ሩስያ-ዩክረይን፡ ሚሳይላት ኣመሪካ ኣንፈት'ቲ ኲናት ክቕይር ይኽእል'ዶ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዩክረይን፡ እዞም ሕጂ ዘዘራርቡ ዘለዉ ሓደስቲ ሚሳይላት ኣመሪካ፡ ኣብ ዝተጎበጠ ግዝኣታ ዝርከቡ ዒላማታት ሩስያ ንምጥቃዕ፡ ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ክትጥቀመሎም ጸኒሓ እያ።
እንተዀነ፡ ሕጂ ንፈለማ አዋን፡ ኣብ ውሽጢ ሩስያ [ብፍላይ ድማ ኣብ ዞባ ዶብ ኩርስክ] እዞም ሚሳይል ኣብ መዓላ ይውዕሉ ከምዘለዉ ጸብጻባት ውሽጢ ዓዲ ይሕብሩ።
ኣመሪካ ግን ንመንግስቲ ዩክረይን፡ ኣብ ውሽጢ ሩስያ ነዞም ሚሳይላት [ኣታሲኤምኤስ] ክጥቀመሎም ፈቒዳ ኣይትፈልጥን ነይራ።
ዩክረይን፡ ኣብ ውሽጢ ሩስያ ከምዚ ዓይነት ኣጽዋር ክትጥቀም ዘይምፍቃድ፡ ሓደ ኢዳ ንድሕሪት ተኣሲራ ክትዋጋእ ምሕታት ማለት ከምዝዀነ ክትወቅስ ጸኒሓ እያ።
እዚ ለውጢ ፖሊሲ ዝመጽአ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ሰራዊት ሰሜን ኮርያ ንሩስያ ብምድጋፍ ካብ ነሓሰ ጀሚሮም ኣብ ግንባር ውግእ ድሕሪ ምርካቦም እዩ።
ከምኡ’ውን፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ዋይት ሃውስ ምስ ኣተወ፡ ኣብ መጻኢ ኣመሪካ ንዩክረይን እትህቦ ደገፍ ኣብ ሕቶ ስለ ዝኣቱ ይመስል።
ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣብታ ኣብ ስልጣን ዝጸንሓላ ሓጻር ግዜ፡ ዝከኣሎ ኵሉ ክገብር ከምእዝኽእል ይግመት።
ዩክረይን፡ ነዞም ሚሳይላት ምጥቃማ፡ ብወተሃደራዊ መዳይ ሓይላ፡ ኣብ መጻኢ ክካየድ ኣብ ዝኽእል ዝዀነ ዝርርብ ሰላም ሓይሊ ሚዛን ክህባ ይኽእል እዩ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ነቲ ስጕምቲ ክሳብ ሕጂ ኣየረጋገጸን።
እንተዀነ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "መጥቃዕቲ ብቓላት ኣይግለጽን፤ እቶም ሚሳይላት ባዕሎም ክዛረቡ እዮም" ኢሉ።
'ኣታክ'ኤምስ'- እንታይ ዓይነት ሚሳይላት እዮም?
ስርዓት ታክቲካዊ ሚሳይል [ኣታክ'ኤምስ]፡ ክሳብ 300 ኪ.ሜ ንዝበጽሕ ዕላማታት ክሃርም ዝኽእል፡ ካብ ምድሪ ናብ ምድሪ ዝኸይድ ባሊስቲክ ሚሳይል ኰይኑ፡ ንዩክረይን ብፍሉይ ኣገዳሲ ዝገብሮ ዝጓዓዞ ርሕቐት እዩ።
ብኣፍራይ ኣጽዋር ሎክሂድ ማርቲን ዝተሃንጸ ኰይኑ፡ ብኽልተ መገድታት [ብቐዋምን ተሽከርካርን] ክውንጨፍ ዝኽእል እዩ።
ነፍሲ ወከፍ ሚሳይል ኣስታት 1.5 ሚልዮን ዶላር (1.2 ሚልዮን ፓውንድ) ይሽየጥ።
‘ኣታክ-ኤምስ’[ATACMS] ብጽኑዕ ሮኬት ነዳዲ ዝምላእ ኰይኑ፡ ቅድሚ ኣብ ዒላማኡ ምዕላቡ፡ ብልዑል ፍጥነትን ናብ ከባቢ ኣየር ተወንጪፉ፡ ሰፊሕ ኩርናዕ ሰሪሑ ዝወርድ ብምዃኑ፡ ንምፍሻሉ [ኢንተረሰፕት ንምግሩ] ኣጸጋሚ እዩ።
እቶም ኣጽዋራት፡ ክልተ ዝተፈላለዩ ዓይነት ተተኰስቲ ሚሳይላት ክስከሙ ይኽእሉ እዮም።
እቲ ቀዳማይ፡ ኣብ ሰፊሕ ቦታ ንዝርከቡ ቀለልቲ ኣጽዋራት ንዝርከብዎም ኣሃዱታት ንምድምሳስ ዝተዳለወ ኣማኢት ቦምባታት ዝሓዘ ክላስተር እዩ።
እዞም ዒላማታት፡ ኣብ ባይታ ዝዓረፋ ነፈርቲ፡ ስርዓት ምክልኻል ኣየርን ዕጡቓት ሰራዊትን ክዀኑ ይኽእሉ።
እዞም ዓይነት ተተኰስቲ፡ ጠቐምቲ እኳ እንተዀኑ፡ እቲ ኲናት ደው ምስ በለ ዋላ፡ ኣብ ነዊሕ እዋን ሓደጋ ዘስዕቡ ዘይተፈንጀሩ ቦምባታት ክገድፉ ይኽእሉ እዮም።
እቲ ካልኣይ ዓይነት ተተኳሲ ድማ፡ 225 ኪሎ ግራም ዝምዘን ሓደ ነታጒ ጥራይ ዝሓዘ ዀይኑ፡ ገዘፍቲ ማእከላትን ዓበይቲ መዋቕራትን ንምዕናው ይጠቅም።
እዞም ዓይነት ሚሳይላት፡ ካብ ዝስርሑ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቝጺሮም እዮም።
ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ኲናት ወሽመጥ ዓረብ [Gulf War] ብ1991 እዮም ኣብ ረብሓ ውዒሎም ።
ሰራዊት ኣመሪካ፡ ‘ፕሪሲዥን ስትራይክ ሚሳይል’ ብዝበሃሉ ዘበናዊ ኣጽዋራት ይትክኦም ከምዘሎ እዩ ዝንገር።
እቶም ሓደስቲ ሚሳይላት ክሳብ 500 ኪ.ሜ ርሕት ክጓዓዙ ዝኽእሉ ፈጣናትን ቀጢንትን እዮም።
ዩክረይን፡ ካብዞም ኣዝዮም ዝተራቐቝ ኣጽዋራት ረኺባ ድያ ኣይረኸበትን ዝተፈልጠ ነገር የለን።
ኣብ ዓውደ ውግእ እንታይ ጽልዋ ክህልዎም እዩ?
ሕጂ ዩክረይን ኣብ ውሽጢ ሩስያ ንዝርከቡ ዕላማታት ክትሃርም ትኽእል እያ።
መጀመርታ ኣብ ከባቢ እቲ ሓይልታት ሩስያ ልዕሊ 1000 ትርብዒት ኪ.ሜ መሬት ዝሓዙሉ ዞባ ኩርስክ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ሰበስልጣን ዩክረይንን ኣመሪካን፡ ብወተሃደራት ሩስያን ሰሜን ኮርያን ጸረ-መጥቃዕቲ ክመጽእ ይጽበዩ እዮም።
ዩክረይነ ነቲ መጥቃዕቲ ንምክልኻል'ውን እዞም ኣጽዋራት ክትጥቀም ትኽእል እያ።
ንወተሃደራዊ መዓስከራት፣ ትሕተ ቅርጽን መኽዘን ኣጽዋራትን [ተተኮስትን] ዝኣመሰለ ንኣገደስቲ ከባቢታት ሩስያ ዒላማ ክትገብር ትኽእል እያ።
ቀረብ ናይቶም ሚሳይላት ምናልባት ንኣንፈት ናይቲ ኲናት ንምቕያር እኹል ዘይክኸውን እኽእል እዩ።
ሩስያ፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ከም ጀት ዝዓይነቶም ወተሃደራዊ ኣፅዋራት ናብ ውሽጢ ሩስያ ዝርከቡ መዓርፎ ነፈርቲ ስሒባ ኣላ።
እንተዀነ፡ ኣፅዋራት ካብ ቅድመ ግንባር ንድሕሪት ምግዓዝ፡ መስመራት ቀረብ ስለዝተዘርግሐን ደገፍ ነፈርቲ ዝያዳ ግዜ ስለዝወስድን፡ ንሰራዊት ሩስያ ከጸግሞም ይኽእል እዩ።
ከምኡ’ውን እቲ ኣጽዋር ንዩክረይን ገለ ብልጫ ክህቦ ይኽእል’ዩ።
ተኣፋፍነት'ቲ ጉዳይ ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ ኣብ ኪቭ ዝርከብ ምዕራባዊ ዲፕሎማት፡ "እቲ ስጕምቲ ኣዝዩ ወሳኒ ዝኸውን ኣይመስለንን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"እንተኾነ ክሳራ እቲ ኲናት ንኽበዝሕን፡ ንዩክረይን ድማ ወተሃደራዊ ደገፍ ዝሕግዝ ውሳነ'ዩ" ኢሉ።
"ሩስያ ነዚ ኲናት ንምክያድ እትኸፍሎ ክሳራ ክብ ከብሎ እዩ።"
ኣብ ምምሕዳር ኦባማ ምክትል ተሓጋጋዚት ጸሓፊት ምክልኻል ኰይና ዘገልገለት ኤቨሊን ፋርካስ ክንደይ ዝኣክል ተተኮስቲ ክቐርብ ከምዝኽእል ሕቶ ኣለዋ።
"ብርግጽ እቲ ሕቶ ‘ክንደይ ሚሳይላት ኣለዎም?’ ዝብል እዩ።"
ፋርካስ ወሲኻ፡ እቶም ኣጽዋራት ንከም ‘ክሪሚያ ምስ መሬት ሩስያ ዘራኽብ ድልድል ኬርች’ ዝኣመሰሉ ትሕተ-ቕርጺ ንምጥቃዕ ኣብ ረብሐ እንተውዒሎም፡ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን "ኣወንታዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጽልዋ" ክህልዎም ከምዝኽእል ትገልጽ።
እዚ ናይ ኣመሪካ ፍቓድ ካልእ ተዘዋዋሪ ጽልዋ’ውን ክህልዎ ይኽእል እዩ።
ምኽንያቱ፡ ነዚ ውሳነ ኣመሪካ ስዒቡ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን፡ ዩክረይን ‘ስቶርም ሻዶው’ ዝበሃሉ ዓይነት ሚሳይላት ኣብ ውሽጢ ሩስያ ክትጥቀም ከፍቅዳ ይኽእላ እየን።
‘ስቶርም ሻዶው’ ምስ ናይ ኣመሪካ ኣታክ’ኤምሲ [ATACMS] ተመሳሳሊ ዓቕሚ ዘለዎ ዀይኑ፡ ነዊሕ ርሕቀት-ዝጓዓዝ ‘ፍራንኮ-ብሪጣንያዊ’ ክሩዝ ሚሳይል እዩ።
ነቲ ኲናት ከጋድዶ ይኽእል ድዩ?
ምምሕዳር ባይደን፡ ዩክረይን ብነዊሕ ርሕቀት ሚሳይላት ንሩስያ ከይትሃርም ከልኪሉዋ ዝጸንሓሉ ምኽንያት፡ እቲ ግጭት ከይገድድ ብምስጋእ እዩ።
ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣጽዋር ምዕራባውያን ንሩስያ ንምጥቃዕ ኣብ ግብሪ እንተውዒሉ፡ ሩስያ "ቀጥታዊ ተሳትፎ" ሃገራት ኔቶ ኣብ ኲናት ዩክረይን ገይራ ከምእትቘጽሮ ተዛሪቡ ነይሩ።
“እዚ ማለት ሃገራት ኔቶ፡ ኣመሪካን ሃገራት ኣውሮጳን ኣንጻር-ሩስያ ይዋግኣ ኣለዋ ማለት'ዩ" ኢሉ ነይሩ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም።
ሩስያ ቅድሚ ሕጂ'ውን "ቀይሕ መስመራት" ኣቐሚጣ ነይራ።
እዚ ድማ፡ ገለ ሃገራት ዘመናዊ ታንክታት ውግእን ነፈርቲ ውግእን ከይሰዳ- ዝብል ዝርከቦ ኰይኑ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ እናተጥሓሰ'ኳ እንተመጸ፡ ዛጊት ቀጥታዊ ግጭት ኣየስዐበን።
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኔቶ ነበር፡ ኩርት ቮልከር፡ "ኣመሪካ ንኣጠቓቕማ ኣጽዋር ዩክረይን ብምድራት፡ ብዘይምኽኑይ መንገዲ ኣብ ልዕሊ ርእሰ ምክልኻል ዩክረይን ገደብ ኣንቢራ ጸኒሓ" ክብል እዩ ዝነቅፍ።
"እንተዀነ ግን ሕጂ'ውን ከምዚ ዓይነት ውሳነ ቅሉዕ ምግባር ጌጋ'ዩ፤ ምኽንያቱ ብዛዕባ መጥቃዕቲ ዩክረይን ንሩስያ ቀዲምካ ከም ምሕባር እዩ።"
ትራምፕ ኸ እንታይ ክገብር ይኽእል?
እዚ ስጕምቲ፡ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ዋይት ሃውስ ቅድሚ ምምላሱ፡ ክልተ ወርሒ ጥራይ ምስ ዝተርፎ እዩ ዝውሰድ ዘሎ።
ንሱ፡ ንኲናት ዩክረይን ብቕልጡፍ ከብቅዕ ከም ዝገብር እዩ ዝዛረብ፤ ብኸመይ ክገብሮ ከም ዝሓሰበ ግን ኣይፍለጥን።
ምናልባት፡ ስልጣን ምስ ሓዘ ናይቶም ሚሳይላት ምጥቃም ፖሊሲ ክስርዞ ይኽእል እዩ።
እቲ መጻኢ ፕረዚደንት፡ ነቲ ፖሊሲ ክቕጽሎ ድዩ ኣይቅጽሎን ዛጊት ኣይገለጸን፤ ገለ ካብቶም ናይ ቀረባ ሰባቱ ግን ድሮ ተቓውሞ ከስምዑ ጀሚሮም ኣለዉ።
ወዲ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት "እቲ ወተሃደራዊ ኢንዱስትርያዊ ማእከል [ኣመሪካ]፡ ኣቦይ ሰላም ንምፍጣርን ህይወት ንምድሓንን ዕድል ቅድሚ ምርካቡ፡ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ክጅመር ዝደለየ ይመስል" ክብል ነቒፉ ጽሒፉ።
ከም በዓል ምክትል-ፕረዚደንት-ጄ.ዲ. ቫንስ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ላዕለዎት ሰበስልጣን ትራምፕ፡ ኣመሪካ ንዩክረይን እትህቦ ወተሃደራዊ ድጋፍ ክቋረጽ እዮም ዝጽውዑ ዘለዉ።
ካልኦት ኣብ ምምሕዳር ትራምፕ ዝህልዉ ሰባት ድማ ካብዚ ብዝተፈልየ ኣረኣእያ ኣለዎም።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ማይክል ዋልዝ፡ ኣመሪካ ናብ ዩክረይን እተቕርቦ ኣጽዋራት ብምሕያል፡ ሩስያ ንዝርርብ ክትቅመጥ ክትግደድ ኣለዋ ይብል።
ትራምፕ ግን ኣየናይ መንገዲ ከም ዝኽተል ንጹር ኣይኮነን።
ብዙሓት፡ ነዞም ሕጂ ዘዘራርቡ ዘለዉ ሚሳየላት-'ኣታክኤምሲ' -ሓዊሱ፡ ናብ ዩክረይን ዝስደድ ዝዀነ ወተሃደራዊ ድጋፍ ደው ከየብሎ ይሰግኡ።
ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ዩክረይን ዝዀነ- ኦሌክሲ ጎንቻረንኮ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ተጨኒቕና ኣለና። [ትራምፕ ነቲ ውሳነ] ንድሕሪት ከምዘይመልሶ ተስፋ ንገብር" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







