ሶርያ፡ ድሕሪ ውድቀት ኣልኣሳድ ዝቕጽል ዘሎ ጽዑቕ ደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እስራኤል፡ ብባሻር ኣል-ኣሳድ ዝምራሕ ምልካዊ ስርዓት ሶርያ ብዕጡቓት ተቓወምቲ ተሳዒሩ ድሕሪ ምውዳቑ ዝጀመረቶ ሰፊሕ መጥቃዕትታት ቀጺላቶ'ላ።
እቲ ኣብ ከባቢ ደማስቆን ካልኦት ቦታታትን ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ንኣገደስቲ ቦታታት ዒላማታት ዝገበረ'ዩ።
ሓደ ካብኡ ስነቀመማዊ (ከሚካለዊ) ኣጽዋር ዝፈርየሉን ዝኽዘነሉን ምዃኑ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ኣረጋጊጹ።
ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ጥራይ ልዕሊ 300 መጥቃዕታት ብምፍጻም ዝተፈላለዩ ዒላማታት ሃሪመን ኣለዋ።
ወተሃደራዊ መዓስከራት፡ መኽዘናት ኣጽዋር፡ መዓርፎ ነፈርቲ፡ መዓስከራት ሓይሊ ባሕሪ፡ ከምኡ'ውን ትካላት መጽናዕቲ ዝርከብዎም ወተሃደራውያን ዒላማታት ከቢድ ዕንወት ወሪድዎም ኣሎ።
እቲ ጽዑቕ መጥቃዕቲ "ንኹሉ ዓቕሚ ሰራዊት ሶርያ ዘዕኑ" ምዃኑ ዝገለጸ መስራቲ ሓደ ተሓላቂ መሰላት (SOHR) ራሚ ዓብዱል ራሕማን "መሬት ሶርያ ይግሃስ ኣሎ" ክብል ነቲ ዝዘንብ ዘሎ ቦምባታት እስራኤል ነቒፉ።
ኣብታ ቀንዲ ምንጪ ደገፍ ስርዓት ኣል-ኣሳድ ዝኾነት ወደባዊት ከተማ ላታኪያ ዝተደኻየደ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ንሓያለ መራኽብ ኲናት ሓይሊ ባሕሪ ሶርያ ከምዘዕነወ ጸብጻባት ሓቢሮም ኣለዉ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ጎቦታት ጎላን ወተሃደራቱ ናብ ውሽጢ ሶርያ ከምዝኣተዉ ዝተኣመነ ሰራዊት እስራኤል፡ ናብ ደማስቆ የምርሑ ኣለዉ ዝብል ወረ "ሓሶት" ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ጎላን ሃይትስ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሓይልታት እስራኤል ነቲ ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለዘመን ጠንቂ ምስሕሓብ ዝኾነ ጎቦታት ጎላን ዝርከብ ፍሉይ ናይ ጸጥታ ዞባ ከምዝተቖጻጸርዎ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
እስራኤል፡ ኣብቲ ኣብ 1967 ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሃገራት ዓረብን ዝተኻየደ "ኲናት ሽዱሽተ መዓልታት" ነቲ ኣካል ሶርያ ዝነበረ ስትራተጂካዊ ጎቦታት ከምዝተቖጻጸረቶ ይፍለጥ።
ኣብ 1981 ድማ በይናዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ኣካላ ብምግባር ጐቢጣ ወሲዳቶ።
ሓደ ዓመት ድሕሪ ኲናት 1973 ብዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብቲ ከባቢ ንክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ዝፈላሊ 'ናጻ ናይ ጸጥታ ዞባ' ('ባፈርዞን') ተመስሪቱ ነይሩ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ወተሃደራት መንግስቲ ሶርያ መዛግቦምን መዓስከራቶምን ለቒቖም ድሕሪ ምውጽኦም ግን፡ ወተሃደራት እስራኤል ንውሽጢ ብምእታው ተቖጻጺሮሞ ኣለዉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ እቲ ሰራዊቱ ነቲ "ውሱንን ግዝያዊን ስጉምቲ" ክወስድ ትማሊ ሰንበት'ዩ ኣዚዝዎ።
ንስጉምቲ እስራኤል ዝኾነነት ቱርኪ ብወገና፡ ኣብ ሶርያ ሰላምን ምርግጋእን ክፍጠር ከምእትደሊ ገሊጻ።
ፕረዚደንት ረሰፕ ታይፕ ኤርዶጋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ካብ ሕጂ ንድሓር ሶርያ ክትመቓቐል ኣይነፍቅድን ኢና . . . ኣብ ልዕሊ ናጽነት ህዝቢ ሶርያ፡ ምርግጋእ ናይቲ ሓድሽ ምምሕዳር ይኹን መሬታዊ ሓድነት ዝግበር መጥቃዕቲ ኣንጻሩ ደው ኢልና ክረኽበና'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።
"እስራኤል ሕጂ'ውን፡ እቲ ናይ ጐበጣ ኣተሓሳስብኣ'ያ ተርኢ ዘላ" ክብል'ውን ነቒፉ።
ዘየቕስን ከሚካላዊ ኣጽዋር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናብ ትማሊ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ገማግም ባሕሪን ዱቡባዊ ከባቢታት እታ ሃገርን ደብዳባት ከምዝነበረ ሓደ ሶርያዊ ትካል ተሓላቒ መሰላት ገሊጹ።
ንስነቀመማዊ ኣጽዋር ዝከታተል ትካል ሕቡራት ሃገራት (OPCW)፡ ኬሚካላዊ ኣጽዋር፡ ብሽጣዊ ሳዕቤን ብምፍጣር ዝቐትል መርዛም ባእታታት ዘለዎ ምዃኑ የመልክት።
ኬሚካላዊ ኣጽዋር ምጥቃም ብዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ዝተኣገደ'ዩ። ወተሃደርን ሲቪልን ስለዘይፈሊ እንተላይ ንወተሃደራዊ መዓላ ዝተኸልከለ'ዩ።
ሶርያ ክንደይ ዝኣክል ኬሚካላዊ ኣጽዋር ከምዘለዋ ንጹር ኣይኮነን።
እንተኾነ ግን ፕረዚደንት ነበር ባሻር ኣል-ኣሳድ ዝኸዘኖ ከምዘሎን ዝሃቦ ጸብጻብ ምሉእ ከምዘይኮን'ዩ ዝእመን።
ኣብ 2013 ኣብ ገለ ኣንጻር መንግስቲ ናዕብታት ዝካየደሎም ዝነበረ ከባቢታት ስነቀመማዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ በቲ መጥቃዕቲ ልዕሊ 1,400 ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር። መንግስቲ ሶርያ ካብ ትካል (OPCW) ምስክር ወረቐት ተዋሂብዎ ነይሩ።
ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ፡ እቲ ትካል ምስ ካልኦት ትካላት ሕቡራት ሃገራት ብምዃን 1,300 ቶን ዝግመት ቀመማት ከምዘዕነወ ይግለጽ።
ካብ 2014 ክሳብ 2018 ኣብ ዝነበረ እዋን ጥራይ ብውሕዱ 106 ግዜ ኬሚካላዊ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ቢቢሲ ዘካየዶ ትንተና የረድእ።
እቲ ተቖጻጻሪ ትካል ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ድሕነትን ጸጥታን ኩሎም ስነቀመማውያን ኣጽዋራትን ምስኦም ዝተኣሳሰሩ መሳርሕን ማእከላትን" ንምርግጋጽ ምስ ሰብመዚ ሶርያ ከምዝተላዘበ ኣፍሊጡ'ሎ።
ካልኦት ስግኣታት እስራኤል እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጊዲዮን ሳር ከምዝብሎ፡ ኣብ ከባቢ ደማስቆ ዝተኻየደ ብርክት ዝበለ ደብዳባት'ውን፡ ኢራናውያን ተመራመርቲ ሮኬታት ንምምዕባል ዝሰራሓሉ ዝነበሩ መደበር'ዩ።
እስራኤል እቲ ኬሚካላዊ ኣጽዋር ኣብ ኢድ ሕሉፋት ወገናት ሶርያ ከይኣቱ ብምስጋእ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰድ'ያ ትምጉት።
"ቀንዲ ዘገድሰና ድሕነት እስራኤልን ዜጋታት ጥራይ'ዩ" ክብል እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።
እስራኤል: ኣብ እዋን ናዕቢ ሶርያ 2011: ኣሳድ መሓዛ ክልቲኦም ኢራንን ሂዝቦላህን እኳ እንተነበረ፡ ዝሓሸ ስርዓት ምዃኑ ኣሚና ነይራ።
ዝሓለፈ ሰንበት ግን፡ ኔታንያሁ ንውድቀት ስርዓት ኣሳድ "ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ታሪኻዊ መዓልቲ" ብምባል ዝገለፆ ዀይኑ፡ ምስ እስራኤል ብሰላም ክነብሩ ንዝደልዩ ሶርያውያን "ናይ ሰላም ኢዳ ክትሰድድ" ምዃና ተዛሪቡ።
ንሱ፡ ህላወ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብቲ ዘካትዕ-ነፃ- ዞባ "ምቹእ ኩነታት ክሳብ ዝፍጠር ግዝያዊ ናይ ምክልኻል ቦታ" ምዃኑ ገሊጹ።
"ምስቶም ኣብ ሶርያ ዝቕልቀሉ ዘለዉ ሓደስቲ ሓይልታት፡ ሰናይ ጎርብትናን ዝምድናን ክንምስርት እንተኽኢልና ድሌትና ንሱ'ዩ። እንተዘይኰይኑ ግን፡ ድሕነት ሃገረ እስራኤልን ዶባታን ንምክልኻል ዘድሊ ኩሉ ክንገብር ኢና" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







