ሶርያ፡ ሩስያ ዜጋታታ ክወጽኡ ትእዝዝ፡ ዕጡቓት ናብ ደማስቆ ይግስግሱ

ናብ ደማስቆ ዝግስግሱ ዘለዉ ዕጡቓት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሃንደበታዊ መጥቃቲ ብምፍናው ነታ ብዕብየታ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትስራዕ ከተማ ኣሌፖ ዝተቘጻጸሩ ዕጡቓት ንቕድሚት ይግስግሱ ኣለዉ።

ትማሊ ሓሙስ ንሓይልታት መንግስቲ ብምድፋእ ንከተማ ሓማ ዝተቘጻጸሩ እቶም ሓያት ታሕሪር ኣል-ሻም ተባሂሎም ዝፍለጡ ዕጡቓት ሎሚ'ውን ንካልእ ዓባይ ከተማ ሆምስ ኣብ ኢዶም ንምእታው ይዋግኡ ኣለዉ።

በቲ ኩነታት ዝሰግአት ቀንዲ ደጋፊት ፕረዚደንት ባሻር ኣልዓሳድ ዝዀነት ሩስያ ዜጋታታ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ተማሕጺናቶም ኣላ።

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ስትራተጂካዊት ከተማ ሆምስ'ውን ካብ መጥቃዕቲ ናይቶም ብናህሪ ዝግስግሱ ዘለዉ ተዋጋእቲ ንምድሓን ሃዲሞም ይወጽኡ ከም ዘለዉ ጸብጻባት ሓቢሮም።

እታ ከተማ ኣብ ቀራና መገዲ ዝተደኰነት ኰይና፡ ብምዕራብ ናብቲ ቀንዲ ሕምብርቲ ደገፍ ፕረዚደንት ባሻር ኣልዓሳድ ዝዀነ ዝኸባቢ፡ ብደቡብ ድማ ናብ ርእሰ ከተማ ደማስቆ ትመርሕ'ያ።

መራሒ ናይቲ ጉጅለ ኣቡ መሓመድ ኣል-ጆላኒ፡ ዕላማ ናይቶም ዕጡቓት ንደማስቆ ብምቁጽጻር ንመንግስቲ ባሻር ኣል-ኣሳድ ንምልጋስ ምዃኑ ገሊጹ'ሎ።

እቶም ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ኣብቲ ንዓመታት ደስኪሉ ዝጸንሐ ግንባር ዓሪዶም ዝጸንሑ ተዋጋእቲ ብሓያት ታሕሪር ዝምርሑ ጥምረት ውድባት ኣብ ጽባሕ ምቁራጽ ተጻብኦታት እስራኤልን ሕዝቦላህን'ዮም መጥቃዕቶም ፈሊሞም።

መንግስቲ ሶርያ ብወተሃደራዊ ደገፍ ሩስያ፡ ኢራንን ሕዝቡላህን'ዩ ክሳብ ሕጂ ክቐውም ክኢሉ ዘሎ።

ብሞተርብሽክለታ ናብ ከተማ ሕሙስ ዝኣትዉ ዕጡቓት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እዚ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ኵሎም እዞም መሻርኽቲ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ግጭታት ተጸሚዶምሉ ኣብ ዘለውሉ እዋን'ዩ ተጀሚሩ ዘሎ።

ኤምባሲ ሩስያ ኣብ ሶርያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሰንኪ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ "ኣጸጋሚ ወተሃደራዊ-ፖለቲካዊ ኩነታት" ዜጋታት ሩስያ በተን ዘለዋ መዓርፎ ነፈርቲ ቀልጢፎም ክወጽኡ ተማሕጺኑ።

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ነፈርቲ ውግእ ሩስያ ንገስጋስ እቶም ዕጡቓት ንምግታእ ደብዳባት ከካይዳ'ኳ እንተጸንሓ ከድምዓ ከም ዘይክኣላ ርዱእ ኰይኑ'ሎ።

ትማሊ ንከተማ ሓማ ድሕሪ ምቁጽጻሮም ንሓወልቲ ባሻር ኣልኣሳድ ከዕንውዎ ተራእዮም።

ኣብ ኣሌፖ ዝነበረ ሓወልቲ ሓዉ ባሰል ኣሳድ'ውን ኣፍሪሶሞ ኣለዉ።

ፕረዚደንት ባሻር፡ ድሕሪ ሞት ናይቲ ን30 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሓ ኣቡኡ ሓፊዝ ኣል-ኣሳድ'ዩ ኣብ 2000 ስልጣን ተረኪቡ።

ኣብ 1982 ፕረዚደንት ሓፊዝ ኣብ ከተማ ሓማ ኣንጻሩ ንዝተላዕለ ህዝባዊ ተቓውሞ ንምድቋስ ግፍዕታት ምፍጻሙ ይፍለጥ።

ኢራን ብወገና፡ ነቲ መሻርኽታ ዝኾነ ስርዓት ኣል-ኣሳድ ንምድሓን ሚሳይላትን ድሮናትን ክትሰድድ ትጓየ ከም ዘላ ሓደ ላዕለዋይ ብዓልስልጣን ንሮይተርስ ሓቢሩ።

እታ ምስ ቱርኪ፡ ሊባኖስ፡ ዒራቕን ዮርዳኖስን እትዳወብ ሶርያ፡ ዝተፈላለዩ ብሄራትን እምነታትን ዝርከቡላ ኰይና፣ ኩርዳውያን፡ ኣሲሪያውያን፡ ክርስትያናት፡ ድሩዝ፡ ዓለዋይት ሺዓ፡ ከምኡ'ውን እቶም ዝበዝሑ ሱኒ ዓረብ ይርከብዎም።