ሶርያ፡ ድሕሪ 38 ዓመት ካብ ማእሰርቲ ብህይወት ዝወጽአ እሱር መን'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሶርያ ስርዓት ባሽር ኣል ዓሳድ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ባሺር ኣል-ባታይነህ ዝተባህለ ዮርዳኖሳዊ እቲ ን38 ዓመታት ኣብ ሶርያ ድሃዩ ጠፊኡ ዝጸንሐ ወዱ ኦሳማ ክምለስ ብሃንቀውታ ይጽበ ነይሩ።
ወዲ 83 ዓመት ኣል-ባታይነህ ኣብ ሰሜናዊ ዮርዳኖስ ኣብ እትርከብ ኢርቢድ ዝተባህለት ከተማ እዩ ዝነብር።
ኦሳማ፡ ብ1986 ዓ.ም ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ቅድሚ ምጅማሩ ዝነበሮ ናይ ዕረፍቲ ሰሙናት ኣብ ሶሪያ ከሕልፎ ኢሉ ምስ ወጽአ ኣይተመልሰን።
ድሕሪ ልዕሊ 30ዓመታት፡ ኣል-ባታይነህን ስድርኡን ክጽልይዎ ዝጸንሑ ብስራት ተኸሲቱ።
ስርዓት ባሽር ዝኣለዩ ዕጡቓት ንከተማ ደማስቆ ምስ ተቘጻጸሩ ብቐጥታ ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብምኻድ እሱራት ክፍትሑ ጀሚሮም።
ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ሶርያ ደማስቆ ካብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ሰይድናያ ዝወጽእ ዝነበረ ሓደ ሰብኣይ፡ "ኣነ ካብ ኢርቢድ እየ" ክብል ዝስምዓሉ ቪድዮ ክኣ ተዘርጊሑ።
ድሕሪኡ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዮርዳኖስ ኦሳማ ዝተባህለ ዜጋ ናብ ዮርዳኖስ ከም ዝኣተወ ኣፍሊጡ።
እቲ ሰብኣይ ግን ዝዝክሮ ነገር የብሉን።
ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሰብመዚ ኣብ መንጐ እቲ ዝተፈትሐ እሱርን ስድራቤት ኣል-ባታይነህን ኣኼባ ኣካይዶም።
ኣል-ባታይነህ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ንነዊሕ ደቓይቕ ኢደይ ሒዙ ክስዕሞ ጀሚሩ" ኢሉ።
ንሱ ንኵነታት ኦሳማ ክገልጽ እንከሎ፡ ናብ "ዓጽሚ" ዝጸረየ'ዩ ብምባል "ናይ ምዝካር ክእለቱ ኣጥፊኡ፤ ኵነታቱ ድማ ልብኻ ዝሰብር'ዩ... ኩሉ ገጻቱ ተቐይሩ'ዩ" ኢሉ።
ሓፍቲ ኦሳማ፡ ናይ ቀደም ስእልታት ስድራቤቱ ብምርኣይ ሽም ኣዲኡ ክዝክር ከምዝከኣለን ገሊጻ።
እንተዀነ፡ ትጽቢት ዘይገበሩዎ ነገር ተኸሲቱ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ውልቀሰብ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ዮርዳኖስ ኣማን ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ተወሲዱ።
መርመራ ዲኤንኤ ተገይርሉ።
እዚ ክኣ፡ ኣብ መንጐኡን ስድራ ኣል-ባታይነህን ጀነቲካዊ ዝምድና ከም ዘየለ ኣርእዩ።
እቲ ኣብ ዙርያ መንነት እዚ ውልቀሰብ ዝተረኽበ ውጽኢት ክኣ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተፈላለዩ ግምታት ክወሃቡ ደሪዅ።
ሓደ ተጠቃሚ ፌስቡክ፡ እቲ ኣብቲ ቪድዮ ዘሎ ሰብ፡ ካብ ከተማ ታርቱስ ዝመጽአ ሶርያዊ ምዃኑን፡ ብሓባር ተኣሲሮም ከም ዝነበሩን ገሊጹ።
ካልእ ጓል ኣንስተይቲ ድማ፡ እቲ ሰብኣይ ካብታ ኣብ ገጠር ታርቱስ እትርከብ ካፍሩን ዝተባህለት ቁሸት ከም ዝዀነን "ብ1986 ብስለያ ሶርያ ካብ በይሩት ከም ዝተጨውየን" ኣብ ፌስቡክ ጽሒፋ።
ካታሊና ሳዓደህ ዝተባህለት ውልቀሰብ እቲ ሰብኣይ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ሊባኖስ ተጨውዩ ናብ ቤት ማእሰርቲ ሶርያ ዝተሰጋገረ ሓቢብ ሳዓደህ ዝተባህለ ዘመዳ ከም ዝመስል ትዛረብ።
ንሳ፡ እታ ስድራቤት ቅድሚ ክልተ ዓመትን ፈረቓን፡ ሳዓደህ- ሓው ኣቦሓጎኣ ዝዀነ- ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሳይድናያ ከም ዘሎ ዝገልጽ ዜና ከም ዝበጽሓ ትገልጽ።
እዚ ቤት ማእሰርቲ፡ መንግስቲ ሶርያ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ንምእሳር ዝጥቀሙሉ ዝነበረ ዕሉል ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ'ዩ።
ሕጂ፡ እቲ ሃለዋቱ ዝጠፍኦ እሱር ዘመዶም ምዃኑ ብመርመራ ዲኤንኤ ከረጋግጹ ተስፋ ኣለዎም።
ካታሊና ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "እቲ ዝጠፍአ ሰብ ናብ ዘለዎ ዮርዳኖስ መርመራታት ከነቕርብ ኢና፤ካብቲ ኣብ ቁሸት ካፍሩን ዝርከብ ኣቦሓጎይ ድማ ቅምሶታት ክውሰድ'ዩ። ኣባሓጎይ ሓዉ እንተረኺቡ ዕረፍቲ ክረክብ'ዩ" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።
እቲ እሱር ናብ ዮርዳኖስ ምስ ኣተወ ዘሰንዮ ዝነበረ ሚኒስተር ዕዮ ዮርዳኖስ ነበር ነዳል ኣል-ባታይነህ፡ እቲ ዝተፈትሐ ሰብ ሓደ ካብ ኣዝማዶም ምዃኑ ካብ ዝኣምኑ ሰባት ሓያሎ ቴሌፎን ከም ዝተደወለ ገሊጹ።
ነዳል ምስቲ ሰብኣይ ዝምድና ኣለና ኢሎም ዝኣመኑ ስድራቤታት መርመራ ዲኤንኤ ክገብሩን ውጽኢት ክሰዱን ሓቲቱ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ዝርከብ ቃሲም ባሽታዊን ስድርኡን እቲ ዝተፈትሐ ሰብ ኣሕመድ ዝተባህለ ወዲ ሓውቡኦም እዩ ኢሎም ይጥርጥሩ።
ባሽታዊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ወዲ ሓውቦኡ ኣብ ሊባኖስ ተጨውዩ ናብ ሶርያ ዝተሰጋገረ ፍልስጤማዊ ተቓላሳይ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ 1995 ሓደ ዝተፈትሐ እሱር ናብቶም ስድራ መጺኡ ኣሕመድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሳይድናያ ከም ዘሎ ነጊሩዎም ነይሩ።
ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ክበጽሕዎ ፈቲኖም'ኳ እንተነበሩ፡ ካብ ሶርያ ብዘለዉ ሓይልታት ጸጥታ ምፍርራሕ ከም ዝበጽሖም ሓቢሩ።
ስድራቤት ባሽታዊ፡ እቲ ሰብኣይ ዘመዶም ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምፍላጥ ጀነቲካዊ መርመራታት ክገብሩ'ውን መደብ ኣለዎም።
'ምሕረት ኣምላኽ ንጽበ ኣለና'
ንስድራቤት ኣል-ባታይነህ፡ እቲ ጀነቲካዊ መርመራ ምስቲ ዝተፈትሐ እሱር ምትእስሳር ከም ዘይብሎም ምስ ኣረጋገጸ፡ ተስፋ ናይ ምቑራጽ ስምዒት እዩ ሓዲሩዎም።
ሓው ኦሳማ መሓመድ ኣል ባታይነህ ንቢቢሲ፡ "ዋላ ሓንቲ ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና፤ ምሕረት ኣምላኽ ድማ ንጽበ ኣለና" ኢሉ።
ኣቡኦም፡ብዛዕባ እቲ ወዲ ዝዀነ ሓበሬታ ንምርካብ ዝከኣሎ ኵሉ ፈቲኑ'ዩ።
ኣደ ብሰንኪ ሓዘን ኣዒንታ ዓዊራ፤ ድሕሪኡ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ከም ዝዓረፈት እቶም ስድራቤት ይዛረቡ።
"ካብ ዝእሰር ንደሓር፡ ድሃዩ ክንረክብ እንገብሮ ጻዕሪ ኣየቋረጽናን፤ ዕጫኡን ብህይወት ኣሎ ድዩ ሞይቱ ንምፍላጥ ድማ ምስ ኣብ ሶርያ ዝርከቡ ሰባት ክንዘራረብ ንፍትን ኣለና" ኢሉ መሓመድ ኣል-ባታይነህ።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሳይድናያ ሬሳታት ብኣሲድ ክቃጸሉ ተገይሩ ዝብል ሓበሬታታት ከም ዘሻቐሎ ድማ ይዛረብ።
እዛ ስድራቤት ግን ተስፋ ከይቈረጸት ነቲ ዝጠፍአ ውልቀሰብ ምድላይ ክትቅጽል'ያ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







