ሶርያ፡ ንዕጡቕ ጉጅለ መሪሑ ደማስቆ ዝኣተወ መሓመድ ኣልጁላኒ መን እዩ?

መራሒ ዕጡቕ ጉጅለ- ሃያት ታሕሪር ኣል-ሻም (HTS)

ምንጪ ስእሊ, AFP

ተዋጋእቲ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሃያት ታሕሪር ኣል-ሻም (HTS) ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ንሓያሎ ከተማታት ተቖጻጺሮም፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ንርእሰ ከተማ ሶርያ-ደማስቆ ኣምሪሖም።

መራሒ ዕጡቕ ጉጅለ -ኤችቲኤስ፡ኣቡ መሓመድ ኣል-ጀውላኒ፡ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይኽሰስ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንህዝቢ ዓለም ጽቡቕ ምስሊ ክፈጥር'ኳ እንተፈተነ፡ ኣመሪካ ነቲ መራሒ ኣሕሊፉ ንዝሃበ ወይ ድማ እሙን ሓበሬታ ንዘቐበለ፡ ዝኣተወቶ ቃል- 10 ሚልዮን ዶላር ጉንዖ ዛጊት ኣብ ቦትኡ ኣሎ።

ኣል-ጁላኒ ካበይ እዩ መፂኡ?

ኣቡ መሓመድ ኣል ጁላኒ ቅጽል ስሙ እዩ፤ ቅኑዕ ስሙን ዕድሚኡን ብንጹር ኣይፍለጥን።

ኣል-ጀውላኒ ንኣመሪካዊ ፒቢኤስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ግን፡ ሽሙ ኣሕመድ ኣል-ሻራ፡ ስድርኡ ድማ ካብ ዞባ ጎላን ዝመጹ ሶርያውያን ምዃኖም ገሊጹ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ስዑዲ ዓረብ ርያድ ተወሊዱ፤ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቡኡ ኣብ ሪያድ ይሰርሕ ነይሩ።

ንሱ ግን ኣብ ደማስቆ ከምዝዓበየ እዩ ዝዛረብ።

ኣብ ምብራቓዊ ሶርያ ኣብ ዝርከብ ዲር ዞር ከም ዝተወልደ ዝሕብር ሓበሬታ'ውን ኣሎ።

ቅድሚ ኣባል እቲ እስላማዊ ዕጡቕ ምዃኑ፡ ሕክምና ከምዝተምሃረ ይንገር።

ብመሰረት ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት፡ ንሱ ኣብ መንጎ 1975ን 1979ን እዩ ተወሊዱ።

ኢንተርፖል ድማ ኣብ 1979 ከምዝተወልደ ይገልጽ። ካልእ ጸብጻብ-ኣስ-ሳፊር ድማ ኣብ 1981 ከም ዝተወልደ ይሕብር።

ኣል ጁላኒ ብኸመይ መራሒ ናይቲ ጉጅለ ኮይኑ?

ኣብ 2003 ብኣመሪካ ዝምራሕ ጥምረት ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ድሕሪ ዘካየዶ ወራር፡ ኣል-ጀውላኒ ምስቲ ናብቲ ሃገር ዝርከብ ጅሃዳዊ ጉጅለ ኣልቓዒዳ ከምዝተጸንበረ ይእመን።

እቲ ጥምረት ንፕረዚደንት ሳዳም ሑሴንን ሰልፊ ባዓስን ካብ ስልጣን እንተኣውረደ'ኳ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ዝተዋደደ ተቓውሞ ኣጋጢምዎ።

ኣብ 2010 ኣብ ዒራቕ ዝርከቡ ወተሃደራት ኣመሪካ ንኣል-ጀውላኒ ሒዞም፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ኩዌት ኣብ ዝርከብ ቡካ ዝተባህለ መደበር ኣሲሮምዎ ነይሮም።

ኣብቲ መደብር፡ ምስ ገለ ላዕለዎት መራሕቲ እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ)ን፡ ጽንሕ ኢሉ ድማ ምስ ቀንዲ መራሒ'ቲ ጉጅለ ዝዀነ- ኣቡበከር ኣል-ባቕዳዲ ከምዝተራኸበ ይእመን።

ኣል-ጁላኒ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣል-ባቕዳዲ ኣብ 2011 ኣብ ሶርያ ኣንጻር ስርዓት ፕረዚደንት ባሻር ኣል ኣሳድ ዕጥቃዊ ቃልሲ ምስ ተጀመረ፡ ንሱ ድማ ክንፊ ናይቲ ጉጅለ ኰይኑ ናብታ ሃገር ከምዝኸደ ሓቢሩ።

ኣል-ጁላኒ ኣዛዚ ግንባር ኑስራ (ወይ ጃብሃት ኣል-ኑስራ) ዝበሃል ዕጡቕ ጉጅለ ምስ ኰነ፤ ምስ ኣይኤስ ሕቡእ ምትእስሳር ነይርዎ።

ኣብ ዓውደ ውግእ እውን ብዙሕ ዓወታት ኣመዝጊቡ።

ኣል-ጁላኒ፡ ንግንባር ኣል-ኑስራ ኣብ 2013 ምስ ዳዒሽ ዝነበሮ ርክብ ኣቋሪጹ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣልቓዒዳ ኣእትይዎ።

ድሕሪኡ ድማ ምስ ኣልቓዒዳ ዝነበሮ ርክብ ከምዝበተኸ፡ ኣብ 2016 ኣብ ዝተቐድሐ መልእኽቲ ኣፍሊጡ።

ኣል-ጁላኒ፡ ኣብ 2017 ምስ ካልኦት ኣብ ሶርያ ዝርከቡ ዕጡቓት ጉጅለታት ብምትሕብባር፡ ሓያት ታሕሪር ኣል-ሻም (HTS) ከም ዘቖሙ ገሊጹ።

ኣል-ጁላኒ ድማ፡ መራሒ ናይቲ ሓዲሽ ጥምረት ኰይኑ ተመዚዙ።

ኣልጁላኒ እንታይ ዓይነት መራሒ እዩ?

እቲ ሓድሽ ጥምረት፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣል-ጁላኒ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶርያ ኢድሊብን ከባቢኣን ዓብላሊ ጉጅለ ዕጡቓት ኮይኑ ወጺኡ።

እታ ከተማ ቅድሚ እቲ ኲናት 2.7 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ጥራይ እንተነበራ'ኳ፡ ብሰንኪ ብዝሒ ተመዛበልቲ፡ እዚ ቁጽሪ ናብ ኣርባዕተ ሚልዮን ከምዝወሰኸ ግምታት ይሕብሩ።

ኣብ ግዝኣት ኢድሊብ፡ ከም ዞባዊ ኣመሓዳሪ ኮይኑ ዝሰርሕ "መንግስቲ ድሕነት" መሪሑ።

ኣገልግሎት ጥዕና፣ ትምህርትን ጸጥታን ይሕሉ።

ኣል-ጁላኒ ኣብ 2021 ኣብቲ ንፒቢኤስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ስትራተጂ እስላማዊ ጅሃድ- ኣልቓዒዳ ከምዘይኽተል ኣዊጁ።

ቀንዲ ዕላማ እቲ ዕጡቕ ጉጅለኡ፡ ንፕረዚደንት ሶርያ ኣልኣሳድ ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ዀይኑ፡ እዚ ዕላማ እዚ ድማ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ዝድገፍኦ እዩ።

"እዚ ዞባ ንጸጥታ ኤውሮጳን ኣመሪካን ሓደጋ ኣይኮነን። እዚ ዞባ ናይ ወጻኢ ጅሃድ መዐንደሪ ኣይክኸውንን'ዩ" ኢሉ ነይሩ።

ከም ውፅኢቱ ድማ፡ ኣብ 2020 ኣብ ኢድሊብ ዝርከብ መደበር ኣልቓዒዳ ዓጽዩ፤ ነቲ ኣጽዋር መንጢሉ፡ ንገለ መራሕቲ ድማ ኣብ ቀይዲ ኣእቲዩ።

ኣይኤስ ኣብ ኢድሊብ ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ንጥፈታት እውን ደው ኣቢሉ ኣሎ።

ኤች.ቲ.ኣስ፡ ጅሃዳዊ ድዩ ?

ኤች.ቲ.ኤስ ኣብቲ ዝቆጻጸሮ ከባቢታት እስላማዊ ሕጊ [ሸሪዓ] እኳ እንተተተግብረ፡ ከም ካልኦት ጅሃዳውያን ጉጅለታት ኣኽራሪ ዝበሃል ኣይኮነን።

ምስ ክርስትያንን ካልኦት ኣስላም ዘይኮኑን ኣመንትን ዘይጻባእ እዩ።

ካልኦት ጉጅለታት እስላመዊ ጅሃድ፡ ነቲ ዕጡቕ ጉጅል 'ዓቃባዊ' [ተወላዋሊ] ብምባል ይነቕፍዎ።

ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ድማ፡ ንኤችቲኤስ ንህዝባዊ ተቓሞታት ብምዕፋንን ሰብኣዊ መሰላት ብምግሃስን ይኸስዎ።

ኣል ጁላኒ ግን ነዚ ኩሉ ክስታት ኣይቕበሎን።

እቲ ዕጡቕ ጉጅል፡ ብብዙሓት ሃገራት ምዕራብን ማእከላይ ምብራቕን ከምኡ'ውን ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ከም ግብረሽበራዊ ጉጅለ ተበይኑ ይርከብ።

ኣል-ጁላኒ ድማ፡ ብሰንኪ ምስ ኣልቓዒዳ ዝነበሮ ርክብ፡ መንግስቲ ኣመሪካ እዚ መራሒ ንክእሰር እሙን ሓበሬታ ንዝሃበ፡ ወይ ድማ ኣሕሊፉ ዝሃበ፡ 10 ሚልዮን ዶላር ጉንዖ ከምዝወሃቦ ኣፍሊጡ።