ጃምላዊ መቓብራት ሶርያ፡ መንነት ግዳያት ንምፍላጥ ዝግበር ዘሎ ኣህላኺ ስራሕ

ሰራሕተኛታት ዋይት ሄልመትስ ኣብ ጥቓ ኣድራ ኣብ ዝርከብ ድልድል ባቕዳድ ጃምላዊ መቓብር ረኺቦም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰራሕተኛታት ዋይት ሄልመትስ ኣብ ጥቓ ኣድራ ኣብ ዝርከብ ድልድል ባቕዳድ ጃምላዊ መቓብር ረኺቦም

ካብ 2011 ጀሚሩ፡ ኣብ ሶርያ ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ጠፊኦም ተባሂሉ ይግመት።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓያት ታሕሪር ኣል-ሻም [ኤችቲኤስ] ዝተባህለ ዕጡቕ ጕጅለ ሶርያ፡ ነቲ ንልዕሊ 50 ዓመታት ዝነበረ ስርዓት ስድራ ዓሳድ ምስ ኣለዮ፡ ብቐጥታ ኣብ መላእ ሶርያ ዝርከባ ኣብያተ ማእሰርቲን መዳጐኒ ማእከላትን ክኽፈታ እዩ ገይሩ።

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ካብቶም ዝጠፍኡ እቶም ልዕሊ 80 ሽሕ ሞይቶም'ዮም ዝብል ግምት ኣለዎም።

ካልኦት 60 ሽሕ ክኣ ንሞት ዘብጽሕ ስቅያት ከም ዝበጽሖም ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ማእከሉ ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ ይገልጽ።

ካብ ከተማ ደማስቈ ኣስታት ዓሰርተ ኪሎ ሜትር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ሰሜናዊ ምዕራብ ከባቢ ኣድራ ብስሚንቶ ዝተኸለለ መናድቕ ኣሎ።

ኣብዚ ብጸጋማይ ሸነኽ፡ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ትካል 'ዋይት ሄልሜትስ' ጃምላዊ መቓብር ክደልዩ ቀንዮም ኣለው።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት፡ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ባሻር ኣል ኣሳድ ዝነበሩ ግኑናት ኣብያተ ማእሰርቲ ሶርያ ንዝተሳቐዩ ሰባት ዝተቐብርሉ ጃምላዊ መቓብራት ዝገልጽ ቪድዮታት ኣብ ኢንተርነት ተዘርጊሑ ነይሩ።

ኣብ ዓድራ፡ ሰራሕተኛታት 'ዋይት ሄልመትስ' ሓያሎ ሬሳታት ዝተመልኡ ብርክት ዝበሉ ጻዕዳ ፕላስቲክ ኣብ ጕድጓድ ረኺቦም።

"ሸውዓተ ሬሳታት፡ ሻሙናይ መቓብር፡ ዘይፍለጥ" ዝብል ሓደ መልእኽቲ ምስኡ ተረኺቡ።

እዞም ሰራሕተኛታት ዝረኸቡዎ ቅሪታት፡ ርእስን ኣዕጽምትን ክእክቡ ጀሚሮም።

ነዚ ተወሳኺ መርመራ ንምክያድን ንምስናድን ቅምሶታት ዲኤንኤ ተወሲዱ።

ሓደ ካብቶም ሰራሕተኛታት ዝዀነ እስማዒል ዓብደላ፡ ከቢድ ጾር ተሰኪሞም ከም ዘለዉ ይዛረብ።

"ኣሽሓት ሰባት ጠፊኦም ኣለዉ። ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞም ሓቂ ንምፍላጥ ግዜ ክወስድ'ዩ ። ሎሚ ኣብዚ ጃምላዊ መቓብር ክህሉ ይኽእል'ዩ ዝብል ጻውዒት ምስ በጽሐና መጺእና ሬሳ ሸውዓተ ሰለማውያን ሰባት ረኺብና ኣለና" ኢሉ።

ወሲኹ ድማ ኵሉ ዘድሊ ኣገባባት ከም ዝተፈጸመ ብምግላጽ "ኣብ ቀጻሊ መንነት እቶም ዝተቐትሉ ሰባት ከነለልዮ ንኽእል ኢና" ኢሉ።

ኣባላት ስድራ እቶም ዝጠፍኡ ሰባት ድሃይ እቶም ዝስኣኑዎም ሰባት ንምርካብ መዝገባት፡ ፓስፖርታትን ካልኦት ሰነዳትን ክእልሹ ቀንዮም ኣለው

ምንጪ ስእሊ, BBC/Thanyarat Doksone

መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ስድራ እቶም ዝጠፍኡ ሰባት ድሃይ እቶም ዝስኣኑዎም ሰባት ንምርካብ መዝገባት፡ ፓስፖርታትን ካልኦት ሰነዳትን ክእልሹ ቀንዮም ኣለው
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቁታይፋህ ኣብ ዝተባህለ ካልእ ከተማ- ካብ ደማስቆ ንኣንፈት ሰሜን ምዕራብ ዝርከብ- ኣሽሓት ሬሳታት ኣብ ዝተፈላለየ ጃምላዊ መቓብራት ተቐቢሮም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ እቲ ተሓላቒ መሰላት ይገልጽ።

ኣብ ውሽጢ እቶም ኲናት ሓድሕድ ዝተኻየደሎም ዓመታት፡ ብዙሓት ሬሳታት ክቕበሩ ዝረኣየ ሓደ ነባሪ እቲ ከባቢ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ኮንተይነራት ዓሺጐም የምጽኡዎም ከም ዝነበሩ ይዛረብ።

እቲ መሬት ብሬሳታት ዝመልአ ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

መራሒ ሃይማኖት እታ ከተማ ዓብደልቃድር ኣል ሸይካ ሓደ ከምዚ ዝኣመሰለ ጃምላዊ ቀብሪ ርእዩ እዩ።

ሚስጢራዊ ፖሊስ ነቲ ቀብሪ ከመሓድር ከም ዝተሓተቱዎ ድማ ሓቢሩ። ንሱ ክኣ ነቲ ንምውታት ዝግበር ሃይማኖታዊ ጸሎት ገይሩሎም።

ኣብዘን 30 ትርብዒት ሜትሮ ብውሑዱ 100 ሰባት ከም ዝተቐብሩ እዩ ዝዛረብ። ብድሕሪኡ ዳግማይ ብፖሊስ ተጸዊዑ ከም ዘይፈልጥ ገሊጹ።

"ቀብሪ ዘይግብኦም ኣሸበርቲ ይብሉዎም። ነቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ግን ሰብ ክርእዮ ኣይደልዩን" ይብል ሸካ።

እቶም ምስጢራዊ ፖሊስ ነቲ ቀብሪ ኣብ ዝፍጽሙሉ እዋን ሰባት በቲ ጃምላዊ መቓብር ከይሓልፉ ወይ'ውን ብመሳዅቶም ናብ ደገ ከይጥምቱ ይኽልኽሉ ከም ዝነበሩ ካልእ ብኣስገዳድ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝተሳተፈ ምስክር ገሊጹ።

ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ደማስቈ ብዙሓት ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጃምላዊ መቓብራት ከም ዘለዉ እቲ ምስክር ገሊጹ።

ኣብ ካልእ ሑሴኒያ ዝተባህለ ቦታ - ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ደማስቈ ኣብ ዝወስድ ጽርግያ ዝርከብ - ብሳተላይት ዝተወስዱ ስእልታት፡ ኣብ መንጐ እቶም ጃምላዊ መቓብር ዘለዎም ከባቢታትን ካልእን ዘሎ ፍልልይ መልክኣ ምድሪ የርእዩ።

ስርዓት ኣሳድ ኣብ ፈረሰሉ እዋን፡ ኣሽሓት ስድራቤታት ሶርያ ንዝጠፍኡ መቕርቦምን ኣባላት ስድርኦምን ንምድላይ ብቐጥታ ናብ ኣብያተ ማእሰርትን መዳጎኒ ማእከላትን እዮም ተጓይዮም።

ኣብ ሓደ መዳጎኒ ማእከል፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ መለለዪ መንነት ናይቶም ብሓይልታት ጸጥታ ኣሳድ ዝተኣስሩ ሶርያውያን ኣብ መሬት ፋሕ ኢሎም ነይሮም።

ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ 2014 ዝጠፍአ ዝጠፍአ ሓዋ ትደሊ ነይራ።

ሓደ ኣቦ ነቲ ኣብ 2013 ተኣሲሩ ዝነበረ ወዱ ይደሊ ነይሩ።

በዚ ተስፋ ቈሪጹ ነቲ ኣለሻ ደው ከብል ድልው ዝዀነ ሰብ የለን።

ጃምላዊ መቓብራት ምድላይን ኣብኡ ዝርከቡ ኣስክሬናት ምልላይን ግን ኣብዚ እዋን'ዚ ውሑዳት ሶርያውያን ጥራይ ክዓዩዎ ዝኽእሉ ዕማም ስለ ዘይኰነ፡ ኣብቲ መስርሕ ክሕግዙ ዝኽእሉ ኣህጉራውያን ክኢላታት ብህጹጽ የድልዩዎም።