ፕረዚደንት ሶርያ ባሻር ኣል-ኣሳድ ካብ ሃገር ሃዲሙ ተባሂሉ

ኣል ኣሳድ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዕጡቓት ሓይልታት ሶርያ፡ "ጨቋኒ" ፕረዚደንት በሻር ኣል ኣሳድ ካብ ሃገር ከምዝወጽአ ብምግላጽ ሶርያ "ናጻ" ከምዝወጸት ኣዊጆም።

እቶም ሓያት ታሕሪር ኣል-ሻም ብዝብል ዝጽውዑ ዕጡቓት፡ መወዳእታ ጸልማት ዘመንን ምጅማር ሓድሽ ዘመንን ምዃኑ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ቴሌግራም ገሊጾም።

ብናይ ፍርቂ ዘመን ንግስነት ስርዓት ኣሳድ ዝተመዛበሉ ወይ ዝተኣስሩ ሰባት ሕጂ ናብ ዓዶም ክምለሱ ከምዝኽእሉ'ውን እቶም ሓልታት መልእኽቲ ኣሕሊፎም ኣለዉ።

"ኩሉ ሰብ ብሰላምን ፍትሕን ዝነብረላ ሓዳስ ሶርያ" ክትከውን ይብል መልእኽቲ ዕጡቓት ሓልታት ሓያት ታሕሪር ኣል-ሻም።

ናብ ከተማ ደማስቆስ ዝኣተዉ ሓይልታት፡ ሰራዊት መንግስቲ የንሳሕቡ ምህላዎም ብምሕባር እታ ርእሰ ከተማ ካብቲ ንነዊሕ እዋን ገዛኢ ዝነበረ ባሻር ኣል ኣሳድ "ናጻ" ምዃና ኣፍሊጦም።

ጸብጻባት ድማ ኣሳድ ካብ ደማስቆስ ብነፋሪት ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከም ዝኸደ ይሕብሩ።

ንመንግስቲ ፕረዚደንት ባሻር ኣል ኣሳድ ዝቃወሙ ሓልታት ኣብ መላእ እታ ሃገር መጥቃዕቶም ብምቕጻል ኣብ መወዳእታ ናብ ማእከል ርእሰ ከተማ ሶርያ ደማስቆስ ገስጊሶም።

ሚኒስትሪ ምክልኻልን ሓይልታት ሶርያን ሓዊሱ ኣገደስቲ መንግስታዊ ትካላት ኣብ ዝርከቡሉ ማእከል ከተማ ደማስቆስ ዝርከብ ኣደባባይ ኡማያድ ጽምብል ክጅምር ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘዋወሩ ቪድዮታት፡ ሙዚቃ ብዓውታ ክስማዕን ሰባት ክስዕስዑን የርእዩ።

ሰበስልጣን ሚኒስትሪ ምክልኻል ሶርያ ካብቲ ኣብ ደማስቆስ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈቶም ከምዝሰሓቡ ይግለጽ።

ፕረዚደንት ሶርያ ባሻር ኣል ኣሳድ ካብ ደማስቆስ ናብ ዘይፍለጥ ቦታ ብነፋሪት ከምዝወጸአ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ንኽልተ ላዕለዎት መኮንናት ሶርያ ብምጥቃስ ጸብጺቡ'ሎ።

ትካል ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ [Syrian Observatory For Human Rights - SOHR] ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ደማስቆስ ዝተበገሰት ናይ ብሕቲ ነፋሪት ምናልባት ንኣሳድ ዝጸዓነት ክትኸውን ከምእትኽእል ይገልጽ።

ምፍታሕ እሱራት ካብ 'መሕረዲ ሰብ'

ነበርቲ ኣብ ጽምብል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ዘይተረጋገጸ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ከምዘመልክቶ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ እሱራት ካብቲ ዕሉል ቤት ማእሰርቲ 'ሰይድናያ' ሓራ ወጺኦም ኣለዉ።

እቲ ቤት ማሕዩር ተቓወምቲ ኣሳድ ዝተሳቐዩሉን ዝተቐትሉሉን ከምዝነበረ ይግለጽ።

ዕጡቓት ሓልታት ሶርያ ካብቲ ኣብ ሓደ እዋን ብውድብ ሕቡራት ሃገራት "መሕረዲ ሰብ" ተባሂሉ ዝግለጽ ዝነበረ ዕሉል ቤት ማእሰርቲ ነጻ ከምዝወጹ'ውን ይንገር ኣሎ።

ኣብኡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደገፍቲ ተቓወምቲ ከምዝተሳቐዩን ከምዝተቐትሉን ይግለጽ። ኣብዚ እዋን'ውን ካልኦት ኣሽሓት ሰባት ክእሰሩ ይኽእሉ እዮም።

ሓያት ታሕሪር ኣል-ሻም ኣብ ቴሌግራም፡ እቶም እሱራት ነጻ ከምዝወጹ ብምግላጽ ኣብ ሰይድናያ "መዛዘሚ ዘመነ ብደዐ" ክብል ኣፍሊጡ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርግሑ ዘለዉ ዘይተረጋገጹ ቪድዮታት፡ ሰባት ካብ ቀጽሪ ቤት ማእሰርቲ ክወጹ የርኣ።

መራሒ ተቓዋሚ ሶርያ ሃዲ ኣልባህራ ንማዕከን ዜና ዓረብ ኣል-ዓረብያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ስርዓት ኣሳድ ከምዝወደቐን "ኣብ ታሪኽ ሶርያ ጸሊም ዘመን ከምዝሓለፈን" ተዛሪቡ።

ንሃገራዊ ጥምረት ሰውራን ተቓወምቲ ሓይልታትን ሶርያ ዝመርሕ ባህራ፡ ኩነታት ደማስቆስ ውሑስ ምዃኑ ንህዝቢ ኣረጋጊጹ።

"ናብ ኩልኻ ህዝብና ኣንጻር ዝኾነ ካልእ ወገን ብረት ክሳብ ዘየልዓልካን ኣብ ገዛውትኻ ክሳብ ዝጸናሕካን ውሑሳት ኢኹም" ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ጽሒፉ።

ስጉምቲ ሕነ ምፍዳይ ከምዘይህሉ ብምሕባር ድማ "ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት'ውን ኣይክህሉን እዩ። ክብሪ ህዝቢ ክምለስ'ዩ፤ ክዕቀብ እውን'ዩ" ኢሉ።

'ሓያት ታሕሪር ኣልሻም' መን'ዮም?

ኤችቲኤስ (HTS)፡ 'ጃብሃት ኣል-ኑስራ' ብዝብል ሽም ብ2011 ዓ.ም ዝተመስረተ ኰይኑ፡ ምስ ኣልቃዒዳ ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣለዎም።

መራሒ ናይቲ ንነብሱ እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ) ዝብል ጕጅለ ኣቡበከር ኣል-ባቕዳዲ እውን ኣብ ምቛም እዚ ጕጅለ ተሳቲፉ ነይሩ።

እዚ ዕጡቕ ጕጅለ፡ ሓደ ካብቶም ኣንጻር ፕረዚደንት ባሽር ኣል-ኣሳድ ዝዀኑን ኣድማዕትን ከምኡ'ውን ቀተልቲ ተባሂሎም ይቑጸሩ።

እዚ ጉጅለ ምንቅስቓሳቱ ካብ ሰውራዊ ኣተሓሳስባ ዘይኰነ ካብ ጅሃዳዊ ስነ-ሓሳብ ዝብገስ እዩ።

ኣብ 2016 ግን መራሒ እቲ ጕጅለ ኣቡ መሓመድ ኣልጀውላኒ ብወግዒ ምስ ኣልቃዒዳ ዝነበረ ርክብ ብምብታኽ ንጃብሃት ኣል-ኑስራ ኣፍሪሱ ሓድሽ ትካል መስሪቱ።

እዚ ድማ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ምስ ካልኦት ሓያሎ ተመሳሰልቲ ጕጅለታት ብምውህሃድ፡ ሓያት ታሕሪር ኣል-ሻም ዝብል ሽም ሒዙ።