ኲናት ዩክረይን፡ ተስፋታት ስምምዕ ሰላም ኣሎ ዶ?

ምንጪ ስእሊ, EPA
ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኲናት ዩክረይን “ኣብ ሓደ መዓልቲ” ደው ከብሎ ምዃኑ'ዩ ተመባጺዑ ዘሎ።
ንሱ ብኸመይ ከምኡ ከም ዝገብር'ኳ እንተዘየነጸረ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ መጀመርታ ሕዳር ዝረኸቦ ዓወቱ ገለ ‘ዀን'ዶ ዀን’ ክልሰ-ሓሳባት ወጺኦም ኣለው።
ብዙሓት ተንተንቲ ድማ ነቲ ጐንጺ ንምውጋድ ዝዓለመ ውጥን ይስርሓሉ ከም ዘሎ ይኣምኑ።
ትራምፕ መሊሱ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን፡ ቀዲሙ ንዩክረይንን ሩስያን ናብ መኣዲ ዘተ ከእትወን ክፍትን ምዃኑ ይግምት።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ኣብቲ ዝመጽእ ዘሎ ሓድሽ ዓመት ኣውሮጳ፡ እቲ ኲናት ‘ብዲፕሎማስያዊ ኣገባብ’ ከብቅዕ እዩ ዝብል ተስፋ ሰኒቑ ኣሎ።
እዚ ዝርርብ ሰላም ግን፡ ንክልቲኦም ተጻባእቲ እንታይ ማለት እዩ? እንታይ ትጽቢት'ከ ክግበር ይከኣል?
ኣብ ዓውደ ውግእ፡ መን ይሰልጦ ኣሎ?
ዘለንስኪ ምስኢ ኣመሪካዊ መደበር ተለቪዢን ፎክስ ኒውዝ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ኣመሪካ ንሃገሩ ክትህቦ ዝጸንሐት ደገፍ እንተቋሪጹ፡ እቲ ኲናት ብዓወት ሩስያ ከምዝውዳእ ኣጠንቂቑ'ሎ።
ኣብ ዓውደ ውግእ፡ ሩስያ ኣብ ምሉእ ግንባራት ንቕድሚት እናደፍአት ትኸይድ ከምዘላ እሙናት ምንጪታት ይሕብሩ።
ሓይልታት ሩስያ፡ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ዶንባስ ይግስግሱ ኣለዉ።
ኣብ ዞባ ሃርኪቭ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናብ ኣንፈት ከተማ ኩፒያንስክ ፤ ከምኡ ድማ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ዓባይ ዞባዊ ማእከል ከተማ ዛፖሪዝዚያን ተቘጻጺሮም ንቕድሚት ይግስግሱ ኣለዉ።
ኣብ ጥቅምቲ ናይዚ ዓመት ሩስያ ተወሳኺ 500 ትርብዒት ኪ.ሜ ግዝኣት ዩክረይን ክትቈጻጸር ክኢላ ኣላ - እዚ ድማ ድሕሪ መጋቢት 2022 ዝዓበየ ግዝኣት እዩ።
ብመሰረት ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ 27 ሚእታዊት ግዝኣት ዩክረይን ኣብ ትሕቲ ሩስያ ይርከብ።
እዚ ንክሪሚያ ሓዊሱ፡ ኣብ 2014 ብሩስያ ዝተታሕዙ ክፋላት ምብራቕ እታ ሃገር ዘጠቓልል እዩ።
ከተማታት ዩክረይን፡ ሱሚ፡ ካርኪቭ፡ ኦዴሳን ኪቭን መዓልታዊ ብቦምባታትን ነታጒን ዝጸዓና ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ይድብደባ ኣለዋ።
ሞስኮ ካብ ሰሜን ኮርያ ዝመጽኡ ወተሃደራት ብምቝጻር፡ ኣብ ዞባ ኩርስክ ሩስያ [ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ዩክረይን ዝርከብ] ንሰፊሕ ጸረ-መጥቃዕቲ ትዳሎ ከም ዘላ ይግለጽ።
ዩክረይን፡ ኣብ ነሓሰ ብሃንደበታዊ ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕቲ ንገለ ክፋል ናይዚ ዞባ ዝሓዘት ኰይና፡ ኣብ ክካየድ ዝኽእል ዘተ ሰላም ከም ጽቡቕ ሚዛን ሓይሊ ዘተ ሒዛቶ ጸኒሓ ።
ሩስያ ብወገና፡ ደረታ -ነፊሓ ክትዛተ ዘኽእላ መገድታት ከተረጋግጽ ትፍትን ዘላ ትመስል።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተንተንትን ወተሃደራዊ ክኢላታትን ዩክረይን፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጥሪ 2025 ስልጣን ምስ ተረከበ፡ ብቕልጡፍ ስርሑ ክጅምር እዩ ዝብል ግምት ስለዘሎ፡ ክረምሊን ክሳብ ሽዑ ሰፊሕ ግዝኣት ዩክረይን ንምሓዝ ትጓያ ከምዘላ ይኣምኑ።
ስለዝዀነ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ክሳብ ዶባት ዞባታት ዶነስክን ሉሃንስክን ክበጽሕ፡ ወይ’ውን ካልእ ከም ዛፖሪዝዝያ ዝኣመሰለት ዞባዊ ርእሰ ከተማ ክሕዝ ከም ዝደሊ ብሰፊሑ ይእመን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሃሰያን ዳህሳሳት ርእይቶ ህዝብን
ኣብ ባይታ ዕድል ምስ ዩክረይን የላን። ምኽንያቱ ኣብ ቅድመ ግንባር ሕጽረት ወተሃደራት ኣጋጢምዋ ኣሎ።
ብዙሓት መንእሰያት ካብ ወተሃደራዊ ማእከላት ክሃድሙ ክፍትኑ እንከለዉ፡ እቶም ንዝሓለፉ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ክቃለሱ ዝጸንሑ ድማ ተሰላችዮም እዮም ዘለዉ።
ብሓፈሻ፡ ወተሃደራዊ ምልመላ ኣብ ማሕበረሰብ ዩክረይን ኣካታዒ ጉዳይ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ።
ብዙሓት ሰባት ኣብ ግንባር ከይዶም ክዋግኡ ድሉዋት ኣይኰኑን፤ ስድራቤታት ናይቶም ኣብ ግንባር ዘለዉ ድማ ኣብ ሕማቕ ዝርከቡ ኰይኑ ይስምዖም።
ህዝቢ ዩክረይን ብሓፈሻ በቲ ኲናት ብሰፊሑ ተሃስዩ እዩ ዘሎ።
ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ስሩዕ ምፍንጃር ቦምባታት፡ ምቍራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ድቃስ ዘይብሉ ለይትን ኣሕሊፉ ኣሎ።
ሕጂ ድማ ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ክረምቲ ብፍርሒ ይጽበዮ ኣሎ፤ ብዙሓት ክሳብ ሕጂ እቲ ዝኸበደ ክረምቲ ክኸውን እዩ ኢሎም ይሰግኡ።
ህዝባዊ ዳህሳሳት ከም ዘመልክትዎ፡ ምስ ሩስያ ናይ ሰላም ድርድር ክግበር ዘሎ ድልየታት እናዓበየ መጺኡ ኣሎ-ዋላ’ውን ኣብ ነዊሕ እዋን ኣብ ከባብታት ዶብ ዘይርጉጽነትን ዝተትሓዙ ግዝኣታት ክሳብ ንሩስያ ምግዳፍን ማለት ይኹን።
ኣብ ጥቅምቲ 'ራዙምኮቭ ሴንተር' ብዝተባህለ ትካል ዝተኻየደ ዳህሳስ ከም ዘመልክቶ፡ ካብ ሰለስተ ዩክሬናውያን እቲ ሓደ ሕጂ ንዝርርብ ዝድግፍ ኰይኑ፡ እዚ ምስ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝነበረ እንትነጻጸር ካብ ሓሙሽተ ሓደ ንሰላም ዝድግፍ ነይሩ።
ብመሰረት ካልእ ኣብ ጥቅምቲ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ዋላ’ኳ ዝበዝሑ ዩክሬናውያን’ውን ሃገሮምን ንሩስያ ከም እትስዕር እንተኣመኑ፡ ዩክረይን ኣብ መወዳእታ ከም እትዕወት ርግጸኛታት ኣይኰኑን።

‘መደብ ትራምፕ’
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መረጻ ኣመሪካ ድሕሪ ምዕዋቱ፡ ብዙሓት ተዓዘብቲ ዝርዝር ናይቲ ውጥን ሰላም ክሰምዑ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ኣለዉ።
ድሕሪ መረጻ ዝሃቦ ፈላሚ መግለጺታት፡ ከም "ምስ ሩስያን ዩክረይንን ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና። ኲናት ደው ክብል ኣለዎ። ሩስያን ዩክረይን ደው ኢለን ክሓስባ ኣለወን" ብዝብሉ ገለ ዘይንጹር ሓረጋት ዝተሓጽረ እዩ ነይሩ።
ብድሕሪኡ መራኸቢ ብዙሓን ኣመሪካ፡ ትራምፕ ምስ ቭላድሚር ፑቲን ጻውዒት ተሌፎን ብምግባር ንፕረዚደንት ሩስያ ነቲ ኲናት ከየጋድዶ ኣጠንቂቑ ከም ዝነበረ ጸብጺበን፣ እዚ ግን ብክረምሊን ተነጺጉ።
ዩክሬናውያን ክኢላታት፡ ውጥን ትራምፕ ገና ምሉእ ብምሉእ’ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ጕጅለኡ ንዕኡ ዝኸውን ሓሳባት ኣምጺኡ ክኸውን ከም ዝኽእል ይኣምኑ።
ዳይረክተር ትካል ፖሊሲ ወጻኢ ዩክረይን ዝዀነ- "ኒው ኣውሮጳ" - ኣልዮና ሄትማንቹክ፡ ቀንዲ ካብቶም ሓሳባት፡ ብዝዀነ መገዲ ነቲ ተዅሲ ደው ኣብ ምባል ከተኵሩ ተኽእሎ ኣሎ ትብል።
"ብውሑድ፡ ኣብ ኲናት ቅድመ ግንባር ተዅሲ ደው ምባል፡ ሕቶ ኣባልነት-ኔቶ ምቍራጽ፡ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ምዕጻው" ትብል ሄትማንቹክ።
እዚ ኣገባብ እዚ ምስቲ ናይ ምምሕዳር ባይደን ኣዝዩ ከም ዘይፈላለ እያ ትኣምን።
እቲ ፍልልይ፡ ዲሞክራታውያን ዋላ ንዩክረይን ናይ ነዊሕ ግዜ ገንዘባዊ ደገፍ ቃል እንተኣተዉ፡ እቲ ዘተ ኣመሪካ ዘይኰነትስ ዩክረይን ከተበግሶ እዮም ዝሓስቡ።
ትራምፕ ግን፡ ዘይከም ዲሞክራታውያን ነቲ ዘተ ዝመርሕ ፍሉይ ልኡኽ ክሸይም ይኽእል'ዩ።
ንሱ ብ2016 ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን፡ ንገዲም ዲፕሎማት ኣመሪካ ኩርት ቮልከር ኣብ ዩክረይን ፍሉይ ወኪል ገይሩ ሸይሙዎ ከም ዝነበረ ይዝከር።ቮልከር፡ ብ27 መስከረም 2019 ድማ ካብዚ ሓላፍነቱ ወሪዱ።
ኣልዮና ሄትማንቹክ፡ "ኣብ እዝኒ ትራምፕ ብቐጻሊ ዝበጽሕ ጽልዋ ዝፈጥር የድሊ" ትብል።
ሰበስልጣን ዩክረይን፡ ምስ ሓድሽ ምምሕዳር ኣመሪካ ፍሉይ ነገራት ንምዝታይ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ኣለዉ፤ እንተዀነ እቲ መስርሕ ቀሊል ከም ዘይከውን ይግንዘቡ እዮም።
ንሩስያውያን’ውን ቀሊል ክኸውን ተኽእሎ የብሉን።
ገለ ላዕለዎት ሰብ መዚ ትራምፕ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣንጻር ቻይና፡ ኢራንን ሩስያን ተረርቲ ቃላት ከስምዑ ስለዝጸንሑ ንዩክረይን ዘለዎም ኣጠማምታ እወታዊ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።
እንተዀነ፡ ኣብ ሓደ መደምደምታ ንምብጻሕ ግዜኡ ገና እዩ ይብሉ ተንተንቲ።
ፕረዚደንት ባይደን፡ ዩክረይን ነቲ ካብ ኣመሪካ ዝተወሃባ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይላት ተጠቒማ ኣብ ውሽጢ መሬት ሩስያ ክትሃርም ፈቒዱ ኣሎ።
ይዅን እምበር፡ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ኣብ ቅድመ ግንባር ዘሎ ሚዛን ሓይሊ ክቕይር ተኽእሎኡ ድሩት እዩ፤ ንገስጋስ ሩስያ ግን ክዓግቶ ይኽእል እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







