ፖሊሲታት ሃሪስን ትራምፕን እንታይ እዮም?

መረጻ ኣመሪካ

ኣሜሪካውያን ኣብ መዓልቲ መረጻ ፕረዚደንት እታ ሃገር ንጹር ምርጫ ክገጥሞም እዩ። እዚ ድማ ኣብ መንጎ ምክትል ፕረዚደንት ዲሞክራት ካማላ ሃሪስን ሪፓብሊካን ዶናልድ ትራምፕን እዩ።

የምርጸና እዩ ዝበልዎ ፖሊሲታቶም እንታይ ከምዝኾነ እስኪ ሓደ ብሓደ ንርአ።

መረጻ ኣመሪካ

ዝቕባበ ዋጋ

ሃሪስ፡ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ስልጣና ቀዳምነት እትህቦ ስራሕ፡ ብሸቕሊ ንዝመሓደሩ ስድራቤታት ወጻኢታት መግብን መንበሪ ኣባይትን ንምንካይ ምፍታን ምዃኑ ትገልጽ።

ኣብ መግብታት ዝረኣዩ ወሰኽ ዋጋ ክትእግድ፡ ንመጀመርታ ግዜ ገዛ ንዝገዝኡ ሰባት ክትሕግዝን ቀረብ ኣባይቲ ንምዕባይ ክተተባብዕን ምዃና ቃል ኣትያ'ላ።

ኣብ ትሕቲ ፕረዚደንትነት ባይደን፡ ከምቲ ኣብ ብዙሓት ምዕራባውያን ሃገራት ዝረአ ዝነበረ፡ ኣብ ኣሜሪካ’ውን እንተኾነ ዋጋ ሸቐጣት ወሲኹ እዩ። ቀንዲ ምኽንያት ተርእዮታት ወሰኽ ዋጋ ሸቐጣት ድማ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ኵናት ዩክረይንን ከምዝኾነ ይንገር።

ትራምፕ “ናህሪ ዋጋ ሸቐጣት ከብቅዕን ንኣሜሪካ መሊሱ ብተመጣጣኒ ዋጋ ዝንበረላ ሃገር ክገብርን ስለምዃኑ” ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ንሱ ትሑት ወለድ ከቕርብ ቃል ኣትዩ ኣሎ፤ እንተኾነ እዚ እቲ ፕረዚደንት ዘይቆጻጸሮ ነገር እዩ። ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ብምስጓግ ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ዝርአ ዘሎ ጸቕጢ ከምዘቃልል ይዛረብ።

ኣብ ልዕሊ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ንብረት ዝለዓለ ግብሪ ንምኽፋል ዝኣተዎ መብጽዓ ዋጋታት ክውስኽ ከምዝኽእል ክኢላታት ስነ-ቑጠባ የጠንቅቑ።

መረጻ ኣመሪካ

ግብሪ

ሃሪስ ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ትካላት ንግድን ኣብ ዓመት 400 ሽሕ ዶላር ዝረኽቡ ኣሜሪካውያንን ግብሪ ክትውስኽ ከምእትደሊ ኣፍሊጣ እያ።

ኣብ ልዕሊ ስድራቤታት ዝትመን ግብሪ ዘቃልሉ ብርክት ዝበሉ ስጉምትታት እውን ኣቕሪባ ኣላ።

ኣብ ጉዳይ ግብሪ ርእሰ-ማላዊ መኽሰብ ምስ ባይደን ኣፈላላይ ፈጢራ ኣላ። ምስቲ ናይ ባይደን 44.6 ምኢታዊት ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ ካብ 23.6 ምኢታዊት ክሳዕ 28 ምኢታዊት ክኸውን ጠሊባ።

ትራምፕ ነቲ ኣብ 2017 ንሃብታማት ዝሓገዘ ግብሪ ናይ ምንካይ ፖሊሲ ምንዋሕ ሓዊሱ ብትሪልዮናት ዝግመት ግብሪ ከጉድል ከምዝኾነ ሓሳብ ኣቕሪቡ’ሎ።

ንሱ ኣብ ልዕሊ ናብታ ሃገር ኣቑሑት ዘእትዉ ነጋዶ ሓያሎ ቀረጽ ከኸፍሎም ምዃኑ ይዛረብ። ተንተንቲ ክልቲኦም ውጥናት ግብሪ ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሕጽረት ክውስኹዎ ምዃኖም ይዛረቡ።

መረጻ ኣመሪካ

ምንጻል ጥንሲ

ሃሪስ ንመሰላት ምንጻል ጥንሲ ኣብ ጎስጓሳ ምረጹኒ ማእከል ዝገበረቶ ኮይና ሕጊ ኮይኑ ንኽወጽእ ኣሐይላ ትሰርሓሉ ኣላ።

ትራምፕ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ዝምልከት ዘይተለዋዋጢ መርገጺ ንምሓዝ ይቃለስ እዩ ዘሎ።

እቶም ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝሸሞም ሰለስተ ዳያኑ፡ ነቲ ኣብ 1973 ዝጸደቐ ሕገ መንግስታዊ መሰል ምንጻል ጥንሲ ኣብ ምቕያር ኣገደስቲ እዮም ነይሮም።

መረጻ ኣመሪካ

ኢሚግሬሽን

ሃሪስ ንመሰረታዊ ጠንቅታት ቅልውላው ዶባት ንምግታእ ሓላፍነት ተዋሂብዋ ዝነበረ ኮይኑ ነቲ ናብ ሰሜን ዝነበረ ዋሕዚ ንምዕጋት ዝዓለመ ዞባዊ ወፍሪ ንምግባር ቢልዮናት ዶላር ዝግመት ናይ ብሕቲ ገንዘብ ንምእካብ ሓጊዙ።

ኣብ መወዳእታ 2023 ቁጽሪ ካብ ሜክሲኮ ናብ ኣሜሪካ ዝሰገሩ ሰባት እቲ ዝለዓለ ኮይኑ ካብኡ ንደሓር ግን እቲ ቁጽሪ ወሪዱ’ዩ።

ኣብዚ ወፍሪ፡ መርገጺኣ ኣዝያ ዘትረረት ሃሪስ ኣብ ካሊፎርንያ ዓቃቢት ሕጊ ኮይና ትሰርሕ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ኣብ ልዕሊ ኣሰጋገርቲ ሰባት ዝወሰደቶም ስጉምትታት ብምጥቃስ ዝሓሸ ተሞክሮ ከምዘለዋ’ያ ትገልጽ።

ትራምፕ ህንጸት ብመንደቕ ዝተሓጸረ ዶብ ብምዝዛምን ኣፈጻጽማኡ ብምውሳኽን ነቲ ዶብ ክዓጽዎ ምዃኑ ቃል ኣትዩ'ሎ። እንተኾነ ሪፓብሊካን ነቲ ብሃሪስ ዝድገፍ ተሪር እማመ ኢሚግሬሽን ክነጽግዎ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ እቲ ዝዓበየ ጃምላዊ ምስጓግ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ክገብር ምዃኑ እውን ቃል ኣትዩ። እዚ ሕጋዊ ብድሆታት ከጋጥሞ ምዃኑ ክኢላታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

መረጻ ኣመሪካ

ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ

ሃሪስ ጉዳይ ዩክረይን ክሳዕ ዝወሰደ ይውሰድ ነታ ሃገር ክትሕግዝ ምዃና ቃል ኣትያ ኣላ። ንሳ እንተተመሪጻ ኣሜሪካ "ኣብ ውድድር መበል 21 ክፍለ ዘመን" ተዓዊታ ንኽትወጽእ ከምእትሰርሕ ቃል ኣትያላ።

ንሳ ንነዊሕ እዋን ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን ዘሎ ዘየቋርጽ ኵናት ብናይ ክልተ ሃገራት ዝግበር ፍታሕ ክትጣበቕ ዝጸንሐት ኮይና፡ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከብቅዕ ጸዊዓ።

ትራምፕ ተነጽሎ ዝዓለመ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣመሪካ ኣብ ካልእ ቦታታት ዓለም ካብ ዝፍጠሩ ግጭታት ኢዳ ክተውጽእ ይደሊ።

ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ምስ ሩስያ ብምዝርራብ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ደው ከብሎ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።

ትራምፕ ንነብሱ ከም ጽኑዕ ደጋፊ እስራኤል ኣቐሚጡ’ኳ እንተነበረ፡ ነቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብኸመይ ከምዝገትኦ ግን ብዙሕ ኣይተዛረበን።

መረጻ ኣመሪካ

ንግዲ

ሃሪስ ነቲ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ካብ ሃገራት ወጻኢ ኣቑሑት ዘእትዉ ነጋዶ ልዑል መጠን ቀረጽ ንምግባር ዝሓንጸጾ ሰፊሕ ውጥን ብምንቃፍ፡ ኣብ ልዕሊ ብሸቕሊ ዝመሓደሩ ስድራቤታት ዝድዕነን ግብሪ ምዃኑን እዚ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ኣብ ዓመት 4000 ዶላር ከምዘኽፍልን’ያ ትገልጽ።

ምምሕዳር ባይደን-ሃሪስ ኣብ ገለ ካብ ወጻኢ ዝኣትዉ ፍርያት ቻይና-ኣብነት ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ዘተኣታተዎ ቀረጽ ብምዕቃብ፡ ኣብ ልዕሊ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ኣቑሑት ግብሪ ዝያዳ ዕላማ ዝገበረ ኣገባብ ክህልዋ ትጽቢት ይግበር።

ትራምፕ ኣብቲ ናይ ምረጹኒ ጎስጓስ ታሪፍ ከም ሓደ ዓብይ ኣርእስቲ ገይሩ ይሰርሓሉ’ሎ። ኣብ መብዛሕትኡ ናይ ወጻኢ ኣቑሑት ካብ 10 ክሳብ 20 ምኢታዊት ሓድሽ ቀረጽ ክግበር ሓሳብ ኣቕሪቡ ኣሎ። ኣብቶም ካብ ቻይና ዝመጹ ድማ ኣዝዩ ዝለዓለ ቀረጽ ክግበር ሓሳብ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ብተወሳኺ ኩባንያታት ኣብ ኣሜሪካ መጽኤን ኣቑሑት ከፍርያ ክስሕበን ምዃኑ ቃል ዝኣተወ ኮይኑ እዚ ድማ ትሑት መጠን ግብሪ ትካላት ብምሃብ ከምዝኾነ ኣስሚርሉ’ሎ።

መረጻ ኣመሪካ

ክሊማ

ሃሪስ ከም ምክትል ፕረዚደንት መጠን፡ ነቲ ኣማኢት ቢልዮናት ዶላር ናብ ተሓዳሲ ጸዓት ዘእተወ ሕጊ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ዝተነበረ ግብሪ ንኽጎድል ሓጊዛ።

ንሳ ነቲ ብተጣበቕቲ ከባቢ ኣየር ተቓውሞ ዝገጠሞ ጋዝን ነዳድን ንምምላስ ዝሕግዝ ሜላ ‘ፍራኪንግ’ ዝነበራ ተቓውሞ ኣቋሪጻቶ ኣላ።

ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ካብ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ተሽከርከርትን ዝወጽእ ልቀት ካርቦን ዳይኦክሳይድ ንምግዳብ ዘውጽኦም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ምክያዱ ኣመልኪቱ።

ክንክን ጥዕና

ሃሪስ ኣካል ናይቲ ብሓኪም ዝተኣዘዙ መድሃኒታት ዝቕነሰ ምምሕዳር ዋይት ሃውስ እያ።

ብዙሕ ግዜ ነቲ ተመጣጣኒ ቀረብ ክንክን ጥዕና ዝትግብር ሕጊ ክፈርስ ቃል ዝኣተወ ትራምፕ፡ እንተተመሪጹ ከምዘመሓይሾ ገሊጹ። እቲ ሕጊ መድሕን ጥዕና ናብ ሚልዮናት ተወሰኽቲ ሰባት ንኽበጽሕ ዓቢ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።

መረጻ ኣመሪካ

ሕግን ስርዓትን

ሃሪስ ከም ዓቃቢት ሕጊ ኾይና ዝሰርሓቶ ተመኩሮ ምስቲ ትራምፕ ብገበን ተፈሪዱ ምህላዉ ከተነጻጽሮ ፈቲና እያ።

ትራምፕ፡ሕቡኣት ምንቅስቓስ ዕጸፋርስ ከፍርስ፡ ብጉጅለታት ዝግበር ዓመጻት ክጭፍልቕን ብገበን ተዋሒጠን ዝብለን ብዲሞክራት ዝመሓደራ ከተማታት ዳግማይ ክሃንጽን ቃል ኣትዩ።

መረጻ ኣመሪካ

ዕጥቂ

ሃሪስ ብጠበናጁ ዝካየድ ዓመጽ ምክልኻል ቁልፊ መብጽዓ ጌራቶ ኣላ። ንሳን ቲም ዋልዝን - ክልቲኦም ወነንቲ ጠበንጃ - መብዛሕትኡ ግዜ ጽኑዕ ሕግታት ክህሉ ይጣበቑ።

ትራምፕ ንነብሱ ከም ጽኑዕ ተሓላቒ ካልኣይ መመሓየሺ ሕገ መንግስታዊ መሰል ኣጽዋር ምዃኑ ኣቐሚጡ ኣሎ። ኣብ ወርሒ ግንቦት ንሃገራዊ ማሕበር ጠበንጃ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ብሉጽ ዓርኮም ምዃኑ ገሊጹ።

መረጻ ኣመሪካ

ማሪዋና

ሃሪስ ንመዘናግዒ ዝኸውን ማሪዋና ካብ ገበን ወጻኢ ክኸውን ጸዊዓ። ንሳ ብዙሓት ሰባት ማሪዋና ብምሓዝ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተላእኹን፡ ኣብ ልዕሊ ጸለምትን ላቲኖን ደቂ ተባዕትዮ ዘይተመጣጠነ ቁጽሪ ማእሰርቲ ከምዘሎ ትጠቅስ።

ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ማሪዋና ኣቀራርባኡ ዘለስለሰ ኮይኑ ሰባት ንውልቆም ብዝጥቀምዎ ማሪዋና ምኽንያት ኣብ ልዕሊኦም ዝካየድ ዘየድሊ ማእሰርቲ ከብቅዕ እዋኑ ምዃኑ ገሊጹ።

ተወዳደርቲ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣሜሪካ ካማላ ሃሪስን ዶናልድ ትራምፕን