ኣለሻ ኣባላት ስድራ፡ ሽክና ርእስን ኣካላት ሰብን ኣብ ዝመልኡ ተረንሽዋታት

ኣድራ ዝገርም ዓይነት ስፍራ መቓብር እዩ። ክልተ መቓብራት ኣብቲ ባዶ ሰፊሕ መሬት ኣለዉ። ብውሑድ ሳዕሪ ዝተሸፈኑ እዮም።
እዚ ቦታ ንዓመታት ብሓይልታት ፕረዚደንት በሽር ኣል ኣሳድ ጽኑዕ ሓለዋ ዝግበረሉ ከባቢ እዩ ነይሩ።
ሎሚ ኣሳድ ሃዲሙ መንግስቱ ካብ ዝፈርስ ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ኣብ ሓደ ኩርናዕ ናይዚ መካነ መቓብር ዝርከብ ኮንክሬት መኽደን ተኸፊቱ። ኣስማት ሰባትን ቁጽሪ ቤት ማእሰርትን ዝተጻሕፎም ብውሑዱ ፍርቂ ደርዘን ዝኾኑ ጻዕዳ ተረንሽዋታት ተረኺቦም።
ናብኡ ክንበጽሕ ከለና ኻልድ ኣል ሓመድ ዝበሃል ነባሪ እቲ ከባቢ፡ ብሓዘንን ተስፋ ምቑራጽን ነቲ ተረንሽዋታት እናጎተተ ከውጽእ ረኺብናዮ።
ድሮ ዝተኸፈቱ ሰለስተ ኣርእዩና። ነፍሲ ወከፎም ርእሲ ሰብን ኣዕጽምትን ዝሓዙ እዮም። ኣብቶም ተረንሽዋታት ዘሎ ጽሑፍ፡ ሬሳ እሱራት ክልተ ደቂ ኣንስትዮን ሓደ ወዲ ተባዕታይን ምዃኑ ይሕብር።
ብኸመይ ከም ዝሞቱ ከምኡ'ውን እዚ ኩነታት ነቲ ብስርዓት ኣሳድ ዝተፈጸመ ገበናዊ ግህሰት መርትዖ ድዩ ዝብል ንጹር ኣይኮነን።

ካልድ ግን ተወሳኺ መእመኒ መረዳእታ ኣይተጸበየን። ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ብዕሉል ስለያ ሓይሊ ኣየር ኣሳድ ዝተወስዱ ክልተ ኣሕዋቱ ጅሃድን ሑሴንን ይደሊ ኣሎ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ደሃዮም ኣይተሰምዐን።
"ገለ ሰባት ናብ 'ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና' ['the driving school'] ዝተባህለ ከባቢ ተወሲዶም ኣብኡ ተሰዊሮም" ይብል።
"እዚ ኣብ ኣሕዋተይ እውን ተፈጺሙ ከምዝኸውን እየ ዝኣምን። ምናልባት ኣብ ገለ ካብዞም ተረንሽዋታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም" ይብል ወሲኹ።
እዚ ሓበሬታ ኣብ ሶርያ ዝርከብ ትካል ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣካፊልናዮ፤ ብወገኖም እውን ኣብ ካልእ ቦታታት ሬሳ እሱራት ኣብ ተመሳሳሊ ቦርሳታት ከምዝተደርበየ ዝገልጽ ጸብጻባት ይምርምሩ ከምዘለዉ ይገልጹ።
ውድቀት ኣሳድ፡ ኣብቶም ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ዝፈትውዎም ሰባት እንታይ ከም ዘጋጠመ ዘይፈልጡ ስድራቤታት ማዕበል ተስፋ ፈጢሩ'ሎ።
"ሽዑ [ኣብ ግዜ ኣሳድ] በዚ ከባቢ እንተመጺእካ ደው ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ። ቅንዕ ኢልካ'ውን ክትጥምት ኣይትኽእልን ኢኻ" ይብል ካልድ።
"መካይን ብፍጥነት ይሓልፋ ነይረን። ደው እንተ ኢልካ ናባኻ ይመጽኡ፤ ኣብ ርእስኻ ፕላስቲክ ኣእትዮም ድማ ይወስዱኻ" ክብል ነቲ ዝሓለፈ ይዝከር።
ንሱን ከምኡ ዝኣመሰሉ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስድራቤታትን ኣብዚ ሕጂ፡ ኣብቲ ዕሉል ቤት ማእሰርቲ ስርዓት ኣሳድ፡ ወይ ድማ ናብ ማእከላቱ ወተሃደራዊ መርመራታት ተወሲዶም ዝጠፍኡ ኣዝማዶም ይደልዩ ኣለዉ።
ገሊኦም ናብቲ ኣብ ደማስቆ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣየር ማዘ ከምዝተወሰዱ ይግለጽ።
ሎሚ ኣባላት ናይቲ ቅድሚ መዓልታት ንሶርያ ዝተቖጻጸረ ዕጡቕ ጉጅለ ዝኾኑ ሓደስቲ መንእሰያት ሚሊሻ ሓያት ታሕሪር ኣል-ሻም (ኤች.ቲ.ኤስ - 'HTS') እዮም ኣብቲ ከባቢ ዝረኣዩ።
ሓይልታት ኣሳድ ዝጥቀሙሉ ክፍሊ ስቅያት ኣርእዮምና። እሱራት ኣእጋሮም ዝግረፉሉ ካብ ሓጺን ዝተሰርሐ ዓንዲ፡ ከምኡ'ውን ኤሌክትሪክ ገመዳት ተዓዚብና።
"ንእሱራት ብኤሌክትሪክ ዘሳቕዩሉ እዩ" በለኒ ኣዛዚ ሓለውቲ ዝኾነ ኣቡ ጃራ።

"እዚኦም ገመዳት ኤሌክትሪክ እዮም። እቲ መርማሪ ኣብዚ ኮፍ ይብል፤ እቶም ሓለውቲ ነቶም ገመዳት ኣብ ኣካላት እቲ እሱር የቐምጥዎም እሞ ሓይሊ ይውልዑ" ክብል ይገልጽ።
"ሽዑ እቲ እሱር ኣእምሮኡ ስሒቱ ኩሉ ነገር ይናዘዝ። እቲ ስቅያት ደው ንክብለሉ ተስፋ ብምግባር ከኣ ነቲ መርማሪ ዝደለዮ ነገር ንክጽሕፍ ይነግሮ" ኢሉና።
ኣቡ ጃራ፡ እተን ኣብዚ ዝተትሓዛ 400 ደቂ ኣንስትዮ ብቐጻሉ ከም ዝዕመጻን፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ቆልዑ ከም ዝውለዱን ይዛረብ።
ኣብዚ ኣብ መንጎ መዛግብቲ፡ ስም ወላዲኻ ወይ ውላድካ ካብ ምርካብ ንላዕሊ ዘሕምም ነገር እንተሃልዩ ፈጺምካ ዘይምርካቦም ጥራይ እዩ።
ኣብቲ ዝቕጽል ህንጻ ድማ ስድራቤታት ብተስፋ ምቑራጽ ኣብ ልዕሊ እቲ ብኮንክሪት ዝተሰርሐ መሬት ብኵምራ ፋሕ ኢሎም ንዝተዘርግሑ ፎቶታት ይፍሕሩ።

ኩርዳዊት ኣደ ማሕሙድ ስዒድ ሑሴን ዝተብሃለ ደሃዩ ዝተሰኣነ መንእሰይ፡ ሓንቲ ካብ መንጎ እቶም ኣሳእል ዝፍሕሩ ዝነበሩ ሰባት ኮይና ትነብዕ ነበረት።
"ትማሊ ኣብ ቤት ማእሰርቲ መዓስከር ኣየር ከምዝተመዝገበ ርኢና ነይርና። መጺና ግን ኣይረኸብናዮን። ን11 ዓመታት ካብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ናብ ካልእ ክደልዮ ጸኒሐ" በለትኒ።
"እዚኦም ኩሎም ከም ወደይ እዮም" ኢላ ነቲ ኣብ መሬት ዝነበረ ኵምራ ስእልታት እናኣመልከተት በኸየት።
ኣስዒባ "ኣምላኽ ልቢ ኣሳድ ከምቲ ናትና ዘቃጸሎ የቃጽሎ" በለት ብሓዘን።
ስርዓት ኣሳድ ጭካነታቱ ኣብ ምስናድ ዝሰንፍ ኣይነበረን።
"እዞም ሰናዳት እንታይ እዮም?" በለት ሓንቲ ሰበይቲ ተቖጢዓ።
ኣስዒባ "ዝሕግዘና የለን። ሓደ ሰብ መጺኡ ነዞም ሰነዳት ምሳና ክምርምሮም ኢና ንደሊ። ከመይ ጌረ እየ ኣብ መንጎ እዞም ብዙሓት ፋይላት ክረኽቦ?"

ኣብ መስርሕ ዝፍጸሙ ተግባራት ዝኾነ ክፍተት እንተተፈጢሩ ብዛዕባ እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝእሰሩን ዝሳቐዩን ሰባት ኣገዳሲ መረዳእታ ይጠፍእ ኣሎ ማለት'ዩ።
ኣመሪካን እንግሊዝን ሓዊሱ ካልኦት መንግስታት እውን ምስ ግብረ-ራዕዲ ብዝተሓሓዝ ንዝጥርጠሩ ሰባት ናብ ከም ሶርያ ዝበላ ብስቅያት ዝቐጻዕ ሃገራት ብምልኣኽ ይኽሰሳ።
ጉጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ነቲ ኣመሪካ ብስም 'ኲናት ኣንጻር ግብረሽበራ' ዝተባህለ ወፍሪ ናብ ሶርያ ሓዊሱ ናብ ሓያሎ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ እሱራት ኣብ ዝለኣኸትሉ እዋን ስቕታ መሪጹ ክብሉ ንመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ይነቕፉ።
ምውጻእ ኣሳድ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኣብ ሶርያ ዝርከቡ ተራጸምቲ ጉጅለታት፡ ከምኡ'ውን ቱርኪ፡ ኢራንን ኣመሪካን ዝርከብኦም ዝተፈላለዩ ዓለምለኻያውን ደገፍቶምን ንዘሎ ሚዛን ዘዛብዐ ኮይኑ'ሎ።
እዚ ኲናት ናይ ሶርያ ጥራይ ኮይኑ ኣይፈልጥን፤ ናይ ደገ ሓይልታት'ውን ኣብ ዝፍጸም ኵሉ ክሳብ ሕጂ ኢድ ኣእታውነት ኣለዎም።
ሶርያውያን እንታይ ክገብሩ ከምዘለዎም ካልእ ዝኾነ ኣካል ከይኣዘዘሎም ንነብሶም ዘመሓድሩሉ ግዜ ከምዝኣኸለ ብጽኑዕ ይኣምኑ።
ውድቀት ኣሳድ ብዛዕባ መጻኢ ሶርያ ክሳብ ሕጂ ዘይተመለሱ ሕቶታት ዘልዓለ እኳ እንተኾነ፡ ካብ ሕሉፍ እውን ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕቶታት ገዲፉ'ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







