ስለምንታይ እየን ቻይናን ሩስያን ንእስራኤልን ፍልስጤማውያንን ዝሽምግላ ዘለዋ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቻይናን ሩስያን ንነዊሕ እዋን ደገፍቲ ዕላማ ፍልስጤም እየን ነይረን። ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን ቤጂንግን ሞስኮን ሓድሽን ዘይተለምደን ተራ ክጻወታ ተራእየን ኣለዋ።
ብፍላይ እዚ ዓመቱ ገይሩ ዘሎ ኲናት ቓዛ ድሕሪ ምውልዑ፡ ንእስራኤልን ፍልስጤማውያንን ንምትዕራቕ ናይ መንጐኝነት ተራ ይፍትና ኣለዋ።
ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ሓማስ፣ ፋታሕን ካልኦት ደርዘን ዝኾኑ ውድባት ፍልስጤምን ኣብ ርእሰ ከተማ ቻይና ቤጂንግ፡ ኲናት ቓዛ ምስተወድአ ንቓዛ ንምምሕዳር “ግዝያዊ መንግስቲ ሃገራዊ ዕርቂ” ንምቛም ስምምዕ ፈሪሞም። እቶም ጉጅለታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት እውን ኣብ ሞስኮ ተራኺቦም ተመሳሳሊ ስምምዕ ገይሮም።
ከምኡ’ውን ዘይከም ልዕለ-ሓያል ኣመሪካ፡ ቤጂንግ ይኹን ሞስኮ ንሓማስ ከም ግብረ ሽበራዊ ውድብ ኣይቆጽርአን እየን። ስለዚ ድማ ኣብ ዘተ ንክሳተፉ ክዕድመኦ ጸገም የብለንን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ከምዚ ዓይነት ሽምግልና ዝጭበጥ ውጽኢት ክህልዎ ድዩ?
ብዙሓት ጸቒጦም ዝሓትሉ ዘለዉ ተኣፋፊ ሕቶ፡ ቻይናን ሩስያን በዚ ምትእትታው እዚ እንታይ ይደልያ ከምዘለዋ እዩ።
እቲ ተበግሶ ክልተ ቀንዲ ዕላማታት ኣለዎ። ቀዳማይ፡ ዓለማዊ ጽልዋ ንምፍጣር እንትኸውን፡ እቲ ካልኣይ ድማ፡ ፅልዋ መሪካን ምዕራብን ንምምካት እዩ።
ካብ ማኦ ክሳብ ሺ ጂንፒንግ
ኣብ 1949 ዘመናዊት ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ካብ እትምስረት ኣትሒዛ፡ እዛ ግዝፍቲ ኤስያዎት ሓይሊ፡ ወትሩ ምስ ጉዳይ ፍልስጤም እያ ትደናገጽ ነይራ።
ማኦ ዜዶንግ፡ ንእስራኤል ልክዕ ከም ታይዋን፡ ከም መሰረት ምዕራባዊ ሃጸይነትን፡ ነቶም ኣንፃር-ዋሽንግተን ወገናት ንምቁጽጻር ዝተመስረተት ገይሩ እዩ ዝርእያ።
ተመራማሪ ቻታም-ሃውስ ኣሕመድ ኣቡዱህ፡ “ እዛ ጸረ ምዕራብን ጸረ መግዛእታውን ትረኻ እተሰጉም ቻይና፡ ኣብ ናይ ፍልስጤማውያን ስቓይ ናይ ገዛእ ርእሳ ተመኩሮ ከምዝረኣየት” ንቢቢሲ ሙንዶ ሓቢሩ።
እቲ ደገፍ ግን ብዘረባ ጥራሕ ደው ኣይበለን።
እቲ ኣብ መላእ ዓለም ንዝካየድ ዝነበረ ሓርነታዊ ምንቅስቓሳት ዝድግፍ ዝነበረ ማኦ፡ ናብ ውድብ ሓርነት ፍልስጤም (PLO) ኣጽዋር ሰዲዱ እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ኣተሓሳስባኡ ሰፊሕ ጽልዋ አሕዲሩ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፖሊሲ ወጻኢ ቻይና ግን፡ ዴንግ ዛኦፒንግ ኣብ 1978 ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ “ሃብታም ምዃን ክብሪ’ዩ” ብዝብል ጭርሖ ተቐይሩ’ዩ።
ቻይና፡ ነቲ ሶሻሊስታዊ-ስርዓተ-ቁጠባኣ ራእይ ንምትግባር፡ ጽገናዊ ለውጢ ብምክያድ ንዓለም ክትከፍት ነይርዋ። ከምኡ ንምግባር ድማ ካብ ስነ-ሓሳብ ናብ ግብራውነት (ፕራግማቲዝም) ክትሰጋገር ነይርዋ።
ቻይና ንመንግስታዊ ዘይኮኑ ተዋሳእቲ ኣብ ክንዲ እትድግፍ፡ ምስ ዓበይትን ማእከሎትን ሓይልታት ዓለም ንዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ከተስፍሕ ተገዳስነት አሕዲራ።
ሺ ጂንፒንግ ኣብ 2012 ፕረዚደንት ምስ ኰነ ከኣ ነገራት ከም ዝተቐየረ ሚስተር ኣቡዱህ ይዛረብ።
ሺ ኣብ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኡ ሓደ ስነ-ሓሳባዊ ባእታ ኣተኣታትዩ እዩ። ግን ከኣ ኩሉ ግዜ ንግብራዊ ረብሓታት ቻይና ንምግልጋል እዩ። እዚ ናይ እስራኤልን ፍልስጤምን ግጭት [ምሽምጋል] ከኣ ነቲ ኣገባብ እቲ ዘንጸባርቕ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ ስታሊን ክሳብ ፑቲን
ርክብ ሩስያ ምስ ፍልስጤማውያን ግና ቁሩብ ዝተፈልየ እዩ። እስራኤል ብ1948 ከም ሃገር ክትምስረት ከላ፡ ሓንቲ ካብተን ቀዳሞት ኣፍልጦ ዝሃባ ሃገራት ሓንቲ ናይ ጆሴፍ ስታሊን ሕብረት ሶቭየት እያ ነይራ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጆርጅ ሜሰን፡ ፕሮፌሰር “መንግስትን ፖለቲካን” ዝዀነ ኤሜሪቱስ ማርክ ካትዝ፡ “ኣብቲ እዋን’ቲ እስራኤል ሶሻሊስታዊ ዝንባለ ዘለዋ ትመስል ነይራ፡ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ግን ገና ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኣውሮጳ እየን ነይረን” ክብል ንቢቢሲ ሙንዶ ተዛሪቡ።
እንተኾነ እስራኤል ሶሻሊስታዊት ሃገር ኮይና ኣይወደአትን። ኣብ መፋርቕ 1950ታት መራሒ ሶቭየት ነበር ኒኪታ ክሩሽቾቭ ምስ ሃገራውነት ዓረብ ተሰሊፉ።
ፕሮፌሰር ካትዝ፡ “ጉዳይ ፍልስጤም ንሞስኮ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ፡ ኣመሪካ ንእስራኤል ክትድግፍ እንከላ፡ ሶቭየት ንፍልስጤማውያን ብምድጋፋ ብሃገራት ዓረብ ተፈታውነት ነይሩዋ” ይብል።
ይኹን እምበር ጉዳይ ፍልስጤም ንብዙሓት ሃገራት አዕራብ ናይ መትከል ሕቶ ክኸውን እንከሎ፡ ንሞስኮ ግን ምቹእነት ጥራይ እዩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"እቲ ተግባር ብፍላይ ምስ ኣሜሪካ ኣብ ግጭት ከእቱ ስለዝኽእል ይድግፉዎ ኣይነበሩን፤ ስለዝዀነ ፈጺሞም ጸረ እስራኤል ኣይነበሩን" ክብል ሚስተር ካትዝ ወሲኹ ይገልጽ።
ምስ ምፍራስ ሕብረት ሶቭየት፡ ጽልኢ ሩስያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክልስልስ ጀሚሩ። ሩስያውያን ኣይሁድ፡ ናብታ ሃገር ንኸይከዱ ዝዓግቶም ዝነበረ ቁጽጽር ድማ ተላዒሉ።
ቭላድሚር ፑቲን ኣብ 2000 ፕረዚደንት ሩስያ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን እስራኤላውያን ገለ ዓይነት ናይ ሶቭየት ሕብረት ነበር ውርሻ ነይርዎም። ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ቋንቋ ሩስያ ይዛረቡ ነይሮም።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ክረምሊን፡ ነቲ ምስ እስራኤል ዘለዎ ርክብን ንፍልስጤማውያን ዝህቦ ደገፍን ሚዛን ከትሕዞ ፈቲኑ እኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን ምስ መንግስቲ እስራኤል ዝነበሮ ዝምድና ዝዘሓለ ይመስል።
ምኽንያቱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 7 ጥቅምቲ፡ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ልዕሊ 1200 እስራኤላውያን ቀቲሉ፤ ካልኦት 251 ድማ ጅሆ ሒዝዎም። እስራኤል ድማ ምላሽ ብምሃብ ኣብ ቓዛ ልዕሊ 40 ሽሕ ፍልስጤማውያን ዝቐተለ ኲናት ኣካይዳ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣማራጺ ዓለማዊ ስርዓት
ቻይና ኣብ ዓለም እታ ዝዓበየት ነዳዲ እተእቱ ሃገር ኰይና ኣላ። እቲ ፍርቂ ዕዳጋኣ ከኣ ካብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ወሽመጥ ፋርስን ከምዝመጽእ ይግመት።
እዚ ማለት ኣብ ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን ንምሽምጋል እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ምስ ቁጠባዊ ረብሓታታ ዝተኣሳሰር እዩ ማለት ድዩ? ክብል ኣብ ቻታም ሃውስ ተመራማሪ ኣሕመድ ኣቡዱህ ይሓትት።
እቲ መልሲ ግን 'ኣይፋል' እዩ።
“ብዙሓት ሃገራት ዓረብ ምስ እስራኤል ዘለወን ዝምድና ናብ ንቡር መሪሐንኦ ኣለዋ። እተን ክሳብ ሕጂ ዝምደነአን ዘየተዓራረያ ከም ስዑዲ ዓረብ ዝኣመሰላ ሃገራት ከኣ፡ ኲናት ቓዛ ምስ ዓረፈ ከምኡ ክገብራ ድልዋት እየን። ቻይና ነዚ ጉዳይ ስለዝተረደኣቶ፡ ነዞም ክልተ ጉዳያት ኣየተኣሳሰረቶምን” ይብል።
ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ግጭት ዘለዋ መርገጺ፡ ማንም ወገን ንቻይና ነዳዲ ካብ ምሻጥ ንድሕሪት ኣይበለን።
ቻይና፡ ከም ሓንቲ ዓባይ ዓለማዊት ሓይሊ፡ ምስቲ ምስ ኣመሪካ ዘለዋ ውድድር ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ክትሰርሖ እትደሊ ምስሊ ዝተኣሳሰር ክኸውን ይኽእል’ዩ።
ሚስተር ኣቡዱህ፡ "ቻይና ኣብ ሽምግልናን ህንጸት ሰላምን እትግደስ ርትዓውን ሓላፍነታውን ዓባይ ሓይሊ ኮይና ክትረአ ትደሊ እያ" ይብል።
ብተወሳኺ ቤጂንግ፡ “ካብ ናይ ኣሜሪካ ንላዕሊ፡ ኣማራጺ ኣረኣእያ ስርዓት ዓለም ክትፈጥር” ትደሊ ከምዘላ ይምጉት - ብፍላይ ኣብ ደቡባዊ ዓለም መብዛሕትአን ሃገራት ንፍልስጤማውያን እየን ዝድግፋ።
“ቻይና ንፍልስጤማውያን ብኸመይ ከም እትጥርንፎም ወይ ነቲ ኣብ መንጎ ፍልስጤማውያንን እስራኤላውያንን ዘሎ ዝተሓላለኸ ግጭት ብኸመይ ከም እትፈትሖ ዝኾነ ኣመት የብላን ምበልኩ። ምስ ኣፈታትሓ እቲ ግጭት ዝተኣሳሰር ዝኾነ ዓቢ ረብሓ የብላን” ይብል ሚስተር ኣቡዱህ።
ኣቓልቦ ዓለም ካብ ዩክረይን ምዝንባል

ምንጪ ስእሊ, EPA
ንሩስያ፡ እቲ ኣብ መንጐ ሓማስን እስራኤልን ዘሎ ግጭት፡ ካብቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ኲናት ንምርሓቕን ኣቓልቦ ንምቕያርን ኣዝዩ ጠቓሚ ከምዝኾነ ፕሮፌሰር ካትዝ ይዛረብ።
ካብ 7 ጥቅምቲ ንደሓር እቲ ናይ ዜና ኣጀንዳ ተደፊኡ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ገለ ካብተን መሓዙት ዩክረይን ብፍላይ ድማ ኣመሪካ ናብ ኪቭ ዝልእኽኦ ዝነበራ ናይ ኣጽዋር ሓገዝ፡ ኵናት ቃዛ ካብ ዝጅምር ንደሓር ናብ እስራኤል ከምዝተቐየረ ይፍለጥ።
ፕሮፌሰር ካትዝ፡ "ክረምሊን፡ ምዕራባውያን ሃገራት፡ እስራኤል ኣብ ቃዛ ንእትገብሮ ዘላ ነገር ኣጽቂጦም ክርእዩ እንከለው፡ ብኣንጻሩ ግን ሩስያ ንዩክረን ወሪራ ኢሎም ብምኽሳስ 'ተገራጫዊ-መለክዒ' ይትግበሩ ከምዘለዉ ይኣምኑ" ይብል።
ተመራማሪ ቻታም ሃውስ ኣሕመድ ኣቡዱህ፡ ሩስያ ንዩክረይን ድሕሪ ምውራራ ካብ ዝኣተወቶ “ዝሑል ዐለማዊ ተነጽሎ ክትወጽእ” ንምሕጋዝ ዝዓለመ’ዩ ይብል።
"ብፍላይ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ድማ ከምኡ ክገብሩ፡ ከምኡ'ውን ምስ ሩስያ ንግዲ ክቕጽሉ ፍቓደኛታት መሻርኽቲ ዘለዉ ይመስሉ" ይብል ሚስተር ኣቡዱህ።

እቲ ኣብ 2007 ንቓዛ ዝተቖጻጸረ ሓማስ፡ ብሰንኪ እስላማዊ ስነ-ሓሳቡ ተመራጺ መሻርኽቲ ሩስያ ኣይነበረን። ሕጂ ግን ሩስያ ምስቲ ጉጅለ ካብ ምስራሕ ኣይዓገታን።
ፕሮፌሰር ካትዝ፡ ሓደ ክፋል ናይቲ ፑቲን ምስ ሓማስ ዝምድና ንምምስራት ዝደረኾም “ኣብ ውሽጢ ሩስያ ብፍላይ ድማ ኣብ ቸቸንያ ንዝርከቡ ጅሃዳውያን ጉጅለታት ከምዘይድግፍ ምርግጋጽ’ዩ" ይብል።
እቲ ስትራተጂ ፍረ ረኺቡ’ዩ። ሩስያ ኣብ 2008 ንጆርጅያ ምስ ወረረት፡ “ክልቲኦም ሓማስን ሕዝቦላህን ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ጆርጅያ ዝነበራ መርገጺ ይድግፉ ነይሮም። እዚ ብዙሕ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ማለት ከኣ [ሓማስን ሕዝቡላህን] ኣብ ውሽጢ ሩስያ እስላማዊ ንጥፈታት ኣካይዶም ኣይፈልጡን እዮም" ክብል ይውስኽ ፕሮፌሰር ካትዝ።
ክኢላታት ፖለቲካን ተመራመርትን ግን፡ ክረምሊን ዋላ’ኳ ምስ ሓማስ ርክብ ይሃልዎ እምበር፡ እስራኤል ምስ ዩክረይን ተመሳሳሊ ርክብ ንኸይትገብር ነቲ ጉጅለ ዝኾነ ኣጽዋር ዝለኣኸትሉ ኣይትመስልን ይብሉ።
ዝተፈላለዩ ስትራተጂታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግን ኣብ ወርሒ ግንቦት 2024 ኣብ ቤጂንግ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ መሪሕነት ዞንግናንሃይ ዘይወግዓዊ ኣኼባ ኣካይዶም።
ገለ ካብ ዕላማታቶም ሓደ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብፍላይ ኣብ ምድኻም ጽልዋ ኣመሪካ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዓለማዊ ደቡብን፡ ቻይናን ሩስያን ኣዝዩ ዝተፈላለየ ኣገባብ እዩ ዘለወን።
ቀዳማይ፡ ሩስያ ከምቲ ኣብ ኲናት ሶርያ ዝገበረቶ፡ ኣብቲ ዞባ ብወተሃደራዊ መዳይ ተጸሚዳ ኣላ- ቻይና ግን ከምኡ ክትገብር ሓሳብ ዘለዋ ኣይትመስልን።
ቻይና ንረብሓኣ ዝሰማማዕ ገለ ምትዕርራይ ብምግባር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ዞባዊ ስርዓት ክትዕቅብ እንከላ፡ ሩስያ ግን "ምሉእ ብምሉእ ንረብሓ ሩስያ ብዝጠቅም መንገዲ ዳግመ ውደባ ክትገብረሉን እያ ትደሊ” ይብል ሚስተር ኣቡዱህ።
ወሲኹ ድማ፡ ቤጂንግ፡ እቲ ግጭት፡ ቻይና ዝዓበየ ጽልዋ ከምዘለዋ ንምርኣይ፡ 'ሃገረ ፍልስጤም' ክትርኢ እያ ትደሊ።
ክረምሊን ግን ካልእ ካርድታት እዩ ትፃወት ዘላ። ሞስኮ፡ እቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጤምን ዘሎ ግጭት ብሓቂ ክትፈትሕ ኣይትደልን እያ። እንታይ ደኣ ፍታሕ ከም እትደሊ ኣምሲላ እያ ክትረአ ትደሊ” ይብል ሚስተር ኣቡዱህ።
“መቸም እቲ ግጭት መፍትሒ እንተረኺቡ፡ ክልቲኦም ወገናት [እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን] ሩስያ ንዝዀነ ይኹን ነገር ኣይተድልዮምን እያ። ክልቲኦም ኣብ ቁጠባዊ ምዕባለ ክሰርሑ ስለዝደልዩ ናብ ምዕራብ ወይ ናብ ቻይና ወይ ናብ ክልቲኡ ክጥምቱ ክግደዱ እዮም።”
ፕሮፌሰር ካትዝ ወሲኹ፡ “ሩስያ ካብ ዘይምርግጋእ እያ ትጥቀም። ይኹን እምበር ካብ መጠን ንላዕሊ ዕግርግር ብዙሕ ኣይትርባሕን እያ” ይብል። “እቲ ድስቲ ፈኽፈኽ ክብል እምበር ክሓርር ኣይደልዩን እዮም።”




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







