ሶርያ፡ ዕጡቓት ኣገዳሲ ደቡባዊ ክፋል'ታ ሃገር ተቖጻጺሮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ደቡባዊ ሶርያ ዝርከቡ ሓይልታት ዕጡቓት ንመብዛሕትኡ ደቡባዊ ክፋል- ክልል ደርዓ - ከምዝሓዙ ይግለጽ ኣሎ።
እቲ ከባቢ ኣብ 2011 ኣንጻር ፕረዚደንት በሽር ኣል ኣሳድ ዝተወልዐ ናዕቢ ዝተጀመረሉ'ዩ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ፡ ንኲናት ሶርያ ዝከታተል ትካል፡ እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ዕጡቓት ምስ ሓይልታት መንግስቲ ብዘካየድዎ ውግኣት ስዒቡ፡ ኣብኡ ንዝነበሩ ብዙሓት ወተሃደራዊ ናቑጣታት ክቆጻጸሩ ከምዝኸኣሉ ይሕብር።
ብመሰረት ማዕከን ዜና ሮይተርስ፡ ወተሃደራዊ ሰበስልጣን መንግስቲ ሶርያ ሰራዊቶም ክስሕቡን ናብታ ብግምት 100 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ርእሰ ከተማ ደማስቆ - ውሑስ መሕለፊ ክወሃቦምን ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑ ምንጭታት ገሊጾም።
ቢቢሲ ነዚ ጸብጻባት ብዘይ ሸራውያን ኣካላት ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
እዚ ሓድሽ ጸብጻባት ዝወፅእ ዘሎ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሶርያ ብእስላማውያን ዝምራሕ ዕጡቓት፡ ናብ ወሰን ከተማ ሆምስ በጺሕና ኣብ ዝብሉሉ ዘሎ እዋን እዩ።
ኦብዘርቫቶሪ ንሰብኣዊ መሰላት (SOHR) ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ኣብ ደቡብ ዝርከቡ ዕጡቓት ሕጂ ልዕሊ 90 ምኢታዊት ዞባ ደርዓ ከምዝተቖጻጸሩን፡ ከባቢ ሰናማይን ጥራይ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኢድ መንግስቲ ከምዘሎን ገሊጹ።
ከተማ ደርዓ ስትራተጂካውን ተምሳሌታውን ኣገዳስነት ዘለዋ ከተማ ኮይና ናብ ቀንዲ መሳገሪታት ዶብ ዮርዳኖስ ቀረባ እያ።
ኣብ 2011 ተቓውሞታት ዝተወልዐላ ከተማ ደርዓ ኣብታ ሃገር ይቕጽል ንዘሎ ኲናት ሓድሕድ ኣበጊሱ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ድማ ተቐቲሎም።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዮርዳኖስ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ደቡብ ሶርያ ዝምዕብል ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ምስ እታ ሃገር ዘራኽባ ዶብ ከምዝዓጸወት ገሊጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብኩርዳውያን ዝምራሕ ሓይልታት፡ ነታ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር እትርከብ ቀንዲ መዋፈሪት መንግስቲ ዝኾነት ከተማ ደይርእዞር ከምዝመንዝዑ ይገልጹ።
ኣብ ሰሜን ሶርያ ዝርከቡ ዓመጽቲ በርቃዊ መጥቃዕቶም ካብ ዝጅምሩ ልዕሊ ሓደ ሰሙን ኣቑጺሩ ኣሎ። እዚ ድማ ድሕሪ ዓመታት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሶርያ ዝተወልዐ እቲ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ኮይኑ፡ ድኽመት ወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ዘቃልዐ እዩ።
ብሰንኪ እቲ ዓመጽቲ ዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ ክሳብ ሕጂ ብውሕዱ 370 ሽሕ ሰባት ከምዝተመዛበሉ ዝሓበረ ሕቡራት ሃገራት፡ ገለ ሰለማውያን ሰባት "ኣብ ውሑስ ቦታታት ክበጽሑ ኣብ ዘይክእሉ ከባቢታት ቅድመ ግንባር ተዓጽዮም ኣለዉ" ኢሉ።
እቲ ነቲ ናይ ሶርያ ኵናት ዝከታተል ትካል ብወገኑ፡ እቶም ብእስላማዊ ጉጅለ ዝምርሑ ዕጡቓት ዝሓለፈ ሰሙን መጥቃዕቶም ካብ ዝጅምሩ ንደሓር፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር 111 ሲቪላት ዝርከብዎም ልዕሊ 820 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይገልጽ።
እቶም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዝዓመጹ ሓይልታት ትማሊ ሓሙስ ኣብ ሰሜን ሆምስ እትርከብ ሃማ ዝተቖጻጸሩ ኮይኖም እዚ ድማ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንኣለፖ ዝሰኣነ ፕረዚደንት ኣሳድ ካልኣይ ዓቢ ክሳራ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
መራሒ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሃያት ታሕሪር ኣልሻም ኣቡ መሓመድ ኣልጀውላኒ ንነበርቲ ከተማ ሆምስ "ግዜኹም በጺሑ'ሎ" ኢሉ።
ብፍርሒ ዝተሰናበዱ ኣባላት ፕረዚደንት ኣሳድ ዝተወለደሉ ማሕበረሰብ ካብ ሆምስ ክወጹ ይጓየዩ ከምዘለዉን፡ ጽርግያታት ብመካይን ተጨናኒቑን ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ተዘርጊሑ'ሎ።
"ሓይልታትና ነታ ኣብ ወሰን ከተማ ሆምስ እትርከብ ናይ መወዳእታ ቁሸት ሓራ ኣውጺኦም ሕጂ ኣብ መናድቓ ኣለዉ" ክብል ነቲ መጥቃዕቲ ዝመርሕ ዘሎ ጉጅለ ሶርያ ብቴሌግራም ገሊጹ።
ቢቢሲ ነዚ ምንቅስቓሳት ከረጋግጾ ኣይከኣለን፡ እንተኾነ ግን ሶህር ኣቐዲሙ ዓመጽቲ ካብታ ከተማ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኪሎሜተራት ከምዘለዉ ጸብጺቡ።
ሶህር፡ ነፈርቲ ውግእ ሩስያ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዝርከብ ራስታን ኣብ ዝርከብ ድልድል ቦምባ ብምድርባይ ነቲ ናይቶም ዕጡቓት ምግስጋስ ንምዝሕሓል ፈቲነን ከምዝነበራ ገሊጹ።
ሰራዊት ሶርያ ድሕሪ ናይ መዓልታት ውግእ ከተማ ሃማ ካብ ቁጽጽሩ ወጻእ ምስኮነት ንሆምስ ክከላኸል ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ንጹር ኣይኮነን።
ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር፡ ካብታ ንርእሰ ከተማ ደማስቆ ምስ ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ኣላዊተ እተራኽብ ስትራጂካዊት ከተማ ሰራዊት ኣውጺኡ ዝብል ክሲ ነጺግዎ።
ኣገደስቲ መሓዙት ስርዓት ኣሳድ ዝኾና ሩስያን ኢራንን ነቲ ስርዓት ንምድጋፍ ውፉያት ከምዝኾና ኣዊጀን ኣለዋ።
እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ወተሃደራዊ ሓገዝ ኣይገበሩን። መንግስቲ ሩስያ ድማ ዜጋታቱ ካብታ ሃገር ክወጹ ተላቢዩ'ሎ።
ኣመሪካ ብዓርቢ ዜጋታታ ካብ ሶርያ ክወጹ'ውን ምዒዳ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







