ሶርያ፡ ጉድ ናይቲ 'ሰባት ዝሕረድሉ ዝነበሩ' ቤት ማእሰርቲ እንክቕላዕ

ቤት ማእሰርቲ ሳይድናያ

ምንጪ ስእሊ, White Helmets

መግለጺ ስእሊ, ቤት ማእሰርቲ ሳይድናያ

ቤት ማእሰርቲ ሳይድናያ ዳርጋ ከም 'ዳስ ሓውያ' መብዛሕትኡ ዝኣተወ ስለዘይወጽኣላ ውሽጣ እንታይ ትመስል ኣይትፍለጥን'ያ።

ካብ ውሽጢ እቲ ቤት ማእሰርቲ ስእሊ ክትርከብ'ውን ዘይሕስብ'ዩ ነይሩ።

ን24 ዓመታት ንሶርያ ብተሪር ሕጊ ክገዝኣ ዝጸንሐ ኣሳድ ብሰንበት ካብ ስልጣኑ ካብ ዝዕሎ፡ ህዝቢ ሶርያ ኣብቲ ኣዝዩ ጽኑዕን ብዙሓት ሰባት ዝሃለቑሉን ቤት ማእሰርቲ ሳይድናያ ዝተኣሰሩ ኣዝማዶም ኣብ ምድላይ'ዮም ዘለዉ።

እዚ ቤት ማእሰርቲ ኣብ 1980ታት ካብ ርእሰ ከተማ ደማስቆ 30 ኪሎሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ንእሽተይ ከተማ ዝተደዀነ ኮይኑ፡ ስድራቤት ኣሳድ ንዝተቓወምዎምን ንዘስግእዎምን ሰባት ብጅምላ ንዓመታት ክኣስርሉን ክቐትሉሉን ዝጸንሑ ቦታ'ዩ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንቤት ማእሰርቲ ሳይድናያ 'ሰባት ዝሕረድሉ ቦታ' እናበሉ'ዮም ዝገልጽዎ።

ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ካብ 2011 ጀሚሮም ኣሽሓት ሰባት ተኣሲሮም፤ ተሳቕዮምን ተቐቲሎምን ብምባል ብተደጋጋሚ ክሕብሩ ጸኒሖም'ዮም።

እዚ ቤት ማእሰርቲ ከም መርኣያ ጭካነ ኣል ኣሳድ ተገይሩ'ዩ ዝውሰድ።

እቲ ቤት ማእሰርቲ ኣዝዩ ብዙሕ ትሕተ ባይታዊ ቤት ማእሰርቲ ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣየናይ ክፍሊ በየን ይእቶ ነቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ሓለውቲን ኣቐዲሞም ኣብኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰባትን ብምሕታት ጥራይ'ዩ ክፍለጥ ዝክኣል።

እንተኾነ ገላ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣመሪካን እቲ ቤት ማእሰርቲ እንታይ ከምዝመስል ኣፈናዊ ሓበሬታ ሂቦም ኣለዉ።

'መሕረዲ ሰብ'

ቤት ማእሰርቲ ሳይድናያ ኣብ 1980ታት ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ብወተሃደራዊ ፖሊስን ወተሃደራዊ ስለያን'ዩ ክመሓደር ጸኒሑ።

እቶም ቀዳሞት ተኣሰርቲ ኣብ 1987 ናብዚ ቤት ማእሰርቲ ኣትዮም።

ኣብቲ እዋን፤ ነታ ሃገር ኣቡኡ ንኣል ኣሳድ ሓፊዝ ኣል ኣሳድ'ዩ ዝመርሓ ነይሩ። እቲ ቤት ማእሰርቲ ከኣ 1.4 ትርብዒት ኪሎሜተር ስፍሓት ነይርዎ።

እቲ ቤት ማእሰርቲ ምሉእ ንምሉእ ንኣገልግሎት ማእሰርቲ ክውዕል ኣብ ዝጀመረሉ፡ እቲ ጻዕዳ ህንጻ ወተሃደራውያን መኮነናታን ተራ ወተሃደራትን ንመንግስቲ ብዘይምምእዛዝ ምስ ዝጥርጠሩ ይእሰርሉ ከምዝነበሩ ተጣባቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የመልክቱ። እቲ ህንጻ ብቅርጺ 'L' ዝተሰርሐ ኮይኑ ብደቡባዊ ምብራቅ ወገን ይርከብ።

እቲ ቀይሕ ህንጻ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከኣ እቲ ቀንዲ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ንመንግስቲ ዝተቓወሙን ኣባላት እስላማዊ ምንቅስቓስን ዝእሰርሉ ኣዝዩ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ'ዩ።

እዚ ህንጻ ብቅርጺ 'Y' ዝመስል ኮይኑ ካብ ማእከላይ መቆጻጸሪ ናይቲ ቤት ማስርቲ ናብ ሰለስተ ሸነኻት ዝዝርጋሕ ዓባይቲ ህንጻታት ኣለዎ።

ክልቲኡ እዚ ቤት ማእሰርቲ ካብ 10 ሽሕ ክሳብ 20 ሽሕ እሱራት ከምዝሕዝ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝወጽኡ ንትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣመልኪቶም።

ካብ ሰንበት ጀሚሩ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ዝዝርጋሕ ዘሎ ቪድዮን ቢቢሲ ዘረጋገጾን፡ ኣብ ማእከል መቖጻጸሪ እቲ ቤት ማእሰርቲ ኮይንካ ብካሜራታት ዝሕሎ ኣዝዩ ብዙሕ 'ሸላታት' ከምዘለዎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ጻዕዳ ህንጻ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ንሓለውቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ተወኪሱ ኣብ 2017 ኣብ ዘቕረቦ ጸብጸብ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ 2011 ኵናት ሓድሕድ ምስ ጀመረ፡ እቶም ኣብ ጻዕዳ ህንጻ ዝነበሩ እሱራት ናብ ካልእ ግዒዞም በቶም ንስርዓት ባሻር ኣል ኣሳድ ዝቃወሙ ዝነበሩ ሰለማውያን ሰባት ከምዝተመለአ ይሕብር።

ሓደ ካብቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ብጽፍሒ ዝሰርሕ ዝነበረ ንኣምነስቲ ከም ዝሓበሮ "ድሕሪ 2011 [ሳይድናያ] ቀንዲ ካብ ፖሎቲካውያን እሱራት ዝዳጎንሉ ቤት ማእሰርቲ'ዩ ኰይኑ" ይብል።

ኣምነስቲ ብተወሳኺ ኣብ ቀይሕ ህንጻ ተኣሲሮም ካብ ዝነበሩ ዝረኸቦ ምስክርነት'ውን፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ግፍዓዊ መርመራን ማህረምትን፡ ጾታዊ ዓመጽን እሱራት መግብን መድሃቢትን ከምዘይረኸቡ ገይርካ ምስቓይን ዝርከቡ ግፍዕታት ከምዝፍጸም ከረጋግጽ ክኢሉ።

ኣብ ትሕቲ ጻዕዳ ህንጻ ዘሎ ጸበብቲ ሸላታት ከኣ ቀንዲ "መቕተሊ" ሰባት ከምዝኾነ ኣብ ቀይሕ ህንጻ ካብ ዝርከቡ እሱራት ብማሕነቕቲ ክቕተሉ ምስ ዝድለዩ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ጻዕዳ ህንጻ ዝርከብ ትሕተ ባይታዊ ሸላታት ተወሲዶም ከምዝቕተሉ ኣምነስቲ ይሕብር።

ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ሓለውቲ ዝነበሩ ከምዝሓበርዎ፡ ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ዝቕተሉ ኣብ እዋን ምሳሕ'ዩ ዝመጽኦም።

ብድሕሪ እዚ እቶም ሰራዊት ነቶም ክቕተሉ ዝተወሰነሎም ጸዊዖም ናብቲ ትሕቲ ባይታ ዘሎ ክፍልታት ይወስድዎም።

ኣብ ሓደ እብረ ክሳብ 100 ዝኾኑ'ዮም ዝውሰዱ፡ ካብ ፍርቂ ለይቲ ክሳብ ሰዓት ሰለስተ ወጋሕታ ኣብ ዘሎ ግዜ ከኣ እቲ ናይ ምቕታል ስርሓት ይፍጸም።

እቶም እሱራት ዓይኖም ብጨርቒ ተሸፊኖም፡ ናብቲ ትሕቲ ባይታ ዘሎ "መቕተሊ ክፍልታት" ይውሰዱ፤ እቲ መቕተሊ ካብቲ ጻዕዳ ህንጻ ንሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ'ዩ ዝርከብ።

ቤት ማእሰርቲ ሳይድናያ

እቲ መሕነቒ ቦታ ብሓንሳብ ክሳብ ዓሰርተ ሰባት ክሕነቕሉ ዝኽእሉ ተር ዝበለ ገመዳት ዘለዎ ቦታ'ዩ።

ኣምነስቲ ዝረኸቦ ሓበሬታ፡ እቲ መሕነቒ ቦታ ኣብ 2012 ካብቲ ዝነበሮ ሰፊሑ ኣብ ሓደ እብረ ክሳብ 20 ሰባት ክሕነቕሉ ከምዝኽእሉ ኰይኑ ተሰሪሑ።

ድሕቲ ምውዳቕ ኣል ኣሳድ ገለ ሰባት ናብቲ ቦታ ብምኻድ ዝሰኣልዎ ስእልታት ከኣ እቲ መሕነቒ ቦታ እንታይ ከምዝመስል ዓለም ክትርኢ ጀመራ ኣላ።

ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ካብ 2011 ክሳብ 2018 ኣብ ዝነበረ ግዜ ብማሕነቕቲ፡ ብብርቱዕ መግረፍቲ፡ ብስእነት መድሃኒትን ጥምየትን ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይሕብሩ።

ካብ 2018 ክሳብ 2021 ኣብ ዝነበረ ግዜ'ውን ብውሕዱ 500 እሱራት ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ብማሕነቕቲ ከምዝተቐተሉ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝወጽኡ ዝሃብዎ ሓበሬታ የመልክት።

ኣመሪካ ነዚ ቤት ማእሰርቲ ኣመልኪታ ኣብ 2017 ኣብ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ'ውን ስርዓት ባሻር ኣል ኣሳድን ኣቡኡን ኣብቲ ውሽጢ እቲ ቤታ ማእሰርቲ ሬሳ ናይቶም እተቐተሉ ዝቓጸለሉ ቦታ ከምዝሃነጹ ገሊጻ ምንባራ ይዝከር።

ብኣዝዩ ጽኑዕ ዝሕሎ ጻዕዳን ቀይሕን ህንጻታት

እቲ ቤታ ማእሰርቲ ካብ ዝምስረት ብክቢ ድፋዕ ሰሪሖም ብጽኑዕ ዝሕልዉ ሰራዊት'ዮም ዘለዉዎ።

ግዳማዊ ክፋል እቲ ቤት ማእሰርቲ ከኣ ብኣስታት 200 ዝኾኑ ሰራዊት ይሕሎ። ኣብ ውሽጢ ከኣ ኣባላት ወተሃደራዊ ስለያን ወተሃደራዊ ፖሊስን ዝኰኑ ኣስታት 250 ሰራዊት ከምዘለዉዎ ኣብ 2022 ዝወጽአ ጸብጻብ የመልክት።

እቲ ቤታ ማእሰርቲ ብኣባላት ብርጌድ 21 ሳልሳይ ቦጦሎኒ'ዩ ዝሕሎ። ምኽንያቱ እዛ ብርጌድ እዚኣ ንመንግስቲ ምእዙዛትን ብመንግስቲ ተኣመንትን ብዝኰኑ ሰራዊት ዝተተኽተኸት'ያ።

እታ ብርጌድ ከኣ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ባሻር ኣል ኣሳድ ብዝመጽኣ ትዝዛዝ'ያ ትምራሕ ነይራ።

ድሕሪ ምውዳቕ ኣል ኣሳድ ሰላማውያን ሰባት ናብ ከባቢ እቲ ቤት ማእስርቲ ከይከዱ ምሕጽንታ ይቐርበሎም ኣሎ። ምኽንያቱ እቲ ቤት ማእሰርቲ በጸረ ሰብን ታንክታትን ፈንጅታት ዝተኸበበ ከይከውን ጥርራጣረታት ኣሎ።

እቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ውሽጢ ብጸረ ሰብ ተፈንጀርቲ ብደገ ከኣ ብጸረ ታንኪ ተፈንጀርቲ ዝተኸበበ ከምዝኾነ'ዩ ዝእመን።

ውሃበ ቃል ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ቤት ማእሰርቲ [ሳይድናያ] ነቲ ኣብ ሶርያ ዝፍጸም ጃምላዊ ህልዊት ንምኽዋል ኰነ ተባሂሉ ዝተሃነጸ ከምዝኰነ'ዩ ዝሕብር።

ብሳተላይት ዝተሰኣለ ስእሊ ከምዘርእዮ'ውን እቲ ህንጻ፡ ገለ ክፋሉ መቓጸሊ ሬሳ ከምዝኾነ እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ህንጻ ዝመኸኸ በረድ ብምርኣይ ከምዘረጋገጽዎን ኣብቲ እዋን ኣብ መዓልቲ ክሳብ 50 ዝኰኑ እስራት ብማሕነቕቲ ተቐቲሎም ሬሳኦም ኣብኡ ይቓጸል ከምዝነበረ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እቲ ጸረ ሰብን ታንክን ፈንጅታት ዝተተኸሉ መስመር ዘርኢ ካርታ
መግለጺ ስእሊ, እቲ ጸረ ሰብን ታንክን ፈንጅታት ዝተተኸሉ መስመር ዘርኢ ካርታ

ብዘይካ እዚ ቀጽሪ ናይቲ ህንጻ'ውን ብተዋጋኢ ትርኮላት ብጽኑዕ ዝተኸበበ'ዩ።

ኣብ ልዕሊ እዚ'ዮም ኣባላት በርጌድ 21 ሓለዋ ዝገብሩ።

ስርዓት ኣል ኣሳድ እቲ ኣቐዲሙ ምስዚ ቤት ማእሰርቲ ዝተሓሓዝ ክቀርበሉ ዝጸንሓ ክስታት 'መሰረት ኣልቦ ሓሶት' ብምባል'ዩ ክነጽጎ ጸኒሑ።

ኣምነስት፡ ስድራ ናይቶም ቅድሚ ዓሰርተን ልዕሊኡን ዓመታት ወገናቶም ኣብ ሳይድናያ ዝተኣሰርዎም ኩነታቶም ከጣልሉ፡ ሞቶም ሕየቶምን ክፈልጥሉ ዝኽእሉ ግዜ ሕጂ'ዩ ይብል።