ሶርያ፡ ባሻር ኣሳድ ኣብ ሞስኮ ከምዝኣተወ ማዕከናት ዜና ሩስያ ሓቢረን

ባሻር ኣል ኣሳድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ሶርያ ባሻር ኣል ኣሳድን ስድርኡን ናብ ሞስኮ ከምዝኣተዉ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሩስያ ካብ ክረምሊን ንዝተረኽበ ምንጭታት ብምጥቃስ ጸብጺበን።

እቶም ጸብጻባት ኣሳድን ስድርኡን ኣብ ብሩስያ ዑቕባ ከምዝተዋህቦም ይሕብሩ።ቢቢሲ ነቲ ሓበሬታ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

ባሻር ኣል ኣሳድ ካብ ፕረዚደንትነት "ወሪዱ፡ ካብ ሶርያ ወጺኡ" ክትብል ቀንዲ መሓዛኡ ሩስያ ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ ሓቢራ ነይራ።

ዕጡቓት ሓይልታት ድሮ ንርእሰ ከተማ ደማስቆስ ተቘጻጺሮማ ኣለው።

ኣቀድም ኣቢሉ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ብዛዕባ ሃለዋት ኣሳድ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ'ኳ እንተዘይሃበ፡ ካብታ ሃገር ከምዝሃደመ ዝገልጽ ወግዓዊ መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ።

ኣሳድ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ኣብ ደማስቆስ ካብ ዝራኸብ ንደሓር ኣብ ዝዀነ ቦታ ኣይተራእየን።

ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ነቶም ብዘንጸባርቕ ፍጥነት ሰፊሕ መሬት ሶርያ ዝሕዙ ዝነበሩ ሓልታት "ክጭፍልቘም" ቃል ኣትዩ ነይሩ።

ሰንበት ንግሆ፡ ሓይልታት እስላማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ሓያት ታሕሪር ኣልሻም (HTS)ን መሻርኽቱን ብዘይ ተቓውሞ ናብታ ርእሰ ከተማ ከምዝኣተውን "ውልቀ-መላኺ ባሻር ኣል ኣሳድ ሃዲሙ" ክብሉ ኣዊጆም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓላፊ ናይቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ተዓዛቢ ጕጅለ ሶርያ ንሰብኣዊ መሰላት እውን፡ ኣሳድ ጽዒና ተባሂሉ ዝእመነላ ነፋሪት "ካብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ደማስቆስ" ከምዝተላዕለት ጸብጺቡ። ራሚ ዓብዱልራሕማን፡ እታ ነፋሪት ሰንበት ሰዓት 22፡00 (20፡00 GMT) ክትብገስ ምዃና ሓበሬታ ከምዝበጽሖ ገሊጹ።

መርበብ ሓበሬታ 'Flightradar24'፡ ዋላ'ኳ ኣየርባስ ኤ-320 ነፋሪት መጓዓዝያ ትማሊ ሰንበት ከባቢ ሰዓት 00፡56 ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ትኸይድ እንተነበረት፡ ኣብቲ እዋን ጕዕዞ ዝኾነት ነፋሪት ከምዝግብ ኣይከኣለን።

እታ ካብ ሶርያ ዝተበገሰት ነፋሪት ድማ ኣብ ሰዓታ ኣብ ኢማራት ዓረብ ዓሊባ። ዲፕሎማስያዊ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ግን ኣብ ባሕሬን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣሳድ ኣብ ኢማራት ዓረብ እንተሃልዩ ዝፈልጦ ከምዘይብሉ ገሊጹ።

ብኻልእ ወገን ማዕከን ዜና ሮይተርስ ክልተ ስሞም ዘይጠቕሶም ላዕለዎት መኮንናት ሰራዊት ሶርያ ብምጥቃስ፡ ኣሳድ ትማሊ ሰንበት ወጋሕታ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ደማስቆስ ሶርያ ከምዝተሰቕለ ኣቓሊሑ።

ሓንቲ ነፋሪት ጽዕነት ኣቭየሽን ሶርያ ኢል-76T ካብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር ሰዓት 03፡59 (01፡59 GMT) መዕለቢኣ ዘይተገልጸ ከምዝተበገሰት ኣመልኪቱ።

ብመሰረት ሓበሬታ Flightradar24 እታ ነፋሪት ፈለማ ካብ ርእሰ ከተማ ንምብራቕ ገጻ ከምዝተጓዕዘት ደሓር ድማ ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ ተጠውያ።

እዚ ቦታ ቀንዲ ደገፍቲ ኣሳድ ዝዀኑ ጉጅለ ዓላዊት (Alawite sect) ዝነብሩሉን መደበራት ሓይሊ ባሕርን ኣየርን ሩስያ ተደኩንሉ ዘሎ ገማግም ባሕሪ መዲተራንያን እዩ።

እታ ነፋሪት ኣብ ልዕሊ ማእከላይ ከተማ ሆምስ - ብሰንበት ምሸት ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ዝወደቐት - ኣብ 20,000 ጫማ (6,095 ሜትሮ) ድሕሪ ምብራራ፡ ተጠውያ ድማ ዳግማይ ብራኸኣ ኣትሒታ ናብ ምብራቕ ክትበርር ጀሚራ።

እታ ነፋሪት ካብ ሆምስ ንምዕራብ ኣስታት 13 ኪ.ሜ (8 ማይልስ) ከምኡ'ውን ኣብ 1,625 ጫማ (495ሜ) ብራኽ ትበረሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ናይታ ነፋሪት ምልክት ከባቢ ሰዓት 04፡39 (02፡39 GMT) ጠፊኡ።

ፍላይት ራዳር (Flightradar24) ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እታ ነፋሪት "ኣረጊት ስለዝነበረት ምልክት ኣጥፊኣ ወይ ከኣ እቲ ከባቢ ብዙሕ ዓፈና በዚሕዎ ጠፊኣ ክኸውን ይኽእል እዩ" ኢሉ።

ኣብቲ ምልክት ዝጠፋኣሉ ከባቢ፡ ምህላው መዓርፎ ነፈርቲ ኣፍልጦ ከምዘይብሉ ሓቢሩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ከባቢ ሓደጋ ነፋሪት ከምዘጋጠመ ዝሕብር ጸብጻብ'ውን ክሳብ ሕጂ ኣይወጸን ዘሎ።