ዘለንስኪ፡ ስለምንታይ እዩ ብርክባት ትራምፕን ፑቲን ዘይተሓጎሰ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ዘለንስኪ ንዩክረይን ዘየሳትፍ ስምምዕ ሰላም ቅቡል ከም ዘይኰነ ኣጠንቂቑ።
ነዚ ዝገለጸ፡ ዶናልድ ትራምፕን ቭላድሚር ፑቲንን ነቲ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ደው ንምባል ዝርርብ ክጅመር ቃል ድሕሪ ምእታዎም እዩ።
ዘለንስኪ፡ "ከም ልዑላዊት ሃገር መጠን ክንቅበሎ ኣይንኽእልን ኢና፡" ኢሉ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ምስ ፑቲን ብተለፎን ድሕሪ ምዝርራቦም፡ እቲ ኲናት ከብቅዕ "ልዑል ተኽእሎ" ከም ዘሎ ተዛሪቡ ነይሩ።
ዩክረይን ናብ ኔቶ ክትጽንበር "ግብራዊ" ከም ዘይነበረ ዝገለጸ ትራምፕ፡ ናብቲ ቅድሚ ወራር ዝነበረ ዶባታ ክትምለስ ከኣ "ዘይመስል እዩ፡" ኢሉ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ወከልቲ ሩስያ ምስ ኣመሪካውያን መዛናኦም ኣብቲ ዓርቢ ኣብ ሙኒኽ - ጀርመን - ዝቃናዕ ናይ ጸጥታ ዋዕላ ክራኸቡ ሓሳብ ዓቕሪቡ ኣሎ።
ትራምፕ፣ "ካልኦት ሃገራት ብዓል መን ከም ዝህልዋ ርግጸኛ እኳ እንተ ዘይኰንኩ፡ ላዕለዋት ሰበስልጣን ሩስያን ኣመሪካን ግን ክህልዉ እዮም፡ ዩክረይን'ውን ዕድምቲ እያ፡" ኢሉ።
"ተመሊሶም ክርኢ ባህ እብለኒ። ከተርሕቖም ጌጋ ዝነበረ 'መስለኒ። እዚ ብዛዕባ ምፍታው ወይ ምጽላእ ሩስያ ኣይኰነን።"
ኣብቲ ዓመታዊ ዝቃናዕ መድረኽ ክትሳተፍ ዘይጸንሐት ሩስያ፡ ብዛዕባ'ቲ ትራምፕ ዝሃቦ መግለጺ ዛጊድ ዝበለቶ የለን።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣማኻሪ ዘለንስኪ ዲሚትሮ ሊትቪን ግን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ሙኒኽ ምስ ሩስያውያን ዝርርብ" ምክያድ፡ "ትጽቢት ከም ዘይተገብረሉ፡" ገሊጹ።
ፕረዚደንት ዘለንስኪንን ምክትል ፕረዚደንት ትራምፕ ጄዲ ቫንስን ንሎሚ ዓርቢ ኣብ ሙኒኽ ክራኸቡ እዮም።
እቲ ትማሊ ረቡዕ ምስ ትራምፕ ብተለፎን ዝተራኸበ መራሒ ዩክረይን፡ ሃገሩ ብዘይ ተሳትፎኣ ዝካየድ "ዝዀነ ስምምዕ" ከም ዘይትቕበል ገሊጹ።
"ኤውሮጳውያን'ውን ኣብቲ መኣዲ ዘተ ክህልዉ ኣለዎም፡" ዝበለ ዘለንስኪ፡ ቀዳምነቱ "ውሕስነት ጸጥታ" ምዃኑን እዚ ድማ ብዘይ ኣመሪካ ክኸውን ከም ዘይክእልን ንፕረዚደንት ትራምፕ ገሊጽሉ።
ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ ኣባልነት ዩክረይን ኣብ ኔቶ ንመሻርኽቶም "ውጽኢታዊ" ኣማራጺ ከም ዝዀነ ገሊጹ።
"መራሕቲ ዓለም ነቲ ፑቲን ኲናት ከብቅዕ ድልው እየ ዝብሎ ዘሎ ከይኣምኑዎ የጠንቅቕ፡" ክብል ወሲኹ ተዛሪቡ።
ኤውሮጳውያን መሻርኽቲ ዩክረይን'ውን፡ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ጸቕጢ ብምግባር ዝውሰድ ዝዀነ ተበግሶ ንጹግ ምዃኑ ገሊጸን።
ምኒስተር ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ ጆን ሃሊ፡ "ዩክረይን ኣብ ዘይብሉ ብዛዕባኣ ዝግበር ዘተ ክህሉ ኣይክእልን እዩ፣ ድምጺ ዩክረይን ኣብ ሕመረት ነፍስ-ወከፍ ዝርርብ ክህሉ ኣለዎ፡" ኢሉ።
ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ "ዝተስገደደ ሰላም" ብምንጻግ፡ ምኒስተር ምክልኻል ሃገሩ ቦሪስ ፒስቶርየስ ድማ እቲ ኣመሪካ ንክረምሊን ትገብሮ ዘላ "ዘጣዕስን ዘሕዝንን እዩ፡" ኢሉ።
ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ካጃ ካላስ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሩስያ "ምልምላም" ተርኢ ከም ዘላ ወቒሳ።
"እቲ ዝርርብ ከይተጀመረ ከሎ፡ ካብ መኣዲ ዘተ እነግልሎ ክህሉ ኣይግባእን። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ንሩስያ ከም ዝሕግዛን ከምኡ ክኸውን ከም እትደልዮን" ገሊጻ።
ሩስያ ኣብ 2022 መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ካብ እተካይድ ንደሓር፡ ንፈለማ ግዜ ወግዓዊ ጻውዒት ናብ ፑቲን ዘካየደ ትራምፕ፡ ምስ ፑቲን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ክራኸብ ምዃኑ ገሊጹ።
ኪኖ ምርኻብ ግን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
ትማሊ ረቡዕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፑቲን እቲ ኲናት ክውዳእ ከም ዝደሊን ኣብ ቀረባ እዋን ምቍራጽ ተዅሲ ክግበር ትጽቢት ከም ዘለዎን ገሊጹ።
ዩክረይን ኣብዚ መስርሕ ሰላም ማዕረ ብጽሒት ድዩ ዘለዋ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ "ሰላም ክገብሩ ኣለዎም፡" ኢሉ።
ጸሓፊ ምክልኻሉ ፒት ሄግሰት ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኔቶ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ዘተ ሰላም ምስ ፑቲንን ዘለንስኪን ከም ዝካየድ ብምግላጽ፡ ንትራምፕ ድማ "ሓያል ተደራዳሪ፡" ክብል መጒሱዎ።
ዩክረይን ናብ ናይ ቅድሚ 2014 ዶባታ ክትምለስ ትኽእል እያ ኢልካ ምሕሳብ "ዘይክውንነታዊ"ን ናብ ኔቶ ምጽንባር ዘይሕሰብን ምዃኑ ትማሊ ረቡዕ ዝገለጸ ሄግሰት፡ መርገጺኡ ብምልዛብ፡ "ኩሉ ኣማራጺ ኣብ ጠረጴዛ እዩ ዘሎ፡" ኢሉ።
ቀጺሉ፡ ንዩክረይን ብዛዕባ ዝወሃብ ሓገዝን ብዝሒ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ኤውሮጳን ኣብቲ ዘተ ክቐርብ ከም ዝኽእል ኣመተ ሂቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







