ምስንኻል ወተሃደራዊ መዓስከር ሩስያ ኣብ ሶርያ ኣብ ኣፍሪቃ እንታይ ጽልዋ ክፈጥር ይኽእል?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሃንደበታዊ ምዕላው ስርዓት ፕረዝደንት ባሽር ኣል-ኣሳድ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሓዲሽ ክውንነት ፈጢሩ ኣሎ። እቲ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ማይል ዝርሕቀቱ ክረምሊን'ውን ኣብ ጸገም እዩ ዘሎ።
ሞስኮ፡ ኣብ ሶርያ ዘሎ ወተሃደራዊ መዓስከራ እንተሲኢናቶ፡ ዕጫ ናይቶም ኣብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ወተሃደራዊ ሓገዝ ዝህቡ ኣሃዱታት ሩስያ-ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይኽእል ዝብል ሻቕሎት ኣሎ።
ሞስኮ፡ ኣብ 2017፡ ኣብ ሶርያዊት ከተማ ታርቱስ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ን49 ዓመታት ብናጻ ክትጥቀም ምስ ባሽር ኣል-ኣሳድ ስምምዕ ከቲማ።
ብመሰረት እዚ ድማ፡ ሩስያ ኣብ ታርቱስ መራኽብ ኵናት፣ ብዝሐን ዘይተፈለጣ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ዝንቀሳቐሳ ኒዩኵለር ዝተዓጠቓ ሳብማሪናት፣ ወተሃደራዊ መኽዘንን፡ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ንዝካየዱ ወተሃደራዊ ስርሒታት ዝድግፉ ኣማኢት ወተሃደራትን ኣዋፊራ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሩስያ ነዞም ኣብ ሶርያ ዝርከቡ መደበራታ፡ በቶም ሓውሲ-ወተሃደራዊ ጉጅለታት ዝኾኑ ኣፍሪቃ ኮርፕስን ቫግነርን ኣቢላ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንእተካይዶ ስርሒታት፡ ኣጽዋር፣ ነዳድን ሰራሕተኛታትን ንምልኣኽ እያ ትጥቀመሎም።
እቲ ቀረባት፡ ኣብ ሊቢያ ናብ ዝርከቡ ወተሃደራዊ መደበራት ሩስያ ይለኣኽ። ከም ኣገላልጻ ዳይሬክተር ምርመራዊ ጉጅለ ፖሊሲ ዘይሕጋዊ ፋይናንስ ዘ ሴንትሪ ኦሊቨር ዊንድሪጅ እዚ መደበር፡ ሞስኮ ኣብ ኣፍሪቃ ንተካይዶም ስርሒታት ምቹእ ፋውንዴሽን (springboard) እዩ።
ሩስያ ምስቶም ንባሻር ኣል-ኣሳድ ካብ መንበረ ስልጣኑ ዝዓለውዎ ተቓውምቲ ብምድርዳር፡ ኣብ ሶርያ ንዘሎ መደበራታ ክተውሕስ ትኽእል ድያን ዝብል ገና ዝተፈለጠ የለን።
ወሃቢ ቃል ክሬምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ፡ ኣብ ሞስኮ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ሕጂ ምስቶም ኣብ ምርግጋጽ ድሕነት ዝሳተፉ ኣካላት ንምርኻብ ይስራሕ ኣሎ፤ ሰራዊትና እውን ኣድላይ ጥንቃቐታት ይገብር ኣሎ" ኢሉ።
ቢቢሲ ዝተንተኖም ምስልታት ሳትላይት፡ ሩስያ ድሮ ካብ ሶርያዊት ከተማ ታርቱስ ተሽከርከርታ ትስሕብ ከምዘላ እዩ ዘመልክት።
መንግስታት ኣፍሪቃ፡ ከባብያዊ ሓይሊ ሰብ ምስልጣን ክጅምሩ ይኽእሉ እዮም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዊንድሪጅ፡ "እዚ ጽልዋን ስርሒታትን ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ የብቅዕ ከም ዘሎ፡ ናይ መጀመርታ መወዳእታ ምልክት ክኸውን ይኽእል እዩ" ይብል።
ድሕሪ ተኸታታሊ ዕልዋ መንግስቲ፡ ወተሃደራዊ መራሕቲ ኒጀር፣ ማሊን ቡርኪናፋሶን ምስ ፈረንሳን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ዝነበሮም ጸጥታዊ ልፍንቲ ብምቁራጽ፡ ምስ ሩስያዊ ኣፍሪቃ ኮርፕስ ይሰርሑ ኣለው።
ኣብ ፖሊሲ ኢንስቲትዩት ቻትሃም ሃውስ ዝሰርሕ ተማራማሪ ዶክተር ኣሌክስ ቫይንስ፡ "ሞስኮ፡ ምዕራባውያን ብዕልዋ መንግስቲ፣ ምምሕዳር ወይ ሻቕሎታት ሰብኣዊ መሰላት ማዕቀብ ዘንበሩሎም ወይ ዝነጸልዎም ኣርሓታት ኵናት፣ ጁንታታትን ምልካውያንን ዝድግፍ ከብሒ ዕዳጋ ረኺባ" ይብል።
ወተሃደራት ሩስያዊ ኣፍሪቃ ኮርፕስ ኣብዚ እዋን ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ማሊ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ኒጀርን ኢኳታርያል ጊኒን ይርከቡ።
እንተኾነ፡ እቲ ዝዓበየ ትርጉም ዘለዎ፡ ኣብ ማእኸላይ ኣፍሪቃ ዝተዋፈረ ሓይሊ እዩ። ከም ኣገላልጻ ዶክተር ቫይንስ፡ "ኣስታት ክልተ ሽሕ ዝኾኑ ወተሃደራት ዕልዋ መንግስቲ ንምፍሻል ሓጊዞም፣ ከምኡ'ውን ዕደና ወርቅን ንግዳዊ ረብሓታት ኣጽዋር ኣማዕቢሎምን ደሕንነትን ስልጠናታትን ሂቦምን እዮም።"
ኣብ ማሊ ኣስታት ሓደ ሽሕ ኣባላት ወተሃደራት ኣፍሪቃ ኮርፕስ ኣለው። ኣብ ቡርኪናፋሶ እውን ትሕቲ ሓደ ሚእቲ ኣባላት ኣለዉ። ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ ድማ ነቲ ነንዊሕ ዓመታት ዘገልገለ ፕረዝደንት ቴዶሮ ኦቢያንግ ንጕኤማ ማባሶጎ ዝሕልዉ ኣስታት 800 ወተሃደራት ኣፍሪቃ ኮርፕስ ኣለዉ።
እዞም ወተሃደራት፡ ብሶርያ ኣቢሎም ካብ ሞስኮ ቅልጡፍ ቀረባት ዝረኽብሉ ዓቕሚ እንተድኣ ስኢኖም፡ ካብ ተቓወምትን ናዕበኛታት ጉጅለታትን ንዝፍነዉ መጥቃዕትታት ክቃልዑ ይኽእሉ እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ርእሰ ከተማ ማሊ ባማኮ ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ፡ ገሊአን ከተማታት ማዕረ ክንደይ ንሓደጋ ክቃልዓ ከምዝኽእላ ዘመልክት እዩ። ኣፈኛ ናይቲ ምስ ኣል-ቃዒዳ ርክብ ዘለዎ ጃማ-ዓት ኣል ኢስላም ዋ ኣል ሙስሊም (JNIM) ኣብ ከተማታት ተወሳኺ መጥቃዕትታት ከም ዘካይዱ ዝተሓነየ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ኵናት ጸብጺቡ እዩ።
ከም ኣብ ሰኔጋል ዝመደበራ ተንታኒት ትካል ቁፅፅር ሓደጋታት ቤቨርሊ ኦቼንግ፡ ከም ጃማ-ዓት ኣል ኢስላም ዋ ኣል ሙስሊም ዝኣመሰሉ ጉጅለታት፡ ነዚ ኣብ ሶርያ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ብቐረባ ብምክትታል ናብ ጥቕሞም ክቕይርዎ ከምዝኽእሉ ትዛረብ።
"ኣብ ማሊ ዝርከቡ ጉጅለታት ኣል-ቃዒዳ፡ ነቲ ኣብ ሶርያ ዘጋጠመ ምዕላው ኣልኣሳድ ክጽንብሉዎ ርኢና ኢና" ትብል።
"ንድሕንነት መራሒ እታ ሃገር ኢብራሂም ትራኦሬን ንህዝቢ ቡርኪናፋሶን ካብ ግብረ ራዕዳዊ መጥቃዕትታት ንምውሓስ፡ ተወሰኽቲ ወተሃደራት ሞስኮ ኣብታ ሃገር ክሳብ ዘለዉ፡ ቡርኪናፋሶን ኒጀርን እውን ንሓደጋ ክቃልዓ ይኽእላ እየን" ትብል ኦቼንግ።
ሩስያ ካልእ ስርሒታት እተካይደሉ መደብር ኣበይ ክትድኵን ትኽእል?

ምንጪ ስእሊ, EPA
ክሬምሊን ወተሃደራዊ ስርሒታት እተካይደሉ ሓድሽ ወተሃደራዊ መደበር ኣብ ኣፍሪቃ ክትደሊ ትኽእል እያ። ኣብዚ ጉዳይ ከኣ ሊቢያን ሱዳንን ሕጹያት እየን። ክልቲአን ሃገራት ንኣፍሪቃ ኮርፕስ ዕድላትን ሓደጋታትን ኣለወን።
ሩስያ ምስ ሊቢያ ዘለዋ ርክብ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ እዩ። ከም ሓበሬታ ኢንስቲትዩት ዓለምለኸ ጉዳያትን ትካል ሓበሬታን ደሕንነትን ብሉስበሪን ፖላንድ፡ ኣስታት 1500 ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ሊቢያ ይርከቡ።
ይኹን'ምበር፡ "ሩስያ ካብ ናይ ባዕላ ግዝኣት ናብ ሊቢያ ቀረብ እተቕርበሉ ቀጥታዊ መስመር ምጥያስ ከም ዘድልያ" ዝሕብር ኦሊቨር ዊንድሪጅ፡ "ስርሒታታ ዝያዳ ዝተሓላለኹ፣ ብዙሕ ወጻኢታት ዝጠልቡ፣ ዝውሰኑ ውሳነታት ከኣ ብጣዕሚ ጥንቃቐን ቁፅፅርን ዝሓቱ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም" ይብል።
ንኣብነት፡ ንመስመራት ባሕሪ ኰነ ንጽዕነት በረራታት ክሊ ኣየር ተርኪ ንምጥቃም፡ ካብ ተርኪ ፍቓድ ክትረክብ ግድን እዩ። እንተዘይኰይኑ፡ ነዳዲ ንምምላእ ዝግበሩ ደውታታት ክውገዱ ዘይኽእሉ እዮም።
ብተወሳኺ፡ ሩስያ፡ ካብቶም ንህላወ ሞስኮ ኣብ ሊቢያ ቅድሚ ሕጂ ምስ ዝነበሩ ባዕዳዊያን ገዛእቲ ዘነጽጽሩ ላዕለዋይ መራሒ ሃይማኖት ሊቢያ ግራንድ ሙፍቲ ኣል-ግሃሪያኒ ተቓውሞ ከጋጥማ ይኽእል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብታ ካልአይቲ ኣማራጺት ሱዳን እውን ሩስያ፡ ነቲ ኣብ ወደባዊት ከተማ ፖርት ሱዳን መደበር ሓይሊ ባሕሪ ንምህናጽ ኣብ 2017 ዝኸተመቶ ስምምዕ ንምምላስ (ንምሕዳስ) ትፍትን ኣላ።
ኦቼንግ፡ "እዚ ስትራቴጂካዊ እዩ፤ ምኽንያቱ፡ ጽልዋ ሩስያ ኣብቲ ዞባ ይዓቢ እዩ ዘሎ። ካብ ሱዳን ክሳብ ማሊ እዩ ዝውጠር ዘሎ፤ እዚ ድማ ናይ ዕልዋ መንግስቲ - መዕጡቕ ኢና ንብሎ" ትብል።
እንተኾነ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ሕድሕድ ዝሰዓበ ናዕብን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን፡ ነዚ ወተሃደራዊ መደበር ናይ ምጥያስ ሕልሚ ሞስኮ ነዊሕ ከይሰጐመ ክገትኦ ይኽእል እዩ። ብውሑዱ ንሕጂ።
ኣብ መወዳእታ፡ ሩስያ፡ ኣብ ሶርያ ዘለዋ ወተሃደራዊ መደበር እንተስኢና፡ ሓውሲ-ወተሃደራዊ ሓይሊ ሞስኮ ዓስኪሩለን ዝርከባ ሃገራት ቡርኪናፋሶ፣ ማሊን ካልኦት ሃገራትን ንሓደጋ መጥቃዕቲ ክቃልዓ እየን። ኣብዘን ሃገራት ንዝርከብ ኣፍሪቃ ኮርፕስ'ውን እኹል ቀረብ ናይ ምቕራብ ዓቕሚ ክሓጽራ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







