ኣመሪካ 'ዓርስኹም ክኣሉ' ኢላ፡ ኤውሮጳኸ መጻኢ ዩክረይን ከተውሕስ ድያ?

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ንመጻኢ ዩክረይን ዝምልከት ህጹጽ ዝርርብ ንምክያድ ንመራሕቲ ኤውሮጳ ኣብ ፓሪስ ከአንግድ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መራሕቲ ኤውሮጳ ተገማሚዖም'ዮም ዘለዉ። እቲ ንሎሚ ሰኑይ ብታህዋኽ ዝጸውዑዎ ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ህጹጽ ዋዕላ ናይዚ መርትዖ እዩ።

ኣብቲ ኣመሪካ ብዛዕባ መጻኢ ዩክረይን ንምዝርራብ ዝሓዘቶ ቈጸራታት ብዘይምዕዳሞም ኣይተሓጐሱን።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ትማሊ ሰንበት ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን "ኣብ ቀረባ እዋን" ክራኸቡ ከም ዝኽእሉ ገሊጹ።

እታ ሕጂ ኣብ መዋጥር ኣትያ ዘላ ኤውሮጳ፡ ፖለቲካዊ ፍልልያትን ዘቤታዊ ቍጠባዊ ሻቕሎትን ንጐድኒ ገዲፋ፡ ኣብ ጸጥታዊ ወጻኢታትን መጻኢ ዩክረይንን ስሙር ግንባር ከተምጽእ ትኽእልዶ?

ናብ ዩክረይንከ ሰራዊት ክትሰድድ ትኽእልዶ? መራሕቲ እቲ ዞባ ንነብሶም ኣብቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሩስያን ዝካየድ ዝርርብ ንምስታፍ ቦታ ከውሕሱ ይኽእሉዶ?

ክፍትኑ እዮም።

ምምሕዳር ትራምፕ ብዛዕባ ዩክረይን እንታይ ክገብር ከም ዝደሊ ምሉእ ንምሉእ ርግጸኛ ከም ዘይኰነ ዝተሓብአ ነገር ኣይኰነን።

ንኣብነት፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ብልክዕ ዘይጸረዩ መልእኽታት ይሓልፉ ነይሮም።

እዚ ድማ ኤውሮጳ ንፕረዚደንት እታ ብዋጋ ዘይትትመን መሻርኽታ ዝዀነት ኣመሪካ ከተእምነሉ እትኽእል ንእሽቶ መስኰት ዕድል ክትረክብ የኽእላ።

ነዚ ድማ በቲ ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ኣኼባ ኣቢላ ከተሳኽዖን ብኽልተ ትራምፕ ዘቕረበን ጠላባት ተጠቒማ እታ ኵዕሶ ናብኡ ከተዝራን ተስፋ ትገብር።

ትራምፕ፡ ኤውሮጳ ኣብ ናይ ባዕላ ምክልኻል ክትሰርሕ ከም ዘለዋን፡ ድሕሪ ምቍራጽ ተጻብኦ፡ ኤውሮጳ ወተሃደራታ ናብ ዩክረይን ክትሰድድ ከም ዘለዋን እዩ ጠሊቡ ዘሎ።

ድሮ፡ ቀዳማይ ምኒስትር ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመር፡ ከም ኣካል ስምምዕ ሰላም፡ ንውሕስነት ጸጥታ ዩክረይን ንምሕጋዝ፡ ወተሃደራት ዓባይ ብሪጣንያ ናብ መሬት ዩክረይን "ድሉውን ፍቓደኛን" እየ ኢሉ ኣሎ።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ "ፑቲን ኣብ መጻኢ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ንኸይፍጽም ክንዓግቶ እንተዄንና" ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዩክረይን ነባሪ ሰላም ምውሓስ ኣገዳሲ እዩ ይብል።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እንተዀነ፡ ንኤውሮጳ እቲ ጕዳይ ልዕሊ እዚ'ዩ።

ምምሕዳር ትራምፕ ምስ መሻርኽቲ ኤውሮጳ ንዘሎ ዝምድናታት ይዅን ምክልኻሎም ቀዳምነት ይህብ ከም ዘሎ ዘንጊዖም ዝተገንዘቡዎ ይመስሉ - ምናልባት ኣዝዩ ዘፍርሕ ግን ከኣ ምሉእ ንምሉእ ዘይተጸበዩዎ ኣይኰነን።

ኤውሮጳ ካብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ጀሚራ፡ ጽግዕተኛ ሓገዛት ጸጥታ ኣመሪካ ኰይና እያ ጸኒሓ።

ከከም መለክዒታት ናይቲ ኣብ ዙርያ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ሩስያን ኣመሪካን፡ ከምኡ'ውን እዚ ንፑቲን ክህቦ ዝኽእል ድፍረት፡ ኣብ መወዳእታ ንዞባዊ ጸጥታና ክቕይሮ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኤውሮጳውያን ኣሎ።

ፑቲን፡ ካብ ቀደሙ'ውን ናብ ምብራቕ ዝግበር ምስፋሕ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ናብ ምብራቕ ክቃወሞ'ዩ ጸኒሑ።

ጐረባብቲ ሩስያ - እተን ንኣሽቱ ሃገራት ባልቲክ ሶቭየት ነበርን ፖላንድን - ብፍላይ ሕጂ ዝተቓልዓ ይመስላ።

ኵለን ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣብቲ ሎሚ ዝካየድ ጕባኤ ኣይክሳተፋን እየን።

መራሕቲ እተን ብወተሃደራዊ ሓይሊ ጥራሕ ዓንተራት ዝዀና ማለት፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኢጣልያ፡ ፖላንድ፡ ስጳኛን ዴንማርክን ከምኡ'ውን ፕረዚደንት ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳን ዋና ጸሓፊ ኔቶን እዮም ክሳተፉ።

ካልኦት ሃገራት ድማ ስዒቡ ዝመጽእ ኣኼባታት ከካይዳ ምዃነን ይግለጽ።

ኣብቲ ንእሽቶ ናይ ፓሪስ ምትእኽኻብ እውን እንተዀነ፡ ጭቡጥ ወሰኽ ወጻኢታት ምክልኻል ዝምልከት ኣብ ስምምዕ ምብጻሕ ኣጸጋሚ ክኸውን እዩ።

ፖላንድ ኣብ 2025 ካብ ውሽጣዊ ፍርያት እታ ሃገር፡ 4.47 ሚእታዊት ኣብ ምክልኻል ከተውዕሎ መደብ ኣለዋ።

ዓባይ ብሪጣንያ ክሳብ ሕጂ፡ ነዚ 2.5 ሚእታዊት ከተብጽሖ ኣይክኣለትን ዘላ።

መራሕቲ ግን ዝያዳ ምውህሃድ ክገብሩ፡ ኣብ ውሽጢ ኔቶ ዝያዳ ገንዘብ ከውጽኡን መብዛሕትኡ ድሕሪ ኲናት ዩክረይን ዝካየድ ዳግመ ህንጸት ኣብ እንግድዓኦም ክስከሙን ቃል ክኣትዉ ይኽእሉ።

ሕብረት ኤውሮጳ እውን ነዚ ምክልኻል እቲ ዞባ ንምዕባይ ዝግበር ጻዕሪ ከደልድል ትጽቢት ይግበር።

ሰፊሕ ክፋል ናይቲ ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ኣኼባ፡ ድሕሪ ምቍራጽ ተዅሲ ናብ ዩክረይን ሰራዊት ምልኣኽ ኣብ ዝብል ዘተኰረ ክኸውን እዩ።

እዚ ግን ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ዘይኰነስ "መረጋገጺ ሓይሊ" እዩ። ብቐንዱ ከኣ ሰለስተ መልእኽታት ንምስዳድ ዝዓለመ'ዩ።

ሓደ፡ ህላወ ሰራዊት ኤውሮጳ፡ ዩክሬናውያን በይንኹም ኣይኰንኩምን ዝብል መልእኽቲ ንምስዳድ ዝዓለመ እዩ።

ካልኣይ፡ ኤውሮጳ ነቲ ዞባ ንምክልኻል "ናይ ዓቕማ ትገብር እያ ዘላ" ዝብል መልእኽቲ ናብ ኣመሪካ ንምስዳድ ክሕልን'ዩ።

ኣብ መወዳእታ ሞስኮ፡ ዝዀነ ውዑላት ተዅሲ ደው ምባል እንተ ኣፍሪሳ፡ እቲ ኲናት ምስ ኪቭ ጥራይ ከም ዘይኸውን ንምጥንቃቕ ዝዓለመ'ዩ።

እዚ ግን፡ ኣካታዒ ኣምር ስለ ዝዀነ መረጽቲ ዘይክቕበሉዎ ይኽእሉ።

ንኣብነት ኣብ ጥልያን፡ 50 ሚእታዊት ካብቶም ዝተሓተቱ ሰባት ኣይኰነንዶ ኣሕዋትን ኣሓቶምን፡ ካልእ ተወሳኺ ኣጽዋር'ውን ናብ ዩክረይን ክለኣኽ ኣይደልዩን'ዮም።

ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ምሉእ ወራር ካብ እትጅምር ንደሓር፡ ገጠራትን ከተማታትን ዩክረይን ከቢድ ደብዳብ ኣጋጢምወን እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክሳብ ሕጂ ዘይተመለሱ ብዙሓት ሕቶታት

  • ነፍሲ ወከፍ ኤውሮጳዊት ሃገር ክንደይ ሰራዊት ክትሰድድ ትግደድ?
  • እቲ ዝለኣኽ ሰራዊት፡ ንኽንደይ ግዜን ኣብ ትሕቲ ናይ መን ትእዛዝን ይጸንሕ?
  • መግለጺ ተልእኾኦም እንታይ እዩ ክኸውን? ንኣብነት፡ ሩስያ ንውዕላት ናይቲ ዝተሰማምዓትሉ ተዅሲ ደው ምባል እንተ ትጥሕስ፡ ወተሃደራት ኤውሮጳ ብቐጥታ ምስ ሩስያ ኣብ ውግእ ክኣትዉ ድዮም?
  • ከምኡ እንተ ኣጋጢሙ፡ ኣመሪካ ክትድግፎም ድያ?

ኤውሮጳ ቅድሚ ናብ ዩክረይን ወተሃደራት ምውፋራ፡ ውሕስነት ጸጥታ ኣመሪካ ክትደሊ እያ።

እዚ ከኣ ዘይክርከብ ይኽእል።

እዚ ኵሉ፡ ምናልባት ሎሚ ሰኑይ ውሳነ ክረክብ ኣዝዩ ብዙሕ'ዩ።

ከምኡ'ውን ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ኬር ስታርመር ሓዊሱ መራሕቲ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ውሽጣዊ ስክፍታታት ሒዞም እዮም ናብ ፓሪስ ዝኸዱ ዘለዉ።

እዚ ድማ ተወሳኺ ወጻኢታት ምክልኻል ክገብሩ ክኽእሉ ድዮም? ናብ ዩክረይን ዝልእኽዎ ሰራዊትከ ኣለዎም ድዩ?

ጀርመን ቅድሚ እቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ኣካታዒ ሓፈሻዊ መረጻ ጭቡጥ መብጽዓ ክትኣቱ ቃል ኪዳን ንምእታው ስግኣት ኣለዋ።

ትራምፕ ነዚ ኵሉ ቍሊሕ ክብሎ ድዩ?

ነዚ ምፍላጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ'ዩ።

ድሕሪ እቲ ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ዋዕላ፡ ጕዳይ ኤውሮጳ ንምቕራብ ናብ ዋሽንግተን ልኡኽ ምልኣኽ ዝብል ዘረባ ይለዓል ኣሎ።

ቀዳማመይቲ ምኒስተር ጥልያን ጆርጅያ ሜሎኒ ምስ ምምሕዳር ትራምፕ ቅርበት ኣለዋ።

ሰር ኬር ስታርመር ድሕሪ ሒደት መዓልታት ናብ ዋሽንግተን ምብጻሕ ክገብር መደብ ኣለዎ።

እዚ ድማ ኣብ መንጎ ኤውሮጳን ኣመሪካን ከም ድንድል ኰይኑ ክሰርሕ ዘሎ ዕድል ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣኼባ ፓሪስ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ድሕሪ ካብቲ ዞባ ምውጽኣ ዝተጸልወ ዝምድናታት ንምሕዋይ ዕድል ክፈጥረላ እዩ።

ብተወሳኺ፡ ከም ንግዳዊ ዝምድናታትን ምትሕብባር ኣኽበርቲ ሕግን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ንቕድሚት ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ከተመሓይሾ ተስፋ ኣለዋ።

ከም ንግዳዊ ዝምድናታትን ምትሕብባር ኣኽበርቲ ሕግን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ንቕድሚት ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ከተመሓይሾ ተስፋ ኣለዋ።

ኣአንጋዲት ሃገር ፈረንሳ ርእሰ ተኣማንነት ይስምዓ ኣሎ።

ፕረዚደንት ማክሮን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ኤውሮጳ ኣብ ሰንሰለት ቀረብ፡ ዓቕሚ ቴክኖሎጂን ምክልኻልን ዘለዋ ጽግዕተኝነት ክውሕድ ኣለዎ ይብል ነይሩ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዩክረይን ኣብ ባይታ ወተሃደራት ክህልዉ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ፈረንሳ፡ ኣገልግሎት ስለያን ጸጥታኣን (ዘይከም ዓባይ ብሪጣንያ) ምስ ኣመሪካ ዘይተሓዋወሰ ምዃኑ "ኣዝያ ትሕበን" ትብል ምክትል ዳይረክተር ኢንስቲትዩት ኣህጉራዊ መጽናዕቲ ሞንታይን ጆርጂና ራይት።

እዚ ንምፍታሕ ከኣ ኣጸጋሚ ኣይኸውንን ማለት'ዩ፣ ምኽንያቱ፡ ትራምፕ ኤውሮጳ ንነብሳ ክትኽእል እዩ ዝጠልብ።

ኣመሪካ፡ ሽዱሽተ ነጥብታትን ሕቶታትን ዝሓዘ ሰነድ ናብ መሓዙት ሃገራት ኤውሮጳ ሰዲዳ እያ።

እዚ ድማ፡ ኣየኖት ሃገራት ናብ ዩክረይን ሰራዊት ከዋፍራ ፍቓደኛታት ምዃነንን፡ ኣየኖት መንግስታት ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳ ክውስኹ ድሉዋት ክዀኑ'ዮም፣ ከምኡ'ውን፡ ነቲ ዝጸንሐ እገዳ ብዝያዳ ብጥብቂ ምትግባር ዝብሉ ይርከቦ።

ክሳብ ቀረባ እዋን ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኔቶ ዝነበረት ጁልያን ስሚዝ ግን እዚ ዓይነት ዝተሓላለኸ ዲፕሎማስያዊ ስራሕ፡ ሰሙናት ዝወስድ ኣኼባታት ዝሓትትን ብዝተመልአ ቅጥዕታት ክውደብ ከም ዘይክእልን ትዛረብ።

ንሳ ወሲኻ፡ መራሕቲ ኤውሮጳ ኣብ ፓሪስ ዝበጽሕዎ ዝዀነ ይዅን ነገር፡ ተጠቒሞም ኣብ ዙርያ ዩክረይን ኣብ ዝካየድ ዝርርብ መንበር ንኽረኽቡ ዝጠልቡ እንተዀይኖም፡ ኢዶም ድኹም ምዃኑ እዩ ዘርኢ ትብል።

"ትራምፕ ኣይፋል እንተ ኢሉ፡ ኤውሮጳ ጠቕሊላ ኣይሕግዝን ክትብል ድያ? ገጾም ንኸበላሽዉ ኣፍንጫኦም ኣይክቘርጹን'ዮም፡" ኢላ።

ብመሰረቱ፡ ኣመሪካ ብመንጽር ጸጥታ ንዩክረይንን ኤውሮጳን ገጻን ክትዓጽፈለን እንተ ሓሲባ፡ ብዝዀነ መገዲ ምክልኻል ኤውሮጳ ከዕብዩዎ ክግደዱ'ዮም።

ዶናልድ ትራምፕ ነዚታት ዘይዕዘቦ እንተ`ልዩ፡ ቭላድሚር ፑቲን ግን ብርግጽ ይዕዘብ እዩ ዘሎ።