ዝኽተል እዩ።

‘ሮይ ኣንጻር ዋይድ’ ዝብል ክትዕ መሰል ምንጻል ጥንሲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 1973 ካብ ዝውሰን ጀሚሩ፡ ሕጋዊ መሰል ምንጻል ጥንሲ ክሕሎ ኣለዎ ዝብላ ቀዳሞት ኣንስቲ መራሕቲ እታ ሃገር ተራእየን እየን።

ኣብ 1975፡ ቀዳመይቲ እመቤት ቤቲ ፎርድ ገና ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ነቲ ምንጻል ጥንሲ ዝድግፍ ውሳነ "ዓቢ፡ ዓቢን ውሳነ" ኢላቶ ከምዝነበረት ይዝከር።

ናንሲ ሬጋን፡ በዓል ቤታ ፕረዚደንት ሮናልድ ሬጋን ካብ ስልጣኑ ክሳብ ዝወርድ ተጸቢያ፡ "ኣብ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ከም እትኣምን" ገሊጻ ነይራ።

በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ጆርጅ ኤች ደብሊው ቡሽ ዝዀነት ባርባራ ቡሽንን ሰበይቲ ወዳ ላውራ ቡሽን እውን ተመሳሳሊ መርገጺ ነይርወን። ሰብኡተን ካብ ዋይት ሃውስ ምስ ወጹ ነዚ ጉዳይ ከምዝድግፋ ምቅላዐን ይዝከር።

ይዅን’ምበር ኣገባብ ጉዳይ ሜላንያ ካብዚ ዝተፈልየ እዩ።

ንሳ ብሓሙስ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሓቶ ቪድዮ፡ "ኣብዚ ኵለን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ውልደት ጀሚረን ዝውንናኦ ኣገዳሲ መሰል ዝዀነ ውልቃዊ ናጽነት ክመጽእ ከሎ፡ ንዝርርብ ቦታ የለን" እያ ኢላ።

ኣብ ጋዜጣ ዘ ጋርድያን ዝጠቐሰ ጽሑፋ ድማ፡ “ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዝዀነ ምትእትታው ወይ ጸቕጢ መንግስቲ ነጻ ኰይነን፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሰን እምነት ተመርኲሰን፡ ውላድ ክወልዳ ኣብ ምምራጽን መሰል ከምዘለወን ውሕስነት ምሃብ ኣገዳሲ እዩ” ትብል።

“ብዘይካ'ታ ሰበይቲ ባዕላ፡ ካልእ ሰብ ብዛዕባ ኣካላታ ናይ ምውሳን ሓይሊ ስለምንታይ ይህልዎ? ጓል ኣንስተይቲ ዘለዋ መሰረታዊ መሰል ውልቃዊ ናጽነት፡ ኣብ ህይወታ፡ እንተደልያ ጥንሳ ከተቋርጽ ስልጣን ዝህባ’ዩ" ክትብል ድማ ኣእሰሚራ።

“ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዘይተደለየት ጥንሲ ናይ ምቍራጽ መሰላ ምድራት፡ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ኣካላታ መሰል የብላን ከምማለት እዩ ዝቑጸር። እዚ እምነት እዚ ድማ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ተሰኪመዮ ጸኒሐ’የ።"

ሜላንያ ዝሃበቶ ርእይቶ ድማ ንብዙሓት ኣሰንቢዱ ኣሎ።

ጋዜጠኛን ደራሲት መጽሓፍ ቀዳሞት ደቂ ኣንስትዮን ኬት ኣንደርሰን ብሮወር፡ "ኣዝየ ሰንቢደ፡ ናይ ብሓቂ ምዃኑ ክምርምር ደልየ" ትብል። "ምስ በዓል ቤታ ኣዝያ ክትሰማማዕ’ያ ጸኒሓ፡ ስለዚ ኣብዚ ጉዳይ ከመይ ጌራ እያ ካብቲ ንዓመታት ክትግደሰሉ ዝጸንሐት ነገር ብሓደ ግዜ ወጺኣ?"

ክሳብ ሕጂ ሜላንያ፡ በዓል ቤታ ዳግማይ መረጻ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ምንጻል ጥንሲ ዘለዋ መርገጺ ዘፍለጠት እንኮ ቀዳመይቲ እመቤት እያ።

ኬት ኣንደርሰን ከምትብሎ፡ ብርግጽ ሜላንያ ርእይቶ ዝሃበትሉ ግዜ፡ ዝዀነ ፖለቲካዊ ለውጢ ክህሉ ከምዝኽእል ዝሕብር እዩ።

"እዚ ኮነ ኢልካ ኣብ ቅድመ መረጻ ክዝርጋሕ ዝተገብረ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ፤ ምኽንያቱ ኣብቶም ምግልባጥ መሰል ምንጻል ጥንሲ ዝረበሾም መራጽቲ ለውጢ ከስዕብ ይኽእል'ዩ" ትብል። "እዚ ድማ ምናልባት ንሱ [ትራምፕ] ኣብ ምንጻል ጥንሲ ምልስላስ የርኢ ከምዘሎ ምልክት ክኸውን ይኽእል'ዩ።"

ሪፓብሊካዊት ስትራተጂስት ሪና ሻህ ግን ዝተፈለየ ኣረኣእያ ኣለዋ።

በዓልቲ ቤት ትራምፕ ንሰብኣያ ክትሕግዝ ትፍትን ኣላ ዝብል ኣተሓሳስባ "ምስ’ታ እንፈልጣ ሜላንያ ዝቃደው" ከምዘይኰነ እያ ትዛረብ።

"ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብቲ መረጻ ዝቕይሮ ነገር የለን፡ ንሳ’ውን ነዚ ትፈልጥ’ያ” ትብል።

ተበጻሕነት ምንጻል ጥንሲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ዝካየድ መረጻ 2024 ቀንዲ ጉዳይ'ዩ። እዚ ድማ ነቲ ኣገባብ ዝቃወም ዓቃባዊ መሰረትን ተበጻሕነት ምንጻል ጥንሲ ዝድግፍ ሰፊሕ መራጽትን ንምስሓብ ኣብ ዝቃለስ ዘሎ ሰልፊ ሪፓብሊካን ከም ሓደ ድኽመት ዝቝጸር’ዩ።

ኣብ ምሉእ ጎስጓስ 2024፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብዚ ጉዳይ ዘለዎ መርገጺ ክለዋወጥ ጸኒሑ'ዩ።

ቢቢሲ ካብ ጐስጓስ ትራምፕ ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።

ሕጽይቲ ፕረዚደንት ዲሞክራት ካማላ ሃሪስ ግን ካብ ድኽመት መርገጺ ትራምፕ ገለ ነገር ክትረብሕ ኣብ ምጽዓር ትርከብ።

ንሳ፡ ትራምፕ ንርእሰ-ምሕደራ ደቂ ኣንስትዮ ሓደጋ ምዃኑ ብቐጻሊ ክትዛረብ ጸኒሓ’ያ።

ወሃቢት ቃል ጐስጓስ ሃሪስ-ዋልዝ ሳራፊና ቺቲካ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ኣብ መላእ ኣመሪካ ንደቂ ኣንስትዮ ዘሕዝን ነገር እንተሃልዩ፡ በዓል ቤት ሜላን፡ ምስኣ ብጽኑዕ ዘይምስምማዕ ምዃኑን፡ ካብ ሰለስተ ኣመሪካውያን ደቂ ኣንስትዮ ልዕሊ ሓንቲ ኣብ ትሕቲ እገዳ መሰል ምንጻል ጥንሲ ትራምፕ ዝነብራሉ ምኽንያት'ዩ፤ እዚ ድማ ንጥዕናአነ፡ ናጽነተንን ህይወተንን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ'ዩ" ክትብል እያ ብዛዕባ መርገጺ ካማላ ኣረጋጊጻ።