ዘለንስኪ 'ሰራዊት ኤውሮጳ' ክህነጽ ሓቲቱ፡ መራሕቲ ኤውሮጳ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዖም

ቮሎድሚር ዘለንስኪ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መራሕቲ ኤውሮጳ መጻኢ ሰሙን ኲናት ዩክረይን ምኽንያት ዝገበረ ህጹጽ ዋዕላ ከካይዱ ምዃኖም ተፈሊጡ።

ኣብቲ ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ዋዕላ ክሳተፉ ትጽቢት ዝግበረሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ብሪጣኒያ ሰር ኬር ስታርመር፡ እዚ "ንሃገራዊ ድሕነትና ኣብ ሓደ ወለዶ ሓንሳብ ዝረአ ህሞት፡" እዩ ብምባል፡ ኤውሮጳ ኣብ ኔቶ ዝዓበየ እጃም ክትጻወት ከም ዘለዋ ንጹር ምዃኑን ገሊጹ።

እዚ፡ ፍሉይ ልኡኽ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ብዛዕባ እቲ ኲናት ዩክረይን ደዉ ንምባል ኣብ መንጐ ኣመሪካን ሩስያን ዝካየድ ዝርርብ ከነማኽረን ኢና፤ ኣብቲ ዋዕላ ግን ኣይሳተፋን ድሕሪ ምባሉ ዝስዕብ ዘሎ ምዕባለ'ዩ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ብወገኑ፡ ኣመሪካ ድሕሪ ሕጂ ነቲ ዞባ ክትሕግዝ ኣይትመጽእን ዝብል ስክፍታ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ "ሰራዊት ኤውሮጳ" ክፍጠር ጸዊዑ።

ኣመሪካ፡ ንዩክረይን ወተሃደራዊ ሓገዝ ከም ዘይትገብር ኣፍሊጣ ኣላ።

ንሱ ኣብ ሙኒኽ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ጸጥታ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጄዲ ቫንስ፡ እቲ ኣብ መንጐ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝጸንሐ ዝምድና "ይውዳእ" ከም ዘሎን እታ ኣህጉር "ነዚ ክትላመዶ ከም ዘለዋን" ንጹር ገይሩ'ዩ ኢሉ።

ኣብቲ ጕባኤ ዝተሳተፈ ምኽትል ፕረዚደንት ዳጄ ቫንስ፡ ኣብቲ ን20 ደቓይቕ ዘስምዖ መደረ፡ ንብሪጣኒያ እትርከበን ሃገራት ኤውሮጳ ብምልዓል ክነቅፍ እዩ ተራእዩ።

ቫንስ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ብተደጋጋሚ ዝብሎ ብምጥቃም ኤውሮጳ "ናይ ገዛእ ርእሳ ምክልኻል ንምጥንኻር ክትንቀሳቐስ" ኣለዋ ክብል ተዛሪቡ።

እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ብቐዳም፡ ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ነቲ ኣብዚ ሰሙን ኣብ መንጐ ትራምፕን ፑቲንን ዝተኻየደ ዝርርብ ስልኪ፡ "ንምድልዳል" ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ብቴሌፎን ተዘራሪቡ።

ንሱ ዝርከብዎም ላዕለዎት ልኡኻት ዋይት ሃውስ እውን ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ምስ ሩስያውያንን ዩክሬናውያንን ተደራደርቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ክራኸቡ ምዃኖም ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ገሊጾም።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኪት ኬሎግ፡ ብቐዳም ዝሃቦ መግለጺታት ኣብ ዩክረይንን ኣብ መንጐ መሓዙት ሃገራት ኤውሮጳን ስክፍታ ክፈጥር ዝኽእል ኰይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ ድርድር ብዙሓት ወገናት ስለ ዝተሳተፉ ከም ዝፈሸለ ገሊጹ።

ኤውሮጳ በቲ ኣብ 2015 ኣብ መንጐ ዩክረይንን ሩስያን ዝተበጽሐ ፍሹል ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ስምምዓት ሚንስክ ክትቕጽል ትደሊ።

እቲ ብሸምገልቲ ፈረንሳን ጀርመንን ዝተኻየደ ዝርርብ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ዞባ ዶንባስ ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ከብቅዕ ዝዓለመ እዩ ነይሩ።

ዘለንስኪ ድማ፡ "ካብ ተሳትፎ ዩክረይን ወጻእ ብድሕሬና ዝግበር ስምምዓት ፈጺምና ኣይንቕበልን፡" ክብል ገሊጹ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ብሪጣኒያ ሰር ኬር ስታርመር፡ ንኣመሪካን ኤውሮጳን ኣብ ሓደ ብምምጻእ ኣብ ዩክረይን ስሙር ምምጻእ ሰላም ንክህሉ ክሰርሕ ይደሊ። ንሱ ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ናብ ዋይት ሃውስ ብምኻድ ድማ መራሕቲ ኤውሮጳ ዘለዎም ርኢይቶ ዝምልከት ክዝቲ'ዩ።

ድሕሪኡ፡ ምስ መራሕቲ ኤውሮጳን ፕረዚደንት ዩክረይ ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ክዘራረብ ትጽቢት ይግበር።

ሰር ኬር፡ ዓባይ ብሪጣንያ "ኣመሪካን ኤውሮጳን ሓደ ንክዀና ክትሰርሕ እያ" ብምባል፡ ኣብ መንጐና ዝዀና ግዳማዊ ጸላኢ ክኣቱ የብሉን ኢሉ።

"እዚ ንሃገራዊ ድሕነትና ኣብ ወለዶ ሓንሳብ ዝረአ ህሞት ስለ ዝዀነ፡ ምስ ክውንነት ዓለምን ካብ ሩስያ ዘጋጥመና ስግኣትን ብምግንዛብ ክንዋሳእ ይግባእ። መጻኢ ዩክረይን ንምውሓስን ካብ ሩስያ ዘጋጥመና ሓደጋ ንምብዳህን ምስ ኣመሪካ ኣብ እንሰርሓሉ ዘለና እዋን፡ ኤውሮጳ ኣብ ኔቶ ዝዓበየ ተራ ክትጻወት ከም ዘለዋ ንጹር'ዩ፡" ኢሉ።

ትራምፕ፡ ክፍሊት ኣባል ሃገራት ኔቶ ካብ 2 ናብ 5 ሚእታዊት ከዕብያ እዩ ዝደሊ።

ንሱ፡ ኔቶ ሸኽሚ ኣመሪካ ኰይኑ'ዩ ዝብል መርገጺ ኣለዎ።

ኣብቲ ብዓርቢ ኣብ ሙኒኽ ዝተኻየደ ጕባኤ ሰላም መራሕቲ ኤውሮጳ ዝተሳተፈ ምኽትሉ ጃዴ ቫንስ፡ ንመራሕቲ ኤውሮጳ ብትሪ ክነቅፍ እንከሎ ስግኣትኵም ካብ ቻይና እምበር ካብ ሩስያ ዝምንጪ ኣይኰነን ኢሉ።

"እቲ ዓንዪ ሓደጋ፡ ኣብ ውሽጥዅም'ዩ ዘሎ፤ ናይ ምዝራብ ናጽነት ትድርቱ ኢዅም፡" ብምባል ኣኽረርቲ ሰልፊታት ኣብ መንግስታቶም ክሳተፉ ክገብሩ ከም ዘለዎም ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ጥቡቕ ስጒምቲ ክትወስድ ኣለዋ ክብል እንከሎ፡ ኣብ ጀርመን ምስ መራሕቲ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ምርኻቡ ስንባደ ፈጢሩ ይርከብ።