ትራምፕ ንዘለንስኪ ውልቀ-መላኺ 'ኢለዮ ድየ?' ኢሉ

ፕረዚደንት ዘለንስኪ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ድሮ ምስ ዘለንስኪ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝገብሩዎ ርክብ፡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ዩክረይን "ብዙሕ ኣኽብሮት" ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን "ውልቀ-መላኺ" ኢልካ ጸዊዕካዮ ኢኻ'ሞ፡ ይቕረታ ክትሓቶ ዲኻ ተባሂሉ ብቢቢሲ ዝተሓተተ ትራምፕ፡ ከምኡ ከም ዝበለ ክኣምን ከም ዘጸግሞ ብምግላጽ፡ ንዘለንስኪ "ኣዝዩ ተባዕ" ክብል ንኢድዎ።

ትራምፕ ነዚ ዝገለጸ፡ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታመር ብዛዕባ ምዝዛም ኲናት ዩክረይንን ሩስያን ድሕሪ ምዝርራቡ እዩ።

ትራምፕ እቲ ንሎሚ ዓርቢ ዝገብርዎ ርክብ፡ "እምብዛ ጽቡቕ ርክብ" ከም ዝኸውን ይግምት'ሞ፡ ሰላም ንምምጻእ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት፡ "ብኣዝዩ ቅልጡፍ ይስጕም ኣሎ፡" ኢሉ።

እዚ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ዝተሰርዐ ርክብ፡ ትራምፕ ምስ ሩስያ ዝሓየለ ዝበሃል ደረጃ ርክብ ብምግባር፡ ንሃገራት ኤውሮጳ ድሕሪ ኣብ ደንበርበር ምእታዉ ዝስዕብ ዘሎ እዩ።

ትራምፕ፡ ንዘለንስኪ ብሰበብ እቲ ኲናት ክወቕሶን ኣቐዲሙ ዝርርብ ሰላም ብዘይምጅማሩ ክገንሖን ተሰሚዑ እዩ።

"ንሰለስተ ዓመታት ኣብቲ ኲናት ጸኒሕካ፡" ክብል ዝሓለፈ ሰሙን ተዛሪቡ። "ክትውድኦ ነይሩካ፣ ፈጺምካ ክትጅምሮ ኣምበይ ምተገብኣካን። ውዕል ክትገብር ምኸኣልካ ነይርካ፡" ክብሎ ተሰሚዑ።

ትማሊ ሓሙስ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታመር ድሕሪ ምርኻቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ጽባሕ ንግሆ ኣዝዩ ጽቡቕ ኣኼባ ክንገብር ኢና ዝብል ግምት ኣለኒ። ብሓቂ ጽቡቕ ክንሰማማዕ ኢና፡" ኢሉ።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ ገና ዘለንስኪ 'ውልቀ-መላኺ' ኰይኑ ይስምዓካ ድዩ ኢሉ ብዝተሓተ ከኣ፡ "ከምኡ ኢለ ድየ? ከምኡ ከም ዝበልኩ ክኣምን ኣይከኣልኩን፡" ክብል መሊሱ።

ዘለንስኪ ንሃገሩ ውሕስነት ጸጥታ ዝህብ ስምምዕ ሰላም ክግበር ተስፋ ክገብር እዩ።

"ንብዙሕ ነገራት ክፉት፡" ምዃኑ ዝገለጸ ትራምፕ፡ እተን ሃገራት ነቲ ስምምዕ ንምትግባር እንታይ ስጕምትታት ክወስዳ ከም ዝኽእላ ቅድሚ ምውሳነን፡ ኣብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሑ ክገብር ከም ዝደሊ ሓቢሩ።

ዘለንስኪ ኣብቲ ሎሚ ዓርቢ ዘካይዶ ዑደት፡ እቲ ኣመሪካ ትደልዮ ዘላ ፍሉይ ማዕድናዊ ሃብቲ ክትረኽቦ ዘኽእላ ውዕል ክፍርም ትጽቢት ይግበር።

ትራምፕ፡ ኣመሪካ ኣብ ዕደና ማዕድን ዩክረይን ምህላዋ፡ ኣብ መጻኢ ሩስያ መጥቃዕቲ ከይተካይደላ ካብ ስክፍታ ከም ዘገላግላን መከላኸሊ ከም ዝዀናን ኣመት ሂቡ።

"ከም ትሕጃ ክርአ ይከኣል እዩ፡" ዝበለ ትራምፕ፡ "ሓያሎ ሰራሕተኛታት ሒዝና ኣብኡ እንተ ኣቲና፡ ምስ ፍሉይ ማዕድናትን ካልኦት ንሃገርና ዘድልያን ርክብ እንተሃልዩና፡ ዝዀነ ኣካል ኣብቲ ከባቢ ተወር ክብል ዝኽእል ኣይመስለንን፡" ኢሉ።

ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመር ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዋይት ሃውስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታመር ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዋይት ሃውስ

ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ ኣቐዲሙ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ድሕሪ እቲ ኲናት ከም ኣካል ዓቃቢ ሰላም ናብ ዩክረይን ሰራዊታ ክትሰድድ ድልውቲ ምህላዋ ገሊጹ ነይሩ፣ እንተዀነ፡ መሪሕ ኣባል ኔቶ ዝዀነት ኣመሪካ "ውሕስነት" ምስ እትህባ ጥራሕ እዩ።

ዓቃብ-ሰላም እንግሊዝ ብሩስያ መጥቃዕቲ እንተ ተፈንይሎም ኣመሪካ ክትሕግዞም ድያ ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ ትራምፕ፡ "እንግሊዛውያን ዘደንጹ ወተሃደራዊ ሓይልን ወተሃደራትን ኣለዎም። ገዛእ-ርእሶም ክከላኸሉ ይኽእሉ እዮም። ደገፍ እንተ ኣድልይዎም ግና ኵሉ ሳዕ ምስ እንግሊዛውያን እየ፡" ኢሉ።

ዓንቀጽ 5፡ ሓንቲ ኣባል ኔቶ መጥቃዕቲ እንተ ገጢሙዋ፡ ኵለን ኣባላት ሓቢረን ክከላኸላላ ከም ዝግባእ እዩ ዝገልጽ።

ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ፡ 'ቭላድሚር ፑቲን እሙን ድዩ?' ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሩስያ ዘለዎ ኣረኣእያ ፍሉጥ ምዃኑ ገሊጹ።

ነዚ ስዒቡ፡ ንምንታይ ሰር ኬር ዘይኣምኖ ንሱ ግን ንፑቲን ዝኣምኖ ዝተሓተተ ትራምፕ፡ "ፈጺሞም ኣይሕስውንን እዮም ኢልካ እትሓስቦም ብዙሓት ሰባት እፈልጥ እየ፣ ብሓቂ ግን እቶም ዝኸፍኡ ሰባት እዮም፡" ኢሉ።

"ከም ዘታልሉኻ እትፈልጦ ሰባት ድማ ኣለዉ፣ ግናኸ ሚእቲ ሚእታዊት ክቡራት እዮም። ስለዚ፡ እንታይ ከም እትረክብ ፈጺምካ ኣይትፈልጥን ኢኻ፡" ክብል መሊሱ።

ሓላፊት ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ጃጃ ካላስ፡ ፑቱኒን ሩስያን፡ "ሰላም ክነግስ" ከም ዘይደልዩ ብምግላጽ፡ "ዝዀነ ውዕል ሰላም ተግባራዊ ዝኸውን፡ ኤውሮጳውያንን ዩክረይናውያንን ኣብታ መርከብ ሰላም ምስ ዝስቀሉ ጥራሕ እዩ፡" ኢላ።