መረጻ ኣመሪካ፡ ኣዕራብን ኣስላምን ኣመሪካውያን ንመኖም የድምጹ ይዀኑ?

ኣብ ሚቺጋን ከተማ ዲርቦርን መበል ሓደ ዓመት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብሓማስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንምዝካር 7 ጥቅምቲ 2024 ተኣኻኺቦም ዘኪረሞ

ምንጪ ስእሊ, AFP

    • Author, Rafid Jabouri
    • Role, BBC News Arabic
    • Reporting from, Michigan

ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ መዓልታት ኣብ ዝተረፈሉ፡ ኣብ ሚቺጋን ዝርከቡ ኣዕራብ ኣመሪካውያን ኣብ ቀራና መንገዲ ምህላዎም ይሕብሩ።

እታ ክፍለ ግዝኣት 15 ‘ኢለክቶራል ቮትስ’ [መረጻዊ ድምጺ] እዩ ዘለዋ።

እዚ ድምጺ ንውጽኢት ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣዝዩ ዝጸሉ ሓለፋ’ዩ።

እቶም ዓረብ ዝመበቈሎም ኣመሪካውያን ከኣ ንካማላ ወይ ንትራምፕ ምምራጽ፡ ቀሊል ኰይኑ ኣይረኸብዎን፤ ክንዮ እቲ ዘቤታዊ ጉዳያት መን’ዩ ኣብ ኣተሓሕዛ ቅልውላው ማእከላይ ምብራቕ ዝሓሸ ዝብል’ውን ክሓስብሉ ስለዘለዎም።

ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ኣመሪካ ከምዚ ዓይነት ወጣሪ ዝዀነ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣይተረኣየን።

ሚቺጋን ከኣ ንኽልቲኦም ተወዳደርቲ ሓንቲ ካብ ወሰንቲ ክፍለ ግዝኣት’ያ ክትከውን።

ኣብ ሚቺጋን ኣብ ከም ከተማ ዲርቦርን ዝኣመሰላ ኣዝዮም ብዙሓት ኣዕራብ’ዮም ዘለዉ።

እዛ ወትሩ ዲሞክራትስን ሪፓብሊለካን ብጸቢብ ዝፈላለዩላ ክፍለ ግዝኣት ከኣ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት መረጻ ልዕሊ ዝዀነ እዋን ዓቢ ኣቓልቦ ረኺባ ኣላ።

ብዙሕ ዝመበቈሉን ዝተመቃቀለን ሕብረተሰብ

ሪማ መሩህ ዓረብ መበቆሎምን ኣስላምን ድምጾም ንምሃብ ንማእከላይ ምብራቕ ቀንዲ ማእከሎም ከምዝገብሩ ትገልጽ
መግለጺ ስእሊ, ሪማ መሩህ ዓረብ መበቆሎምን ኣስላምን ድምጾም ንምሃብ ንማእከላይ ምብራቕ ቀንዲ ማእከሎም ከምዝገብሩ ትገልጽ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ሚቺጋን ኣዝዮም ብዙሓት ዓረብ መበቆሎም ኣመሪካውያን’ዮም ዘለዉ።

ኣብታ ክፍለ ግዝኣት ኣማኢት ኣሽሓት ከምዘለዉ ከኣ ጸብጻባት ኣሎ፤ ንመን ክመርጹ ከምዘለዎም ኣብ ዝውስንሉ፡ ማዕረ ማዕረ ጉዳይ ኣመሪካ መን ኣብ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ማእከላይ ምብራቕ ዝሓሸ ኣተሓሕዛ ይኽተል ይኸውን ዝብል ክሓስብሉ ግድን’ዩ።

ኣብ ከተማ ዲርቦርን ንመርበብ ማሕበረሰብ ዓረብ ኣመሪካውያን እትመርሕ ሪማ መሩህ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት ኣብ ሚቺጋን ቍጽሪ ዓረብ መበቆሎም ኣመሪካውያን ምፍላጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምዃኑ ትሕብር።

ብገምጋም ግን ብውሕዱ 300 ሽሕ ከምዝዀኑ ግምታ ተቐምጥ።

ንሳ ከተነጻጽር እንከላ ኣብ 2016 ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝተዓወተሉ ኣብ ሚቺጋን ናይ ዓሰርተ ሽሕ ጸብለልታ ድምጺ ከምዝነበሮ፤ ጆ ባይደን ኣብ 2020 ኣብ ዝተዓወተሉ ከኣ ኣብታ ክፍለ ግዝኣት ናይ 100 ሽሕ ጸብለልታ ድምጺ ከምዝነበሮ ተብርህ።

ዋላ ደኣ ኣብታ ክፍለ ግዝኣት ዝርከቡ ኣዕራብ ኣመሪካውያን ውሑድ ዕሽር ናይታ ክፍለ ግዝኣት ዝውክሉ ይዅኑ’ምበር ኣብ ድምር ውጽኢት ዓቢ ፍልልይ ክፈጥሩ ከምዝኽእሉ ሪማ ትገልጽ።

ሪማ፡ እዚኣቶም ኣብ መረጻ ንሓደ ነገር ጥራይ ጠሚቶም ድምጾም ከምዘይህቡ ኣብ ዝሓለፈ መረጻታት ከምዘስተብሃለት ኣይሓበአትን።

ብፍላይ ሕጂ ከኣ ምስቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብሓፈሻ ዘሎ ቅልውላው ብፍላይ ከኣ ኣብ ቓዛ ዘሎ ኲናት ተታሓሒዙ፡ ድምጾም ክህቡ እንከለዉ ነዚ ኣብ ግምት ከምዘእትውዎ ትሕብር።

ካብዚ ብምብጋስ ገለ ነቲ ትራምፕ ‘ቀዳምነት ኣመሪካ’ ዝብል መሪሕ ሓሳቡ ተመርኵሶም ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ቅልውላው ደው ከብሎ ይኽእል’ዩ ክብሉ እንከለዉ ገለ ከኣ ካማላ ሃሪስ ልዕሊ ትራምፕ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ልዝብ ስለእትኣምን ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ቅልውላው ብዲፕሎማስያዊ ልዝብ ክትፈትሖ’ያ ዝብል እምንቶ ኣለዎም።

ገለ ከኣ ነቲ ንግሪን ፓርቲ ትውክል ዘላ ጂል ስተይን ዝድግፉ ኣለዉ፡ ምኽንያቱ ጂል ስተይን ኣመሪካ ንእስራኤል ምድጋፋ ብትሪ’ያ ትቃወም።

ቅልስ ኣብ ፖሊሲ ማእከላይ ምብራቕ

ሳም ዓባስ

ካማላ ሃሪስ ዋላ ደኣ እቲ ንሳ ትውክሎ ዘላ ሰልፊ ዲሞክራሲ ንእስራኤል ዝድግፍ ይዅን’ምበር ንሳ ኣብ ቓዛ ምቍራጽ ተዅሲ ንኽግበር ክትሰርሕ ምዃና ቃላ ኣትያ ኣላ።

ብዘይካ'ዚ ካማላ ንመሰል ፍልስጤማውያን፡ ንጸጥታ እቲ ዞባ፡ ንኽብርታትን ርእሰ ውሳነነን ህዝቢ እቲ ዞባ ከምእትድግፍ’ውን ኣይሓበአትን።

እንተዀነ ሳም ዓባስ እዚ ቅድሚ መረጻ ዝበሃል ቃል ጥራይ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።

ነባሪ ከተማ ዲርቦርንን ወናኒ ቤት መግብን ዝዀነ ሳም ዓባስ ባይደንን ካማላ ሃሪስን ቀንዲ ናይቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝፈስስ ዘሎ ደም ተሓተትቲ ክዀኑ ከምዝግባእ ብምሕባር፡ እዚ ቅድሚ መረጻ ዝወሃብ ዘሎ ጥዑም ቃላት ድምጺ ንምርካብ ኢሎም ዝብልዎ ከምዝዀነ ይዛረብ።

ካብቶም ናብ ቤት መግቡ ዝመጽኡ ንካማላ ሃሪስ ናይ ምምራጽ ድሌት ዘለዎ ከምዘየለ’ውን ይጠቅስ።

ዓባስ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት መረጻ ‘ካብ ክልተ ስሕለት ዘለዎ ሰይጣን ንሓዲኡ ምረጽ’ ዝዓይነቱ ከምዝዀነ ይሕብር።

በቲ ካልእ ወገን ትራምፕ ጸረ ስደተኛታትት ፖሊሲ ዘተኣታቱ፡ ብሓያሎ ዓቃብውን ጸረ-ሙስሊምን ዓረብን ዝሕሰብ፡ ደጋፊ እስራኤልን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ጽቡቕ ርክብ ዘለዎ ደኣ ይዅን’ምበር ካብ ብዙሓት ተወለድቲ ሃገራት ዓረብ ዝዀኑ ኣመሪካውያን ደገፍ ኣለዎ።

ትራምፕ ኣብቲ ንሱ ፕረዚደንት ዝነበረሉ እዋን ዝዀነ ሓድሽ ኲናት ከምዘይነበረ ብምጥቃስ፡ ንሱ ኣብ ስልጣን እንተዝነብር እቲ ኣብ ዩክረይንን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዝተወለዐ ኲናት ደው ከብሎ ዝኽእል ክስተት ምንባሩ ይሕብር።

እቲ ካልእ ንትራምፐ ምስ ዓረብ መበቈሎም ኣመሪካውያን ዝኣሳስሮ ጓሉ ቲፋኒ ትራምፕ፡ ንዓረብ መበቆሉ ማሳድ ባሎስ’ያ ተመርዕያ።

ስለዚ ብዙሓት ዓረባውያን ‘ሓሙ ወድና፡ ሓሙ ሓውና’ እዩ ዝብል ርድኢት ኣለዎም።

ንሱ’ውን ነዚ ክኸስበሉ ፈቲኑ’ዩ፤ ጓሉ ነፍጸ-ጾር ስለዘላ ምስ ሓረሰት ወዲ ጓሉ ወይ ጓል ጓሉ ፍርቁ ዓረብ ምዃኑ ሓበን ከምዝስምዖ’ዩ ተዛሪቡ።

ምቅይያር ተኣማንነት

ኣብ ኣመሪካ ብተወለድቲ ዓረብ ዝተወደበ ሓያለ ስሩዕ ተቓውሞታት ክካየድ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንባይደን ዝዅንን ተቓውሞታት ነይሩ፡ ኣብዚ ዓመት ከኣ ንካማላ ሃሪስ ዝዅንን ሓያለ ተቓውሞታት ተራእዩ’ዩ።

ወደብቲ እቲ ተቓውሞ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ይምውል ኣሎ ብምባል’ዮም ዝቃወምዎ።

ሓደ ካብ መስረትቲ እዚ ተቓውሞ ዝዀነ ሓሳን ዓብዱሰላም እቲ ተቓውሞ ንውልቀ ተወዳዳሪት ዘይኰነ እቲ ሰልፊ ንእስራኤል ዝህቦ ደገፍ ንምቅዋም ከምዝዀነ ይሕብር።

"ክልቲኦም ፖለቲካዊ ውድባት ንዑቓት እዮም ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሕና ኣለና" ይብል ንሱ፤ ኣስላም ኣመሪካውያን ንኽመርጹ ክውደቡ ከምዘለዎም፡ እንተዀነ "ንኽልቲኦም ፖለቲካዊ ውድባት ክነጽግዎም ኣለዎም" ይብል።

ሳማራ ሉቕማን ምስ ትራምፕ ክትራኸብ ክኢላ'ያ
መግለጺ ስእሊ, ሳማራ ሉቕማን ምስ ትራምፕ ክትራኸብ ክኢላ'ያ፤ ንትራምፕ ክትመርጽ ምዃና'ውን ሓቢራ ኣላ

እቲ ጕጅለ ንሕጽይቲ ሓምላይ ሰልፊ ጂል ስታይን ደጊፉዋ’ሎ፤ ዋላ’ውን ንስታይን ምድማጽ ነቲ ሚዛን ናብ ረብሓ ትራምፕ ናይ ምግልባጥ ሓደጋ እንተሃለዎ። ዓብዱሰላም፡ ዲሞክራትስ ድምጽታት ዓረብን ኣስላምን ሸለል ብምባል ክሕተቱ ኣለዎም ይብል።

ሳማራ ሉቕማን ዝተባህለት የመናዊት ኣመሪካዊት ልልይቲ ፖለቲከኛን ተጣባቂት ሰብኣዊት መሰላትን ብኣጋኡ ንደሞክራስያዊ ሰልፊ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ክትድግፍ ጸኒሓ’ያ። ይዅን እምበር ኣብዚ መረጻ ንዶናልድ ትራምፕ ድምጻ ክትህብ ወሲና ኣላ።

ሳማራ ሉቕማን፡ ጐስጓስ ትራምፕ ንማሕበረሰብ ዓረብ ኣመሪካውያን እዅል ሸፈነ ከምዝሃቦም’ያ ትጠቅስ።

ብፍላይ ምስ ጕጅለ ጐስጓስ ትራምፕ ብውልቃ ከምዝተራኸበትን ምስቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ ሓደ ካብ ጐስጓሳቱ ክትራኸብ ከምዝተዓደመትን ብምጥቃስ፡ እዚ ምልክት'ዚ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበራ ኣረኣእያ ብዓቢኡ ከምዝቐየረ ትዛረብ።

ትራምፕ ኣብ እዋን ዕላሎም ብመጠኑ "ሰብኣውነት" ዘርኣየ ኰይኑ ከምዝተሰምዓ ትዛረብ።

ትራምፕ ብዘይ ድፍኢት፡ “ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ከብሎ” ከምዘድሊ ምስ ገለጸላ ዝያዳ ድምጻ ክትህቦ ከምዝወሰነት ትሕብር።

ንሳን ከምኣ ዝኣመሰሉ ዓረብ ዝመበቆሎም ኣመሪካውያን ንትራምፕ ድምጾም ምስ ዝህቡ፡ ከም ሓደ ዓይነት ተቓውሞ ኣንጻር ዲሞክራትስ ከገልግል ምዃኑ ትኣምን።

ነዚ ከኣ “መቕጻዕቲ ብድምጺ’ዩ” ትብሎ።

ሃሪስ ልቢ ዓረብ መበቆሎም ኣመሪካውያን ከተረስርስ ትኽእል ድያ?

ሳሚ ካሊድ ዝበዝሑ ዓረባውያን ንካማላ ሃሪስ ድምጾም ክህቡ ከምዝኽእሉ እምንቶ ኣለዎ
መግለጺ ስእሊ, ሳሚ ኻልድ ዝበዝሑ ዓረባውያን ንካማላ ሃሪስ ድምጾም ክህቡ ከምዝኽእሉ እምንቶ ኣለዎ

ትራምፕ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሚቺጋን ዝለዓለ ደገፍ ከምዝርከብ እምንቶ'ኳ እንተሃለወ፡ ብካማላ ሃሪስ ዝምራሕ ሰልፊ ዲሞክራትስ ግን ገና ኣላሽ ኣይበለን።

ሰልፊ ዲሞክራትስ ብፍላይ ድሕሪ እቲ ኣብ 11 መስከረም 2001 ኣብ ኒው ዮርክ ዘጋጠመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕት ንዕኡ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ኣስላምን ዓረብ መበቆሎምን ዘጓነፈ ተነጽሎን ዝያዳ ደገፍ ክኸስብ ክኢሉ’ዩ።

ሳሚ ኻልድ ሓላፊ ክለብ ዲሞክራትስ ኣብ ሚቺጋን’ዩ።

ንሱ ኣብ ሚቺጋን ዝበዝሑ ዓረብ መበቆሎም ኣመሪካውያን ድምጾም ንካማላ ሃሪስ ክህቡ ከምዝኽእሉ ግምቱ የቐምጥ።

ንሱ፡ ሃሪስ “ንዳግመ ህንጻ ቓዛን ናብ ፍልስጤማውያን ዝያዳ ሰብኣዊ ረድኤት ንኽኣቱን ክትጽውዕ ጸኒሓ’ያ” ድሕሪ ምባል፡ “ካማላ ዳግመ ምውራር ቓዛ ኣይትኣምነሉን’ያ” ይብል።

እዚ ኸኣ ዝበዝሑ ኣዕራብ ኣመሪካውያን ዝደልይዎ ከምዝዀነ ሳሚ ይጠቅስ።

ኣብ ጉዳይ ማእከላይ ምብራቕ ካማላ ሃሪስ ካብ ናይ ጆ ባይደን ዝተፈለየን ዝሓሸን ኣረኣእያ ከምዘለዋ’ዩ ሳሚ ዝሕብር። እንተዀነ ዝበዝሑ ኣዕራብ ነዚ ኣየስተብህሉሉን'ዮም ይብል።

ብስጭትን ካብ ምድማጽ ምሕራምን

ፍሊስጤማዊት ኣመሪካዊት ሰኣሊት ጀኒን ያሲን
መግለጺ ስእሊ, ፍልስጤማዊት ኣመሪካዊት ሰኣሊት ጀኒን ያሲን

ብዙሓት ዝተመረጸ እንተተመረጸ ኣብ ባይታ ዝመጽእ ለውጢ ከምዘየለ’ዮም ዝኣምኑ።

ጀኒን ያሲን ፍልስጤማዊት ኣመሪካዊት ቀባኢት’ያ።

ንሳ ንዝዀነ ድምጺ ካብ ምሃብ ተቘጢባ፣ ኣብቲ መረጻ ድምጻ ከምዘይትህብ ንቢቢሲ ሓቢራ።

ኣመሪካ ኣብ እስራኤል እትኽተሎ ፖሊስ ዝመጸ ፕረዚደንት ይምጻእ ዝቕየር ከምዘይኰነ እያ ትኣምን።

ክልቲኦም እቶም ንፕረዚደንትነት ዝወዳደደሩ ዘለዉ [ካማላን ትራምፕን] ነቲ ንሳ ‘ዓሌታዊ ጽንተት’ ኢላ እትገልጾ ኲናት ቓዛ ምድጋፎም ከኣ ብትሪ ትነቕፎም።

ጀኒን ያሲን ብዙሓት ከምቲ ናታ ድምጾም ንኸይህቡ ዝወሰኑ ከምዘለዉ’ውን ትሕብር።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ንዓረብ ኣመሪካውያን “ጉዳይ ፍሊስጤም ቀንዲ ጉዳይና ምዃኑ ኣይርዳእን’ዩ” ድሕሪ ምባል “ብዛዕባ መሰል ምንጻል ጥንሲ፡ መሰል ደቂ ኣንስትዮን ካልእን ቀንዲ ዛዕባ ገይርካ እናተዛረብካ ብዛዕባ መሰል ፍልስጤማውያን ግን በጨቕ ኣይበሃልን’ዩ” ትብል።

ብዙሓት መንእሰያት ኣመሪካ ንመሰል ፍልስጤማውያ ብምድጋፍን ኣመሪካ ንእስራኤል እትህቦ ደገፍን ኣመልኪቶም ተጊሆም ንፖሊሲ ኣመሪካ ይቃወምዎ ስለዘለዉ ግን ኣብ መጻኢ ለውጢ ክመጽእ ከምዝኽል ትትስፎ።