ትራምፕ ንፑቲን ስለ ምንታይ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንራኸብ ኢሉዎ?

ትራምፕ ምስ ንጕስ ስዑዲ ዓረብ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኲናት ዩክረይን ንከብቅዕ ምስ ሩስያዊ መዘንኡ ቭላድሚር ፑቲን ንምዝርራብ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ክራኸቡ ከም ዝኽእሉ ኣአንፊቱ ኣሎ።

ብዙሓት ድማ ንግስነት ወሽመጥ ዓረብ ነዚ ወሳኒ ርክብ ስለ ምንታይ መሪጹ ዝብል ይሓቱ ኣለዉ።

ክልቲኦም መራሕቲ ብኣካል ዝራኸብሉ ግዜ ብወግዒ ኣይተገልጸን ዘሎ።

ኣብ ቀረባ እዋን ክኸውን ከም ዝኽእል ግን ጠቒሱ።

ልኡል ዘውዲ ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን እውን ክሳተፍ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ ኣሎ።

ትራምፕ፡ ምስ ፑቲንን ፕረዚደንት ዩክረይ ቮሎዲሚር ዘለንስኪን፡ ኣብ ዕድላት ሰላም ዘተኰረ ዝተፈላለየ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ድሕሪ ምክያዱ እዩ ነዚ ዝገለጸ።

ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ'ዉን፡ ነቲ ኣብ መንጐ ትራምፕን ፑቲንን ዝተኻየደ ዝርርብ ቴሌፎን ከምኡ'ዉን ክልቲኦም መራሕቲ ኣብታ ንግስነት ክራኸቡ ምዃኖም ንኢዳ።

"እቲ ንግስነት ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽ ዝገብሮ ዘሎ ቀጻሊ ጻዕሪ የረጋግጽ፡" ይብል እቲ መግለጺ።

ዘይሻራዊ ቦታ

ነቲ ዝመጽእ ዋዕላ ትራምፕን ፑቲንን፡ ከም ቻይናን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣአንገድቲ ንክዀና ከም ዝሓተታ ይግለጽ።

ምክትል ፕረዚደንት ኢንስቲትዩት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዋሽንግተን ፖል ሳሌም፡ "ስዑዲ ዓረብ ንኣኼባ ትራምፕን ፑቲንን ስነ-ሞጐታዊት ምርጫ እያ፡ ምኽንያቱ ዘይሻራዊት ቦታ ስለ እትኸዉን፡" ይብል።

ኤውሮጳ ኣብ ኲናት ዩክሬን ጽኑዕ መርገጺ ስለ ዝነበራ፡ እቲ ኣኼባ ኣብ ኤውሮጳዊ ሃገር ምእንጋድ ዉጽኢታዊ ከም ዘይኸዉን ይዛረብ።

"ከም ልምዲ፡ ከም በዓል ጀኔቫ ዝኣመሰላ ዘይሻራዊ ቦታታት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዋዕላታት ምተመርጻ ነይረን። ይኹን'ምበር፡ ሩስያ ምስ ስዊዘርላንድን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ዘለዋ ዝምድና እናተበላሸወ ይኸይድ ስለ ዘሎ ነዚ ኣማራጺ እትዀነሉ ተኽእሎ ክንኪ ገይሩ'ዩ፡" ይብል ፕሮፌሰር ኣህጉራዊ ዝምድናታት ዶክተር ኻታር ኣቡ ዲያብ።

ብተወሳኺ ስዑዲ ዓረብ ምስ ፑቲን ዕዉት ምትእምማንን ሓባራዊ ረብሓን ስለ ዝሃነጸትን ፈራሚት ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን (ICC) ከም ዘይኰነትን ይጠቅስ።

ኣብ 2023፡ እቲ ቤት ፍርዲ ምስ ኲናት ዩክረይን ብዝተኣሳሰር ንፑቲን ገበናት ኲናት ብምኽሳስ ኣብ ልዕሊኡ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣውጺኡ እዩ።

ስለ ዝዀነ ድማ ፑቲን ስግኣት ማእሰርቲ ከይሓደሮ ናብ ስዑዲ ዓረብ ክኸይድ ከም ዝኽእል ተንተንቲ ይሕብሩ።

ተራ ሽምግልና

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ስዑዲ ዓረብ ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ንዝካየድ ምልውዋጥ እሱራት ካብ ዝሽምግሉ ሃገራት ሓንቲ ብምዃን፡ እምነት ክልቲአን ሃገራት ክትከስብ ክኢላ እያ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብሪያድ ኣብ ዝተመቻቸወ ምልውዋጥ እሱራት፡ ሩስያ ንኣመሪካዊ መምህር ማርክ ፎገል ድሕሪ ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ካብ ማእሰርቲ ፈቲሓቶ።

ኣብዚ፡ ልኡል ዘውዲ ስዑዲ ዓረብ ንኽፍታሕ ወሳኒ ተራ ከም ዝተጻወተ ልኡኽ ማእከላይ ምብራቕ ኣመሪካ ስቲቭ ዊትኮፍ ገሊጹ።

ስዑዲ ዓረብ እውን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንኽልቲኦም - ዘለንስኪን ፑቲንን - ብሓጎስ ተቐቢላ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ነባሪ ስምምዕ ሰላም ክህሉ ጸቕጢ ገይራ።

ነዚ ንምትግባር ድማ ምስ ወከልቲ ሓያሎ ሃገራት ኣብ ጅዳ ኣህጉራዊ ኣኼባ ኣዳልያ።

ፑቲን ኣብ ታሕሳስ 2023 ናብ ሪያድ ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ እቲ ልኡል "ብደረጃ መንግስትን ህዝብን ፍሉይን ልዑል ክብሪ ዘለዎን ጋሻ ስዑዲ ዓረብ፡" ኢኻ ኢሉዎ።

ክኢላ ጕዳያት ወሽመጥ ዓረብ ዓብደላ ባቡድ፡ ስዑዲ ዓረብ ከም ኦማን፡ ቀጠርን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ዝመሳሰል ናይ ሽምግልና ስራሕ ክትዋፈር ከም እትብህግን፡ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ጽልዋ ከተዕቢ ከም እትደሊን ይኣምን።

ኣኼባ ትራምፕን ፑቲንን ምእንጋድ፡ ንስዑዲ ዓረብ ከም ዲፕሎማስያዊ ሞገስ ከገልግል ከም ዝኽእል ይእምት።

ስዑዲ ዓረብ፡ ኣኼባ ትራምፕን ፑቲንን ከተአንግድ ምኽኣል፡ ሪያድ ከም ምፍራም ውዕላት ኣብርሃም፡ ማለት ኣብ መንጐ ኣርባዕተ ሃገራት ዓረብን እስራኤልን ዝነበረ ዝምድና ናብ ንቡር ዝተገበሩ ክልተኣዊ ስምምዓት ዝበሉ ስትራተጂካዊ ረብሓታት ኣመሪካ ዝያዳ ከተድምዕ ዝገብራ ዲፕሎማሲያዊ ከስቢ እትረኽበሉ ኣጋጣሚ ክኸዉን ከም ዝኽእል ይገልጽ።

ፖል ሳሌም፡ ትራምፕ ብቍጠባዊ፣ ፋይናንሳዊ፣ ወፍሪን ስትራተጂካዊ ምኽንያታትን፡ ርክብ ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ንምሕያል ሃንቀውታ ኣለዎ ኢሉ ይኣምን።

ትራምፕ ኣብ መጻኢ ክህሉ ዝኽእል ስምምዕ ኣመሪካን ስዑዲን እስራኤልን ንምርግጋጽ'ዉን ተገዳስነት ከም ዘለዎ ይጠቅስ።

ፕሮፌሰር ስትራተጂካዊ ርክብ ዶክተር ኒዳል ቾውኬር፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ፖሊሲታት ማእከላይ ምብራቕ ትራምፕ፡ ብፍላይ ምስ ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን ብዝምልከት ኣገዳሲት ምዃና ሓቢሩ።

ብተወሳኺ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ንነበርቲ ቓዛ ናብ ንግስነት ወሽመጥ ዓረብ ንምግዓዝ ዝሃቦ መግለጺ ስዒቡ፡ ሪያድ ነቲ እማመ ብትሪ ነጺጋቶ እያ።

ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ጸቕጢ ክትገብር ከም ዝጀመረት ጠቒሱ።

ጕዳይ ነዳዲ

ኣመሪካ፡ ብስዑዲ ዓረብን ሩስያን ስዒቡ ብብዝሒ ኣፍራዪት ነዳዲ ዓለምና እያ።

ኲናት ሩስያን ዩክረይንን ንዓለማዊ ዕዳጋታት ጸዓት ኣብ ዝጸለወሉ እዋን፡ ስዑዲ ዓረብ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ምርግጋእ ልዑል እጃም ከም ዝነበራ ክኢላታት ይሕብሩ።

ኣብ ታሕሳስ 2024፡ ስዑዲ ዓረብን ሩስያን ዘጠቓለለ ኪዳን ኣባላት እቲ ኪዳን ነዳዲ ሰደድ ዝገብራ 22 ሃገራት ዝዀነ ኦፔክ+ (OPEC+)፡ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ዝዀነ ትሑት ጠለብን ተወዳዳሪ ምህርቲ መሓዙት ዘይኰና ሃገራትን ስለ ዘጋጠመን፡ ወሰኽ ምህርቲ ነዳዲ ክደናጔ ወሲነን።

ስዑዲ ዓረብን ሩስያን ከም ዓበይቲ ኣፍረይቲ ነዳዲ፡ ሓበራዊ ረብሓ ኣለወን ይብል ዓብደላ ባዓቡድ።

ዋዕላ ትራምፕን ፑቲንን ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ምውዳእ ጥራይ ዘተኰረ ዘይኰነስ ኣብ ዓለማዊ ዋጋ ነዳዲን ቍጠባዊ ምትሕግጋዝን እውን ትዅረት ዝገበረ ክኸዉን እዩ ዝብል ግምት ኣለዎ።

"ትራምፕ፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዋጋታት ንክጐድል ድሕሪ ዘቕረቦ ጻውዒት፡ ንኵባኒያታት ኣመሪካ ጸዓት ምቹእ ዋጋ ድፍድፍ ነዳዲ ንምርግጋጽ ክጽዕር ይኽእል እዩ፡" ይብል።

ንሱ፡ ትራምፕ ኣብ ክንዲ ጽሩይ ጸዓት ንፍርያት ፎሲል ነዳዲ ቀዳምነት ከም ዝህብን እዚ ድማ ምስቲ ስዑዲ ዓረብ ከም ቀንዲ ለኣኺት ነዳዲ ዘለዋ ተራ ዝቃዶ ምዃኑን ይሕብር።

ስትራቴጂካዊ ረብሓታት

ትራምፕ፡ ኣብ 2017 እዩ ናብ ስዑዲ ዓረብ ወግዓዊ ምብጻሕ ገይሩ፤ እዚ ድማ ደረጃ ዲፕሎማሲ ስዑዲ ዓረብ ሓፍ ክብል ሓጊዙ።

ትራምፕ፡ ንኻልኣይ ግዜ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ንፈለማ እዋን ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝገብሮ መገሻ፡ ዳግም ናብታ ንግስነት ወሽመጥ ዓረብ ክኸውን ከም ዝኽእል ድሮ ኣተንቢሁ፤ ዋጋ ድማ ኣንቢሩሉ ኣሎ።

"ስዑዲ ዓረብ 450 ቢልዮን ዶላር ወይ 500 ዶላር [ዋጋ ፍርያትና] ክትገዝእ እንተትደሊ ... ምናልባት ምኸድኩ ይመስለኒ፡" ክብል ዝሓለፈ ወርሒ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ ነይሩ።

ድሕሪ ሒደት መዓልታት ልኡል ስዑዲ ዓረብ፡ እታ ንግስነት ኣብ ዝቕጽሉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ኣመሪካ 600 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ክትገብር ከም እትደሊ ገሊጹ።

ትራምፕ፡ ድሕሪ ሒደት መዓልቲታት ኣብ ዳቮስ ኣብ ዝተኻየደ ዓለማዊ መድረኽ ቍጠባ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እቲ ፍሉይ ወዲ ዝዀነ ልኡል ግን ናብ ኣስታት ሓደ ትሪልዮን ዶላር ከብጽሖ ክሓቶ እየ። ከምኡ ክገብሩ እዮም ዝብል ግምት ኣለኒ፡ ምኽንያቱ ኣዝዩ ጽቡቕ ስለ ዝገበርናሎም፡" ኢሉ።

ዶክተር ኒዳል ቾከየር፡ ትራምፕ ንስዑዲ ዓረብ ከም ወሳኒት ስትራቴጂካውን ቍጠባውን መሻርኽቲ እዩ ዝርእያ ዝብል እምነት ኣለዎ።

ብፍላይ ፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደን ናብ ኤስያ ክጥምት ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ትራምፕ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዓብላሊ ቍጠባዊ ተራ ኣመሪካ ንምርግጋጽ ይጽዕር ከም ዘሎ እውን ይሕብር።

ትራምፕ፡ ከም ኣካል ናይቲ ዋሽንግተን ምስ ቻይና እትገብሮ ዘላ ስትራተጂካዊ ውድድር፡ ጽልዋ ኣመሪካ ኣብ ስዑዲ ዓረብን ሰፊሕ ዞባን ንምድልዳል'ውን ይጽዕር ከም ዘሎ ፕሮፌሰር ኣህጉራዊ ዝምድናታት ዶክተር ኻታር ኣቡ ዲያብ ገሊጹ።

ስዑዲ ዓረብ፡ ብኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ክትነቅፍ እንከላ፡ ክልቲኦም ኣቡ ዲያብን ቾካየርን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ንግስነት ዝተገብረ ጽገናታት፡ ከም ምእላይ ሃይማኖታዊ ፖሊስ ወይ ደቂ ኣንስትዮ መኪና ክዝውራ ምፍቃድ ዝበሉ ጽገናታት ዓለማዊ ምስላ ከም ዘመሓየሹዎን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ትራምፕ ንፖለቲካዊ ጸቕጢ ከም ዘይትቃላዕን ይምጕቱ።